ንሓድሽ ውጽኢት፡ ሓድሽ ኣገባብ

2019-05-10 06:48:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2714 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጭቆናን ወጽዓን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣመዓባብላኡ ደኣ ዘገምታውን ብረቂቕ ሜላታት ዝተቓነየን ኮይኑ እምበር፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ሽዑ ንሽዑ ዝጀመረ እዩ። ወረ ሓደ ሓደ ብዛዕባቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣካይዳ በዓል ኢሳይያስ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዝነበሮም ተዓዘብትስ፡ ናይቲ ጭቆና ኣመዓባብላ ዝያዳ ነዊሕ ሱር ከም ዝነበሮ እዮም ዝምስክሩ። ዋላ’ኳ ህግደፍ ሓቀኛ ባህሪ ጭቆናኡ ክሓብእ ይፍትን እንተነበረ፡ ምናልባት ነቲ ኩነታት ካብ ርሑቕ ንዝዕዘብዎ ዘይኤርትራውያን ወገናት እምበር፡ ንዓና ንኤርትራውያንስ ዝተኸወለና ኣይነበረን።

ካብቶም ካብ ቅድም ዝረአዩ ዝነበሩ፡ ናብዚ ሕጂ ንዓለም ዘገርም ዘሎ መሪር ጭቖና ዝማዕበሉ ምልክታት፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ከተማ ኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ናይ ኣስመራ ስታዲዩም ህዝባዊ ኣኼባ በኹሪ መደረኡ ኣብ “ካብ ሕጂ ንዳሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ምባሉ፡ ንዘቕለበሉ መልእኽቲ በሓትነቱ እዩ ነበረ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ፡ ኣብ ማይ ሓባር ኣብ ልዕሊ ንህዝብን ሃገርን ኣካሎም ዘውፈዩ ስንኩላን ወገናትና ዝተፈጸመ ጨካን ቅትለት እውን መልእኽቱ ንዘቕለበሉ ቀሊል ኣይነበረን። ግዜ እንዳነወሓ፡ ማዕሪኡ ድማ ሓቀኛ ባህሪ ህግደፍ ደፊኡ እናወጸ፡ ዝተወስዱ ናይቲ ጭቆና ገለጽቲ ስጉምትታት ከኣ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ሕጂ እሞኸኣ ህግደፍ መትሓዚ ተሳኢንዎ ኩሉ ተግባራቱ እዉጅ ወጽዓን ጭቆናን ኮይኑ፡ ኣይኮነንዶ ነዓና ኤርትራውያን ኣብ ዓበይቲ ዓለምለኸ መጋባእያታት እውን “ተወዳዳሪ ዘይብሉ” ናይ ዘበንና ጨቋንን ጨካንን ኮይኑ ከም ናይ ሕማቕ ኣብነት ይጥቀስ ኣሎ። ምስዚ ኩሉ ግና ከምቲ “ንሰፍላላስ ይፈጥረላ” ዝበሃል፡ ንህግድፍን መራሕቱን ሰብ ረኺቦምስ፡ ውሱናት ዝድግፍዎምን  ዝተዓራረኽዎምን ግሩሃት ኣይተሳእኑን።

ነዚ ኩነታ ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን፡ ህግዲፍ ናብ ልቡ ንክምለስ ዝሃብዎ ግዜን ዘርኣይዎ ትዕግስትን ከምዘይሰርሕ ምስ ኣረጋገጹ፡ ገለን ብዝተወደበ ገለን ድማ ብዘይተወደበ ኣገባብ ክቃለስዎ ናይ ግድን ኮይኑ። ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስ ዋጋ ከም ዘኽፍል ይርድኡ’ኳ እንተነበሩ፡ ከምቲ “ንዘይተርፈካ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል  ብዘይካ ምቅላሱን ምኹናኑን ካልእ ምርጫ ኣይነበሮምን። ህግደፍ ብወገኑ ነቲ ካብ ቅድም ብውሑዳት ክካየድ ዝጀመረ ቃልሲ፡ ከምዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ እንተ ዓንቲሩን ሰፊሑን ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቖ ስለ ዝተረደአ ብዕሸሉ ክቖጽዮ ዘይፈንቀሎ እምኒ ኣይነበረን። ኣብቲ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ቃልሲ የድምዑ እዮም ዝበሎም ወገናት ንምድሃል ዝተጠቖሞ ሜላታት፡ ምቕንጻልን ምስዋር ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ቀንዲ ሕመረቱ ከኣ ድሑር ዝንባለታት እንዳጻሕተርካ ሓድነትን ምትእምማንን ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ምዝራግ ነይሩ፡ ሕጂ’ውን ይቕጽለሉ ኣሎ። ክሳብ ግብኣተ መሬቱ ካብዚ ድሑር ኣካይዳ ከምዘይምለስ ከኣ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብዚ መዳይዚ እታ ኩዕሶ ኣብ ኢድና’ውን ከምዘላ ክንእመን ይግበኣና። መርኣያ ብዙሕነትና ዝኾነ ዘይመሰረታዊ ፍልልያትና ዓቂብናዶ ኣብቲ ሓደ ዝገብረና ኤርትራዊ ዛዕባ ኣትኪልና ንቃለስ፡ ወይስ ንከፋፋሊ መርዚ ህግዲፍ ርዒምና መፍትኡ ንኸውን ንዝብል ንሕና  እንውስኖ እዩ።

ደረጃታቱ ክፈላለ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ናይ ለውጢ ድሌትን ዓቕምን፡ ብዘይካ ኣብ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ኩልና  ተጸበይቲ ራህዋን ፍትሕን ኤርትራውያን ከምዘሎ ክንእመነሉ ይግበኣና። ስለዚ ኢና ከኣ እቲ ናይ ሎሚ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኮነ፡ እቲ ናይ ጽባሕ ተካኢ ዓቕሚ እኩብ ድምር ናይ ኩልና ኣበርክቶ እዩ እንብል። ነዚ ክሳብ ሕጂ ከምቲ ትጽቢትና ኣየዕወትናዮን። ምናልባት እውን ናይ ኩሉ ድኽመትና መሰረት ኣብዚ መዳይዚ ዘይምዕዋትና ይኸውን። እዚ ሕጂ ዝያዳ በሪኹ እሞ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ብሓያል ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝቃላሕ ዘሎ ድምጺ “ይኣክል” ድምጺ ኩልና ኣብ ኤርትራ ለውጢ እንብህግን ምእንትኡ ንቃለስ ዘለናን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናውን ኩልና እንዓስሎን ድምጺ ምስማዕና ከኣ ዝድገፍን “ኣሰይ’ዛ ሓሳብ ልበየ ሰሚራትለይ” ዘብልን እዩ። ከምዚ ዓይነት ናይ ሓባር መበራበሪ ምልዕዓል ምርካብና ናይ መወዳእታ ዓወትና ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ከምዘይኮነ ብሩህ እዩ። እዚ ውዑይ ንቕሎ ዕዉት ንኽኸውን፡  ሓቚንካ ኣጻዒኻ ናብ ውጽኢት ምብጽሑ እቲ ዝኸበደ ዕማም ከም ዝኸውን ክንስሕቶ ኣይግበኣናን። ነዚ ንምዕዋትን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍሽለታት ንምድሓንን ከኣ ኤርትራውያን ብግቡእ ከነቕልበሎም ዝግበኣና ጉዳያት ኣለዉ።

ነዚ ናይ “ይኣክል” እዋናዊ ድምጺ ዝምጥን፡ ንኹሎም ዘቃልሕዎ ዘለዉ ኣካላት ዘጽልል ሓቛፍን እዋናውን ውደባ ክህልወና ናይ ግድን ኣድላይ እዩ። “ሰሪሑ ዘድምዕ፡ ተዛሪቡ ዘስምዕ” ናይ ለውጢ ዓቕሚ ክንከውን፡  ካብ ክሳድ ንላዕሊ ንቓለ-ዓለም ዘይኮነ፡ ብምሉእ ልብን ሓላፍነትን፥ ንሕና፡ ናትና፡ ንዓና፡ ብኣና ዝቓንዑ፡ ነቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ዘየድመዐ ጭረሖ “ንሕናን ንሳቶምን” ዝስዕር ኣካይዳ ክንርዕም ክንበቅዕ ናይ ግድን እዩ። ኣተሓሕዛና “ገጽ ርኣ ወይ መሕደሲ” ዘይኮነ፡ ንተበግሶ “ይኣክል” ምስ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮናን፡  ኣብ መጻኢ ይጽበየና ምስ ዘሎ ቃልስን ብደሆታትን ብሓላፍነት ኣዛሚድና ክንርደኦ ክንበቅዕ ይግበና። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክንድቲ ዝተጸበናዮ ዘየኽሰበና ናይ ምንጽጻግ መንገዲ ከይወጻእና፡ ብተኣምር ሓድሽ ውጽኢት ከነመዝግብ እንተ ተጸቢና ግና፡ እቲ ንጽበዮ ኣይክንረኽቦን ኢና። ካብ ባህሊ ምንጽጻግ፡ ምግላልን ጸቢብ ሕሳብን ክሳብ ዘይወጽእና መፍቶ ህግዲፍ ካብ ምዃን ከምዘይንድሕን ከሎ ጌና ነስተውዕል። ስለዚ ኣብዚ እዋንዚ “ንሓድሽ ውጽኢት፡ ሓድሽ ኣገባብ” ክንክተል  ምራጫ ዘይኮነ ግድነት’ዩ።

Last modified on Friday, 10 May 2019 09:04