ኣብ ኖርወይ ከተማ ኦስሎ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻዪዱ

2017-10-15 17:06:15 Written by  ሽማግለ ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 3194 times

ቀዳም ዕለት 14 ጥቕምቲ 2017 ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ዝተዳለወ ክፉት ህዝባው ኣኼባ ተኻዪዱ። እቲ ኣኼባ ብክልተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማገለ ሰልፊ ብጾት ተስፋይ ወልደሚካኤልን  መድሃኔ ሃብተዝግን ዝተማእከለ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ሰብ ዝተፈላለየ ዕድመን፣ ክልቲኡ ጾታታትን፣ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ከምዝተሳተፉ ጸብጻባት ናይቲ ኣኼባ ይሕብሩ።

ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣብ ምጅማር ኣኼባ ንተሳተፍቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ምስጋናን ቃል ድሕሪ ምሃብ፣ ኣስዒቡ ነቲ ርሑቕ መንገዲ ተጓዒዙ ብመንገዲ እቲ ኣኼባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኖርወይ ክራኸብን ክፉት ዘተ ከካይድን ዝመጸ ብጻይ ተስፋይ/ደጊዳ ምስ ተሳተፍቲ ኣላልዩ። ኣስዒቡ ብጻይ መድሃኔ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ሰልፊ ደመክራሲ ንህልው ኩነታት ሃገርን፣ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን፣ ሰልፍናን ብዝምልከት መብሪሂ ክህብ እኳ እንተኾነ፣ ብቀንደ ርእሱ ግን ካብ ህዝቢ ሪእቶታትን ሓሳባትን ሓናጺ ነቐፌታታትን ንኽቅበል እዩ ድሕሪ ምባል፣ ኩሉ ተሳተፋይ ብዘይ ስኽፍታን ብሃናጺ ኣገባባትን ሪኢቶኡ ክገልጽን፣ ተሳትፎኡ ከዕዝዝን ጸዊዑ፣ መድረኽ ንብጻይ ተስፋይ ኣረኪቡ።

ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ብጻይ ተስፋይ መድረኽ ተቀቢሉ ድሕሪ ሰላምታ ንተሳተፍቲ ኣኼባ፣ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ዝኾና ገዳይም ሓደስትን ተቓለስቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ምርኻብና ዓቢ ጸጋ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፈጺምና ብምልኪ ከምዘይተሰዓርና ዝሕብር ኣጋጣሚ እዩ ክብል መደረኡ ጀሚሩ። ኣስዒቡ ደጊጋ፣ ሎሚ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብጉዳይ ሃገሩ ድቃስ ብምስኣን ኣብ ሻቕሎት ይነበር ኣሎ፣ ምኽንያቱ ኩልና ኣብቲሕቲ ዘየደቕስ ሃገራውን ሓባራውን ሽግራት ስለእንርከብ ኢሉ። ኩነታት ሃገርና ንኹሉ ርዱእ ብምዃኑ ኣሰተምህሮ ምሃብ ዘድልዩ ጉዳይ እኳ እንተኾነ፣ ግን ገለ ዝያዳ ምዝኽኻር ዘድልዮም ነገራት ኣሎዉ ብምባል፣ መላእ ሃገር ንሊዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ቲሕቲ ናይ ሓደ ሰብ ምልኪ ትርከብ ምህላዋ፣ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካላትን ኣካላትን ዘይብላ ምዃና፣ ዜጋታት ብሃንደባት ብዘይተፈልጠ ኣገባብን ዝስወሩላ፣ ቅያ ሰሪሑ ነጻነቱ ዝረጋገጸ ህዝቢ ብመራሕቱ ዝተጠልመላ ሃገር ብምዃና፣ ብቁዋም ሃገርን ብሃገራዊ ሕግታትን ዘይኮነስ ብናይ ሓደ ሰብ ኣዋጃትን ሕጋዊ ምልክታታትን እትምራሕ ሃገር ኣላትና።

ነዚ ኩነታትዚ መኪትናን በዲህናን ኣብ ክንዱኡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ክነስፍን በቢ ዝመስለናን እንኣምነሉን ኣገባብ ቃልሲ ተወዲቡ እንቓለስ ክፋል ህዝብና ብምዃና፣ ዘሐብነና ጉዳይ ኮይኑ፣ ተዋሃሂድና ብምስራሕ ቅልጽምና ኣደልዲልና፣ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ክነቀላጥፍ ዘይምብቓዕና ግን ገለ ካብ ድኽመታትና እዩ ኢሉ።

Norway Public Meeting 14.10.2017

ንደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ሓይልታት ኣብ ደያስፖራ ናይ ምውህሃድ ፈተነታትውን ብተደጋጋሚ ክካየድኳ እንተ ጸንሐ ክሳብ ሕጂ ዕዉታት ኮና ኣይተረኽብናን። ኣብዚ እዋንዚ እንተኾነውን ፈተነታት ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕ ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ቀጻሊ ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመድረኽ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝኾኑ ውድባት ይካየድ ከምዘሎን ብተወሳኺ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ እውን ናቱ ናይ ሓባራዊ ስራሕ እማመ ኣዳልዩ ንተቀባልነቱን ትግባረኡን ብንጥፈት ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ራእን ትሕዝቶን ናይዚ እማመ ሓባራዊ ሰራሕ እውን ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ድሕሪ እኹል መብሪሂ ብተጋደላይ ተስፋይ፣ ንሊዕሊ 2 ሰዓታት ቀጺሉ ሕጽረት ግዜ ዝኾለፎ መድረኽ ሕቶን መልስን፣ ሪኢቶታትን ለበዋን ቀጺሉ።  

ኣብ መድረኽ ለበዋታት ድማ

  1. ሓደራ መስሪሕ ሓድነትን ምውህሃድ ኣድህቡሉ፣ ንብድሕሪ ሕጂ ተወሃሂድኩም ሓደ ኰንኩምን ምጹና እምበር፣ ንሕና ህዝቢ ክነበርክትን ክንሳተፍን ድሉዋት ኢና።
  2. በብእዋኑ ንዝቅልቐል ዓንቃፊ ተርእዮታት ኣይተድህቡሉ ሓደራ፣ ከድክመኩም እንተዘይኮይኑ ኣይከሐይለኩምን እዩ፣ ዝብልን ካልእን ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ንሊዕሊ 3 ሰዓታት ዝኸደ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብምስጋና ናይ ተሳተፍነትን ብዝኽረ ሰማዕታትን ተዛዚሙ። 

Last modified on Sunday, 15 October 2017 20:39