ሰዲህኤ፡ ንጾታዊ ማዕርነት ዝቃልስ ሰልፊ ኢዩ፤ ኵሉ ዜጋ ክቃለሰሉ ዝግባእ ዕላማ ምዃኑ ድማ ይኣምን።

2015-06-02 14:24:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2901 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡን ህንጻ ሕጉን ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ኣንጻር ኣብ ጾታ፡ ሃይማኖትን መበቆል ዝተመስረተ ኣድልዎን ምግላልን ኢዩ። ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፋዊ ዕዮ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ብጓል ኣንተይቲ ዝምራሕ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ጽሕፈት ኣለዎ። ኣብ ርእስ'ዚ ኣባላት ሰዲህኤ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ሰልፈን ንመሰላተን ንምቅላስ ዘኽእለን ምትእስሳር ክገብራ ይፍቀደለን ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ ከም ደቂ ኣንስትዮ መጠን፡ ኣብ ካልኦት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራት ክሳተፋን ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ደቂ ኣንስትዮ ክቃለሳን ዕላማታት ሰዲህኤ ኢዩ።

MASigningingPAመንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ'ቲ 14 ነጥብታት ዝሓዘለ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ናይ ስራሕ መደብ እናኸተመ እንከሎ

ሰዲህኤ፡ ነዚ ኣብ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ሮተርዳም ዝጸደቐ 14 ነጥብታት ዝሓዘለ መደብ ስራሕ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ኵሉ ዝከኣሎ ጻዕርታት ክገብር ኢዩ። ንኵሎም ብማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝኣምኑ ተቓለስቲ ድማ፡ ነዚ መደብ-ዕዮ ንምዕዋት ኣብ ምትግባር ተጊሆም ክነጥፉ ይጽውዕ።

*************************

Power to Women

ጾታዊ ማዕርነት፡ ብኣፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ

ናይ ጾታ፡ ዕድመ፡ ሃይማኖትን መበቆልን ፍልልያት ብዘየገድስ፡ ንዅሉ ዜጋ ብማዕረ ምርኣይን ምግልጋልን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብሕጊ ዝጸደቐ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ መሰረት ናይ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፍታትን ስርዓታትን እውን ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነን ጥራሕ ዘጋጥመን ጸገማት ቀሊል ኣይኰነን። ነዚ ንምርዳእ ድማ፡ ነቲ ናብ'ዚ ሃለዋት'ዚ ዘብጽሐ ምኽንያታት ምምርማርን ምፍላጥን ይሓትት። ጾታዊ ጸገማት፡ እኩብ ድምር ናይ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጠባያትን ረቛሕቲ ኢዩ። እዞም ጠባያትን ኣርኣእያትን ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝስርዓ ይገብረን። ካብ'ዚ ኵነታት'ዚ ሓራ ምውጻእን ምእንቲ ማዕረ መሰል፡ ማዕረ ተሳትፎን ማዕረ ዕድልን ምቅላስን ማእከላይ ዕማም ናይ ማሕበረ-ዲሞክራሲ ኢዩ። ኣንጻር ኣድልዎ ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልስታት ዓንዲ-ማእከል ናይ ሶሽያል ዲሞክራሲ ምንቅስቓስ ኢዩ። ብዶባት፡ ሃይማኖታትን ማሕበረ-ባህልዊ ሓጹራት ዝድረት እውን ኣይኰነን።

ንሕና፡ ገስገስቲ ሓይልታት ካብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም፡ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ንተወሳኽ ኣርባዕተ ወለዶታት ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ሕጅን ኣብ'ዚ ቦታን'ዝን ኣብ ግብሪ ብምውዕላ ሓቀኛ ግስጋሰ ከነረጋግጽ ኢና ንደሊ። ብቓላት ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ። ነዘን ዝስዕባ 14 ነጥብታት ንምዕዋት ድማ ቆሪጽና ተበጊስና ኣለና።

1. ብዛዕባ'ቲ ጕዳይ ኣፍልጦ ምውናን ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ጸገም እቶም ፖሊሲ ዝሕንጽጹን ፖለቲካዊ መራሕቲትን ብዛዕባ ህጹጽነት ናይ'ቲ ጕዳይ ግቡእ ተገንዝቦ ዘይምህላዎም ኢዩ። ስለ'ዚ ኢና ከኣ፡ ንጾታዊ ማዕርነት ቀዳምነት ክውሃቦ ዘለዎ ዛዕባና ኢዩ ንብል። ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ንምርግጋጽ ክድፍኣሉ ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ። ምምሕያሽ ኣሎ፡ እቲ ክንበጽሖ እንደሊ ዕላማ ግን ኣብ 2015 ዓ.ም ዝብጻሕ ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ድማ ብዙሕ ፖለቲካውን ገንዘባውን ዓቕሚ ስለዝሓትት ኢዩ። ብፍላይ ድማ፡ ኣብ'ዚ ኣብ 2015 ዓ.ም ዝኽበር ዘሎ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት "መድረኽ በይጂን ንተግባር"ን ምድላውን ንዘላቒ ልምዓታዊ ዕላማታትን፣ ኵሎም መራሕቲ ሰልፍታትናን ወከልቶምን ኣብ ቅድመ-ግንባር ናይ'ዚ ቃልሲ ክሳተፉ ኣለዎም።

2. ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ቅድም ቀዳድም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ፍትሕን ሕቶ ኢዩ። ባህሊ ክምዕብል ኣለዎ። ንመሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ዝጻረር እንተዀይኑ ግን፡ መሰረታዊ መሰላት ኢዮም ቀዳምነት ክውሃቦም ዝግባእ። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣብያተ-ስራሕ ምውሳኽ፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዘዕብን ንሕብረተሰብ ብመላኡ ዘርብሕን ኢዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ሃገራዊ ቍጠባ ይዓቢ። ኣብ ጾታ ዝተመርኰሰ ባጀት ምሕንጻጽ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ግደ ኢዩ ዝጻወት።

3. ኣብ ትሕት ደሞዝ ዝኽፈሎምን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዘየበርክቱን ጽላታት ብብዝሒ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ስለ'ዚ፡ ፍትሓዊ ስራሕ ንዅሉ ሰራሕተኛ ናይ ዓለም ዝብል ገስጋሲ መርገጽና ምስ ፖለቲካውን ስነሓሳባውን መርገጻትናን ምስ ውዕላት ኣህጕራዊ ናይ ዕዮ ውድብ (ILO) ዝሳነ ኢዩ። ንውሑስ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽ ንመሰለት ሰራሕተኛታት ኣብ ወግዓውን ዘይወግዓውን መዳያት ናይ ዕዮ ዝከላኸል መርገጽ ክህልወና ይግባእ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቶም ኣዝዮም ህሱያት, ካብ ዓለም ንጹላት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ዝርከባሉ ስርሓት ብተናጸል እናለለኻ መፍትሒ ምግባር ይሓትት። ትምህርትን ስልጠናን ንዕድል ናይ ስራሕ ንደቂ ኣንስትዮ የዕብዮ ኢዩ። ማዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ምርጫ ዘይኰነስ ክፍጸም ዘለዎ ግቡእ ኢዩ።

4. ኣብ ግዜ ፍትሕ ብሕጽረት ገንዘብ ዝሳቐያ ደቂ ኣንስትዮ ኢየን። ድኽነት፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኢዩ ብዝያዳ ዝሃሲ። ብፍላይ ድማ፡ ንሳተን እንተደኣ ሰሪሐን ዝኣትዋ ኰይነን። ማሕበረ-ዲሞክራሲ፡ ቦታ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረትሰብ ንምዕባይን ገንዘባዊ ናጽነት ክህልወንን ኢዩ ዝቃለስ። ዋላ ሓንቲ ጓክ ኣንስተይቲ ንድሕሪት ክትተርፍ የብላን። ንምንባር ዘኽእል ደሞዝን ማሕበራዊ ውሕስናን ኣካል ናይ ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ድማ፡ ከም'ዚኦም ዝኣመሰሉ ስጕምትታት ንቦታን ስደራቤታትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ስለዘብጽሑ ኢዩ።

5. ጌና ኣብ ፖለቲካ፡ ኩባንያታትን ኣብያተ-ስርሓትን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ውሑዳት ኢየን። ኣብ'ዚ መዳያት'ዚ ለውጢ ንምትእትታው፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ደገፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሕታት ንምዝያድ ቀዳምነት ክውሃቦ ዝግባእ ዕማም ኢዩ። ኣርኣያ ዝኸውን ነገር እንተበርኪትና ዝተረፈ ባዕሉ ክስዕብ ኢዩ። ከም መሰጋገሪ መሳርያ፡ ንፖለቲካውን ቍጠባውን ተኻፋልነት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ዝዓለመ ናይ ጾታዊ ኮታ (quotas) ኣገባብ ኣሰራርሓ ንድግፎ ኢና።

6. ንማዕርነታዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕንቅጽ ሓጹራት ከልግስ ኣለዎ። ስለ'ዚ፡ ኣትኵሮና ኣብ ኣብያተ-ስራሕ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ። እንተዘይኰይኑ፡ ሓደጋታት ናይ ትሑት ደሞዝን ተኣፋፊ ዕዮን ክቕጽል ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ዘቤታዊ (ስድራቤታዊ) ኰነ ዘገዳማዊ ስራሕ ማዕረ ዕድል ክህልዎም ይግባእ ዝብል ዕግበት ኣሎና። ስለ'ዚ፡ ንደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማዕረ ናይ ስራሕ ኵነታት ክፍጠረሎም ንድግፍ። ኣብ ግዜ ሕርስን ጥንስን ገንዘብ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ንወለዲ ማለት ኣደታትን ኣቦታትን ክውሃብ ንድግፍ። ስለ'ዚ፡ ህዝባዊ፡ ኵሉ ዝኽእሎን ብደረጃኡ ዝነኣድ ክንክን ዘበርክት፡ ኣድማሳዊ ሕክምና፡ ትምህርቲ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ክንክን ቆልዑን ማሕበራዊ ውሕስናን ገለ ካብ ቀዳምነት እንህቦም ፖለቲካዊ ዕላማታትና ኢዮም። ነዚ ሕቶ'ዚ ንምምካት ክግበር ዘለዎ ሓደ ነገር እምበኣር፡ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ርእሰን ዝኽእላሉን ኣብ ገዛእ ርእሰን ዝተኣማመናሉን ፍልጠትን ዕድላትን ከነጨብጠን ይግባእ።

7. ስለ'ዚ ከኣ'ዮም ሕጋዊ ሓጹራት ከልግሱ ዘለዎም። ብዙሓት ሃገራት ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣብያተ-ስራሕ ዝከላኸል ሕግታት የብለንን። ደቂ ኣንስትዮ ክሰርሕ ፍቓድ ናይ ሰብኡተን ዝሓታሉ ወይ ድማ ውግዓዊ ናይ መንነት ወረቐት ዝሕተታሉ ሃገራት ኣሎ።

8. ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስርሐን ብዘይ ስግኣት ክሰርሓ ክኽእላ ኣለወን። ክትነብርን ወፊርካ ክትኣቱን ህዝባዊ ውሕስነት የድልየካ። ጾታዊ ዓመጽን ምትዅታዅን ብሕጊ ዘቕጽዕ ክኸውን ኣለዎ። ሰውነት ደቂ ኣንስትዮ ክድፈር የብሉን ዝብል እምነት ኣሎና። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ ኵለን መንግታት ንጾታዊ ዓመጽ ክዋግእኦ ንጽውዕ። ከምኡ'ውን፡ ነቲ ኣንጻር ኣድልዎ ደቂ ኣንስትዮን (CEDAW)፡ ኣብ ልዕሊ ሰብእዊ መሰላት ንኡሳን ዓሌታትን ዝፍጸም ኣድልዎ ዝኽልክል ውዕላት ሕቡራት ሃገራት ክጸድቕን ክጸንዕን ኣለዎ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ዝተገፍዓ ደቂ ኣንስትዮ ዝእለያሉ ማእከላትን ፕሮከጅትታትን ክህሉ ንድግፍ።

9. ንማዕረ ጾታውን ወሊዳውን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ እንተላይ ዶታዊ ትምህርቲ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ፡ ጸረ ጥንሲ መሳለጢታት ምጥቃምን ጥንሲ ምውራድን ዝኣመሰሉ ንምርግጋጽ ክንቃለስ ኢና። ጾታውን ወሊዳውን መሰላት ምርግጋጽ፡ ንናይ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበራዊ፡ ፖአቲካውን ቍጠባውን ቦታ ኣብ ምሕያል ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

10. ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት ዝፍጸም ኣድልዎን ምግላልን ክምከትን ክድምሰስን ኣለዎ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝጻረር ስለዝዀነ። ንሕና፡ ጾታ ብዘየገድስ፡ ንማዕርነት፡ ሻራ ዘይብሉ ቍጠባዊ ፍትሕን ንዅሉ ዝብል ዕላማ ንምርግጋጽ ኢና ንቓለስ። እዚ ከኣ፡ ኣንጻር ጾታዊ ኣጕል እምነታት ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ኣብያተ-ስርሓትን ዝካየድ ቃልስታት የጠቓልል።

11. ምስ ማሕበራውያን መሻረኽቲ ምትሕብባር ክህሉ ነተባብዕ። ምምሕዳራትን ማሕበራትን ኣስራሕትን ጥራሕ ዘይኰኑ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከዕብዩ ዝጥለቡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ንባዕለንን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምንቅስቓሳትን ውን ክቃለሳሉ ይግአን ኢዩ። ንናይ ደቂ ኣንስትዮ ሓድሽ ምንቅስቕሳትን ውድባትን ከነተባብዕ ኣሎና። ንናይ 21 ክፍለዘመን ናይ ደቂ ኣንስትዮ መሰላት ንምርግጋጽ ናትና ሓገዝ የድልየን ኢዩ።

12. ወነንቲ ዋኒንን ናይ ምውናን መሰላትን። ኣብ መላእ ዓለም ንብረት ወይ ገዛ ወይ ኩባንያ ዝውንና ደቂ ኣንስትዮ ኣዝየን ውሑዳት ኢየን። ኣብ ውርሻ፡ ኣብ መንጐ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ፍልልይ ክህሉ የብሉን። ኣብ ብዙሕ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ብኣባላት ስደራቤተን ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣቢለን ጥራሕ ኢየን ንብረት ዝውንና። እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር'ዚ ደው ክብል ክኽእል ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ መሬት ዝውንናሉ፡ ናይ መሬት ምጥቃም መሰላተን ዝረጋገጸሉን ናይ ገዛእ ርእሰን ርእሰማል ክህልወንን ዘኽእል ውሕስነት ንምርግጋጽ ክንቃለስ ኢና።

13. ደቂ ኣንስትዮ ብመግቢ ርእሰን ዝኽእላሉ ኵነታት ንምፍጣር፡ ንኣሽቱ ሕርሻታት ክውንናሉ ዘኽእለን ናይ መሬት ምውናንን ምጥቃምን መሰል ዘለወን ቀንዲ ተወሳእቲ ምዃነን ክእመነለንን መሬተን ከይምንዝዓ ዝከላኸለለን ሕጊ ክህልውን ይግባእ።

14. ማዕረ ውክልና ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ሰልፍታትና ኢዩ ክጅምር ዝግብኦ። ኣብ ፓርላማዊ፡ መንግስታዊን ሰልፋውን ቅርጻታትና፡ ብደረጃ ሃገር፡ ዞባ ወይ ወረዳ... ወዘተ ማዕርነት ከነረጋግጽ ቆሪጽና ተበጊስና ኣለና። ገለ ካብ'ዚ ጻዕርታት'ዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕጹያት ኰይነን ክወዳደራ ምትብባዕ ኢዩ። ዓለም ንምቕያር ብገዛና ኢና ንጅምሮ። ብኣፍ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ።

ሕሕ

Last modified on Tuesday, 02 June 2015 16:34