“ብህግደፍ ዘይተሰምዐ እምበር፡ ዘይተገብረ የለን።”

2016-10-04 18:27:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3013 times

“ብህግደፍ ዘይተሰምዐ እምበር፡ ዘይተገብረ ግፍዒ የለን”:: እዚ ኣበሃህላ በቲ ሐደ ወገን ንስፍሓትን ዕምቆትን በደል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲካልእ ወገንድማንሓባኢባህሪናይቲጉጅለዘመልክትእዩ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸነሐን ዘሎን በደላት ክሳብ ክንደይ ንምስሉ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ደዊንዎ ከም ዘሎ ይርደኦ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝበሃል ካብዚ ናይ በደልን ትምክሕትን  ታኸይላ ወጺኡ ኣብ ናይ ፍትሒ ዓለም ክነብር ኣይከኣለን። ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾኖ ግና ሓቀኛ ምስሉ ሓቢኡ ክቐርብ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን።

ሓደ ምምሕዳር ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ተቐባልነት ክረክብን ዘይክረክብን ካብ ዝውስኑ ረቛሒታት እቲ ቀንድን መሰረታውን ህዝቡ ዘመሓድረሉ ኣገባብን ዝኽተሎ ስርዓትን እዩ። ድምጺ ህዝቡ ሰሚዑ ዘስተማቕርን ፍትሓዊ መስመር ዝኽተልን ምምሕዳር፡ ምስሉ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ሓሚቑ ኣይሓምቕን። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጸሊምን ጨካንን በሰላ ዝፈጠረ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ጽቡቕ ምስሊ ክህልዎን ካብ ተነጽሎ ክድሕንን ግና ዘበት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ሓደሓደ፡ ካብቲ ጉጅለ ረብሓ ዝደልዩ፡ ህዝባውነት ዘየብሉ ዝምድና ንምፍጣር ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸሞ ገበናት ጓስዮም ግዚያዊ ዝምድና ክገብሩ ኣይረኣዩን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ዝኾነ መንግስቲ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዝምድና ዝፈጠረ  እንተተዓዚብና በዚ ኣቐዲሙ ዝተቓነየ ዘይርትዓዊ ኣገባብ ንጉዳይ ህዝቢ ግዳይ ዝገብር ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝመርሖ ልኡኽ ስርዓት ህግደፍ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ኒውዮርክ ሰላሕ ክብል ንዕዘብ ኣለና። ምስ ገለ መንግስታት ኣብ ዝገብሮ ርክብ ካብ ዘልዕሎም ጉዳያት ሓደ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዩ። እተን ሃገራት ነዚ ናይ ስደተኛታት ዛዕባ ዘልዕላኦ ምስቲ ብጻዕቂ ስደተኛታት ዝገጥመን ዘሎ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ጾር ኮንደኾን መስተርሆ ንረኽበሉ ካብ ዝብል እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ነዚ ዛዕባዚ ዘልዕሎ “ምምሕዳረይ  ጠንቂ ስደት ኣይኮነን” ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍን ካብ ክውንነት ክሃድምን ስለ ዝደለየ እዩ። ንእግረ መንገዱ ገለ ዓቐን ገንዘብ ብጉልባብ ምጥያስ ምሽማት’ውን ዝጽበዮ እዩ። እዚ ዛዕባ ናይተን ሃገራት ድኹም ጐኒ ተናኺፉ ዝምዝምዘሉ ልስሉስ ቦታ ምዃኑ ከኣ ይርዳእ እዩ። እተን ሃገራት ኣብ ቀረባ ስለ ዘለዋ ውሽጠን ብምሕደራ ህግደፍ ሕሩር እንዳሃለወ፡ ክሰምዓኒ ይኽእላ እየን ካብ ዝብል፡ ብዙሕ ግና ዘይትግበር መብጸዓ ከም ዝኣትወለን ከኣ ተኸታቲልና ኣለና። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ጠላምን ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድርን ምዃኑ ኣይኮነንዶ ብደረጃ መንግስቲ ብውልቀሰብ’ውን ዝብጻሕ ደርሆ ጻሕቲራ እትረኽቦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ብሓቂ ድዩ ናይ ሓሶት ካልእ ኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ምጽራይ ገበነኛታት  ብዝምልከቶም ኣካላት ከም ገበነኛ ዝፍለጥን ንዲክታቶር ኢሳያስን ግፍዑን ክትክእ ውጥም ቅልቅል ዝብል ዘሎ ዝመስል፡ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዋሽንግቶን ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ ክገብርዩ ዝብል ምልክታ ቀሪቡ ነይሩ። ከምቲ “መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃል ከኣ “ኣቐዲምኩም ሕቶታት ኣቕርቡ” ዝብሉ ኣሰለፍቲ ተዋፊሮም ነይሮም። እቲ ተቐላቒሉ ዝነበረ ሕቶታት ገሊኡ ምስ ግላዊ ረብሓ ዝተሓሓዝ ክሳብ “መሬት መስርሒ ገዛ መዓስ ኢኹም ትህቡና?” ዝብል ፈኲስ ሕቶ ዝርከቦ ነይሩ። እቲ ካልእ ሕቶታት እውን ከከም ሓታቲኡ ዝተፈላለየ ነይሩ። ብመሰረቱ ግና ኣብ ኤርትራ እቲ ጸገም ሕቶታት ናይ ምቕራብ ዘይኮነ፡ ሕቶታት ናይ ዘይምምላስ እዩ። ጉዳይ ሕቶ ተተላዒሉ ደኣ እታ ሃገር ንገዛእ ርእሳ ኣብ ትሕቲ ምልክት ሕቶን ቀራና መንገድን  እንድያ ዘላ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብስ ኣእላፍ መላሲ ዝሰኣኑ ሕቶታት እንድዩ ዘለዎ። ብመሰረቱኽ ካብቲ ከበድቲ ገበናትን መርኣያ ሕማቕ ምምሕዳርን ህግደፍ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብግብሪ ዘይምምላስዶ ኣይኮነን።

ስለዚ ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዝግበኣና፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምድህላል ተዘይኮይኑ ብኹሉ መምዘኒ፡ ብዓቕሚ ይኹን ብባህሪ ሕቶታት ክምልስ ኣይክእልን እዩ። ቅድም ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ሕቶታት ኣቕሪብካ እቲ ጉጅለ ክምልሰልካ ምጽባይ ንቡር ነይሩ ክኸውን ይኽል። ሎሚ ግና ጉጅለ ህግደፍ ሕቶ ኣቕሪብካሉ መልሲ ክህበካ ምጽባይ፡ ምድህላልን ነብስኻ ምዕሻውን ጥራይ እዩ። ምናልባት ግና ዝሕተቶ ሕቶታት ምስ ሰምዐ ደሓር እንታይ ዓይነት መጠበሪ ወይ መህደሚ መልስታት ክስንዕ  ዝመሃዞ ተንኮል ይኸውን።

ሓደ ዘገርም ጉዳይ ናይ ዋሽንግቶን ኣኼባ የማነ ገብረኣብ ምስራዙ ምስ ተገልጸ፡ “ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን?” ኢሎም ዘጉባዕብዑ ኤርትራውያን ምጉቡዕበዖም እዩ። እዞም ኤርትራውያን እቲ ኣብ ኣሜሪካ መጺኡ ዘይምልሶ ሕቶታት ንምስማዕን ኣመሳሚሱ ገንዘቦም ንምዝማትን ዝወጠነ ግና ዘይሰለጦ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብቲ ቀዳምነት ክህቦ ዝግባእ ኣጀንዳ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዝራብን ምሕታትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓው ኢልካ ናይ ምስዓልን ተኣሲርካ ኣብ መደቀሲኻ ናይ ምግልባጥን መሰል ከምዘየፍቅድከ ይፈልጡዶ። እቲ “ኣነ ርትዓዊ እየ” ዝብል ኤርትራዊ እምበኣር፡ ክሓቶ ዝግበኦ ሕቶ “ስለምንታይ ኣኼባ የማነ ገብረኣብ ኣብ ኣሚርሪካ ተኽልኪሉ?” ዘይኮነ “ስለምንታይ ህዝብና ኣብ ገዛእ ብቓልሱ ዘውሓሳ ሃገር ናጻ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰሉ ዘይተኽብረሉ?” ዝብል ተዝኸውን ክንደይኮን መምሓረሉ።

Last modified on Tuesday, 04 October 2016 20:40