ሰዲህኤ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ እስራኤል ኣብ ጸበባ ንዘለዉ ኤርትራውያን ክሕግዝ ጸዊዑ

2018-01-16 09:32:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2821 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ አርትራ (ሰዲህኤ) ብ15 ጥሪ 2018 ብዘቕረቦ ተሪር ምሕጽንታ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ እሞ ናብ ዝኸድዎ ዘየብሎም 30 ሺሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ዓለም ለኻዊ ፍታሕ ንክገብረሎም ተማሕጺኑ።

ነቶም ካብ ኤርትራ፡ ዳርፎርን ካልእ ሓደገኛ ከባብን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ከምቲ ዝረአ ዘሎ እስራኤ ግቡኣ ክትገብር ምርዳኣ እንተዘይተኻኢሉ፡ ናይቲ ዝተረፈ ኣካላት ሰብኣውነት ሓላፍነትን ግቡእን ምዃኑ እቲ ናይ ሰዲህኤ መዘክር ገሊጹ።

እቲ ብኣድራሻ ወይዘሮ ፈደሪካ ሞገሪኒ፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ላዕለወይቲ ተወካሊት ወጻኢ ጉዳያትን ጸጥታዊ ፖሊስን ዝተለእከ መዘክር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ እስራኤል ዓለም ለኻዊ ውዕላት ጥሒሳ ንስደተኛታት ካብ ግዝኣታ ደፊእ ንምውጻእ  እትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ስቕታ ከም ዝገረሞ ጠቒሱ፡

Stranded Eritreans 2 16.01.2018

 

ናይቲ መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ኮሚሽነር ሕኣን ሓላፊ ላኮጉስሕመን እዩ ተላኢኹ

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ እስራኤል ኣብ 1951 ናይቲ ንስደተኛ ዝምልከት ውዕል  ነዳፊትን ቀዳመይቲ ፈራሚት ሃገርን  ክነሳ፡ ከም ዓለም ለኻዊ ሰነድ ትርጉሙ  ኣጸቢቓ ክትርደኦ መተገበኣ። ብመንጽር እዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዘይሕጋውያን ክበሃሉ ኣይመተገብኦምን ክብል እውን ኣስፊሩ።

መግለጺ ሰዲህኤ ከምቲ እስራኤል ትሰርሓሉ ዘላ ስደተኛታት ናብ ከም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክርከቡ እንከለወ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ሓደጋ ብግቡእ ከም ዝርዳእ ሓቢሩ። በዚ መንጽር ምስቲ እስራኤል ዓለም ለኻዊ ሕግን ስምምዓትን ብምጥሓስ እትወስዶ ስጉምቲ’ውን ከም ዘይሰማማዕ ኣስፊሩ።

እቲ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝቐረበ ስምዕታ፡ እንተላይ ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ፊሊፖ ግራንዲን ናብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳን ፋኪ ማሃማትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ተላኢኹ እዩ።

Last modified on Tuesday, 23 January 2018 00:23