ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ኣኼባ ኣካይዱ፡

2016-07-25 20:36:55 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2354 times

ብዕለት 24.07.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ሰዲህኤ ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 1630 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ጨንፈር ሓው ታደሰ ኣስመላሽ ሰላምታን ሰናይ ምንዮትን እዩ ተኸፊቱ።

ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቶም ዝነበሩ ኣጀንዳታት ብምእታው ሓደ ብሓደ ተዘራሪቡሎም። ብቐዳምነት ውሽጣዊ ስርዒታዊ ጉዳያት ናይ ጨንፈር ኣብ ምጽፋፍ ብዝሕግዝ ሓጺር መግለጺ ሽማግለ ኣቕሪቡ። ንኣሰራርሓ ጨንፈር ብጽፍፉፍ ኣገባብ ንቕድሚት ከሰጉሙዎ ዝኽእሉ፡ ብሽማግለ ይኹን ብኣባላት ነቐፌታን ርእሰ-ነቐፌታን ቀሪቦም። ድሕርዚ ኣኼበኛ ከም ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ጉዳይ ጉባአ ጨንፈር ኣልዒሉ ተዘራሪቡ። ጉባአ ጨንፈር ንዕለት 21.08.2016  ክግበርን ንምዕዋቱ ዘድሊ ጻዕርታት ክግበር ድማ ተሰማሚዑ።

ካብዚ ብምቕጻል ኣባላት ጨንፈር ኣብዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ከይሰልከዩ ዘካይዶዱዎ ዝነበሩ ንጥፈታት፤ ኣባላት ጨንፈር ኣብ ዝሓለፉ ሰላማዊ ሰልፍታት ጊሰንን ጀነቫን ዘርኣይዎ ንጡፍ ተሳትፎታትን፥ ምስቶም ካብ ሰልፍና ወጻኢ ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ኮይኖም ናይ ሓባር በዓል ነጻነት ንምብዓል ዘርኣይዎ ተሳትፎን እውን ኣኼባና ኣሞጒሱ። ብድሕሪ‘ዚ ኣኼበኛ ኣብቲ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዝዓበየ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል 2016 ፍራንክፎርት ዘትዩ። ብቐዳምነት ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል መሪሕነት ሰልፍን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫልን፡ ንፈስቲቫል ብከመይ ከነዐውቶ ከም ዝግበኣና ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ ዕላማ ፈስቲቫል፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ዕላማታት ዘለዎ ብምዃኑ፡ ቅልሲ ውጹዑ ህዝብና ምስ ካልኦት ዜጋታት ንምልላይን፡ ባህልታትና ንሓድሕዱ ዝላለየሉ መድረኽ ምቅብባልን ምጽውዋርን ምኽፋትን፡ ብፖለቲካውን ማሕበራውን ጉዳያት ምስ ህዝብና ምልዛብን፡ ከምኡ‘ውን ኣብ ድምበ ተቓውሞ ዘሎ ናይ ርእይቶታት ፍልልያት ንምጽባብ ኣሳታፊ መድረኽ ምኽፋትን እዩ ክብል ኣረዲኡ። ፈቲቫላትና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ ብኣባላትናን ካብ ኣባላትናን ስለ ዝኾነ ዝካየድ ድማ፡ ነዚ ፈስቲቫል እዚ ንምዕዋት ኩላትና ብምሉእ ተወፋይነት ክንሰርሕ ኣሎና ብምባል‘ውን ተላብዩ። ከምኡ‘ውን ኣባላት ጨንፈርና ኣብቲ ንዕለት 12-14/08/2016 ዝግበር ዓመታዊ ፈስቲቫል ሰዲህኤ ብገንዘቦምን ጉልበቶምን ዝለዓለ ተሳትፎ ከርእዩ ምዃኖም ተመባጺዖምን ወፈያታቶም ኣበርኪቶምን።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ‘ውን ሓው ተስፋይ ወ/ሚካኤል (ደጊጋ) ኣባል መሪሕነትን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሰልፊ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ስለ ዝተረኽበ፡ ንመንእሰያትና ዝኸውን ኣገዳሲ ማዕዳን ምኽርን ኣቕሪቡ። ሓው ተስፋይ ኣብ ዘረብኡ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣሪጉን ንስልጣኑ ክከላኸለላ ኣብ ዘይክእለሉን ደረጃ በጺሑን ከም ዘሎ ኢና እንርዳእ፤ ነዚ ዘብርሃልና ምልክታት ድማ ክሳብ ብዓለም ዝኽሰሰሉን ዝኹነነሉን ደረጃ  በጺሑ ከም ዘሎን፡ ህዝብና‘ውን ባዕሉ ዝወደቦ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጀነቫ ከም ዘካየደን ርኢና ኢና፤ እቲ ተቓውሞ ኣዝዩ ማዕቢሉ ኣሎ፡ ህዝቢ ድማ ውደባ የድልዮ ኣሎ፤ ብዘይውደባ ጥርኑፍ ቃልሲ ንምክያድ የጸግም እዩ፡ እቲ ስርዓት እናደኸመ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ መላእ ደምበ ተቓውሞ ድማ ተዳሊና ክንጸንሕ ኣሎና ብምባል ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ካብኡ ብምቕጻል ውሽጣዊ ተቓውሞና እናኣካየድና፡ ገጽ ናይ መጻኢት ኤርትራ ድማ ንወጻእተኛታት ክንገልጽ ይግባእ፤ ንሳትኩም መንእሰያት ድማ፡ ተማሂርኩምን ማዕቢልኩምን፡ ምስ ባህልን ምዕባለን ናይ ዘሎኹሞ ሃገር ክትላለዩን ኣሎኩም ብምባል ምኽሪ ለጊሱ። እቲ ስርዓት ንኣኻትኩም መንእሰያት ኣብ ገደብ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ዕድሜኹም ሰሪቑዎ እዩ። ብሰንኪ ንሱ ዝፈጠሮ በደል ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ እቲ ክትመሃሩሉን ክትምዕብሉሉን ዝግበኣኩም ዕድመ፡ ኣብ ምድረባዳን ባሕርን ምጥፋእን ኣብ ስደት ከርተት ምባልን ይሓልፍ ኣሎ። ኣብ ሃገርኩም ብሰላም እንተትመሃሩ ኔርኩም ኣብዚ ዘሎኹሙዎ ዕድመ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሕኩም ምሃሎኹም ኔርኩም። ስለዚ ነዚ እዚ ስርዓት‘ዚ ሰሪቑዎ ዘሎ ዕድሜኹም፡  ተሰሪቑ ከይተርፍ ካብ ሕጂ ጀሚርኩም ክትመሃሩን ክትምዕብሉን ምጽዓር ከድልየኩም እዩ። ነቲ ሰልፊ ዋናታቱ ንስኻትኩም ስለ ዝኾንኩም፡ ናይ ዋንነት ስምዒት ክሓድረኩምን ናይ ትምህርትን ምዕባለን ሰልፊ ክትቅይርዎን ኣሎኩም ብምባል‘ውን ሰፊሕ ማዕዳ ንመንእሰያት ሂቡ። መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም ኣባል ሽማግለ እውን ብወገኑ ንመንእሰያት ዝኸውን ሓጋዚ ምትብባዕ ኣቕሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣኼበኛ ለበዋታት ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣት  ተዛዚሙ።

Last modified on Monday, 25 July 2016 22:44