ዕዉት 4ይ ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ

2015-10-13 19:04:31 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ Published in EPDP News Read 2548 times

እቲ ብጥቅምቲ 2010 ብዕሊ ዝቆመ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 09 ጥቅምቲ 2015 ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕዉት ቃልስና ብሓድነትና ይዓኹዅ ኣብ ቲሕቲ ዝብል ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብኛ፡ እንግሊዘኛን ኖርወጂያንን ዝተጻሕፈ ጭርሖ 4ይ ጉባኤኡ ብዓወት ኣቃኒዑ። ኣብዚ 4ይ ጉባኤ ኣባላት ጨንፈር ካብ ርሑቅን ቀረባን ውሒዞም እንክርከቡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም እውን ካብ ቤት ጽሕፈቱ ተንቐሳቂሱ ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቡ ውዒሉ።

NorwayCongressChair

 

ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ዳዊት ኣርኣያ ኣብ መእተዊ ጉባኤ ንክቡር ኣቦ መንበር ሰልፍን ንተሳተፍቲ 4ይ ጉባኤ ጨንፈርን ምዉቕ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽትን ለጊሱ። ኣስዒቡ ሓው ዳዊት፣ 4ይ ጉባኤ ጨንፈር ኖርወይ፡ ብሓደ ወገን ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ተሰጋጊሩስ፡ መንእሰይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ዕድል ዝረኸበ ዜጋ ሃጽ ኢሉ ካብታ ዘፍቅራ ሃገሩ ኣብ ዝጠፍኣሉ ዘሎ ህሞት፤ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 2ይ ጉባኤኡን ፈስቲቫል 2015 ን ብዓወት ሰጊሩ ብሓዲሽ መንፈስን ሓይልን ሓኒኑ ኣብ ዝምርሸሉ ህሞት ይካየደ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ነቶም ክሳብ ድሕነት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝረጋግጽ ደኺምና ከይበሉን ከይተሓለሉን ኣብ ቃልሶም ጸኒዖም ዝቃለሱ ዘለዉን ንዓወት 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ክውን ንምግባር ዓቕሞም ዘፍቀዶ ወፈያታት ዝገበሩ ኣባላት ጨንፈር ብልቢ ሞጒሱ።

NorwayCongress 1

ብምቕጻል ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ ብዋና ጸሓፊ ዞባ ኤውሮጳ ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ዝተላእከት ናይ የሃና መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣንቢቡ። ቀጺሉውን፡ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ሓው መድሃኔ ኣብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ጨንፈር፣ ዝምድናታትን ዲፕሎማስን ምስ ካልኦት ኤርትራርውያንን ዘይኤርትራውያንን ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት፣ ጨንፈር ካብ ዕለተ ሳልሳይ ጉባኤኡ ክሳብ 4ይ ዕለተ ጉባኤኡ ዘሰላሰሎም ዕማማትን ዝሃቦም ኣገልግሎታትን ብዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝራዊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ብጻይ መድሃኔ ኣብ ጸብጻቡ ብተወሳኺ ናይ ጨንፈር ብልጫታት፡ ገለ ሕጽረታትን ድኽመታትን እውን ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ኣብ መወዳእታ ሓው መድሃኔ ነቶም ኣብ ሊዕሊ ክንደይ ውልቃዊ ጸገማቶም ሰልፊ ኣብ ጉባኤኡ ኮነ ኣብ ዘካይዶ ሃገራዊ መደባቱ ንኽዕወት ኢሎም ዓቕሞም ዘፍቀዶ ኣበርክቶ ከበርክቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ኣባላት ጨንፈ ሞጒሱን ኣመስጊኑን።

ካብዚ ብምቅጻል፡ ተሓዝ ገንዘብን ንብረትን ጨንፈር ዝኾነ ሓው ማሕደር ዑቝባዚጊ፡ ናይ ገንዘብን ንብረትን ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ሓው ማሕደር ቅድሚ ጸብጻባቱ ንኣድላይነትን ኣገዳስነትን ወርሓዊ ውጺኢትን ዝተፈላለዩ ወፈያታትን ብዝምልከት እኹል መብሪሂ ንጕባኤኛታት ሂቡ።  

ጻብጻባት ጨንፈር ምስ ተሰምዐ ኣብ መርሕነት ዝጸንሐት ሽማግለ ጨንፈር ካብ ስልጣና ብዕሊ ወሪዳ፣ ንዝተረፈ ከይዲ ጉባኤን መስርሕ መረጻን እትመሪሕ 3ተ ዝኣባላታ ብሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ዝቆመት ሰክረታርያ ጉባኤ ተመሪጻ።

NorwayCongress 5Shumai

ብምቅጻል ኣብ ሊዕሊ ዝተዋህበ ጸብጻባት ካብ ኣባላት ጉባኤ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ቀሪቦም፣ ኣብ መሪሕነት ብዝጸንሑ ኣባላት ድማ ኣዕጋቢ መልስን ተወሳኺ መብሪሂታትን ተዋሂቡ። ንጨንፈርን ሰልፍን ከሕይል ዝኽእል ሓያለይ ለበዋታት ኣውን ተመዝጊቡ።

NorwayCongress 2

ኣብ መወዳእታ ተጋባእቲ በቲ ቅዋም ሰልፊ ዝደንገጎን ኣብ ዝዓበየ ክፍሊ ኣህጉርና ተጠቃምነት ዘለዎን ኣገባብ መረጻ ተኸቲሎም ክሳብ 5ይ ጉባኤ ጨንፈር እተገልግል 5 ዝኣባላታ ሓዳሽ ሽማግለ ጨንፈር ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም።

NorwayCongress 6MAካብዚ ብምቅጻል ኣኼባ ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ኣባላት ጨንፈር ተኻይዱ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ንመደረኡ ብሰላምታን ብናይ እንቋዕ ናብ ዕዉት 4ይ ጉባኤ ኣብጽሓኩም ቃላት ከፊትዎ። ኣስዒቡ'ውን ኣቦመንበር ንመደረኡ ኣብ ክልተ ክፍላት ከፋፊሉ ኣቅሪቡ።

ኣብ ቀዳማይ ክፋል መደረኡ፣ ሓው መንግስተኣብ ስልፊ ሳላ ዘይሕለል ተወፋይነት ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለምና ዝርከቡ ኣባላቱ ከምቲ ወትሩ ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን እውን ን2ይ ጉባኤኡ ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ማለት ኣብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ብዓወት ከምዘሰላሰለ ገሊጹ። ኣቦ መንበር ቀጺሉ ኣብ ዝርዝር ብምእታው ጉባኤ ከም ንቡር ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ነገራት ማለት ኣብ ፖልቲካዊ መደብ ዕዮ፣ ኣብ ቁዋም ሰልፊ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ኣብ ምምራጽ ሓዲሽ መርሕነትን ክዝቲ ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብቲ ዝነበረ ሰነዳት ኣድላዪ ምምሕያሻት ብምግባር ጉባኤኡ ብዓወት ከምዝዛዘመ ደጊሙ ኣበሲሩ። ኣብ ሓድሽ መርሕነት ሰልፍውን እንተኾነ ብዙሕ ለውጢ ከምዝተገብረ ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ደቂ ኣንስትዮ ቁጽሪ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ካብዝነብሮ ክብ ከምዝበለ ግንከኣ ክሳብ ፍርቂፍርቂ ዝኸውን እውን ክጸዓረሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ እንክብል ሓው መንግስተኣብ ኣስሚርሉ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል መደረኡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርን ህዝቢን ሰፊሕ መብሪሂ ሂቡ። ንሱ ኣብ ዘረብኡ እቲ ብሓደ ሰብን ብሓደ ሓንጎል ዝዝወር ኣብ ሃገርና ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ስርዓትን ሰልፍን ብዝኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ሎሚ ህዝብና ኣብ ፍጹም ብምትታን ሃገርና ድማ ኣብ ጎደና ዕንወትን ፍሽለትን ከምእትርከብ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ንኹሎም ኣባላት ጨንፈር ደጊሙ ዮሃና ድሕሪ ምባል ክሳብ ዓወት ቃልስና ብድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ዝረጋገጽ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቃልሲ ጸኒዑ ክቃለስን እጃሙ ከበርክትን ኣዘኻኺሩ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልስና!

ክብርን ሞገስን ንስወዕእትናን ስንኩላትናን!!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

Last modified on Tuesday, 13 October 2015 21:27