ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

2015-07-22 19:27:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2333 times

ኣብቲ ልሙድ መኤከቢኡ ከተማ Frankfurt Bockenheim Kirchplatz ብዕለት 19-07-2015 ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዕዉት ዝዀነ ኣኼባ ኣካይዱ። ሓው ሕጂ ሳልሕ ስዒድ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጉዳይ ኣብ ጀነቭን ከተማ ጊሰንን ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝተኻየደ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ጨንፈርናን ብጠቕላላ ሰልፊና ዓቢ እጃም ከምተጻወተ ብሰፊሕ ኣብሪሁ።

FFTBranchMeeting 1

ኣስዒቡ ብጉዳይ ካልኣይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጐንደር ሓደ ክፋል ናይቲ ጉባኤ ጀሚሩ ከምዘሎን ብምግላጽ፡ ከምኡውን እቲ ካልኣይ ክፋል ጉባኤኡ ኣብ ሃገረ ጀርመን ካብ 26-07-2015 ክጅምር ምዃኑ ንኣኸበኛ ጨንፈር ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ገሊጹ።

ብድሕሪዚ ኣብቲ ሕምረት ኣጀንድኡ ብምእታው ነቲ ካብ 31-07-2015 ክሳዕ 02-08-2015 ክግበር ተዳሊዩ ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ጨንፈር ፍራንክፈርት ናይዚ ጉዳይ እዚ ዓንዲ ሕቘ ብምዃን ኣጋይሹ ብኸመይ ንምስትንጋድ ተዳልዩ ንምጽናሕ ጨንፈር ኣባላት ንኣሰራርሕኦም ሃናጺ ዝዀነ ርእይቶታት ብምቕራብ ድልውነታቶም ገሊጾም።

FFTBranchMeeting 2

ብተወሳኺ ኣብዚ ጨንፈር እዚ ኵሎም ስርዒታውያን ሓለፍቲ ኣባላት ናይዚ ጨንፈር ከም ምዃኖም መጠን ነቲ ዝቕረበ ኣጀንዳ ሓደ ብሓደ ሃንጺ ሃሳባትን ርእይቶታትን ብምስናይ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣት ተዛዘመ።

21-07-2015

Last modified on Wednesday, 22 July 2015 21:36