ኣቦመንበር ሰደህኤ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ንክውሰድ ናብ ዝጸውዑ ፕረሲደንት ፈረንሳ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሰዲዱ

2015-11-16 20:10:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2186 times

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ናብ ፕረሲደንት ፈረንሳ ፍራንሰስ ሆላንደ ህጹጽ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ኣብቲ መልእኽቱ በቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሲቪል ኣብ ሰዓታት ለይቲ ዝወረደ ኣስካሕካሒ ህልቂት ከቢድ ሓዘን ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ፡ ኤርትራዊ ምሕዝነት ምስ ህዝብን መንግስትን ፈረንሳን ጠቒሱ።

.

ኣቦመንበር ሰደህኤ ናይዚ ብ15 ሕዳር 2015 ናብ ፕረሲደንት ፈረንሳ ዝለኣኾ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሎረንት ፋቢዩስ እውን ሰዲዱ። ኣቦመንበር ሰደህኤ፡ በቲ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንኤርትራ ብዝምልከት ብዘቕረብዎ ኣገዳሲ ምልክታ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ክሰድድ’ኳ መደብ እንተነበሮ፡ ብሰንክቲ ኣብ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኣደንጉይዎ ኣሎ።

ፕረሲደንት ፈረንሳ ሆላንድ፡ ኣብቲ ብ11 ሕዳር 2015 ኣብ ቫለታ ማልታ ዝተጋበአን ዝያዳ 60 መራሕቲ ካብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኤሮጳን ዘሳተፍዎ ኣኼባ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዓብይ ቆላሕታ ክረክብ ዝግበኦ ዛዕባ ምዃኑ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ንሶም ኣብቲ ሽዑ ዘስሞዎ ቃል፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዋላ ሓደ ኣይተዛረበን። ኤርትራ ብሰንኪ ዘይቅርዑያት መራሕታ ህዝባ ገዲፍዋ እንዳኸደ ጥራያ ትተርፍ ዘላ ሃገር እያ ኢሎም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ሕማቕ ኩነታት ዝፈጠሩ መራሕቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ንክግበር ድማ ጸዊዖም። እዞም መራሒ ፈረንሳ ሆላንድ ኣስዒቦም ኤውሮጳን መላእ ዓለምን ንኤርትራ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ኮይኑ፡ ጥቡቕ ዲፕሎማሲ ዝሓትት ዕማም ከም ዝጽበዮም’ውን ጠቒሶም እዮም።

Last modified on Monday, 16 November 2015 21:17