ጨንፈርና ዓባይ ብሪጣንያ ንመሪሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ዝሕጸዩ ኣባላት ንምምራጽ ዘካየዶ ኣኼባ

2015-04-27 21:51:34 Written by  መሪሕነት ጨንፈር ሰ.ህ.ዴ.ኤ ዓ.ብ. Published in EPDP News Read 2236 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ (ሎንዶንን ከባቢኡን) ምዱብ ኣኼብኡ ብሰንበት ዕለት 26.04.2015 ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ ምዱብ ኣደራሽ፡ አብ መዕራባዊ ወገን እታ ከተማ ካብ ሰዓት 15.00 ክሳዕ ሰዓት 18.30 ዕዉት ኣኼባ ከም ዘካየደ በዚ አጋጣሚ እዚ ክንሕብር ንፈቱ።

አኼባ ብአ/ ጨንፈር ሓው ጎይትኦም መብራህቱ ደአ ይከፈት እምበር በቶም ሃብታም ተሞኩሮ ቃልሲ ዘሎዎም (seasoned cadres) አባላትን መሪሒነትን ሰልፊ እዩ ብዕምቆት ዳቢሩ ዊዒሉ።

ቀንዲ አጀንዳ አኼባ ጨንፈር ነቲ ብመሰረት ቅዋም ስልፊ (6.1.17) ብመሪሕነት ዝተመዘዘት ሓጻይት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ተመርኩሱ፡ ብጥንቁቕን ሓላፍነታውን አገባብ፡ ንዝቅራረብ ዘሎ ጉባኤ ሰልፊ ሕጹያት ማእከላዊ ሽማግለ ምምራጽ እዩ ነይሩ።

አብቲ መምርሒ ሕጹያት ክማልኡዎም ዘሎዎም ወይ ሓጸይቲ አብ ግምት ከነእትዎም ዝነበረና 14 ረቓሒታት (criterias) ነይሮም፡፡ ጨንፈርና ድማ ብዝከአል አብ ተግባር አውዒሉዎም።

አኼባና ነቶም ብሰንኪ አብ ሃገርና ዘሎ ዘይምዕሩይ ምሕደራ፡ ሃጽ ኢሎም ፈቖዱኡ ዝቕዘፉ ዘሎዉ ኤርትራውያን ብምዝካር ተከፊቱን ለውጢ ንዘምጽእ ህዝብና አጆኻ ክንብልን ደጊምና መብጽዓ ብመታው ተዛዚሙ።

ጽንዓት ንህዝብና፡ መንግስተ ሰማያት ድማ ንአደዳ ዝሓልፉ ዘሎዉ አሕዋትናን፤ አሓትናን፤ ደቅናን የዋርስ።

መሪሕነት ጨንፈር ... ..

Last modified on Monday, 27 April 2015 23:57