ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስያትል፡ ዋሽንግተን

2017-07-09 14:42:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2616 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብ8 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ስያትል፡ ዋሺንግተን፡ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ኢዩ ተጀሚሩ።

Seattlepicchair080717 3

 

ነቲ ኣኼባ ዝኸፈተ፡ ሓው ዘምህረት ስዓረ፡ ካብ ጨንፈር ሰዲህኤ፥ ጨንፈር ስያትል፡፡ ንዕዱማት ኣጋይሽ ናይ ምስጋናን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ፡ ብፓወር ፖይንት እተሰነየ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትት ሰልፊ ዝሕብር ካብ ብእንግሊዘኛ እትሕትም መጽሔት ሊበርቲ መግለጺ ሂቡ።

Seattlepiczemhret080717 4

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ከም ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ገይሩ ዝተዛረበሉ ኣርእስቲ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝቐረበ፡ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ዝጽውዕ እማመ ኢዩ ነይሩ። ከም መእተዊ ንመግለጺኡ ከኣ፡ ነቲ ሃገር/ደውላ (state) ዝብል ኣምር ብምግላጽ ኢዩ ጀሚሩ።

Seattlepicpub080717 2

ሃገርን መንግስትን (state and government0 ክልተ ዝተፈላላዩ ኣምራት ምዃኖም ድሕሪ ምብራህ፡ ንመንግስቲ ምቅዋም ማለት ንሃገር ምቅዋም ከምዘይኰነ ኣረዲኡ። ኣስዒቡ ሃገር ብ4 ኣካላት ዝቖመ ምዃኑ፡ ንሳቶም ድማ፦

1. መንግስቲ

2. ህዝቢ

3. ዶባቱ ዝተነጸረ መሬት (territory)

4. ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኢዮም ኢሉ።

  

1. መንግስቲ፦

ንመንግስቲ ኣመልኪቱ፡ ሓው መንግስትኣብ፡ እቶም ሰለስተ ኣካላቱ ማለት ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቍጽጻር ናይ መራሕ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝውደቑ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

 

2. ህዝቢ፦

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስእነት ሓርነት፡ ስእነት ግዝኣተ-ሕጊ፡ ስእነት ማይ፡ መግብን መንበሪ ኣባይቲ፡ ስእነት ስራሕ . . .ወዘተ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ እታ መስረታዊት ኣሃዱ ናይ ሕብረተሰብ ዝዀነት ስድራቤት ተበታቲና ምህላዋ፤ ስደት፡ መለለዪን መጸውዕን ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ምህላው ድሕሪ ምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ንስደት ከም ምንጪ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንኽጥቀመሉን ብስእነተ ስራሕ ክፍጠር ንዝኽእል ህዝባዊ ናዕብታታ ንምዕጋትን ኰነ ኢሉ ዘተባብዖ ዘሎ ፖሊሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

 

3. መሬት፦

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብሰንኪ ጻሕታሪ ግርጭታት ዝዀነ ፖሊሲታቱ፡ ሰፊሕ ክፋል ካብ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ክወድቕ ምግባሩ። ነዚ መሬት’ዚ ብሓይሊ ይኹን ብሰላም ክመልስ ዘይምብቃዑ፡ ንልዑላውነት ሃገር ንሓደጋ ዘቃልዐ ስርዓት ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እውን ማያት፡ መሬትን ሰማያትን ኤርትራ ንናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣሕሊፉ ሂቡ ምህላውን እዚ ኣብ መጻኢ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸገማትን እውን ኣሚቱ።

 

4. ኣህጕራዊ ተፈላጥነት፦

ብቓልስን ድምጽን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ ጌና ኣብ ቦታኡ ዘሎ እኳ እንተዀነ፡ ስርዓት ኤርትራ ብዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲታት፡ ንሓደጋ ክቃላዕ ከምዝኽእል ድማ ኣዘኻኺሩ።

 

Seattlepicsmret080717 5

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብሓደ ሸነኽ ኤርትራ ከምሃገር ናብ ፍሽለት ገጻ ተምርሕ ከምዘላ፤ ብኻልእ ሽነኽ ከኣ፡ ነታ ሃገር ካብ ፍሽለት ከድሕን ዝኽእል ዝተጠርነፈ ተቓዋሚ ሓይሊ ዘይምህላው፡ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ዘሻቕል ጕዳይ ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ካብ’ዚ ተበጊሱ፡ ኣድላይነት ናይ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ህጹጽን ዕዙዝን ጕዳይ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ቀጺሉ፡ ዝሓላፈ ተመኵሮታት ናይ ሓባራዊ ዕዮ፡ ብሰንኪ ቀዳምነታት ዘይምስራዕን ብሰንኪ ናይ ህልኽን ኣሉታዊ ናይ ምውድዳር መንፈስን ክሰምር ወይ ክዕወት ከምዘይከኣለ ኣብሪሁ።

 

ነዚ ክውን ንምግባር ድማ፡ ሰዲህኤ፡ ኣብ’ዘን ዝስዕባ መትከላት ዝተሰረተ፡ ሓባራዊ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናውን ህዝባውን ዕዮ ንምክያድ፡  ምስ ኵለን ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ክኣቱን ድልዊ ምህላዉ ኣረዲኡ።

1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤

2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤

3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤

4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤ ዝብላ ኢየን።

 

SeattlepicBerhe080717 6

 

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት መሊሱ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድማ፡ ነቲ ብሰዲህኤ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ንሓባራዊ ዕዮ ደገፎም ገሊጾም፡ ንዝሓለፈ ተመኵሮታት ደምበ ተቓውሞ ድማ ነቒፎም።

 

ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣኼባ ብድምጺ ተቐሪጹ ስለዘሎ፡ ኣከታቲልና ከነስዕበልኩም ስለዝዀና ኣብ ሓርነት ኦርግ ተኸታተሉና።

Last modified on Sunday, 09 July 2017 16:59