ሓጺር ታሪኽ ህይወት ዶክቶር ባይርኡ ስዩም

2015-04-25 21:53:42 Written by  ካብ ስድራቤት ነፍስሄር Published in EPDP News Read 7696 times

ዶክቶር ባይርኡ ስዩም ካብ ኣቡኡ ኣቶ ስዩም ገርህላሰ፤ ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ለምለም ሰጊድ ብ1948 ዓ.ም፤ ኣብ ዓደንጎዳ ወረዳ ካርነሽም ሓማሴን ተወሊዱ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ 5ይ ክፍሊ ኣብ ሽማንጉስ ላዕላይ፤ ካብ 6ይ ክሳብ 8ይ ድማ ኣብ ደቀምሓረ ኣከለጉዛይ ትምህርቱ ድሕሪ ምፍጻም፤ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራ ናይ ቀደም ልዑል መኮነን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ወዲኡ። ንዩኒቨርስቲ ንምእታው ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሃገራዊ ምርመራ ልዑል ነጥቢ ብምምጻእ፤ ናብቲ ቀደም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ብቀዳማዊ ኃይለስላሰ ዩኒቨርስቲ ዝጽዋዕ ዝነበረ ትምህርቱ እንዳቀጸለ ከምቶም ኩሎም ኤርትራውያን ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ልዑል ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ንቕሓትን ተሳትፎን ነበሮ።

Bairu Sium 02

ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኽስተ ናይ ስርዓት ለውጢ ምምጽኡ ዝተፈጥረ ናዕቢ፤ ሃገራዊ ግብኡ ንምፍጻምን ህይወቱ ንምድሓንን ካብ ኢትዮጵያ ኣምሊጡ ብኬንያ ኣቢሉ ናብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምብጻሕ፤ ኣብ ዩኒቨርስቲ መከረረ ትምህርቱ ንኽቕጽል ክኣለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ንካናዳ ብ1976 ንምእታው ዕድል ድሕሪ ምርካቡ፤ ምስቲ ዝነበሮ ሓያል ናይ ትምህርቲ ድልየት ካብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ ብB.A ተመሪቑ። ስዒቡ ድማ M.A, PhD ካብ ዩኒቨርስቲ ቶሮንቶ ተቐቢሉ። ኣብ ርእሲ ን29 ዓመታት ከም ናይ ካልኣይ ደረጃ መምህር ኮይኑ ምግልጋሉ፤ ክልተ ኣገደስቲ መጽሕፍቲ ክጽሕፍ ዝበቅዐ ኣዝዩ ሙሁርን ዑትን ዜጋ ነይሩ። ድሕሪ ካብቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝህቦ ዝነበረ ምምህርና ጥሮታ ድሕሪ ምእታው፤ ኣብ ታንዛንያ ብምኻድ ናይ ምምህርና ሞያዊ ስርሑ ስጋብታ ብሕማም ተኻኢሉ ጠጠው ዘብሎ ክቕጽል ጸኒሑ።

Bairu Sium 07

ዶክተር ባይርኡ ስዩም ኣብ ናይ ማሕበራዊ ህይወቱ ግዕዝኡ ተመርዕዩን ሰለስተ ኣብነታውያን ዝኾኑ- ዓወት፤ ኣማን፤ ሸዊትን ዝተባህሉ ደቂ ዝወለደ ንህዝቡን ሃገሩን ሓበንን ዝኾርዑን ሓድጊ ዝገደፈ እዩ። ኣሰር ናይ ወለዶም ተኺቲሎም ድማ፣ እንሆ ዓወት ድሮ ብPhD ተመሪቓ። ኣማን ድማ ሕጹይ ናይ PhD ተማሃራይ ብምኻን ትምህርቱ ኣብ ርእሱ ምቕጻሉ፣ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ወብ ሳያት ዘበርክቶ ዘሎ ጹሑፋት ንባዕሉ ምስክርነት ኣሰር ናይ ኣብኡ ኣካዳምያዊ ህይወትን ሃገራዊ ኣበርክቶን ይስዕብ ከምዘሎ እዩ። ሽዊት ድማ ኣሰር ናይ ወለዳን ኣሕዋታን ብምስዓብ፤ ትምህርታ ብዘሐብን መንፈስ ትቅጽል ትርከብ።

Bairu Sium 03

ዶክተር ባይርኡ ስዩም ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነቱ ረኺቡ፤ ሙሉእ ደሞክራሳያዊን ሰብኣዊ መሰሉን ተሓልዩ ኣብ ሰላምን ፍትሕን ማዕረነትን ምዕባለን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዘካየዶ መሪሕ ናይ ቃልሲ ኣበርክትኡ-

Bairu Sium 04

ማሕበር ኤርትራውያን ተማሃሮ ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (ኤ.ን.ሰ.ኣ) ጨንፈር ካናዳ ኣብ ምምስራትን ምምራሕን መሪሕ ተራ ብምጽዋት ከም ኣቦ መንበር ኤ.ን.ሰ.ኣ ካናዳ ስጋብ ምፍራስ ኤ.ን.ሰ.ኣ ኣብ 1979 ዓ.ም. ኣገልጊሉ።

Bairu Sium 06

ንማሕበር ረድኤት ኤርትራ ጨንፈር ካናዳ (ERA) መስሪቱ ስጋብ ክሉ ሕጋውነታ ኣማሊኣ ኣድማዒ ስራሕ ክትፍጽም ኣብ ትኽለሉ ደረጃ ንምብጻሕ ከም ኣቦ መንቦር ERA CANADA ኮይኑ ሰሪሑ።    

ከም ኣቦ መንበር ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ቶሮንቶን ካባቢኣን ዝኣሊ ብEritrean Canadian Community Centre of Metro Toronto (ECCC) ዝፍለጥ ማሕበረ-ኮማዊ ትካል ንብዙሕ ዓመታት ብምምራሕ ኣብ ምዕባለ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ቶሮንቶን ካባቢኣን መሪሕ ተራ ተጻዊቱ።

Bairu Sium 05

ኣብቲ ምእንቲ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ደሞክራስን ማዕርነትን ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋጽ ዘካየዶ ኣበርክቶ፤ ከም ኣባል መስራቲት ሽማግሌን ኣቦ መንበር ERIFORUMን ካልኦት ናይ ስራሕ ሽማግሌታት ብምኻን ንቃልሲ ፍትሓውያንን ደሞክራሳውያንን ኣብ ኤርትራዊ ካናዳዊ ማሕበረሰብን ሰፊሕ ካናዳዊ ሕብረተ-ሰብን ንምልላይን ተቐባልነት ንምርካብን ኣገዳሲ ግደ ተጻዊቱ።

 ካብ 2007 ክኣ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ብምኻን ኣብቲ ብ2008 ዝተግብረ ውድባዊ ጉባኤ ሰውራዊ ባይቶ ናብ ሰልፊ EPP ዝተሰጋገረሉ ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ተመሪጹ ስጋብ 2011 ክኣ ተቓሊሱ።

ካብ ስድራቤት ነፍስሄር

Last modified on Sunday, 26 April 2015 00:08