ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ

2017-07-28 06:07:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4646 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብዚ ብ27 ሓምለ 2017 ዝተቓለሐ ቃለ መጠይቑ ንነብሱ ምስ ሰማዕቲ ድሕሪ ምልላይ፡ ንዕላማ ዑደቱ ናብ ስሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዝምልከት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መገሻኡ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘውጸኦ እማመ ንሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን ህልዊ ንጥፈታ ሰዲህኤን ንምብራህን ተዛመድቲ መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ ቃለ-መጠይቑ ትሕዝቶ እቲ እማመ ብሓጺሩ ኣብሪሁ። ኣተሓሕዚ ድማ ብመሰረቱ እቲ እማመ ናብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘቕነዐ ምዃኑን ኣብቲ ዘካየዶ ኣኼባታት ግና ካብ ኩሉ ወገናት ክሳተፉ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ፡ ሰዲህኤ ነዚ እማመ ኣውጺኡ ናብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ልኢኹ ስቕ ዝብል ዘይኮነስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ ክዛረበሉ ምዃኑ  ሓቢሩ። ሓው መንግስተኣብ ጠንቂ ምፍልላይን ምፍንጫላትን ውድባት ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብገምጋም ሰዲህኤ፡ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ጉዳያት ምውድዳር፡ ቀዳምነታትካ ብጉቡእ ክትሰርዕ ዘይምብቃዕ፡ ህዝቢ እውን ነቲ ግጉይ “ግጉይ” ነቲ ቅኑዕ ከኣ “ቅኑዕ” ዘይምባሉ ከም መባእታዊ ዝጸንሐ ጠንቅታት ኣስፊሩ።

ኣቶ መንግስተኣብ ብዛዕባ ህልዊ ሓጐጽጐጽ ኣብ ሰዲህኤ ንዝቕረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጸገም ኣብ ውሱን ክሊ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ተፈጢሩ ዝነበረን ብቅዋማውን ሕጋውን መንገዲ ዝእለ ዘሎን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ መሪሕነት ዕልዋ ኣካይዱ ዝበሃል ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ መሪሕነት ኣብ ታሕቲ ወሪዱ ዕልዋ ከም ዘየካይድ፡ ብኣንጻሩ ንጉዳያት ብሕጋውን ስርዒታውን ኣገባብ ግቡእ መልክዕ ከም ዘትሕዝ ሓቢሩ።  

እዚ ዘሎ ኩነታት ተቓውሞ፡ ንህዝቢ ተስፋ ዘቑርጾን ዘሻቕሎንዶ ኣይኮነን፡ ንዝብል ከኣ ኣብዚ እዋንዚ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ስቕ ደረጃ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወጽዓ ስርዓት ህግደፍን ኩነታት ተቓውሞን ብግቡእ እንዳበርሃሉ ከም ዝመጸ ገሊጹ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2017 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ኣባላት ሰልፍን ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባታትን ከካይድ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 28 July 2017 08:14