ብሰዲህኤ ተዳልዩን ተመሓይሹን ናብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብየካቲት 2010 እንደገና ዝቐረበ መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ (መ.ው.ኤ)

2015-11-17 11:03:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2823 times

መልእኽቲ ካብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

ክቡራንን ክቡራትን ዜጋታት፡

ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘቘሙ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ካብ ዝምስረቱ ኣትሒዞም፡ ከም ካልኦት ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ንኤርትራን ህዝባን ገጢሙዎም ዘሎ ገዚፍ ብድሆ፡ ሰላማዊን ግብራዊን ብዝኾነ ኣገባብ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ብጽሒቶም ንምብርካት፡ ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ምንዳይ ሃናጺ መንገድታትን ኣገባባትን ተቖሪኖም ጸኒሖም።

 

ንሃገርና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ዝዓበየ ቅልውላው ዘላቒ መፍትሒ ዝርከበሉ፡ ብሰላማዊን ዲሞክራስያውን ኣገባብ፡ ንህልዊ ሓደ ሰልፋዊ ምልኪ ስዒርና፤ ኣብ ቅዋም ብዝተመልሓቐን ብዝሐ ሰልፋዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ክንትክኦ ምስ እንበቅዕ ጥራሕ’ዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

 

እዚ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ኤርትራዊ ዕቱብ ተሳትፎ ዝሓትት፡ ሓያል ሃገራዊ ዕማም ኢዩ። ሰላማዊን መሃዝን ኣገባብ ብምኽታል፡ ፍልልያትና ንምእላይ፡ ብውፉይነት እንተ ዘይሰሪሕና፣ እቲ ሰማእታትና ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉሉ ዕላማ ምህናጽ ፍትሓዊትን ብልጽግትን ኤርትራ፡ ከነሰላስሎ ኣይንኽእልን ኢና።

 

ሰልፍና፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ከም መንጠሪ ባይታ ንህንጸት ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ የቕርቦ ኣሎ። ካብ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ነዚ ውጥን ንምጽፋፍን፡ ኣብ መወዳእታ ከም ሰነድ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኮይኑ ክጸድቕን ዘኽእሎ፡ ኣወንታዊን ነቐፌታዊን መወስኽታ ክረክብ ከኣ ይጽበ። ነዚ ውጥንዚ ብምጥቃም፡ ህዝብና፡ ነቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንኩሉ መዳይ ሂወቱ ተቖጻጺሩ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓትን ዘሕዝን ውጽኢቱን፡ መኽተምታ ንምግባር፡ ጠማሪ ስትራተጂ ኪኾኖ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ብተወሳኺ ከኣ፡ እዚ ውጥን’ዚ፡ ንህዝብና፡ ናብ እዋን ሰላማዊ ምስግጋር ንምብጻሕ ኪሕግዞን ክመርሖን ኢዩ ኢልና ንኣምን። 

 

ፖለቲካዊ ፍልልያትና ብግቡእ ከየመሓደርና፡ ነቲ ክንዮ ውልቀ መራሕቲን፡ ፖለቲካዊ ሰልፊታቶምን፡ ዘሎ ዕማም ምህናጽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ትካላትን፡ ከነተግብር ኣይከኣልን ኢዩ። ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ብመሰረት ሓባራዊ ምርድዳእን መብጽዓ ንሃገራዊ ህላዌናን፡ ካብ ኩሎም ዝከኣሉ ኣማራጺታት፡ እቲ ዝበለጸ ፍታሕ ንምልላይ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ኮፍ ክንብል ኣሎና።

 

ብልዑል ተስፋን ዓቢ ትጽቢትን፡ ነዚ መሰጋገሪ ውጥን፡ ርኢቶኹም ክትህቡሉ እንደገና ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። ነዚ ጻዕሪ’ዚ ንምዕባይ፡ ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብኣኽብሮት ንዕድም።

 

ሰላማዊ ምስግጋር፡ ምእንቲ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ምርግጋጽ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና፡ ክንቃለስ ናይ ዘሕለፍናዮ ዕድሜና ኣወንታዊ መዛዘሚ ክኸውን ኢዩ። ሕልሚታትና፡ ንደቅናን ደቂ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋን፡ ሰላምን ናጽነትን ዘውሕስ፡ ምስረታ ሓቀኛ ትካላትን ግዝኣተ ሕጊን ኣብ ሃገርና ምርኣይ ኢዩ።

 

ዓወት ናይዚ ተበግሶ፡ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ንጡፍ ተሳትፎን ሃናጺ ግብረ መልስን ዝምርኮስ ምዃኑ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይኣምን።

 

ወልደየሱስ ዓማር

ኣቦ መንበር                         

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።

 

 

መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ

መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ

 

ጽሟቕ ሓበሬታ

“መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ - መራሒ ካርታ ንዲሞክራሲያዊት ኤርትራ”፡ ኣብ ቅርጺን ተራን ናይቶም ብዙሓት ኣካላትን ትካላትን ዝግለጸሎም፡ ክልተ ምዕራፋት ዝተኸፍለ ኢዩ።

 

ምዕራፍ ሓደ፡ እዚ ቅድመ መሰጋገሪ ኢዩ። ኣብዚ ቅድመ መሰጋገሪ መድረኽ ነዞም ዝስዕቡ መድረኻት የነጽር፡- (ሀ) ንመስርሕ ምስግጋር ኣስከሬን ንምንጻፍ፡ ሰፊሕ ዚሰረቱን ንኩሉ ዘሳትፍን ቀዳማይ ዋዕላ ምጽዋዕ፡ (ለ) ካብ መንጎ’ቶም ተሳተፍቲ ዋዕላ ዝኾኑ፡ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ምምራጽ። ኣብ መንጎ ናይ ዲያስፖራ ፖለቲካዊ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ናጻ ተዋሳእቲ ፖለቲካ ውልቀ-ሰባትን ካልኦትን፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ቅጥዒን መስርሕን ምርጫ ሃቤሽ ዝምልከት፡ ሰፊሕ ምይይጥ ይግበር። ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ምዕራፍ መስርሕ ምስግጋር፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን፡ ፖለቲካዊን ፖሊሲታት ሃገር ዝካየዱ ዘተታትን ሞያዊ መጽናዕቲታትን፡ ዝመርሕን ዘወሃህድን ዝለዓለ ስልጣን ኪኸውን ኢዩ። ንትግባረ ናይ’ዚ ሓላፍነታት’ዚ፡ ሃቤሽ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ቻርተር ናይ ምፍጻም ተራ ዝህልዎን፡ ከም ዕለታዊ ንጥፈታት፡ ኣካያዲ ናይቶም ብሃቤሽ ዝወጹ መምርሒታት ኮይኑ ዘገልግልን፡ ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ። ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓታትነቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኮይኑ፡ ናይ ስራሕ ጸብጻባቱውን ንዕኡ የቕርብ። ንስርሓቱ ብግቡእ ንምፍጻም፡ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ዝተፈላለያ ሽማግለታት ሓይሊ ዕማም ናይ ምምስራት ስልጣን ይህልዎ።

 

ምዕራፍ ክልተ፡- ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ምምስራት። ህሉው መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ክሳብ ምግባእ ኣብ ዲያስፖራን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነብር ክፋላት ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ዝሳተፈሉ፡ ሃገራዊ ዋዕላን ምቛም መሰጋገሪ ባይቶን፡ ኣብ ዝህሉ ግዜ፡ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ሃገር ናይ ምምራሕ ምሉእ ሓላፍነት ይወስድ። ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመርጸ መሰጋገሪ ባይቶ፡ ከም መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል ኮይኑ ይሰርሕ፡ ክሳብ ምዝዛም መሰጋገሪ እዋን ንዝህሉ ግዜ ዘገልግል መሰጋገሪ ቅዋም የጽድቕን፡ ነቲ መስርሕ ክሳብ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስቲ ይመርሕን። ይኹንምበር፡ ክሳብ ቀዋሚ ቅዋም ዝጸድቕን፡ ዝተመርጸ መንግስቲ ስልጣን ዝርከብን፡ መሰጋገሪ ባይቶ፡ መዓልታዊ ንጥፈታት መንግስቲ ዝመርሕ ኣካል ይምዝዝ (የቕውም)።

 

መእተዊ ንመሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ፡  

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዳግማይ፡ ኣብ ፈታንን ዘይንቡርን ኩነት ኣትዩ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ልዕሊኡ ጨካንን እንኮ-ሰልፋዊ ስርዓት ጺዒኑሉ ዘሎ ዘቤታዊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደው ክብልን፡ እቲ ፍሉጥ ጽንዓቱ ዳግም ከረጋግጽን ይሕተት።

ሎሚ ህዝብናን ሃገርናን፡-

  • ክቡር ሂወት ደቁ ዝተኸፍለሉ፡ ኣሽሓት’ውን ኣካሎም ዝሰንከሉሉን፡ ነባሪ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላ ሓዲጉሎምን፡ ዝተረኽበ ክብሪታት ሃገር ተኻሒዱን፡ ንውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀ ሰባት ብዘርብሕ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ተተኪኡን፤
  • ምእንቲ ናጻን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር፡ ብነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራ ዝተኸፍለ ኣካላዊ፡ ንዋታዊን፡ ስነኣእምሮኣዊን መስዋእቲ፡ ባኺኑን፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተረኽበ መኽሰባትውን ብውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውልቀሰባት ተባሒቱን፤
  • እቶም ካብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብሂወቶም ዝኣተዉ ጀጋኑ ተቓለስቲ፡ ብድኽነትን ጸቕጥን ዝተመልአ ሂወት የሕልፉ ኣለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጽልሙት ዝኾነ መጻኢ ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ፤
  • ብዙሕ ሓቀኛን ብዝለዓለ ደረጃ ዝርአን ባህሊታት ህዝብና ተራኺሱን፡ ናይ ወለዶታት ማሕበራዊ ክብሪታቱ ኣንቆልቍሉን፤
  • መንእሰያት፡ ኣንጻር ድሌቶምን ንኣጠቓላሊ ምዕባለ ሃገር ዘዕኑን: ናይቲ ስርዓት ወተሃደራዊ ዕንደራ ንምርዋይ: ኣብ ቀጻሊ ግዱዱ ዕስክርና ይርከቡ፤
  • ዘይጥዑይ ቁጠባዊ ፖሊሲ ንምዕዋትን ንካልእ ዝርወትን፡ ኩሉ ሃገራዊ ገንዘብን ጸጋታትን ነጺፉ፤
  • ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ስርዓት፡ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ዜጋታት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ፖለቲከኛታት፡ ደቀንስትዮ፡ መንፈሳውያንን መራሕቲ ሃይማኖታት ውልቀሰባትን፡ መማህራን፡ ተመሃሮ ወዘተ፡ ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ብኣሰቃቒ ኣገባብ ኣሲሩ፤
  • ቀጻሊ ምምልላስ ድርቂ ኣብ ዘለወሉ ህሞት፡ ዘይልቦናዊ ኣብያ ንመተካእታ ዘይብሉ ሓገዛት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ንሃገርና ናብ ዓሚቕ ዓጸቦ የእትዩዋ፤
  • ስእነት እሩምን ብሱልን ዲፕሎማሲን፡ ቅጥዒ-ኣልቦ ኣቀራርባ ተደሚሩዎን፡ ንኤርትራ ተወሳኺ ተነጽሎ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣስዒቡላ፣
  • ጻሕታሪ ኵናት ዝኾነ ባህርያት ናይቲ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ዞባናን እዚ ዘይብሃል ዕንወት ኣኸቲሉ፣
  • ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ኣብ ከብሒታት ንዓመታት ተሰጊጡ ደሮና እንዳ ኣከበ፡ እቲ ርእሱ ዝሸመ መንግስቲ፡ ጸረ ብዝሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲ ዝኾነ እዉጅ መርገጺኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣገዲዱዎ፤
  • ናይቲ ስርዓት ፍጹም ሸለልትነት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነታትን መባእታዊ መትከላት ግዛኣተ-ሕጊን ብሩህ ኮይኑስ፡ ሎሚ፡ ኤርትራ፡ ብግብሪ፡ ዝወደቐት ሃገር ኮይና ትርከብ።    

እምበኣርከስ፡ እኩብ ድምር ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ካልኦት ዓበይቲ ናይ ምንቁልቋል ኣንፈታትን ኢዩ፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ከም ኩሎም ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ሃገር ናይ ምድሓን ከቢድ ጻዕሪታት ከካይድ እኹል ደራኺ ምኽንያት ዝኾኖ። እምነት ኤዲኪ፡ ሃገር ካብ ፍጹም ዕንወትን ቅብጸት ተስፋን ምድሓን፡ ልዕሊ ኩሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ንጥፈታትን፡ ቀዳምነት ክሕዝ ኣለዎ ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ነዚ ንድፊ መሰጋገሪ ውጥን፡ ንዘተ፡ ንክትዕን፡ ንዝያዳ ምድንፍዑን ምምዕባሉን፡ ናብ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን፡ ብዓቢኡ ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ የቕርቦ።

 

ጽኑዕ እምነት ኤዲኪ፡ ዕድል ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኢድ’ዚ ጨካንን ዘይሓላፍነታዊን መርሕነት ክሕደግ የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ግዝኣተ ውልቀ-ምልኪ ፍጹም ከብቅዕን፡ ዘመነ ሓርነት ውልቀሰብን ብዙሓዊ ዲሞክራሲን ኣብ ልዕሊ መቓብር ስዉኣትና ብምህናጽ፡ መንፈሶም፡ ቅሳነት፡ ሰላምን እፎይታን ክረክብ ኣለዎ። ቅዋማዊ ምሕደራን ግዛኣተ ሕጊን ኣብ ምሉእ ክፋላት እዛ ውልዶ ሃገርና ክነግስ ኣለዎ።

 

 

መብጽዓ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

መራሒ መትከላት መሰጋገሪ ውጥን

 

መሰጋገሪ ውጥን፡ ብመንፈስ ሰላም፡ ፍትሒን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመርሐ ኢዩ። ኣንጻር ቂምን ፍድየተ-ሕነ ስጉምቲታትን ደው ዝበለን፡ ብድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተገዝአን ኢዩ። መሪሕ መትከላቱ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ዝተመስረቱ ኢዮም፡-

  • ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ንመሰጋገሪ መስርሕ ዝምልከት ኩሉ መዳያዊ ምይይጣት ምሉእ ዕድል ተሳትፎ ክህልዎ ኣለዎ፣
  • መስርሕ ምስግጋር ሕጋውን ሰላማውን ከም ዝኸውን ንዜጋታት ክረጋገጽ፣
  • ናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገርና ብጽኑዕ ምውሓሱ፡
  • ዕድመ መስርሕ ምስግጋር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ይውሰን  

ተሳተፍቲ ፋልማይ ዋዕላ መሰጋገሪ ውጥን/ ቀዳማይ ምዕራፍ

 

እዚ እማመ መሰጋገሪ ውጥን’ዚ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ዝኸውን ኣስከሬን ንምስኣል፡ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ንኹሉ ዘሳትፍን፡ ዋዕላ ኪካየድ ከም ዘድሊ ይግምት። ነዚ ውጥን’ዚ ኣብ ፍሉጥ ናይ ግዜ ገደብን ብልዑል ናይ ምትሕብባር መንፈስን ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከኣ፡ ተሳተፍቲ፡ ቅሩብነቶም፡ ሃገራዊ ራኢኦምን ተዓጻጻፍነቶምን፡ ከርእዩ ፍቓደኛታት ክኾኑ ይግባእ።

 

ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ውሁብ ኩነታት፡ መባእታዊ ፖለቲካዊ ናጽነት ዘየፍቅድ ዘይንቡር ኩነታት ብምህላዉ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰፊሕን ምሉእ ዝኾነን ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ከም ዘይከኣለ ኤዲኪ ብዕምቆት ይርዳእ። ብሰንኪ’ዚ ሃዋሁዚ ከኣ፡ ክብ ኢሉ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ሓፈሻዊ ዝርዝር ቅርጺን ዕማማትን መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ከቕርብ፡ ሓደ ዋዕላ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክጋባእ ኢዩ።

 

ኩሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ብናይ መወዳእታ ውሳነታት ዋዕላ ቅዩዳት ኢዮም። ኣብ መንጎ ሓባራዊ ውሳነ ዋዕላን፡ ፖለቲካዊ መርገጺ ናይ ሓንቲ ኣባል ናይዚ ዋዕላ ዝኾነት ውድብ፡ ጉጅለ ትኹን ወይ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጺ ረጽሚ ምስ ዘጋጥም ከኣ፡ ውሳነ ዋዕላ ይዕብልል።

 

 

ኤዲኪ፡ ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ሓይሊታት፡ ህዝባውያን ማሕበራት፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረሰባትን ናጻ ውልቀሰባትን ብምምኽኻር፡ ዋዕላ ኣብ ምውጣንን ምፍጻምን ተበግሶ ክወስድ ኢዩ።

 

ኣቀዋውማ ኣካላት ኣብ ምሉእ መስርሕ ምስግጋር፡

ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፋት።

 

ናይ ምስግጋር ተካላት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ከም ዘሎ ቅርጺ ኪኾኑ ንርኢ፡-

  • ኣብ ወጻኢ ዝጋባእ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ኣብ ግብሪ ከውዕል ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ) ዝመርጽን ሓላፍነት ዝህብን ኣካል ኢዩ። ሃገራዊ ቻርተር ብተሳተፍቲ ቀዳማይ ዋዕላ፡ ነቲ ዝተበጽሐ መሰረታዊ ስምምዕ ዘነጽር፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ኢዩ።
  • ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ)፡ ብመሰረት ብዋዕላ ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ሃቤሽ፡ ኣብ መስርሕ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ዝለዓለ ስልጣን ዝህልዎ ኣካል ኢዩ።
  • ፈጻሚ ሽማግለ (ፈሽ)፡ ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ዝምዘዝ (ዝቐውም) ኣካል ኮይኑ፡ እዚ ካብ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ኣትሒዙ ክሳዕ ካልኣይ ዋዕላ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሃገራዊ ሽማግለ ዝወጸ መምርሒታት ናይ መዓልታዊ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
  • መሰጋገሪ ባይቶ (መባ)፡ ህሉው ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ኣብቲ ብምትሕብባርን ምምኽኻርን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ቦርድን ዝውደብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዝቐውም ፡ መሰጋገሪ ባይቶ ኤርትራ ኢዩ።
  • መሰጋገሪ መንግስቲ (መመ)፡ ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ዝቖሙ፡ ሃገር ንምምሕዳር፡ ብመሰጋገሪ ባይቶ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ኢዩ።

ቀዳማይ ዋዕላ (ቅድመ-ምስግጋር)፡-

ኣብ ደገ ብዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በርገሳውያን ማሕበራትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ምሁራትን …ወዘተ ዝሳተፍሉ ዋዕላ ኢዩ።

 

ዕማማት ዋዕላ፡-

  • ቻርተር ቅድመ-ምስግጋር የጽድቕ፣

  • ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይመርጽ፣

  • ዕድመ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይውስን፣

  • ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝምርሓሉ ሕግታትን ቅጥዕታትን ይሕንጽጽ፣

  • ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዝዓለመ ፖሊሲታትን መደባትን ይሕንጽጽ

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-

  • ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ይምረጽ፣

  • ዕድመ ስልጣኑ ክሳብ ምግባእ ሃገራዊ ዋዕላ ኢዩ፣

ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ፡-

  • ኣብ ዋዕላ ዝጸደቕ ቻርተር ኣብ ግብሪ የውዕል፣

  • ኣብ ዋዕላ ዝተሓንጸጹ መደባትን ፖሊሲታትን ኣብ ግብሪ የውዕል፣

  • ከም ሓጋጊ ኣካል ኰይኑ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ክፍጽሞ ዘለዎ መደባትን ፖሊሲታትን ይሕንጽጽ፣ ሕግትታን ቅጥዕታትን የወጽእን፣

  • ፈጻሚ ሽማግለ ይምዝዝ፣

  • ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስ ወደቐ ከም ግዝያዊ ፓርላማ ኰይኑ፡ ካብ ውሽጡን ካብ ደገን ብቕዓት ብዘለዎም ዜጋታት ክሳብ ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ዘመሓድር ግዝያዊ መንግስቲ ይምዝዝ፣

  • ድሕሪ ምውዳቕ ህሉዊ ስርዓት፡ ምስ ግዝያዊ መንግስቲ (ፈጻሚ ሽማግለ) ብምውህሃድ፡ ንምስንዳእ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ይሰርሕ፣

  • ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ ምይይጥ ናይ መስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ምሉእ ተሳትፎ ክህልዎ ምእንቲ፡ ዓዳምን ሰላማውን ሃዋሁ ይፈጥር፣

ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡-

  • ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ብኣካል ይራኸብ።
  • ብመሰረት ናይ ግዜ ሰሌዳን መደብን፡ ኩነታት ዝፈቕዶ እንተ ኮይኑ፡ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕን፡ ስራሕ ፈጻሚ ሽማግለ ይመርሕን ይቆጻጸርን። ኣኼባ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት፡ እንተወሓደ፡ ብ2/3 ናይ ኣባላቱ፡ ኮሩም ይመልእ።
  • ኩሉ ውሳነታቱ፡ ብመሰረት ብ2/3 ድምጺ ካብ ኣብ ኣኼባ ዝተረኽበ ኮረምን ድምጽን ይኸውን።

ፈጻሚ ሽማግለ

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት፡ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ይምዝዝ። ቁጽሪ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ዝውሰን ኮይኑ፡ ዝለዓለ ኣኽብሮት ዘለዎምን ክኢላታትን ዝሓዘ ይኸውን። ንኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ኣዕጋቢን ርትዓዊን ክፍሊትን ኣበልን ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለታት ኪቕረበሎም ኢዩ።

 

ዕማማት ፈጻሚ ሽማግለ፡-

  • ንፖሊሲታት ናይቲ ጽላል ውድብ ኣብ ግብሪ የውዕልን፡ ንበብግዚኡ ብሃገራዊ ቤትምኽሪ ሽማግለ ዝሓለፉ ውሳነታት የፈጽምን።
  • ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓታትነቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ኮይኑ፡ ጸብጻባቱ ናብኡ የቕርብ።
  • ከም ኩነታቱ፡ ዝተፈላለያ ሽማግለታትን ንኡሳን ሽማግለታትን የቕውም። ኣባላተን ይምዝዝ፡ ስርሓተን ይመርሕን ይቆጻጸርን።
  • ምስ ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ብመሰጋገሪ ባይቶ፡ ህላወኡ የብቅዕ።

ኣኼባታት ፈጻሚ ሽማግለ፡-

  • ኣብ ርብዒ ዓመት ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ፣
  • ህጹጽ ኣኼባኡ ብኣቦ መንበር ወይ 2/3 ካብ ኣባላቱ ይጽዋዕ፣
  • 2/3 ካብ ኣባላቱ እንተደኣ ተራኺቦም ኣኼባኡ ሕጋዊ ኢዩ፣
  • ውሳኔታቱ ብክልተ ሲሶ ብዝሒ ድምጺ ይሓልፍ፣

ናጻ ተጸባጻቢ ኮሚቲ

ዕማማት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ሽማግለን፡ ብሓፈሻ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ ዘመተን ጻዕርን፡ ከምኡ’ውን ናጻ ተጸባጻቢ ኣካል ንክህሉን፡ ኣድላይ ይገብሮ።

  • ናጻ ተጸባጻቢ ኣካል ኣብ ዋዕላ ይምዘዝን ጸብጻባቱ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት የቕርብን።
  • ምስ ፈጻሚ ሽማግለ ብናይ ቀረባ ምትሕብባር ይሰርሕ።
  • ሰርሓት ተጸባጻቢ ኣካል ኣህጉራዊ ደረጃ ይኽተል።

ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡

 

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንሃገርና፡ ናብ ዲሞራሲያዊነትን ንሁር ግስጋሰን ልምዓትን ዝመርሕ ሰላማዊ ምስግጋር ንምስላጥ ሓጋዚ ኢዩ። ኤዲኪ፡ ደምበ ተቓውሞ ንዓመታት ዘዋህለሎ ተመክሮታት፡ ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምግባእ ክሕይል ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። እዚ፡ ንኩሎም ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ኤርትራውያን፡ ዜጋታታ ሰላምን ብልጽግናን ዘስተማቕሩላ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ንምምስራት ኣብ ኩሉ ግንባራት ክሓብሩ ምውሳኖም ዘመልክት ኣወንታዊ ሓበሬታ ክህብ’ዩ።

 

ብተመክሮታት ስርሓት ቀዳማይ ዋዕላን ትካላቱን ተሓጊዙ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጋባእ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንዲሞክራሲን ግዛኣተ ሕግን ዝካየድ ቃልሲ ንምዕዋት ዘቀላጥፍን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ካብ ህሉው ገባቲ ስርዓት፡ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሰጋገር ዝድርኽ ስትራተጂን ይሕንጽጽ።

 

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ልሙጽ ምስግጋር ስልጣን ከውሕስ፡ ሃገር፡ ጥጡሕ ቅዲ ሂወት ክረክብን ቁጠባዊ ዝላ ክህሉን፡ ርግኣት ከረጋግጽን ክሰርሕ ኢዩ።

 

ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ጉዳያት ይዛተን፡ ኣብ ሓፈሻዊ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕን ኣለዎ፡-

  • ምቛም ኣብ እዋን መሰጋገሪ መድረኽ ናይ ሓጋጊነት ዝለዓለ ስልጣን ንዝህልዎ መሰጋገሪ ባይቶ።
  • ኣብ እዋን ምስግጋር፡ ናይ ሃገርና ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ጸጥታን ዝዕቀበሉ ኣገባብ።
  • ቀዋሚ ቅዋም ሃገር ምኽላስን ከመይነት ኣገባብ ምጽዳቑን።
  • ምስረታ፡ ዕማማትን፡ ስልጣንን፡ መስጋገሪ መንግስቲ።
  • ሃገራዊ ምርጫን ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፊታትን፣ ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዕኦም ዝምልከቱ ሕጊታትን።
  • ምጽዳቕ ሃገራዊ ቻርተር።
  • ምዝታይን ምጽዳቕን መሰጋገሪ ቅዋም።
  • ተወሰኽቲ፡ ከም ሃገራዊ ቁጠባ፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ጉዳይ ዳግመ ውደባ ሰራዊት፣ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማኣታትና፡

የካቲት 2010 ዓም፡፡

Last modified on Tuesday, 17 November 2015 12:36