ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብቲ ብኤርትራዊ ፎረም ንሃገራዊ ዘተ ዝተዳለወ ዋዕላ ለንደን ተኻፊሉ

2018-04-09 13:22:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3628 times

ካብ 7-8 ሚያዝያ 2018 “ፖለቲካው ልዝብን ሓባራዊ ዕዮን ምእንቲ ስጡም ሕብረተ-ሰብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብምትሕብባር ኤርትራዊ ሃገራዊ ናይ ዘተ ፎረም”ን ኤርትራዊ ማእከል ዜናን እተዳለወ ዋዕላ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ብርክት ዝበሉ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ወከልቲ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ተኻፊሎም ነይሮም። ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታትን ሓጺር መእተዊ ናይ ኣዳለውቲ ዋዕላን ኢዩ ተጀሚሩ።

እቲ ዋዕላ ብኣቦ መንበርነት ሓው ዓብዱልራሕማን ሰይድ እትምራሕን ሓው ነጋሽ ዑስማንን ሓው ኣማኒኤል በራኽን ዝርከብዋ ሰክረታርያን ኢዩ ተማእኪሉ። ኣብ ምትግርጓም ዝተሓባበሩ ኣሕዋት ነጋሽ ዑስማን፡ ኣሕመድ ነጋሽ፡ ዓብዱራሕማን ሰይድን ሱሌማን ኣደምን ድማ ምስጋና ይግብኦም ኢዩ።

ኣብ ዋዕላ ዝቐረቡ ወረቓቕቲ ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም

1.   ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ራእይ ኣብ ምህናጽ ሕድሕድ ምትእምማንን እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ሓይልታትን (ብመንግስተኣብ ኣስመሮም)፤

2.   ተቓውሞ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ መንጐ ባህጊ ንሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ኣብ መንጐ ብድሆታት ባዕላዊ ሕጽረትን ናይ ግዳም ኣጀንታታትን (ብበሺር ኢሽሓቕ)

3.   ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ብዓብደልረዛቕ መሓመድ ሙሳ)

MA on Podium 2

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ንኣዳለውቲ ዋዕላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ጠንቅታት ናይ ዘይምትእምማን መንፈስን ከመይነት ምውጋዶምን ዝብል ቴማ ብሰፊሑ ኣቕሪቡ። ቀኢሉ፡ ነቲ ሰዲህኤ ኣቕሪብዎ ዘሎ ኵሎም ተቓወምቲ ክፈላለየሉ ዘይብሎምን ብሓባር ንኽሰርሑ ዘኽእሎምን ዝብሎም 4 ነጥብታት ብዝርዝር ገሊጹ። ንሳቶም ከኣ፡-

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፣

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ ጨቋኒ መሓውራቱን፣

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፣

4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፣ ዝብሉ ኢዮም ኢሉ።

ነዞም ዕላማታት እዚኣቶም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብክእለቶም ዝልለዩን ኵሉ ዝዓግበሎምን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ወጻኢ ካብ ውድባት ኰይኖም ንፍትሒ ዝቃለሱ ምሁራትን ዘጠቓልል ኮሚቴታት ብምቛም ንደምበ ተቓውሞ ወኪሎም ክዋስኡ ምውፋር ኢዩ ክብል ንሕምረት ናይ’ቲ እማመ ንሓባራዊ ዕዮ ኣብሪሁ።

ሓው በሺር ኢሽሓቕ ከኣ፡ ግደ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ተማላላኢ እምበር ናይሕሪ ሕድሕድ ተወዳደርቲ ከምዘይኰኑ፣ ብዙሕነት ጸገም ከምዘይኰነ፡ እቲ ጸገም ኣብ ምምሕዳሩ ምዃኑ፤ ብስምዒት ዝግበር ምጽንባራት ዘላቒ ከምዘይኰነ ድሕሪ ምብራህ፡ እቲ ጸገም ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት፡-

1. ብሩህ ኣረዳድኣ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘይምህላው፣

2. ንጹር ስትራተጂ ዘይምህላው፣

3. ንውሽጥን ንግዳምን ዝውሃብ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ዘይተነጸረ ምዃኑ፣

4. ኣብ ግዳም ምምርኳስ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽለዋታት ከምዘሎ ገሊጹ፣

5 ካብ ህዝብኻን ሃገርካን ርሒቕካ እተካይዶ ቃልሲ ድማ ቀሊል ከምዘይኰነ ኣረዲኡ።

Public London

ሓው ዓብደልረዛቕ መሓመድ ሙሳ ድማ፡ ህዝቢ ንጡፍ ተዋሳኣ እምበር ተጸባያይ ክኸውን ከምዘይብሉ ዝብል መሰረት ዘበገሶ ኣዝዩ መሃርን መሳጥን መግለጺ ኣቕሪቡ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ንሕና ብዛዕባ ዝመርሓና ራኢ ደኣ’ምበር ብዛዕባ መን ይመርሓና ዝብል ኣብ ውልቀሰባት ዝተመርኰሰ ምክፍፋላት ከምዘየድልየና ኣተንቢሁ። ከምኡ’ውን፡ ጉድለታትካ ምልላይ ዘለዎ ኣገዳስነት ሓቢሩ። ጉድለታትን ንምልላይን ንምግምጋምን ከኣ፡ እቶም ፈጸምቱ ዘይኰናስ፡ ናይ ናጻ ዝዀኑ ኣካላት ተራ ምዃኑ ኣተንቢሁ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መዳይ እቲ እውጅ መርገጽን ብዘይእውጅ ኣገባብ ተኸዊሉ ዝኸይድ ጐስጓሳትን ሓደ እንተደኣ ዘይኰኑ ከስዕቦ ዝኽእል ጕድኣትን ዘይምትእምማንን ቀሊል ከምዘይኰነ ኣረዲኡ።

ተኻፈልቲ ዋዕላ፡ ነቲ ዝቐረበሎም መግለጺታት ብሕቶን ርእይቶን ድሕሪ ምህብታሙ፡ ነቲ ውዕሎ ዝገልጽ ሓባራዊ መግለጺ ክወጽእ ተሰማምዑ።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ዋዕላ፡ ሓው ዶክተር  ዑመር ዘርኣይ ንኣቕረብቲ ወረቓቕቲ፡ ንወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ንኣኼበኛታት ብሓበራ ብምምስጋንን፣ እቲ ዋዕላ በቶም ኣዳለውቱ ጥራሕ ከም እተመወለን ብምግላጽ ነቲ ዋዕላ ዛዚምዎ።

 Omer Zerom

ዶክተር ዑመር ዘርኣይ

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ብሓው ዓብደልረዛቕ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ብትግርኛን ዓረብኛን ተተርጕሙ ብጽሑፍን ብድምጽን ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ተላብዩ። ኣኼበኛ ድማ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዋዕላ ብስፍሕ ዝበለ ኣገባብ ክዳሎ ተላብዩ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ዋዕላ ብዅሉ መዳያቱ ዘሕጉስን መሃርን ምንባሩን እማመ ሰዲህኤ እውን ደገፍ ከምዝረኸበን ኣብሪሁ። ብቋንቋ ዓረብኛ ምስ ተለቪዥን ኤርትራዊ ማእከል ዜና ቃለ-መሓትት ከምዝገበረ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ሓው ኣማኒኤል በራኺ፡ ኣባል ማእክላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ እውን ኣብ’ቲ ዋዕላ ተኻፊሎም ምንባሮም ገሊጹ።

Last modified on Wednesday, 11 April 2018 00:08