ሰደህኤ፡ ኣኼባ ኣፍሪቃ፡ ከም ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ንጉዳይ ኤርትራ ክዛረበሉ ሓቲቱ

2016-01-21 10:52:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2682 times

ሰልፊ ደሞክራስ ህዝቢ አርትራ ናብ ኣደመንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍርቃ ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ናይቲ ኮምሽን መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳኡ ክሰርዖን፡ ነቲ እንዳገደደ ዝኽይድ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካውን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብዚ ዘለዎ ግዜ ከይበለዐ ንክዛረበሉ ጸዊዑ።

 

እዚ ካብ ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብ ዶ/ር ንኮሳዛና ድላሚኒ ዙማ ዝተላእከ መዘክር፡ ኣፍሪቃዊ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ንከምዚ ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ምብትታንን ውድቀት ሃገር ከስዕብ ዝኽእል ዛዕባታት ክዕገተሉ ኣብ ዝኽእል ክዛረብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። እቲ መዘክር ነቲ ኣብ 2015 ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ዝተወሰነ ከምኡ ኣውን ነቲ ብፍሉይ ኮሚተ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ መስለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ዝቐረበ ነቐፈታ ኣዘኻኺሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መዘክር ብኸምዚ ዝስዕብ ምስዚ ዜና ተተሓሒዙ ኣለና እነሆ።

 

መበል 26 ኣኼባ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ ብ21 ጥሪ ተጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ ክጸንሕ እዩ። ዶ/ር ዙማ ኣደመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ብ17 ጥሪ ኣብ ማአላይ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሕብረት ኣዳራሽ ነልሰን ማንደላ፡ 8ይ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ጾታ ጉዳይ ቅድመ- ኣኼባ ምይይጥ መድረኽ ከፊተን እየን። ኣብዚ ናይ ምድላው ኣኼባ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መበል 26 ኣኼባ ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ክውሰን ዝጽበየኦን ተዛመድቲ ጉዳያትን ፕሮጀክት ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ተዛሪበን።

***

AUpic

 

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብሰደህኤ ናብ መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተላእከ መዘክር

 

ናብ ክብርቲ ዶ/ር ንኮሳንዛና ድላሚኒ ዙማ ኣደመንበር

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣዲስ ኣበባ

ዕለት 20 ጥሪ 2016

 

ዛዕባ፡ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰለት ኣፍሪቃ ከም ኣጀንዳ ምሓዝ

 

ክብርቲ ኣደመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ካብ ኤርትራ ወጻኢ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለስ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እዩ። ሰልፍና ነዚ ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓዘ መዘክር ናብዚ 21 ጥሪ 2015 ዝጅመር ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ቆላሕታ ዝህብ፡ መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ክሰድድ እንከሎ፡ ሓጐስ ይስመዖ። ስለዚ ኣኼባኹም ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኢውሮጳን ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ከም ቀንዲ ውዑይ ኣጀንዳኹም ጌርኩም ክትዛረብሉ ብሃንቀውታ እንጽበዮ እዩ።

 

ክብርቲ ኣደመንበር

ኣብዚ መበል 53 ምምስራት ኣህጉራዊ ውድብ ኣፍሪቃን መበል 30 ዓመት ምጽዳቕ ቻርተር ዘብኣዊ መስልን መሰል ህዝብን ኣፍሪቃን ዝዝከረሉ እዋን፡ ኤርትራውያንን ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃን ካብዚ ኣኼባኹም፡ ነቲ እንዳኸፈአ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ብዙሕን ኣገደስትን ውሳነታት ይጽበዩ ኣለዉ። ከም ዘይትስሕትዎ፡ ኤርትራ እዚ ዝስዕብ ዘሕፍር በደላት ዝፍጸማ ዘሎ ሓንቲ ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።

  • ድሕሪ 25 ዓመት ነጻነት ሎሚ እውን ሕገመንግስቲ የለን

  • ዝኽበር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል የለን

  • መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምእካብን የለን

  • ናይ እምነት ነጻነት ኣይፍቀድን

  • ናይ ህይወት ነጻነት ውሑስ ኣይኮነን

  • ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት የለን። ብሕታዊ ትካል የለን። ኣብ ኩሉ ደረጃታት ጽሬት ትምህርቲ የለን

ናይ ስራሕ ክፍሊት የለን። ናይ ጡረታ ስርዓት የለን። ኮታ እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን

 

 

ክብርቲ ዶ/ር ዙማ

 

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይጽወር ማሕበረ-ፖለቲካውን ቁጠባውን ዝያዳ ኩሉ ድማ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሕብረት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ከተሓሳስቦ ምይግባእ። ሎሚ ኤርትራ ብብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዓለም 3ይቲ ሃገር እያ። ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ናይ ሓደ ሰብ ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ሕብረተሰባ ለሚሱ ዳርጋ ናብ ዝፈሸለት ሃገር ትገማገም ስለ ዝኾነ፡ ህዝባ ንክድሕን ኣፍሪቃዊ ስጉምቲ ትጽበ ዘላ እያ።

 

ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኩሎም ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኻትን ብዛዕባ’ቲ 183 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራትን መደምደምታ ኮሚተ ውሳነ ሰብኣዊ መሰላት 2015 ዝርድእዎ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ብዛዕ ውዕል ኣንጻር ኩሉ ግህሰታት መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ጸብጻብ 2015፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝፈረመሉ ውዕል ከኽብር ኣይበቐዐን።

ክብርቲ ኣደመንበር ኮሚሽን ኣፍሪቃ፡

 

ሎሚ ኤርትራ ኣፍሪቃዊት ዛዕባ ኣያ። ንሕና ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲኹም ኣብዚ መበል 26 ኣኼባ ሰብእዊ መሰል ኣፍሪቃ ከም ቀንዲን ውዑይን ኣጀንዳ ብምውሳድን ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ብምሃብን ክትሕዝዎን ብዝግባእ ኣብ ግምት ከም እተእትውዎን ንኣምን። ምስዚ ብምትሓሓዝ ነዚ ዕድልዚ ተጠቒመ፡ ላዕለዎት ልኡኻት መበል 26 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ክህብዎ መልእኽተይ የቕርበሎም

 

ምስ ኣኽብሮት

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)

Last modified on Thursday, 21 January 2016 12:28