ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ ፈስቲቫል ካስል 2015

2015-08-09 19:47:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3302 times

ክቡር ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ክቡር ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል

ክቡራትን ክቡራንን ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ክቡራትን ክቡራንን ተወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን

ክቡራትን ክቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽ

ኣቐዲመ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብስመይን ኣብ ፈስቲቫል ካስል ንኽንሳተፍ ንዝተገብረለና ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ አቕርበልኩም። ቀጺለ፡ ዕዉት፡ ስኒትን ሓጐስን ዝሰፈኖ ፈስቲቫል ክዀነልኩም ዘለኒ ልባዊ ትምኒት ድማ ክገልጸልኩም እፈቱ።

ናብ ካስል፡ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ብማሕበራዊ ጕዳያት ቅልቅል ኢለ'ኳ እንተነበርኩ፡ ኣብ'ዚ ኣብ መሰሃለን ዝካየድ ፈስቲቫል ካብ ዘይሳተፍ ብውሑዱ 13 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ንሓደ ዓላማ እናተቓለስካ፡ ንዓሰርተው ሰለስተ ዓመታት ክትርሓሓቕን ክትነጻጸግን ጥዑም ኣይኰነን ጥራይ ዘይኰነስ ቅቡል ውን ክኸውን ኣይግብኦን ኢዩ። በዚ ምርሕሓቕን ምንጽጻግን እዚ፡ ንሕና ከም ክልተ ውድባት ይኹን ወይ ህዝብና ዝረኸቦ ረብሓ ከምዘየለ፡ ንፈላለየሉ ጕዳይ ኣይመስለንን። በዚ ዝረብሐ እንተልዩ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጥራሕ ኢዩ።

እቲ ጕዳይ፡ ጕዳይ ህዝቢ ክሳብ ዝዀነ ድማ፡ ሕጂ እውን "ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን" ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና፡ ነቲ ብኸንቱ ዝባኸነ ግዜን ዓቕምን ንምፍዋስ ምጽዓር እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ዘለና ኰይኑ ኣይስምዓንን። ናይ 1000 ኪሚ ጕዕዞ ብሓደ ስጕምቲ ኢዩ ዝጅመር ከምዝብሃል፡ እቲ ንለውጢ እነካይዶ ቃልሲ በቲ ናይ ቀረባ ወይ ድማ በቲ ዘይንፈላለየሉ ነጥቢ ንጀምሮ እሞ፡ ቀስ ብቐስ፡ ጡብ ኣብ ልዕሊ ጡብ እናንበርና ንዅላትና ዘጽልል ገዛ ንምህናጽ ንበገስ።

በቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸድናዮ እሞ ኣብ ዓወት ዘየብጽሓና ጐደና ምምላስ ሕጂ'ውን ከምትማሊ ኣየዐውተናን ኢዩ። ተመኵሮና ገምጊምና፡ ንኽዕንቅጹና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ወይ ብድሆታት ብሓድሽን ምትእምማን ብዝፈጥርን ኣገባብ ክንምክቶም ከድልየና ኢዩ።

ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ንምድሓን መታን ክከኣል፡ ንምንጽጻግ ብምጽውዋር፡ ንምብትታን ብምትእኽኻብ፡ ንዘይትምትእምማን ብምትእምማን፡ ንድንቍርና ብፍልጠት፡ ንትህኪት ብስራሕ፡ ...ወዘተ ምትካእ ከድልየና ኢዩ። ናይ ኤርትራውይን ስደት ደው ከይበለ፡ ቃልስና ናብ ሓድሽ ወለዶ ከይተሰጋገረን ተሳትፎ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረጋገጸን ድማ፡ ሃገርና ካብ ብርሰት ድሒና ኢያ ኢልና ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

ዕላማና ንምልኪ ብዲሞክራሲ ምትካእ ኢዩ። ናይ ሕጂ ወይ ናይ ቀረባ ዕማምና ግን ንምልኪ ኣውዲቕካ ርግኣት ዝሰፈኖ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ምፍጣር ኢዩ። ዝተረፈ ምስ ህዝብና ኰይና እንዓሞ ሓባራዊ ስራሕ ኢዩ። መላኺ ስርዓት ኤርትራ ካብ ዓለምን ካብ ህዝቢ ኤርትራን ተነጺሉ፡ ውድቀቱ ዝጽበ ዘሎ ስርዓት ኢዩ። ሓያል ዝደፍኦ ተቓውሞ ስለዝሰኣነ ጥራሕ ኢዩ ዕድመ ስልጣኑ ዝናዋሕ ዘሎ።

ክቡራትን ክቡራንን

ለውጢ ዘምጽእ ህዝቢ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ስራሕና ንህዝብና ኣብ ጐድንና ምዕሳል ኢዩ። ካልእ ስራሕ ክህልወና ኣይግባእን። ነዚ ንምግባር ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ምስ ዝርከብ ህዝብና ጽኑዕ ዝምድናታት ክንፈጥር ክንክእል ኣለና። ካብ ህዝቡ ዝተነጸለ ተቓውሞ ኣየድምዕን ኢዩ እሞ፡ ኣትኵሮናን ሃምናን ኣብ ህዝብና ይኹን። ነዚ ዘንጊዕና ኣብ ሕድሕድና እነካይዶ ቃልስን ውድድርን ኣብ ዘለናዮ ጋም ማን ካብ ምባል ሓሊፉ ንቕድሚት ኣየሰጕመናን ኢዩ። ዝዀነ ተቓዋሚ ውድብ ዝገብሮ ኣኼባታት፡ በዓላት፡ ሰላማዊ ሰልፍታት...ወዘተ ኵላትና ክንሳተፎን ከነማዕርጎን ይግብኣና። ከም'ዚ ክንገብር ምስእንኽእል ጥራሕ ኢና ኣብ ልብን ኣእሙሮን ህዝብና ቦታ ክህልወና ዝኽእል።

ኣብ መደምደምታ፡ ደጊምና ፈስቲቫልኩም ዕዉት ክኸውን ንምነ።

ጽን ኢልኩም ብምስማዕኩም አመስግን

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

8 ነሓሰ 2015

Last modified on Sunday, 09 August 2015 21:56