ሰዲህኤ፡ ሩዋንዳ ኣብ ምግሃስ መሰል ስደተኛታት ንኸይትተሓባበር ጸዊዑ

2018-03-01 09:14:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3013 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ እስራኤል ተዓጊቶም ንዘለዉ ዑቑባ ዝሓቱ ስደተኛታት ንምድጋፍ ተወሳኺ መዘክር ኣቕሪቡ። ኣብዚ መዘክሩ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሩዋንዳ ምስቲ ኣንጻር መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝሰርሕ ዘሎ የማናዊ መንግስቲ እስራኤል ከይትተሓባበር ጸዊዑ።

ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ብ28 ለካቲት 2018 ብመንገዲ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ወይዘሮ ሉይስ ሙሺኪዋቦ ናብ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝተላእከ መዘክሩ፡ ሩዋንዳ ካብቲ ኣብ ንግዲ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ እስራኤል ዝምድናኣ ንከትርሕቕ ጸዊዑ። እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ እዚ ተግባር ኣብ ሩዋንዳን ኣብ ኩሎም ኣንጻር ከም ኣፓርታይድ ዝኣመሰለ ግፍዒ ዝተሰለፉ ኣፍሪቃውያንን ዘሕፍር በሰላ ዝገድፍ ከም ዝኾነ ኣመልኪቱ።

እቲ መልእኽቲ እስራኤላውያን ግዱሳትን ሲቪላውያን ተንቀሳቀስትን ኣብ ጐኒ እቶም ስደተኛታት ምስላፎም ዝሓደሮ ኣሚቕ ዕግበት ጠቒሱ፡ ብኣንጻሩ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ገንዘብ ንምርካብ ኣብ እስራኤል ተዓጊቶም ዘለዉ ስደተኛታት ክቕበል ፈቓደኛ ኮይኑ ብዝብል ጸብጻብ ከም ዝሓዘነን ከም ዝሰንበደን ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ሰዲህኤ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይን ምትሕብባርን፡ መንግስቲ ሩዋንዳ ምስተን ኣብ እስራኤል ኣብ ስግኣትን ደረት ዘየብሉ ማእሰርትን ዝነብሩ ዘለዉ ኣፍሪቃውያንን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ፍትሓዊ መፍትሒ ንክረኽባ ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራትን ማሕበራትን ንክተሓባበሩ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

ናይዚ ዝተጠቕሰ መዘክር ቅዳሕ ናብ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ ማሃማትን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ፍሊፖ ግራንዲን ተላኢኹ።

Last modified on Thursday, 01 March 2018 10:20