ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015 ፍራንክፎርት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዳ

2015-06-01 20:56:20 Written by  ክፍሊ ዕዮ ዜና ፈስቲቫል 2015 Published in EPDP News Read 2919 times

News on Festival 2015

ብዕለት 31 ግንቦት 2015 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 19.30 ክሳብ ሰዓት 22.30 ብመራኸቢ ብዙሓን ን4ይ ጊዜኦም ተራኺቦም ኣብ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2015 ክዳለዉ ዘሎዎም ኣገዳስቲ መደባት ሰሪዖም። እቲ መደባት ብኩሉ መደያቱ ንህልዊ ኣሰካፊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ሓቢሩን ተመርኲሱን ንምፍትሑ እንታይ ይገበር ዝብል ኣምር ብሓባራዊ ቃስሲ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብውልቀ፡ ብሰልፊ ፡ብዉድብ ፡ብበርጌሳዊ ማሕበር ተጠኒፉ ዝርከብ እንካን ሃባን መኣዲ ልዝብ ብጽፉፍ ኣገባብ ሰሪዑ ግብራውነት ዝረጋገጸሉ ክኸውን ኣስሚርሉ። እቲ ሽማገለ ብነዊሕ ተመክሮን ምክትታልን ኣብ ኩሎም ዝካየዱ ፈስቲቫላት ኤርትራ ብምስትብሃል፡ እወ ባህሊ ጸወታ እምነ-ኩርናዕ መለለዪ ናይ ሓደ ሕብረሰሰብ እዩን ይኹንን እምበር ምስ መሪር ሃለዋት ህዝብናን ኤርትራዊ መንእሰይን ግና ዳርጋ ናይ ሞትን ሂወትን ሃለዋት ስለ ዝኾነ ብሓድነት ልዝብ ኣብ ሓባራዊ ስሙር ቃልሲ ንምዕዋት መዛተይን መራኸብን ክኽውን ብዕግበት ተዳልዩን ከም ዘሎ ኣስሚሩሉ። ኣብ መደምደምታ እዚ ታሪኻዊ ሰፊሕ በዓል እዚ ኣብ ጽባሕ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ይካየድ ምህላዉ ፍሉይ ድምቀትን ምህብታምን መደባት ከም ዘሎዎ ኣስተብሂሉ ተዳሊዩ ንንቡር ተባዕ ዉፉይ ተሳታፍነት ኣባላቱ ክዕጠቁ ጸዊዑ።

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!

ውድቀት ንገባቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡

ክፍሊ ዕዮ ዜና ፈስቲቫል 2015

Last modified on Monday, 01 June 2015 23:03