18 መስከረም፡- መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኲሎም ተጨውዮም ድሃይ ዘጥፍኡ ደቂ ሃገር ኢያ!
2017-09-18 11:46:47 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3197 timesባሕቲ መስከረም፣ መዓልቲ ናጽነት፣ መዓልቲ ስዉኣት... ካብተን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት-ዓመት ብክብ ዝበለ ክብርን ፍናንን ዝዝክረንን ዘብዕለንን መዓልታት ኢየን።
18 መስከረም ግን ፍሉይ ትርጉምን ስምዒትን ዘሎዋ መዓልቲ ኢያ። ደንበ ተቓወምቲ ምልኪ (ደንበ ደለይቲ ፍትሒ) ብከቢድ ትካዜ እንዝክራ መዓልቲ ኢያ። ድሕሪ ማእሰርቲ ኣባላት ጒጅለ 15ን፡ ምዕጻው ነጻ ጋዜታታትን፡ ጥልማን መብጽዓታት ሰውራናን ባህግታት ህዝብናን ንኹሉ ዜጋ ዝያዳ ግሉጽ ኰይኑ።
ብሓጺሩ፡ 18 መስከረም መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኲሎም እቶም ብኣማእት ዝቝጸሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ብናይ ውሽጢ ጸላኢ ተጨውዮም ድሃይ ዘይመለሱን ብዘይ ፍትሒ እተዳጐኑን ጀጋኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ቀጻሊ ዝኽሪ ይግብኦም። ክሳዕ ፍትሒ ዝረኽቡ ኣብ ጐኖም ከም ዘሎና እነረጋግጸላ መዓልቲ ትኹን።