መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት (ካልኣይ ክፋል)

2015-04-02 20:41:57 Written by  ብምምሕዳር ፓል ሓርነት Published in EPDP News Read 3945 times

ብዕለት 28-03-2015 ሓው ኢያሱ ዓንደማርያም ነቲ ኣቐዲሙ ብዕለት 14-03-2015 ኣብ ፓል ሓርነት ጀሚርዎ ዝነበረ ኣርእስቲ መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት መደምደምታ መግለጺ ኣቕሪቡ። ቅድሚ ሓው ኢያሱ ምጅማሩ መሰረታዊ መሰል ወዲ ሰብ ኣገዳስነቱ ዝገልጽ ርእሰ ዓንቀጽ ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዳለወ ‘’ንሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ፡ ንግዝኣ ንግዝኣተ-ሕጊ ብምጥሓስ ዝረጋገጽ መሰረታዊ ለውጢ የለን’’ ብምምሕዳር ፓልሓርነት ተነቢቡ።

ሓው ኢያሱ ነቲ ዝተነበ ርእሲ ዓንቅጽ ብሓቂ ኣገዳስነቱ ድሕሪ ምንኣድነተን ተሪፈን ዝንበበራ ዓናቕጽ ካብ 16 ክሳብ 30 ክገልጽ ብሕጽር ዝበለ እቲ ዝሓለፈ ዝተዛተናሉ 15 ዓንቀጻት ብምግላጽ በቲ ዝንበረ ዘተሕጉስ ምንባሩን እዚ ብኺላታትን ኣብኡ ዝውስኡን ብዕሙቕ` ዝበለ ኣስተምህሮ ክዋሃብ እናዓደመ ብዘለና ዓቕሚ ክንመያየጥሉን ብኡ ክንህነጽን ከም ዝግባእ ደጊሙ ኣስሚርሉ። ከምቲ ብኣምሆይ ዝዘተናሉ ኮልሎም ደቂ ሰባት ሓራ ኮይኖምከም ዝውለዱን ማዕረን ሰብ ክብርን ምኻ`ኖምን፡ ዝኾነ ሰብ ብዘድይ ኣፈላላይ ዓሌትን፡ ሕብሪ ጾታ ቃ`ንቃ` ሃይማኖት ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ሃገራውን ማሕበራውን መበቆል፡ ሃብቲ፣ ወለዶ፣ በዓል መሰል ምኻ`ኑ ፡ ወዲ ሰብ ናይ ምንባር(ህላወ) ሓርነት ድሕነት ንሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር ኣተሓሕዛን ማእሰርትን ቀይድን ስቅያትን ከየጋጥም ከም ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ክረክብ፡ ብሕጊ ክዕቆብ መሰሉ ምስ ዝገሃስ ኣብ ቅድሚ ናጻ ፍርዳዊ መጋባእያ ቀሪቡ መድሕን ክረክብ ብዘይ ምኽንያት ከይቅየድ፡ ከይእሰር ከይጥረዝ ብገበን ምስዝኽሰስ ብዘይካ ኣብ ቃልዕ መጋባእያ ውዒልዎ ከይበሃል ከይድፈር ከይግሃስን፣ ናይ ምንቅስቓስ ሓርነት፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክዕቆብን፣ ዜጋ ናይ ዝመረጻ ሃገር ክኸውን፣ ስድራ ክምስርት፣ ከጥሪ ወዘተ መሰል ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ማለት ኢዮም። እዞም መሰላት እዚኣኣቶም ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ፣ ካብ ዓንቀጽ/1 ክሳብ ዓንቀጽ/18 ተዘርዚሮም ንረኽቦም። ስለዚ ባኣምሆይ ካብ ዓንቀጽ/1 ካስብ ዓንቀስ/15 ገሊጽናዮም ኔርና ሕጂ ከኣ ካብ ኦኣንቀጽ/16 ካስባ ዓንቀጽ/30 ክንርኢ ኢና። ዓንቀጽ/16 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክምርዓውን ስድራ/ቤት ክምስርቱ መሰል ኣለዎም። ብዘይ ድረታ (ምግዳብ) ዜግነት ሃይማኦት ዓለት ። ማዕረ መሰል ኣብ ግዜ መርዓን ግዜ ፍትሕ ኣለዎም።

2) መርዓ ብናጻን ምሉእ ድሌትን ተመራዓውቲ ጥራይ ይፍጸም።

3- ስድራቤት ተፈጥሮኣውን መሰረታውን ቅርጻ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ ኣብ ሕብረተሰብን ካብ መንግስትን ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ- 17

1-     ነፍሲ ወከፍ ብውልቁ ይኹን ምስ ካልእት ብሓባር ንብረት ናይ ምውናን መሰል ኣለዎ።

2-    ንዋላ ሓደ ዜጋ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ንብረቱ ኣይግደፍን ኣይህገርን።

ዓንቀጽ 18

ነስፊ ወከፍ ሰብ ናይ ምሕሳብ፣ ሕልናውን ሃይማኖታውን ናጽነት ኣለዎ። እዚ ሕጊ እዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ክሰብኽ፡ ንበይኑ ብጽምዳዊ ወይ ብሓባር ኣብ ኣደባባይ ይኹን ብግላዊ ክምህር፣ ክተግብር፣ ከብዕል፣ መሰሉ ዝተረጋገጸ ኢዩ

ዓንቀጽ 19

ነስፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይ ምሕሳብን ርእይትኡ ናይ ምግላጽን ናጽነት ኣለዎ። እዚ መሰል እዚ ብዘይ ኢድ ምትእትታው (መጥቃዕቲ፡ ምክልባት)፡ኣብ ናጽነት ምሕሳቡ፣ነጻ ምዃኑ የረኣግጽ። ከምኡ ናይ ምሃብን ምቕባልን ሓበረታን ጽንሰ-ሓሳብ (ምህዞ) ናይ ምድላይን ምዝርጋሕን ብዘይ ገደብን ዶብን መሰሉ ዝተረጋገጸ ኢዩ።

ዓንቀጽ 20

1-     ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብሰላም ናይ ምእካብን ምውዳብን መሰሉ ሕልው ኢዩ።

2-    ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብግዲ ናይ ሓደ ማሕበር ኣባል ክኸውን ኣይግደን

ዓንቀጽ 21

1-     ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብቐጥታ ወይ ብናጻ ምርጫ ኣብ ሃገሩ ዝከየዱ መንግስታዊ ኣገባብ ምስታፍ መሰሉ ሕለው ኢዩ።

2-    ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብማዕርነት ኣብ ናይ መንግስቲ ተካላት ምእታው ከገልግል መሰል ኣለዎ።

3-   ድሌት ህዝቢ መሰረት ስልጣን መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድሌት እዚ ኣብ ገግዚኡ ዝካየድ ሓቅውን ብማዕረን ኣድማሳዊ (ኩሉ ዝሳተፎ) ምርጫ ዝሳተፈሉ ኮይኑ ብስቱር ወይ ከም ኩነታቱ ዘፍቅዶ ግሉጽነትን ናጻን ዝኾነ ኣገባብ ክኽተል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 22

ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣባል ሕበረተሰብ ብምዃኑ መጠን መሰል ማሕበራዊ ውሕስነት ኣለዎ። እሱ ጥራይ ዘይኮነስ ብሃገራዊ ጻዕርን ዓለምለኽዊ ምትሕብባርን፡ ምስ ውደባን ሃብትን መንግስታት ብዝሳማምዕሉ ኣገባብ፣ መልክዑ፣ ንኽብሩን ንናጻ ዕቤት ሰብኣዊ መሰላት መንነቱን፣ ኣድላይነቲ ዝኾኑ ቁጠባዊ ፣ማሕበራዊን፣ ባህላውን፣ መሰላቱ ክረጋግጸሉ፣ መሰል ኣለዎ

ዓንቀጽ 23

1-     ነስፊ ወከፍ ዜጋ፣ ንናጻ ምርጫ ዓይነት ስራሕ፣ ፍትሓውን ኣዕጋብን ኩነታት ስራሕ ምርካብን፡ ኩነታት ኣልቦነት ከይህሉ ምቅላስ መሰል ኣለዎ።

2-    ነፍሲ ወከ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ንሓደ ዓይነት ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ናይ ምርካብ መስለ ኣለዎ።

3-   ነፍሲ ወከፍ ስረሕተኛ ዝወሃቦ ደሞዝ ኣዕጋብን ንሰብኣዊ ክብሩን ቤተሰቡን ዝሕልወሉ ጥራይ ዘይኮነስ እንታይደኣ ኣድላዪ ኮይኑ ብሓገዝ ማሕበራዊ ውሕስነት ኣኽብሮት ህይወት ናብርኡ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ።

4-   ነስፊ ወከፍ ሞያዊ ማሕበረ(ማሕበረ ስራሓት) ክምስርትን ወይ ክሳተፍ ንረብሓታቱ ንምርጋእ መሰሉ ሕልው ኢዩ።

ዓንቀጽ 24

ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዕረፍቲ፣ ናይ መዘናግዒ ግዜ፣ ምስ ፍትሓውን መጠን ሰዓታት ስራሕን፣ኩፉል ዓመታዊ ዕረፍቲ ክህልዎ መሰሉ ሕሉው ኢዩ።

ዓንቀጽ 25

1-     ኩሉ ዜጋ ናይ ገዛእ ራሱ ምስ ስድርኡ እኹል ምቹእ ህይወት ክህልዎ፣ ብፍላይ ከኣ ደረጃ ናብራኡ ማለት መግቢ፡ ክዳን፣ገዛ፣ ሕክምና፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት መሰል ኣለዎ። ብተወሳኺ ስራሕ/ኣልቦነት፣ብሕማም ምስ ዝጥቃዕ፣ ጉድለት ኣካል ምስ ዘጓንፎ (በዓልቲ ቤቱ/ቤታ ምስ ዝመውት) ምብልውና(ግልሙትና )እርጋን፡ ወይ ካብ ናቱ ዓቕሚ ወጻኢ ናይ ጸገማት ኣብ መነባብርኡ ምስ ዘጓንፎ ውሕስነት ህይወቱ ሕልው ክኸውን መሰሉ ኢዩ።

2-    ኣዴታት ኣብ ግዜ ሕርስን፣ ንህጻናተን ፍሉይ ክንክን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን። ኩሎም ህጻናት ብሕጋዊ መርዓ ይኹን ብዘይሕጋዊ ዝውለዱ ማዕረ መሰል ኣለዎም።

ዓንቀጽ 26

1-     ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናይ ትምህርቲ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ትምህርቲ ብውሑድ ኣብ ቀዳማይን መባእታን መሰረታውን ክሳብ 2ይ ደረጃ ብናጻ ክወሃብ ኣለዎ። ትምህርቲ መሰረት ምዕባለ ብምዃኑ ካብ መባእታ ክሳብ 2ይ ደረጃ ግዴታውን ናጻን ክኸውን ከሎ ናይ ስነ-ጠበባዊን ኣካዳምን ትምህርቲ ብድሌትን ብቕዓትን ደቂሰብ ክትግበር ኣብ ርኢ ምኻኑ ኩሉ ክካፈለሉ ዝኽእል ባይታ ምፍጣር ዕድል ክወሃብ ኣለዎ።

2-    ትምህርቲ ኣብ ምሉእ ምዕባለ ሰባኣዊ መንነት፡ ምጥንካር ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ንመሰረታዊ ናጽነትን ዘትኮረ ክኸውን ኣለዎ። ትምህርቲ ኣብ ምርድዳእ ናይ ኩሎም መንግስታት (ዘርኣዊ) ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት፡ ምክኣኣል ምትሕግጋዝ ዝተሰርጸን ክጉስጉስን ዘማኦብልን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡ ንውድባት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰላም ንምዕቃብ፣ ዘካይዶም መደባት ክሕግዝ ኣለዎ።

3-   ብወገን ስድራ ቤት ቀዳምነት ምሰረት ናይዚ ዓይነት ትምህርቲ ንደቆም ናይ ምሃብ መሰሎም ሕልው ኢዩ።

ዓንቀጽ 27

1-     ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብናጻ ኣብ ህይወት ባህላዊ ሕብረተሰብ ክሳተፍ መሰል ኣለዎ። ካብ ኪነት (ስነ-ጥበብ) ተጠቃሚ ክኸውን፣ ኣብ ስነፍልጠታዊ ምዕባለ ብጽሒቱ ከነርክትን ካብ ዝህቦ ውጽኢት ተጠቃሚ ክኸውን መሰል ኣለዎ።

2-    ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ነቲ ባዕሉ ዘፍረዮ (ምርቲ) ስነፍልጠታዊ ስነ-ጽሑፍ ወይ ኪነት (ስ-ጥበብ) ውጽኢታት ሞራላዊ (ሕልናዊ) ንዋታውን (ማተርያላዊ) ረብሓታቱ ንኽሕለወሉ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 28

1-     ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ማሕበራዊ፣ደረጃ ኣህጉራዊ መዳይመሰልን ናጽነትን ናይዚ መሰረታዊ ውዑል ወዲ ሰብ ምርካብ መስል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 29

1-     ዝኾነ ይኹን ዜጋ ኣብ ሕብረተሰብ ክማልኦ ዘለዎ ጉቡኣት ኣለዎ። ኣብዚ ዝተመርኮሰ ኢዩ ከኣ ናጻን ምሉእን ሰብኣዊ መንነቱ ክመላኣሉ ዝኽእል።

2-    ኣብ ናይ ምትርጓም መሰላቱን ናጽነቱን፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከኽብሮ ዘለዎ ብፍላይ ደረት ናይ ኣኽብሮትን መሰላትን ናጽነትን ውሕስነት ናይ ካልኦት ካኣምነሎም (ክቕበሎ) ይግባእ። እዚ ከኣ ንሞራላውን፣ሰባኣውን፣ ማሕበራውን፣ ውሕስነት ዘረጋግጽ ኣብ ሓደ ጥጡሕን ዲሞክራሲያውን ማሕበረሰብ ኢዩ።

3-   እዞም መሰላትን ናጽነታትን እዚኣኣቶም ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ኣንጻር፡ ዕላማታትን መምርሒታትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክትግበሩ (ክዝውተሩ) ኣይኻሉን።

ዓንቀጽ 30

ኣብ ውሽጢ እዚ ኣዋጅ ከምዚ ገይሩ ክትርጎም ይክኣል። ማለት ብዘይ ኢድ ምትእትታው ኣብ መሰል ናይ ዝኾነ መንግስቲ፣ጉጅለ፣ውልቀ ሰብ፣ ዝኾነ ስራሓት ንምዕናው ዝጠመተ ከይዝውተርን፡ንናጽነትን መሰልን ከይግሃስ ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ንምኽባሮም ዝሕብርን ክንጥቀመሎምን ድኣእምበር ግዴታ ኢዩ ኣይብልን።

ከምዚ እትርእይዎ እዚ ኣድማሳዊ ውዑላት ወይ ኣዋጅ፣ ከምዚ ዝገለጽናዮ ክኾኑ ከለዉ፣ ንምድምዳሙ ዓ/19 ክሳብ ዓ/21 ፖለቲካዊ መሰላት ዝሓዘሉ ክኾኑ ከለዉ ሓደ ሰብ ናጻ ኮይኑ ክሓስብ ኪሕልን ክኣን፣ሓርነት ምግላጽ፣ምግላጽ ርእይቶ*ሓሳብ*ናይ ምእካብን ማሕበራት ምቛምን፣ ተገዲዱ ከይውደብ፡ ኣብ ምቛምን ምክያድን መንግስቲ ምስታፍ፣ካብቶም በብእዋኑ ዚካየዱ ስቱራት ምርጫታት ምድማጽን ምሕራይ ዝኣመሰሉ መሰላት የጠቓልል። ካብ ዓንቀጽ/2 ካስብ ዓ/26 ብዛዕባ ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት ዘጠቓለለ ኾይኖም፣ ንወድሰብ ኣብ ዉሑሱን ርሁዉን ኩነታት ክነብር ዘኽእሉ እዮም፡ ኸምኡ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክረክብ ውሱን ሰዓታት ክሰርሕ፡ ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ክኽፈል፡ ማሐበር ሞያውያን ክቐውም፡ ኣዴታት ምስ ህጻናትን ክንክንን ረዲኤትን ክረኽባ፡ ሕክምናዊ ትምህርታዊ ዕድል ክርከብ ከም ዝግብእ የጠቃልል።

ባህላዊ መሰላት ካብ ዓንቀጽ/27 ካሳብ ዓንቀጽ/28 ኣብዚ ኣዋጅ ይርከቡ። ሓደ ሰብ ኣብ ባህላዊ ህይወት ናይ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ስነፍልጠታዊ ምዕባለ ክሳተፍ፡ ስነ-ፍልጠታዊ ስነ-ጽሑፋዊን ምህዞታቱ ሞራላውን ነገራውን ረብሓታቱ ውሕስነት ክረክብ ዝካኣለሉ ዝገልጹ እዮም።

ባህርይት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ንዝምድና መንግስትን ዜጋታትን፡ ንዝምድና ዜጋታት ሓድሕድዶምን ይውስኑን ግርጭታት ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ ድማ ይውሱኑን ሰላም የንግሱን። በዚ ጥራሕ ግን ኣይሕጸሩን ኢዮም። ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳዊ ባህሪ ኢዩ ዘለዎ። ከምቲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝብልዎ፣ መሰላት ኣብ ምሉእ ዓለም ዘይከብሩ እንተኮይኖም ኣይከብሩን ኣለዉ ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ዓለም ክትቀስን ሰብኣዊ መሰላት ዘይከብሩ እንተኾይኖም እተን መሰል ዘኽብራ ኣህገራት ደቂሰን ክሓድራ ኣይኻላን ኢየን። በቲ ኩነታት ናይተን መሰላት ዘየኽብራ ሃገራት ክትንከፋ ግድን ኢዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ከይተኽብሩ ሰላምን ቅሳነት ከምዘይርከቡ ብተመኩሮ ስለዝተረጋገጸ ኢዩ ድማ እቲ ኣድማሳውን ሰብኣውን መሰላት መመሊሱ ዝግሃድ ዘሎ። እምበኣር ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣድማሳዊ ዓለምለኻዊ ንኹሉ ወዲ ሰብ ድኣእምበር ንውልቀሰባት፡ ንጉጅለታት ወይ ንገለ ገለ ሃገራት ጥራሕ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን።

ሰብኣዊ መሰላት ምዕባለን እውን ኣይነጻጸሉን ኢዮም። ምኽንያቱ ዜጋታት ሓንቲ ሃገር መሰል ሕድሕዶም ከይተኸባበሩ ክቐስኑ ኣይኽእሉን ኢዮም። መሰላት ዜጋታት ዘየኽብር መንግስቲ ድማ ዕምሪ የብሉን፡ ሰላም እውን የለን። ልክዕ ከምዚ ኣብ ሀግርና ዘሎ ስርዓት። ሰላም እንተዘየለ ድማ ምዕባለ የለን። ዝፈርስ እምበር ዝህንጽ ለዘየለ።’

ሰብእዊ መሰላት ኣብ ምልካዊ ኣጠቓቕማ መንግስታዊ ስልጣን፣ ካብ ጨቘንቲ መንግስታት ክከላኸሉ ኢዮም ኣብ ታሪኽ ማዕቢሎም፣ ቀንዲ ተልእኾኦም እውን ንሱ ኢዩ።

ሰብኣዊ መሰላት ንበይኖምን ካብ ግዴታት ጉቡኣት ተነጺሎም ኣይከብሩን ኢዮም። ከምቲ ሓደ ዜጋ ብሕጊ መሰል ዝለብስ፡ ብሕጊ እውን ግዴታ ይስከም ኢዩ። ብስነ-መጎት ክርአ ከሎ እውን እቲ መሰሉ ክኸብረሉ ዝጽበ ዜጋ መስል ካልኦት ናይ ምኽባር ግዴታ እውን ኣለዎ። ክንዲ ዝኾነ ድማ ዓ/29ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ መሰል ወይ ሓርነት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ድሩት ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሓደ ማሕበራዊ ኮም ኢዩ ናጻን ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ክረክብ ዝኽእል።

ግዴታ እንታይ ኢዩ? ግዴታትን ድላይን ዘይድላይን ናይ ሰባት ብዘየገድስ ብስነምግባር ሕግን ግድን ክፍጸሙ ዘለዎም ተግባራት ኢዮም። መሰሉ ዝተኽበረሉ ግዴታኡ ተፈጺሙ እቲ ሕጋዊ ሚዛን ከይሰፈለ ስለዝዓዪ ሰላምን ርግኣትን ይሰፍን። እቲ ሕብረተሰብ ድማ ከይተበጻበጸ ይግስግስ። መሰላት ብዘይ ግዴታትት ወይ መሰላት ዘይብሉ ግዴታት፣ ኣብ ዝዕብልለሉ ማሕበራዊ ሃዋህው ግን እቲ ህዝቢ ግዳይ ዓመጽን ህውከትን ምልክን ምጥፋእን ብልሽውናን ይኸውን። ግዝኣተ ቅልጽም (ሕጊ ዱር) ንግዝኣተ ሕጊ ይትክእ። ልክዕ ከም ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት።

ዓንቀጽ/29 ናይዚ ኣዋጅ ዝኾነ ሰብ ብመሰሉን ሓርነቱን ክጥቀም ይኽእል ኢዩ ዝብል። ግደ ድሩታት ምዃኖም እውን እቲ ዓንቀጽ ይነግር ኢዩ። እቶም ንምሰላትን ሓርንትን ወዲ ሰብ ዝድርቱ ረቛሒታት ብሕጊ ዝተፈልጡን ዝተወሰኑን ኢዮም። ኩሉ ግዜ ድማ ብሕጊ ዝይተፈልጠ ዘይተወሰነን ደረት መሰላት ሕጋዊ ስለዘይኮነ ውዱቕ ኢዩ።

ዋላ እኳ ብዛዕባ መሰላትን ሓርነትን ደረታቱን ነዊሕ ዘዛርብ እርእስቲ እንተኾነ ንግዚኡ ኣብዚ ኣብቂዕና ነዚ ኣርእስቲ ብዕምቈት ፍልጠት ዘለዎም ብሰፊሑ ከብርሁልና ክንዕድሞም ወይ ክትዕድምዎም እናኣማሕጽንኩ፣ ንመሰላቱ ዝቃለስ ባዕሉ እቲ ውልቀሰብን እቲ ህዝብን እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝንቀሳቐሳ ልዕሊ 800 ኾና ዘይመንግስታውያን ውድባትን ማሕበራትን ስለዘለዋ ህዝቢ ዓለም ዘይፈልጦን ዘየቃልሖን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ከም እንሪኦ እዚ ምልካዊ ስርዓት ኣብ መርመራን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምግሃስ እገዳ ክግበሮ ዝቀራረብ ከም ዘሎ ኩላትና እንስዕቦን እንሰምዖን ጉዳይ ኢዩ። ነዚ ግብርታቱን ክፍኣታቱን ንምቅላሕ ንሕና እውን ግዴና ክንገብር ከምዘለና እውን ዘይሰሓት ኢዩ። ክብል መደርኡ ደምደመ።

ብድሕሪ እዚ ኩሎም ተኽፈልቲ ዘተ ፓል ሓርነት ነዚ ዝቐረበ መብርሂ ኣሃብቲሞሞን ኣገደስቲ ርእይቶን ክንገብሮ ዝለና ስርሓትን ብንጹር ኣቕሚጦሙሉን ብተደጋግሚ ክንዛተየሉ ከም ዘለና ሓበረታትን ምሕጽንታን ብምቕራብ ተደምዲሙ።

ብምምሕዳር ፓል ሓርነት ዝቐረብ።

Last modified on Thursday, 02 April 2015 22:43