ደምዳሚ መግለጺ 8ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2017-09-19 01:13:37 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3126 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓሙሽተ መዓልታት ዝወሰደ 8ይ ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ብ17 መስከረም 2017 ዛዚሙ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ተኸታታሊ ኣኼባታቱ ኣገዳስን እዋናውን ሓበሬታታት ብዛዕባ ኤርትራውን ከባብያውን ጕዳያት ብጽሞና ሰሚዑን ሚዛናቱ ኣንቢሩን። ቀጺሉ ከኣ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ጸብጻባት ብዝርዝር ሰሚዑ፡ ኣድላዪ ክትዓት፡ ምይይጥን ምትዕርራይን ድሕሪ ምግባር ከኣ ነቲ ጸብጻብ ከም ሕጋዊ ሰነድ ሰልፊ ኣጽዲቕዎ።

ኣኼባ፡ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም ዛዕባታት ሓደ፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኣሰቃቒ ሃለዋት፡ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ሽግር ምዃኑ ኣስሚርሉ። ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ፡ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ሓቢእዎ ክኸይድ ዝጸንሐን ንህልውና ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ገበናት፡ ንምቅላዕ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ብምንኣድ ቃልሶም ብዝያዳ ከሕይሉ ጸዊዑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝተራእየ ሰልፋዊ ኩነታት፡ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፍን እማመ ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባትን ዝርከብዎም ዛዕባታት ኣመልኪቱ  ብሰፊሑ ተመያይጡ ውሳነታት እውን ኣሕሊፉ። በዚ መሰረት፡

ጉዳይ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰዲህኤ ዝምለከት

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣብ’ዚ ኣኼባኡ ንመሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበር ብዝምልከት ንኹሉ’ቲ ክኸይድ ዝጸንሐ መስርሕን መሪሕነት ሰልፊ ክወስዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ቅዋማውን ኣራሚ ስጉምትታትን ዓሚቝ ምይይጥን ሚዛንን ድሕሪ ምግባር፡ ነዚ ዝስዕብ ውሳነታት ኣሕሊፉ።

1፡ ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበር፡ እተካይዶ ዘላ ኢደ ወነናዊ ምንቅስቓሳትን ተውጽኦም ዘላ መግለጺታትን፡ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንትካላቱ ዘይምልከቱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

2፡ ነቶም ንውሳኔታት ኣብ ካልኣይ ጕባኤ እተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነትን ንመምርሒ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ህጹጽ ጕባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ተቐቢሎም ዝኸዱ ዘለዉ ኣባላት  መሪሕነትን መሰረታትን’ቲ  ዞባ ምስጋናኡ ገሊጹ።

3፡ ማእከላይ ባይቶ ንኹሎም ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኣባላት ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ  ህጹጽ ጕባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ተሳቲፎም ርእይቶኦም ከቕርቡን ምስ’ታ ብሰልፊ ወጺኣ ዘላ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ህጹጽ ዞባዊ ጉባአ ክተሓባበሩን ጸዊዑ።

መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ዘለዎ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ 7ይ ምዱብ ኣኼባኡ ንድፊ መስርሕ ምሕዳስ ንኸተሰናድእ ናይ ዝመዘዛ ሽማግለ ጸብጻብ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕን ምምይያጥን ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

1፡ በታ ሽማግለ ንዝቐረበ ንድፊ ኣድላይ ምትዕርራይ ገይሩ ከም መወከሲ ሰነድ ኣጽዲቕዎ።

2፡ መስርሕ ምሕዳስ ንምትግባር ዝድለ ቅጥዕታትን መጽናዕትን ዘቕርብ ኮሚሽን መዚዙ።

3፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ከክልተ ወርሒ ፍሉይ ኣኼባታት እናጸውዐ፡ ንጸብጻባት ኮሚሽን መስርሕ ምሕዳስ ሰልፊ ክሰምዕን ዘድሊ ውሳኔታት ክወስድን ተሰማሚዑ።

ጉዳይ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝምልከት

ብመንጽር እቲ ሓቢርካ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ኤርትራዊ ኩነታት፡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከም’ቲ ትጽቢት ዝተነብረልና ክንከውን ዘይምኽኣልና ኣኼባ ተገንዚቡ። ካብ’ዚ ንምውጻእ ሰዲህኤ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣመሓዲሮም፡ ኣብቲ ዘሰማምዖም ብሓባር ዝስለፍሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ሓድሽ እማመ ዘተ ንሓባራዊ ስራሕ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ምቕራቡ እዋናውን ኣገዳስን ምዃኑ ባይቶ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ኣብ’ቲ እማመ ዘለዎም ሃናጺ ርእይቶ ንዝሃቡን ክበርሃሎም ዝደልይዎ ሕቶታት ንዘቕረቡን ውድባት መጎሱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንፈጻሚ ሽማግለ ብንጽል ይኹን ኣብ ክሊ ጽላል ተወዲቦም ምስ ዝዋስኡ ኣካላት ተቓውሞ፡ ዕቱብን ቀጻልን ምክትታልን ርክባትን ክገብር መዚዝዎ ኣሎ። ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ፡ ኩልና ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ዝሓለፈ ተመኩሮና መዚና ሓድሽ ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ንከነዕኩኽ ኣዘኻኺሩ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ’ዚ ኣኼባኡ ብቀዋሚ ሽማግለ ኣብያተ-ጽሕፈት ገንዘባውን ማሕበራውን ጕዳያት፡ ንዝቐረበሉ ንድፊ መጽናዕቲ ብግቡእ ድሕሪ ምምርማር፡ ብፈጻሚ ሽማግለ ክትግበሩ ዘለዎም ጕዳያትን በታ ንድፊ ዘቕረበት ሽማግለ ክግበር ዘለዎ ተወሳኺ መጽናዕትታን ኣነጺሩ።

8ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ብመሰረት’ቲ ንሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ብዝምልከት ዝበጽሖ ገምጋም፡ ረብሓ ህዝብና ምስ ርግኣት ከባቢና ዘለዎ ዘይነጻጸል ዝምድና ድሕሪ ምስማር፡ ስርዓት ህግዲፍ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝብን ቅዋማዊ መወከስን ንውልቀ ረብሓኡ ዝገብሮም ዘሎ ዝምድናታት ሓደገኛ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር ዝሰርሕሉ ባይታታት ከፈጥሩ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከቡ ተደናገጽቲ ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ጐድኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ክብሉ ይጽውዕ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ ኣብዚ 8ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብመሰረት ዓንቀጽ 6.1.6 ቅዋም ሰልፊ፡ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን መሪጹ። ኣቦ መንበር ንዘቕረቦም ሕጹያት ድማ ሓደ ብሓደ ድምጺ ብምሃብ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ከምኡ’ውን ናይ ሰልፊ ጠቕላላ ተቖጻጻሪ (ኦዲተር) መሪጹ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰልፎም ንምሕያልን ካብ ዘጋጥምዎ ሓደጋታት ንምድሓንን ከካይድዎ ንዝጸንሑ ቃልስን ዘርኣይዎ ጽንዓትን ኣመጒሱ። ኣብ መጻኢ እውን ከም ወትሩ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ዘለዉ ኣባላት ሰልፊ፡ ኣብ ቅዋም ሰልፎም ረጊጾም፡ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሎም፡ ንሰልፎም ዘማዕብል ሓሳባትን ነቐፌታን ከቕርቡን ንቕድሚት ዘሰጉም ልሙድ ተወፋይነቶምን ልግሶምን ከበርክቱን ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።

ኣብ ምዝዛም ኣኼባኡ ነቶም ብ18 መስከረም 2001፡ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ግዳም ተጨውዮም፡ ኣብ ሕሱም ጭካኔ ዝፍጸምሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣብኡ ህይወቶም ዝሓለፉን ሓርበኛታት ሃገራውያን ዘኪሩ። ህዝቢ ኤርትራን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ሓያል ተጽዕኖን መኸተን ክገብሩ ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ!

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ሃገር!

ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ

17 መስከረም 2017

Last modified on Tuesday, 19 September 2017 03:20