ፈስቲቫላትና ኣገደስቲ መድረኻትና’ዮም

2015-08-09 19:01:18 Written by  ርአሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2584 times

“ንላዘብ ምኽሪ ንክርከብ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ቁምነገራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ናይ ሓባር ጸገም ብናይ ሓባር ርክብን ልዝብን ከም ዝፍታሕ፡ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እቲ ዝዓበየ እዩ። ምርኻብን ተራኺብካ ንናይ ሓባር ጸገምካ ናይ ሓባር መፍትሒ ምርካብን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እትራኸበሉ ናይ ሓባር መድረኽ ምርካብ ከዓ ነብሱ ዝኸኣለ ጻዕርን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ካብቶም ብዙሓት መሳተፊ ናይ ሓባር መድረኻት ሓደ ፈስቲቫል እዩ። ኣብዛ ሎሚ ንነብረላ ዘለና ዓለም ጉዳያት ብብሕቲ ዝዕመሙ ዘይኮኑስ ከከም ደረጃኦም፡ ሃገራዊ፡ ዞናውን ግሎባላውን ምትእስሳራት ዘለዎም እዮም። ማለት ሓደ ኣካል ጽቡቑ ኮነ ሕማቕ ጉዳዩ ብግሊ ሰቲርዎ ኣብ ዘጽቅጠላ ዘይኮነስ ኣውንታ ኮነ ኣሉታ ዶባት ጥቒሶም እሞ ኣብ ሕጺር ግዜ ኣብ ዝጸላለዉላ ዓለም ኢና ንርከብ ዘለና።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኣገዳስነት ንናይ ሕድሕድ ምጽልላውን ናይ ሓባር መድረኽ ምፍጣርን ተገንዚቡ መድረኽ ፈስቲቫል ካብ ዘዳሉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዞም ዓመታዊ ፈስትቫላት ከም ዝኾነ ካልእ ተርእዮ በቲ ዝዝውተርሉ ከባብን ግዜን ክጽለዉ ባህርያዊ እዩ። ንሓንሳብ ዕሙራት ይኾኑ ንሓንሳብ ድማ ተሳተፍቶም ስሑዋት ይኾኑ። ኣብቲ መድረኻት ዝመሓላለፍ መልእኽትታ እውን ከምኡ ናይ ክብን ለጠቕን ባህርያት ይህልዎ። ብሓፈሻ ግና ደረጃኡ ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር፡ ኣብ ፈስቲቫል ተራኺብካ ብጉዳይ ሃገርካ ምዝታይ ከቶ መውዳእትኡ መኽሰብ እምበር ክሳራ ስለዘይኮነ ፈስቲቫላትና ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ምእንቲ ፍትሒ ናቶም ዘይፈሓቝ ኣበርክቶ ኣለዎም።

እዚ ዓመታዊ ፈስቲቫልና ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ይ ዓመት ድርብ ዕማም’ዩ ዘሳልጥ። ማለት ኣብ ጽባሕ ምዝዛም ጉባአና ስለ ዝጋባእ፡ ብርዝነት ናይቲ ጉባአ ውጽኢት ይደምቕ። እነሆ ከዓ ናይ ሎሚ ዘመን 2015 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ እውን ናይቲ ሰልፊ 2ይ ጉባአ ኣብ ሰፊሕ ዳህሳስ ዝተመርኮሰ ፖለቲካዊ ውሳነታትን ካለኦት ውጽኢታትን ዝተበሰረሉ እዩ ነይሩ። እቲ ፈስቲቫል ኣብ ኣባላት ናይቲ ሰልፊ ጥራይ ከይተወሰነ፡ ካልኦት ኤርትራውን ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ከም ዝሳተፍዎ ንምግባር በቶም ኣሰናዳእቱ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣዝዩ ዕዉት ከም ዝነበረ እውን ብዓይነትን ዓቐንን ተሳትፎኡ ኣረጋጊጹ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ከተማ ፍራንክፈርት ከንቲባን፡ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ጀርመንን ካለኦት ሃገራትን ሰልፍታት ተወከልትን ምስታፎምን ምስቲ ፈስቲቫል ዘሳኒ ንቃልሲ ሓይልታት ለውጢ ዘተባብዕ ቃላት ምቕራቦም ከዓ ኤርትራዊ ዛዕባ፡ ካብ ኤርትራዊ ክሊ ሓሊፉ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ቦታ ይረክብ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ። ደድሕሪ’ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ ዝተቓነዐ ሰፊሕ ናይ ጀነቭ ሰልፊ ምክያዱ እውን ነቲ ፈስቲቫል ጉልበትን ዓቕምን ወሲኽሉ እዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ዕዱማት ተወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን ዘቕረብዎ ናይ ምሕዝነት መልእኽታት፡ ተመሳሳልን ካብ ዓሚቕ ተገዳስነትን ሓላፍነትን ዝነቐለን ምንባሩ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይነበረን። ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ናይ መከራ እዋን፡ ኣብ ምምዛንን ካብዚ ንምውጻእ ይእመቱ ዝነበሩ መፍትሕታትን ፍልልያት ኣይነበሮም። ኣብዚ ፈስቲቫል ዳርጋ ብኹሎም ዝተንጸባረቐ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ዝፍታሕ ብናይ ሓባር ቃልሲ ጥራይ ምዃኑ ብምግንዛ፡ ናይ “ተቐራሪብና ንቃለስ” ጸዋዒ ድምጺ ብዓውታ ዝስመዓሉ ዝነበረ እዩ። ሓቂ እዩ ከምዚ ዓይነት ናይ “ንቀራረብ” ድምጺ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኮነን ኣብዚ ፈስቲቫል ተሰሚዑ። ብዙሓት ዝተኣትዉ ግና ዘይተተግበሩ ናይ ሓድነት መብጸዓታት ዝተሰምዓሎም መድረኻት ዘይንፈልጥ ኣይኮናን። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኩሉ ዓቕምና ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ንምምጻእ ዝገበርናዮም ፈተነታት ኣይተዓወቱን እሞ ኣብ መጻኢ እውን ኣይዕወቱን እዮም ኢልና ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግበኣና። “ይከኣል እዩ። ሰልምንታይ ዘይከኣል” ዝብል ተስፋ ክፍለየና ኣይግባእን እዩ። ንኹነታትና ብመንጽር ሎሚ ጥራይ ዘይኮነስ ትማልን ጽባሕን ኣብ ግምት ብዘእቱ ኣገባብ ክንርእዮም እንተኽኢልና ብሓቂ ይከኣል እዩ። ብናይ ትማሊ ፍሽለት ክንርዕድ ዘይኮነስ ብናይ ጽባሕ ተስፋ ክንተባባዕ ይግበኣና።

ከምዚ ዓይነት ኩለመዳያዊ ማለት ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ፋይዳ ዘለዎ መድረኻት ፈስቲቫል ኣዳሊኻ ኣጋይሽ ምቕባል እሞ ድማ ኣብ ዓዲ ጓና ቀሊል ኣይኮነን። እንተኾነ ሳላ ብሓቦ፡ ኒሕን ሃብታም ተመኩሮን ዝተንቀሳቐሱ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዕዉት ፈስቲቫል ኣካይዶም። ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ካብ ተራኺብካ ምልዛብ ዝርከብ መኽሰብ ክህሉ ባርያዊ ስለ ዝኾነ፡ በቲ ሓደ ወገን ነዞም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራኸቢ መድረኽ ዝፈጠሩልና ከነተባብዕም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣገዳስነቱ ብምግንዛብ ካልኦት ማሕበራትን ውድባትን እውን ከም ኣገዳሲ መድረኽ ርእዮም ኣብ መጻኢ ክሰርሕሉ ግቡእ እዩ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ እኩብ ድምር ናይ ኩሉ ጻዕርታትና ውጽኢት ኣብ ኤርትራ ዲክታተርነት ዝፍንፍን ሓድሽ ናይ ለውጢ፡ ደሞክራሲ፡ ሰላምን ዕቤትን ዝያዳ ኩሉ ድማ ልዕልና ህዝቢ ዝቕበል፡ ኣተሓሳስባ ምምዕባል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ንህዝብና ኣጻቢብሉ ዘሎ፡ እቶም ዲክታቶር ኢሳይያስ ዘኳድዶም ወጻዕቲ ኣካላት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ እቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባዚ እንተተሳዒሩ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘየዳግም ምስዓሩ ውሁብ እዩ። እቲ ንቃለሰሉ ዘለና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣብ ዘይዓኮኾሉን ኣብ ህዝብና ኣብ ዘይሰረጸሉን እዋን ዝምጽእ ለውጢ ግና ውሕስነት የብሉን። ኣብቲ ዘይበረሰ ጸረ ህዝቢ ድኹዒ፡ ካልእ ወጻዒ ናይ ምብቋሉ ዕድል ዕጽዊ ስለ ዘይከውን። እቲ ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ነዚ ንሕና ንቃለሰሉ ዘለና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምብርዓን ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ባህርያዊ እዩ። ይገብር ከዓ ኣሎ። ንሱ እውን ነዚ ሕልሙ ንምዕዋትን ኣብ ኮረቻ ወጽዓ ንምቕጻልን ካብ ዝጥቀመሉ መንገድታት ሓደ ምውዳብ ፈስቲቫል ምዃኑ ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኣለና። ብተግባር ከም ዝተዓዘብናዮ ግና ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ዝያዳ’ቲ ሓቀኛ ምስሉ ሓቢኡ፡ ጥዑይ መሲሉ ዝቐርቦ፡ ብዛዕባ’ቲ ሓቀኛ ምስሉ ዝርድኡ ስለ ዝበዝሑ፡ ሎሚ ሎሚ ቁጽሪ ተሳትፍቲ ፈስቲቫል ህግደፍ እንዳተሸምቀቐ ይመጽእ ከም ዘሎ ንርእዮ ኣለና። በዚ ኣጋጣሚ ፈስቲቫል ከምቲ ካልእ መድረኻት፡ ንወዳቢኡ ክመስል ርዱእ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ፈስቲቫል ሃናጺ እዩ ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእልን።

8 ነሃሰ 2015

Last modified on Sunday, 09 August 2015 21:05