ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት: ኪታሩት ብዘቕረበኦ ዘሰንብድ ጸብጻብ ኩነታት ኤርትራ ተሻቒሉ

2017-06-16 19:29:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2420 times

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ብ14 ሰነ 2017 4ይ ዓመታዊ ጸብጻብ ወ/ሮ ኪታሩት ምስ ተኸታተለ ኣዝዩ ሰንቢዱ። መብዛሕተኦም ኣብ መበል 35 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ዝተሳተፉ ልኡኻት ሃገራትን ብሰብኣዊ መሰል ዝሕለቑ ሲቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ዝሃብዎ መግለጽታት: ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ብዘይምቕያሩ ኣዝዮም ሓዚኖም። ካብዚ ሓሊፎም “ኣብ መጻኢኸ እንታይ እዩ ክግበር?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም። ናይተን ማውሪታንያዊት ጠበቓ ኪታሩ በሊሕን ቀጥታውን መልሲ ከኣ እቲ ፍታሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ኮነ ኢሎም ገበን ምስ ዝፍጽሙ ሓለፍቲ  “ ኣብ ዕባራ ዋጋ ዕዳጋ ምውራድ ዘይኮነስ ልዕልና ሰብኣዊ መሰል ምርግጋጽ ጥራይ እዩ” ዝብል ነይሩ።

ወ/ሮ ኪታሩት፡ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ማእሰርቲ፡ ምስዋር፡ ምስቓይ፡ ሞትን እቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝተዘርዘረ ግህሰታትን ኩሉ  ቀጻሊ ከምዘሎ ነቲ ባይቶ ገሊጸናሉ። ሓለፍቲ ኤርትራ ዋላ ውሱን ነጥቢ ካብቲ ዝቐረበሎም ለበዋታትን ከመሓይሹ ዝኣተዉዎ መብጸዓን ንምትግባር ዘርኣይዎ ዝኾነይኹን ተገዳስነት ከም ዘየለ ጠቒሰን።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ መሰል ንክመሓየሽ ዝሓትት ሓሳብ ንነዊሕ ግዜ ክቐርብ እንከሎ መልሲ ዘይምርካቡ፡ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ንዝግደሱ ክኢላታት ከም ንቡር ተግባር ዝውሰድ ኣይኮነን። እተን ወይዘሮ ሓድሽ ኮነ ናይ ቀደም መፍትሒ ኢለን ዘቕረበኦ ሓሳበን ከምዘይትግበር’ኳ ዝፈልጣ እንተኾና ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ሕጂ እውን መፍትሒ ሓሳብ ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓላን።

እቲ ወ/ሮ ኪታሩት ናብ ምዕራባውያን ደሞክራስያውያን ዘቕረበኦ ሓሳብ ክብደት ዝወሃቦ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንዘለዉ ኤርትራውያን ሲቪላዊ ማሕበራት ዓቕሞም ዘዕቢ ደገፍ ምሃብ እዋናውን ግድነታውን ምዃኑ ዝጽውዕ ብምዃኑ እዩ።

ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተዛረቡ 30 ወገናት 80% ዝኾኑ ዘቕረብዎ ሓሳብ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ዝኹንን ነቲ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝምርምር ዘሎ ኣካል ግዜ ክናወሓሉ ዘለዎ ኣድላይነት ዘመላኽትን ነይሩ። ብ6 ሰነ 2017 ዝተኸፍተ መበል 35 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት 23 ሰነ 2017 ክፍጸምዩ።

Last modified on Friday, 16 June 2017 21:36