እቲ ንደልዮ ብኣበርክቶ ኩልና

2016-10-07 10:34:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3325 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ድሌት ሰባት ብዝርዝሩ ብዙሕን ዘየቋርጽን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ሓደ ድሌት ክማላእ እንከሎ ካልእ ድሌት ይመጽእ ከምኡ ኢሉ እቲ መስርሕ ይቕጽል። እዚ ድሌታት ገሊኡ ኣብ ውልቃውነት ዝተደረተ ክኸውን እንከሎ ገሊኡ ድማ ናይ ሓባር ኮይኑ ብናይቶም ብዙሓት ውሁድ ጻዕሪ ዝረጋገጽ እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ከም ዝረአ ኣብ መንጎ ናይ ሰባት ድሌትን ነቲ ድሌት ክተረጋግጽ ምብቃዕን ፍልልይ ይረአ እዩ። ድሌትካ ምስ ናይ ምትግባሩ ዓቕምኻ ከተመጣጥን ምብቃዕ ከኣ ውሕልነት ዝሓትት እዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ታሪኾም በብግዜኡ ናይ ሓባር ድሌቶምን ባህጎምን ብናይ ሓባር ጻዕሮምን መስዋእትነቶምን ከማልኡ ጸኒሖም እዮም። ርግጽ እዩ ድሌትካ ምርግጋጽ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ክኸውን እንከሎ ናይ ካለኦት ሓገዝን ደገፍን ምሕታትን ምጻባይን ዝተለምደ እዩ። ቅድሚ ኩሉ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ምጥቃም ግና ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ትጽበዮ ሓገዝ ኣብ ርእሲ እቲ ናትካ መመላእታ እምበር ንናትካ ኣበርክቶ ዝትክእ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነት ድሌቱን ባህጉን ብክቡር ኣበርቶኡ ኣረጋጊጹ። ታሪኽና ከም ዝምስክሮ ናጻ ሃገርን ህዝብን ናይ ምዃን ድሌት ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ነይሩ። ነዚ መሰረታዊ ድሌቱ ድማ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘየፈላላይ፡ በብዓቕሙን ዘድመዓሉ መዳይን ብዓድን ብበረኻን ተወፍዩ ተዓዊቱ ከኣ። ብሓባር ናብ ቃልሲ ምውፋሩ ከኣ መሰረታዊ ናይ ምዕዋቱ ምስጢር ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ከም ሓደ ንኡድ ተመኩሮ ዝተመዝገበ እዩ። ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ኣዝዩ ውሱን’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ወጻኢ ደለይቲ ናጽነት ደገፍ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ናብ ዓወት ዘብጸሐ ግና ናይቲ ናጽነትን ሓርነትን ብሂጉ ናብ ቃልሲ ዝወፈረ ህዝቢ ኤርትራ ውፉይን ስሙርን ኣበርክቶ እዩ ነይሩ።

ድሌት ህዝቢ ሓደ ክማላእ እንከሎ ብኻልእ ዝትካእ እምበር ኣብ ሓደ ደረጃ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን ኢልና ኣለና። ብመንጽር እዚ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብ ምርግጋጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ፡ ብፍትሓዊ ምምሕዳር፡ ሰላምን ልምዓትን ዝስነ ነይሩን እዩን። እነሆ ከኣ እቲ ድሕሪ ናጽነት ክረጋገጽን ዝያዳ ክደምቕን ዝነበሮ ብርሃን ብሰንኪ ህግደፍ ስለ ዝበኾረ ንምርግጋጹ ህዝባዊ ቃልሲ ቀጺሉ። ከምቲ ናጽነት ድሌት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ነይሩ፡ ብጻዕርን ኣበርክቶን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተረጋጊጹን ዝበልናዮ፡ እዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ፍትሕን ደሞክራስን ቃልሲ እውን ተመሳሳሊ ምናልባት እውን ዝያዳ ተሳትፎን ኣበርክቶን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓትት እዩ። ውድባት ከኣ ናይ ምትሕብባርን ምምራሕን ግደ ኣለወን። ካብዚ ሓሊፉ ነብስኻ ኣግሊልካን ተጸጊዕካን ወይ ቆጢብካ እቲ ዕማም ውሱናት ኤርትራውያን ንዝሓቖፋ ውድባት ጥራይ ገዲፍካ ውጽኢት  ምጽባይ ቅቡል ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ራህዋ፡ ቅሳነትን ሰላምን ዝደልዩ ኤርትራውያን፡ ኣብ ምርግጋጹ ግና ንገዛእ ርእሶም ኣርሒቖም ካብ ውሱናት ወገናት ዝጽበዩ ብዙሓት እዮም። ንገዛእ ርእሶም ኣካል ናይቶም ራህዋ ዝደልዩ ኤርትራውያን ገይሮም ክንሶም፡ ኣካል ናይቶም ብጻዕሮም ለውጢ ከምጽኡ ዝግበኦም ኣብ ምግባር ግና ኣይደፍሩን። እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ዓቕሞም ሓቢኦምስ በቶም እታ ዝርካባ ዓቕሞምን ግዜኦምን ምእንቲ ፍትሕን ራህዋን ዘበርክቱ ወገናት ዝዋራዘዩ ምስማዕ እውን ዝተለምደ እዩ። “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ መከራን ጭቆናን ኩነታት ብራህዋ ክትካእ ካብ ድሌኹም ደኣ ተወዲብኩም ዘይትቃለሱ?” ዝብል ሕቶ ወትሩ ይቐርቦም እዩ።

እቲ ንዘይምስታፎም ዝህብዎ መልሲ፡ ኣብተን ውድባት ዘሎ በብዓይነቱ ድኽመታት ምምስማስ ምዃኑ ትዕዘብ። “እተን ውድባት ከምዚ ተዝኾናን ተዝገብራን መተሳተፍና” ዝብል ምኽንያታቶም’ውን ዝርዝሩ ነዊሕ እዩ። “ምቅላስ ማለትኮ ብልሙጽ መንገዲ ተጓዒዝካ ኣብ ዓወት ምብጻሕ ማለት ኣይክነን፡ እንተላይ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ዘሎ ዕንቅፋታት እንዳ ጸረግካን ኣብ መንጎ ዕላማን ግደ ውልቀሰብን ዘሎ ፍልልይ ተረዲእካ እንዳ ተሓጋገዝካን እንዳተበራራኻን ዝኽፈል ዋጋ ዘጠቓልል እዩ። ስለዚ ኣብተን ውድባት ተሰሊፍኩም፡ ናይ ቃልሲ ስርዓትን ኣገባብን ተኸቲልኩም ከተዕርዩ ዘይትሳተፉ” ክትብሎም እንከለኻ፡ ንዘይምስላፎም ዘቕርብዎ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዘየብሎም የንዘልሕጡ። ዘይሩዘይሩ ድሌቶም ገዛ ክትሃንጽ ከይጸዓርካ ኣብ ዝሃነጹልካ ገዛ ክትነብር ከም ምድላይ መሲሉ ይረኣየካ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ ካብ ዘይምስታፍ ኣብ ቃልሲ ሓሊፎም፡ ዓቕሞም ንዘየወፍዩ ወገናት ከነኣእሱን ንወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ክንእዱን ዝመጣጠሩ ምዃኖም እዩ።

ስለዚ ኣብ ሓደ ጉዳይ ድሌት ምሕዳር መበገሲ እምበር ውጽኢት ኣይኮነን። “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ክውገድ ኣለዎ” ኢልካ ምእማን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ኮይኑ፡ ንምትግባሩ ዓቕምኻ ዝፈቕዶ ብምብርካት ተዘይተሰንዩ ግና “ኣቲ ዘሎ ኩነታት ከምዘለዎ ይቐጽል” ዝብል መልእኽቲ ካብ ምትሕልላፍ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ግዜ ምስሓለፈ ከኣ ዘጣዕስ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ እቶም ራህዋ ኣብ መጻኢት ኤርትራ እንምነ ኣብቲ እዚ ንምግሃድ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ምስ ኩርኩሑ ኢድና ንሓውስ ንብል።

Last modified on Friday, 07 October 2016 12:39