ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ

2015-07-01 18:16:30 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይ Published in EPDP News Read 2552 times

ሰልፊ ዲሚክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ብ21 ሰኔ 2015 ከም መቀጸልታ ሰሚናር ኣባላቱ ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣንፈት ፖለቲካዊ ሃገራዊ ቃልስና ናበይ ገጹ ናብ ዝብሉ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዘዛተየ ኮይኑ፣ ካብ ሰዓት 5 30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ 9 ናይ ምሸት ብዉዕዉዕ መንፈስ ቀጺሉ። ኣባላት ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራትን ውልቀ ተቃለስትን ዝኾኑ ብቁጽሮም ሓያለይ ዝኾኑ ሰባት ድማ ተሳቲፎም።

Norwaypublicmeeting 1

ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ነቲ ኣኼባ ብዝኽረ ሰማዕታትን ብምዉቅ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃልን ከፊቱ መድረኽ ንመደርትን ካድራት፣ ወኪል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ብጸይቲ ገርጊሽ ነጋሽን ብጸይቲ ኣልጋነጽ ኢሳቅን ብጻይ ሹማይ በርሀን ኣረኪቡ።

ወሃብቲ መደረ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ብዝብል ዛዕባ ብምፍላም በቢእብረ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሂቦም። ቀጺሉ ኣብ ካልኣይ ኣርእስተ ኣኼባ ቅድሚ ምስጋር ናይ ሕቶን፣ ምልስን፣ ርኢቶን መድረኽ ተኸፊቱ። ግዜ ዝደረቶ ማኣለያ ዘይብሉ ሃብታምን ሃናጽን ሪኢቶታትን ሕቶታትን ድማ ካብ ተኻፈልቲ ኣኼባ ዘነበ። ገለ ካብ ሪቶኢቶታት ተሳተፍቲ፣

ኣባል በርገሳዊ ማሕበር ህብረት ኤርትራውያን ዝኾነ ብጻይ ወልደኣብ ፍሰሃጼን ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክፋል ቃልስና ክኸውን ዝግብኦ ግን ከኣ ዳርጋ ዝተረሰዐን ዝተዘንገዐን ኣርእስቲ ኣልዒሉ ከዘኻኽረናን ከበራብብረናን ምፍታኑ ብልበይ ይምጉስ ድሕሪ ምባል፣ ቀጺሉ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ እንዳተመሓየሸ ኣብ ክንዲ ዝመጽእ አንዳ ተሓላለኸን እንዳ በኣሰን ከምዝመጽእ ሓቢሩ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ኣብ ሃገርናን ኣብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብን መውስቦኣዊ መልክዕ ዝሓዘ ርኡይ መሸጣ ደቂ ኣንስትዮ ይካየድ ከምዘሎ ብጭቡጥ ኣብነት ኣብሪሁ። ኣብ መብሪሂኡ ኣቶ ወልድኣብ ንነውሕ ግዜ ተሰዲዶም ኣብ ሃገራት ቀዳማይ ዓለም ዝርከቡ ኣብ ናይ ጥሮታን እርግናን ዕድመ ዝርከቡ ኣቦታት ዓዲ ይኸዱ፣ እሞ ናብ ሓንቲ ድኻ ስድራቤት ቀሪቦም ካብ ቦታ ስደቶም ዝተማልእዎ ዶላራት ኣርእዮም ክንዲ ጓል ጓሎም አትኸውን ሓንቲ ዘይትፈልጥ ጓል ድኻታት ተመርዒዮም ይምለሱ። ንዘይርትዓውነቱ ምኽኑይ ክገብሩ ክልተ መዋስብቲ ኤውሮጳ አንተኸደት ይሓልፈላ ንስድረኣ እውን ተኣሊ ብዝብል መመኽነይታ ብምስናይ ድንጋጸን ርሕራሐን ናይታ ውጽዕቲ ጓል ኮነ ናይታ ድኻ ስድራቤት ከምዝነበሮም ኣምሲሎም ብምዝራብ፣ ነቲ ርኡይ ጌጋታቶም ክሸፋፍኑን ከመኽንዩሉን ከምዝርከቡን ገሊጹ። እቲ ዘገርም ይብል ንሱ እቲ ዘገርም ነገር ግን ዋላ አቲ ኣቦ ጓል እውን ካብ ዝኣተዎ ናይ ድኽነት ኩነታት ንመውስቦ ሽፋን ተጠቂሙ ዓይኑ አንዳ ረኣየ ንጓሉ ናብ ሓደ ኣቦሓጎኣ ዝኸውን በዓል ዶላራት ሸይጡ ካብ ቁጠባዊ ጸገማቱ ክገላገል ምፍታኑ አዩ ክብል ኣስሚርሉ። ኣብ መወዳአታ ኣቶ ወልደኣብ እዚ ተግባራትዚ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ከም ክፋል ቃልስና ወሲድና ብዝተፈላለየ መልክዕን ውዳበን ክንውግዶን ክንኩንኖን ዘሎና ጉዳይ አዩ ክብል ኣተሓሳሲቡን ንናይ ሓባር ግብራዊ ስጉምቲ ጸዊዑን።

Norwaypublicmeeting 2

ዝበዝሐ ክፋል ዕድሚኣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፋ ተቃሊሳን ኣቃሊሳን ድሕሪ መስዋኣቲ ኣሽሓት መቃልስታ ዓወትን ናጽነት ሒዛ ዝኣተወት፣ ሎሚ ግን ኣብታ ዝተቃለሰትላ ሃገር ኣብ ክንዲ ትነብርን ትኸብርን ኣብ ሃገረ ስደት ከርተት ትብል ዘላን፣ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፋ ሕጂውን ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃማ እተበርክት ዘላ ብጸይቲ መብራት፠       ጓል ብርሂን ብወገና ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብባህልን ብድሑርነት ወይ ካብ ዘይምንቃሕ ሕብረተሰብ ዘወረደን ዘሎ ወጽዓ በቲ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ የኽብር ኣየ ዝብል ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝነብር ዘሎ ስርዓት ዝወርደን ዘሎ ወጽዓ ብዝተዓጻጸፈ ከም ዝዛይድ ኣብሪሃ። ጓል ብርሂን ኣስፊሓ ኣብ ዝሃበቶ መብሪሂ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ውጹዓት ኳ እንተኾና፣ ህዝብን ሃገርን ናጻ ኣብ ናይ ምግብር ናይ ነዊሕዝየን መሪርን ዓውደ ኲናት ተሳቲፈን ተሰዊአን፣ ሰንኪለን፣ ናይ መርዓን፣ ሓዳርን፣ ውላድን ዕድላተን ንስለ ህዝብን ሃገርን ኣምኪነን ናጽነት ዘምጽኣ እንክንሰን ካብ ርእሳ ጀሚርካ ኣብ ክንዲ ተደቢሰንን ተኻሒሰንን ኣብ ሃገረን ዝነብራ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ስደት ናይ ከርተት ናብራ የሕልፋ ከምዘለዋ ብምረት ገሊጻ፣ ንልቢ ኩሉ ኣኼበኛውን ተንኪፋ። ጓል ብርሂን ኣብ መደረኣ፣ ድሒሪ ናጽነት ሃገር ያኢይሲ ሓለፋ ተቆጺርለይ፣ ቀዳምነት ንተጋደልቲ ነበር ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉስ፣ ኣብ ፓርከሪንግ መኻይን ናይ ምሕላውን ምሕጻብን ስረሓት፣ ውሕስነቱ ብዘየተኣማምን ኣገባብ ናብ ሃገራት ኣዕራብ ንኽድማና ምስዳድ ዝኣመሰሉ ዕድላት ከምዝተዋበን ብምሕባር እዚ ግን ንኤርትራዊ ጓል ኣንስተይቲ አሞኻኣ ንተጋደሊት ነበር ዋዕሮ፣ ሓገዝን ሓለፋን ዘይኮነስ ድርብ ወጽዓ እዩ አንክትብል ተንቲና። ንሳ ቀጺላ ቪዛ ንኽድምና አሞኸኣ ናብቲ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ይትረፍስ ክሕሎ ከም ሕቶውን ፈጺሙ ዘይለዓለሉ ሃገራት ኣዕራብ፣ ቪዛ ዓውደ ትምህርቲ/ስኮላር ኣይነበረን ከም ሓለፋ ክቁጸር ድሕሪ ምባል ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ሓቢረን ክሰርሓን፣ ብንቅሓት ክምክታን ከምዘለወን ገሊጻ።

ኣብ መወዳእታ ተኣተፍቲ ኣኼባ ኣባላት ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ዝኾኑ ኣብ ኖርወይ ንማዕርነታዊ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቅ ነጻ ምንቅስቃስ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ንምምስራት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኖርወይ ኮይኖም ከመያየጡን ዝከኣል ክገብሩን ተዘራሪቦም።

ኣኼበኛታት ናብታ ኣንፈት ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቃልስና ናበይ ገጹ አዩ ናብ ዝብል ዛዕባ ሰጊሮም። ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ዝኾነ ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ኣብ መእተዊ ናይዛ ካልኣይቲ ኣርእስቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ፍልልያት ቀንዲ መለለዪኡኳ አንተኾኾነ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኢልና ኣብ ክልተ ክፍለ ግዜ መቂልና ኣንተሪኢናዮ ግን፣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ዝረአ ዘሎፍ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ዝስፈሕን ዝበዝሐን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሊዕሊ ሓድነትን ስኒትን ህዝብን ሃገርን ዘለዎ ሓደገኛነት አውን ብኡ መጠን ኣሰካፊ አዩ፣ ከመይሲ ኣብ ምጅማር ሃገራዊ ፖለቲካና ማለት ኣብ 1950ታት ዝነበረ ፍልልያት ናጻ ኤርትራ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝሓበረት ኤርትራ ዝብሉን ካልእን ገፋሕቲ ግን ከኣ ብደረጃ ሃገር ዝጠመቱ አንክኾኑ መሰረት ናይ ሎሚ ፍልልያትና ግን ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ቀኢላ፣ አንዳ፣ ዞባን ከባብን አዮም። ስለዚ ጉዕዞ ቃልስና ናብ ሃገራዊ ሓድነትን ናይ ህዝቢ ስኒትን ድዩ ዝመርሓና ወላስ ናብ ዝገደደ ፍልልያት ክንሓስበሉን ክንዘራረበሉ ዝግበኣና ጉዳይ አዩ ምባል መድረኽ ንሰመዕቲ ኣረኪቡ።

Norwaypublicmeeting 3

ብጻይ ሹማይ ወሲኹ አቲ ፍልልያት ከምዘሎን ሓደገኛነቱን ኣስሚሩ፣ ቅድም እሞ ንስርዓት ህግዲፍ ሓግሒግና ካብ ስልጣኑ ንእለዮ፣ ንፍልልያትና ድማ ድሕሪኡ ንፈትሖ ዝብል ናይ ዝበሐ ክፋል ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣዘራርባውን የዋህ ኣዘራርባ ምኳኑ ሓቢሩ ሰፊሕ መሪሂ ሂቡ።

ተጋባእቲ በቢወገኖም ንሓቅነት ናይዚ ኣርእስቲዚ ዘይከሓድ ምዃኑ ብምሕባር፣ አዚ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራት ኣብ ኖርወይ ተመስሪቱ ዝስረሓሉ ሰሎ ጽላል ሎሚ ኣብ ቃልሲ ጽባሕ ኣብ ልምዓት ሃገር ከስረሓና ዝኽእል ጎደና/ሮድ ማፕ/ እዩ ሒዙ ዘሎ እሞ ንሱ ኽሕይልን ክሰፍሕን ካብ ዶባት ኖርወይ ሰጊሩ ኣብ ካልኦት ቦታታትውን ጽልዋ ከምዘሕድር ክንገብሮ ንጽዓር ብምባል፣ ፍልልያትና ንሓይልና ዘየድክም፣ ንሓድነትናን ስኒትና ድማ ዘየቁስል ክንገብሮ ንፈትን ኢሎም።

ኣብ መወዳአታ ድሕሪ ናይ ሓያለይ ውርቃዊ ሃናጺ ሪኢቶታትን ለበዋታትን ናይ ግዜ ድሩትነት ንከይዲ ኣኼባውን ደሪትዎ፣ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ብምስጋናን ብዝኽረ ሰማዕታትን ተዓጽዩ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና!!! ክብርን ሞገስን ድማ ንሰማዕታትናን ንስንኩላትናን!!!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይ

Last modified on Wednesday, 01 July 2015 20:26