ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣኼባ ኣካይዱ

2017-07-25 16:09:13 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2554 times

ብዕለት 23.07.2017 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ናይ ሰዲህኤ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ብኣቦ መንበር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ እዩ ተኸፈተ፡ ኣጀንዳታት ኣኼባ ተገሊጹ። ኣጀንዳታት ኣኼባ ድማ፡-

1 - እዋናዊ ሓበሬታ ምልውዋጥን ውሽጣዊ ጨንፈራዊ ጉዳያትካ ከመይ ኣሎ ምፍታሽን፤

2 - ግምገማ ድሕሪ ኣኼባ ወርሒ ሰነ ዝተኻየዱ ሰልፋዊ ንጥፈታትን ኣብ ከባቢ ዝተፈጸሙ ካብ ሓባራዊ ስራሓትን ሰላማዊ ሰልፊ ጊስን 08.07.2017፤

3 - ጉዳይ ፈስቲቫል ናይ 2017፡ እዮም ኔሮም።

ኣብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ኣብዚ ግዜ‘ዚ ሰልፍና ዝነጥፈሉ ዘሎ ጉዳይ እማመና ንሓባራዊ ስራሕ፡ ናይ ኣቦ መንበር ሰልፊ ምስ ካልኦት ብጾቱ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ዑደት፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ሰልፊ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብስፍሕ ዝበለ ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉን ኣመጒሱን። ብፍላይ እቲ ምሕዳስ ሰልፊ ዝብል ንጥፈታት ምርኩስ ብምግባር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ዑደት ኣቦ መንበርና ኣሞጒሱን፡ ንዝኾነ ቅዋማውን ሕጋውን ዲሲፕሊናውን ስጉምትታት ድማ ሰልፍና ብትሪ ክተሓሓዞን ኣኼባ ተማሕጺኑ።

Frankfurt Branch meeting 23.07.2017

ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ‘ውን፡ ጉዳይ ናይ ዕለት 8 ናይዚ ወርሒ‘ዚ ኣብ ጊሰን ብኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉን ግምገማ ኣካይዱን። ብቐዳምነት ትርጉም ሰላማዊ ሰልፊ ከም ስሙ ሰላማዊ ምዃኑን፡ ኣካል ናይቲ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ጸረ መላኺ ስርዓት ሰላማዊ ቃልስን፡ ጉዳይና ንዓለም እነቃልሓሉን፡ ነቶም ኣብ ጎዳጒዲ መላኺ ስርዓት ተዳጒኖም ዘለዉ ኣሕዋትና ኣፍ ክንኮኖምን ብምኻኑ፡ ብቐጻሊ ከይሰልከና ብሕጋዊ መገዲ ናይ ንነብረሉ ዘሎና ሃገር ተቐይድና፡ ህግደፍ ኣብ ዝተኣከብሉ ቦታ ከነካይዶ ከም ዘሎናን ኣኼበኛ ተመሕጺኑ። ነቲ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ዘካየድናዮ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ብምንባሩን ብፍላይ መንእሰያት ብዝገበሩዎ ሕኑን ንጥፈታትን ኣኼበኛ ናእዳኡ ገሊጹ። ሰላማዊ ሰልፍታት ብዝያዳ ውዳበ ክደጋገምን፡ ኣባል ህግደፍ ብዛዕባ ተቃወምቲ ውድባት ዝብልዎ ብሂላት ንድሕሪት ክመልሰና ከምዘይብሉን ርእዩ።  

Giessen Demo 08.07.22017

                                                         ካብ ስእልታት ሰላማዊ ሰልፊ ጊስን 08.07.2017

ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣጀንዳና ጉዳይ ፈስትቫል‘ውን ንውሕ ዝበለ ግዜ ብምውሳድ ኣኼበኛ ተዘራሪቡሉ። ትርጉም ፈስቲቫልን፡ ናትና ፈስቲቫል ካብ ፈስቲቫላት ህግደፍ ብምንታይ ከም ዝፍለን፡ ፈስቲቫላትና ኣካል ናይ ግሉጽነታዊ ናይ ኣሰራርሓናን መልእኽትና ናብ ህዝብና እነመሓላልፈሉን ምኻኑ‘ውን ኣኼበኛ ብዝርዝር ተዘራሪቡሉ። ናይ ዝሓለፉ ፈስቲቫላትና ገምጋም ብምውሳድ ድማ ዝነበሩ ሕጽረታት ኣሪምናን ኣጽፊፍናን እንሰርሓሉ ኣገባብ ምጥቃም ኣገዳሲ ምኻኑ ኣኼበኛ ተረዳዲኡሉን፡ ነዚ ናይ 2017 ፈስቲቫልና ንምዕዋቱ ነፍስ-ወከፍና ከከም ዓቕምና ጉቡእና ከነወፊ ከም ዘሎናን‘ውን ኣኼበኛ ድልዉነቱ ብገሊጹ  ኣኼባ ኣብ እዋኑ ተደምዲሙ።

 

Last modified on Tuesday, 25 July 2017 18:22