ሰዲህኤ፡ ናብ ኢጣልያ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ

2017-08-25 20:54:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3982 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢጣልያ፡ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ ብ25 ነሃሰ 2017  መልእኽቲ ልኢኹ። ሰዲህኤ ኣብ’ዚ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መዕቆቢ ዘይብሎም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስድተኛታት ዝተወስደ ካብቲ ግዚያዊ መዕቆቢኦም ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ስንባደን ሓዘንን ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ጉዳይ ከም ሓደ ህጹጽ ተረኽቡ ብግቡእ ከጽነዖን ቆላሕታ ክገብረሉን ጸዊዑ። 

እዚ መልእኽቲ ሰዲህኤ  ስጉምቲ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ካብ ምስ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝምድና ዝይዳ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢጣልያን ብዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዙሓት ኤርትራውያን በዚ ስጉምቲ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑ ኣመልኪቱ። እቲ መልእኽቲ ኣብ ርእስ’ቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ፡ ኢጣልያ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝያዳ ክትግደስ ሞራላዊ ግደታ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።

ኣደታትን ህጻናትን ዝርከብዎም 800 ሰባት ካብቲ ኣብ ጥቓ መንገዲ ባቡር ዝርከብ ካብ 2013 ጀሚሩ ስደተኛታት ክዕቆብሉ ዝጸንሑ ህንጻ ከም ዝተሰጐጉ ጸብጻባት ሓቢሮም እዮም።

Last modified on Friday, 25 August 2017 23:00