ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ሕዙእ ቦታ ኣለዎም

2016-06-20 17:39:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2582 times

ስዉኣትና ምእንቲ ራህዋ፡ ቅሳነትን ሰላምን ዝተበጀዉ ብምዃኖም ኩሉ ግዜ ክንዝክሮም ናይ ግድን እዩ። እቲ ኣፍና መሊእና ንዛረቦ፡ እቲ ዓው ኢልና እንምድሮ፡ እቲ ደረትና ነፊሕና “ኣነ ኤርትራዊ እየ” እንብሎ ኩሉ ብናይዞም ዘይሓልፍ ሰሪሖም ዝሓለፉ ሕድሪ ዝተቓመመ እዩ። ስለዚ ኢና ድማ ወርትግ ዘይንርሰዖም። ዝኽሮም ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ ጥራይ ወሲንካ ዝድረት ኣይኮነን። “ኣብዚ እዋን’ዚን ኣብዚ ቦታ’ዚን ጥራይ ኢና እንዝክሮም” እንተንብል እውን ዋጋ መስዋእቶም ኣብ ቅድሜና ስለ ዝጸንሓና ኩሉ ግዜ ክንዝክሮም ንግደድ።

ስዉኣት ምዝካር ኣስማቶም፡ ዝተሰውእሉ ግዜ ዓውዲ ውግእን ብምድግጋምን ንቤተሰቦም ቁንጣሮ ብምትኳብን ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። ንርዝነት ትብዓቶምን ጀግንነቶምን እናሻዕ ብምድናቕ ጥራይ እውን ኣይኮነን። ከምስል ደጋጊሙ ዝጽወዖም ብግብሪ ግና ሕድሮም ዝጠልም ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ኣካል “ንስዉኣት ኣኽብር እየ” እንተበለ ኣበሃህላኡ ዘይቅቡልን ካብ ክሳድ ንላዕልን እዩ። ብሓጺሩ እቲ ንስዉኣት ዝዝክር ሓቀኛ፡ ቅድሚ ኩሉ ቃሎም ዘኽብር እዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ዝገደፍዎ ሓደራ “ብዛዕባ ጅግንነትና ደጋጊምኩም መስክሩ” ዝብል ዘይኮነስ “ነቲ ምእንትኡ ዝተሰዋእናሉ ህዝባዊ ዕላማ ኣትግብሩ፡ ህዝብና ድማ ብዋጋ ደምና ኣብ ቀጻሊ ራህዋን ሰላምን ከም ዝነብር ግበሩ፡ ነቲ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝጀመርናዮ መስዋእትነት ኣብ ዓውዲ ልምዓትን ፍትሕን ቀጽልዎ” ዝብል እዩ። ብመንጽር’ዚ ክቡር ቃሎም፡ መሰል ህዝቢ ዝገፍፍ፡ ፍትሒ ዝነፍግ፡ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ዝነብር ኣካል ብዝኾነ መለክዒ ንደገ እምበር ንውሽጢ ዘየብርህ ሽምዓን ጥዋፍን ብምብራህን ላዕሊላዕሊ ዝንሳፈፍ ግጥምታት ብምግጣምን ተተደጋገመ ዋጋ የብሉን።

ቃል ስዉእት ክጠሓስ እንከሎ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ካብ ህልዊ ክነታት ኤርትራ ወጻኢ ኣብነት ምጥቃስ ዘድሊ ኣይመስለናን። ቃሎም ስለ ዝተጣሕሰ፡ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ዘይተፈልዮ ሃለዋት ይነብሩ ኣለዉ። እታ ደቃ ስማ ክገንን ክትምዕብልን ዝተሰውኡላ ኤርትራ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ኩሉ ናይ ሕማቕ ኣብነት ዝርዝር ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ኮይና ኣላ። እቲ ብተግባር ሕድሪ ስዉኣኣት ዝጠለመ ጉጅለ፡ ከምስል ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዕ፡ ድሕሪ ሕጂ ናብ ልቡ ተመሊሱ ሕድሪ ስዉኣት ከኽብር ዝነበሮ ዕድል ሓሊፍዎ ኣብ ዓሚቝ ናይ ክሕደቶም ቀላይ ጥሒሉ እዩ። ስዉኣውት እውን መልእኽቲ ጥልመቱ ተረዲእዎምስ፡ ዝተጠልመ ሕድሮም ክንትግብር ድሮ ናብቶም ኣብ ኤርትራ ፍትሒ፡ ራህዋን ደሞክራስን ንምውሓስ ንቃለስ ዘለና ህሉዋት የመዓድዉ ኣለዉ። ንሕናኸ ክሳብ ክንደይ ንምሕጽንታኦም ንበቖዖ ድልዋት ኣለና ኣብ ቅድሜና ዘሎ ፈተና እዩ።

ሕድሪ ስዉኣትና ናይ ምኽባሩ ዕድል ምሉእብምሉእ ካብ ኢድና ኣይወጸን። ኣብዚ መዳይ ከድምዕ ዝግበኦ ዝነበረ ግና ከይተጠቐምናሉ ዝሓለፈና ግዜ ከም ዝነበረ ግና ክንመሃረሉ እምበር ከንርሰዖ ኣይግበኣናን። ንሕና ነቲ ሕድሮም በቒዕናዮ እንብል ካብቲ ሕድሮም ዝጠለመ ጉጅለ ዝተፈለና ምዃና ብተግባር ምስ እነመስክር እምበር ተመሳሳሊ ጭርሖታት ብምቅላሕ ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ምእንታኡ ዝተሰውእሉ ዕድል ተጠቒምና ናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግለጽን ምውዳብን መሰል ብምጥቃም ብዙሓት ውድባት ምዃና ቃሎም ምጥላም ኣይመኾነን። ነዚ ዓቂብና ንዓበይቲ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳያት ቀዳምነት ሂብና ክንጐዓዝ ተዘይክኢልና ግና ካብ ተሓታትነት ኣይከነምልጥን ኢና። ሕድሪ ስዉኣትና “ሕበሩ” እምበር ተፈላለዩ ስለ ዘይብል። ዝተፈላለዩ ዘይኤርትራዊ ወገናት እቲ ኣብዚ ዘበንዚ ክፍጸም ኢልካ ዘይትጽበዮ ገበን ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጸም ተዓዚቦም፡ ካብዚ ከነናግፎ ክሕግዙና ኣብ ጐንና ክስለፉ ቅሩባት ኣብ ዝኾንሉ፡ ቅድሚት ተዘይተሰሪዕና ካልእ ቃል ስዉኣት ናይ ምኽሓድ መግለጺ ክኸውን እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ክሕደት ንምድሓን ወይ ኣብቲ ክሕደት መሊስካ ምጥሓልን ናይ ጽባሕ መድረኽ ጀነቫ መምዘኒ ክትከውን እያ። ምኽንያቱ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን “ህዝብና ኣብ ገሃነብ እዩ ዘሎ እሞ ይርሃዎ ደኣ” ክንብል እንከለና፡ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ነቲ ዘይጽቡቕ ከም ጽቡቕ ወሲዶም “ኣብቲ ዘለናዮ ጸልማት ንንበር” ክብሉ ስለ ዝኾኑ።

እዚ ወርሓት’ዚ ዓመት ዓመት ስም ስዉኣት ብብዝሒ ዝጽወዓሉ እዩ። ኩሉ ግዜ ከኣ ብፍሉይነት ዝተስነየ እዩ። ንኣብነት ሎሚ ዘበን ገለገለ ወገናት ኣብ ክብሪ ስዉኣትና ካብ ምጥርጣር ሓሊፎም፡ ምእንቲ ሃገር ከምዘይተሰውኡን ዕላምኦም “ምልኪ ንምንጋስ ነይሩ” ዘስምዑ ድምጽታት ዝስምዕሉ ዘለዉ እዋን ስለ ዝኾነ። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ኤርትራውያን ስዉኣት፡ ዝነበርዎ ውድብ፡ ዝነበሮም ደረጃ ውዳበ፡ ዝተሰውእሉ ግዜን ቦታን ብዘይገድስ ኩሎም ሕድሮም ዘይጥለም ሰማእታትና ምዃኖም ፈጺሙ ክዝንጋዕ ኣይግበኦንን።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

20 ሰነ 2016

Last modified on Monday, 20 June 2016 19:44