ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ መድረኽ ይፍክር፡ ንብረት ውጩ ይዕሸግ

2017-06-16 19:36:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4841 times

ኣብዚ ሳልስቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂንመሪሕነት መድረኽ ዝእድብዝበሎ ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ከም ዘመሓላለፈ  ሬድዮ መድረኽ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። እታ ሬድዮ እቲዝእድብ ስጉምቲእንታይ ሙዃኑ ዝሕብር ዝርዝር ከምዘየብሉ ጠቒሳ፡ ፕረሰደንት ኢሳያስ መምርሒ ክህብ እንከሎ ኣስማት ኣባላት መሪሕነት መድረኽ ከም ዝረቖሐ ገሊጻ።

እቲ መምርሒ “ነዞም ሰባት ኣፎም ዘትሕዝ ስጉምቲ” ዝብል ሕመረት ከም ዘለዎ ዝሓበረ ዜና ሬድዮ መድረኽ፡ እቲ መምርሒ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣባላት ሓለዋ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ብኽፉት ኣገባብ ከም ዝተዋህበ’ውን ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መድረኽ ግቡእ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ከም ዝፈከረ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዋንነቱ ናይ ነፍስሄር ሜጀር ጀነራል ገ/እዚኣብሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ዝኾነ ኣባይቲ ኣብ ክተማ ኣስመራ ብ2 ሰነ 2017 ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ ከም ዝተዓሸገ እዛ ሬድዮ ኣብ ናይ 13 ሰነ 2017 ፈነወ  ኣቃሊሓ። እቲ ዝተዓሸገ ክልተ ኣባይቲ፡ እቲ ሓደ ኣብ ቪላጆ ከባቢ ፋብሪካ ዓለባን ኣብ ሓዝሓዝን ከም ዝርከብ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ “ብምምሕዳራ ዞባ ማኣከል ተዓስጉ” ዝብል ማሕተም ዝዓረፎ ኣባይቲ ብስም መብራህቱ ናይዝዚ ዝተመዝገበ እዩ ነይሩ።

እቲ ዜና ኣብዚ እዋንዚ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ጽልእን ምፍዳይ ሕነን ተጸሚዱ ከም ዝርከብ ጠቒሱ፡ ካብዚ መንፈስዚ ነቒሉ ብቐጻሊ ሰባት ምእሳርን ውልቃዊ ረብሓ ንምርካብ እሱራት ኣብ ምፍታሕን ተዋፊሩ ከም ዘሎ ገሊጹ።

 ኣብ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ጥቕምን ምጥፍፋእን ዝዓብለሎ ምምሕዳር ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ብዝተፈላለየ መደናገሪ ኣስማት ንብረት ምሕባእን ውልቃዊ ቅርሕንቲ ዝዓብለሎ ስጉምቲ ምውሳድን ዝተለምደ እዩ።

Last modified on Friday, 16 June 2017 21:44