መጻኢ ጉባአና ንክዕወት

2015-04-28 11:44:32 Written by  ኣሰናዳኢት ሽማገል 2ይ ጉባአ ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 4775 times

ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ተጀመረ ኣብቲ ዘለዎ ደሪቑ ውጽኢት ዝጽበ፡ ዘይኮነስ ኣብ ዘየቋርጽ መስርሕ ዝቕጽል ጉዕዞ እዩ። እቲ ጉዕዞ ዘየቋርጽን ማዕባልን ኮይኑ፡ እቲ ማዕባልነቱ ብኣውንታዊ ወይ ብኣሉታዊ ተርኽቦታት ዝተሰነየ፡ ናይ ክብን ለጠቕን ነዊሕ መገሻ እዩ። ኣብዚ መስርሕ እቶም ናይዚ ፖለቲካዊ መስርሕ ተዋሳእቲ ነቲ ኣውንታ ናይ ምዕኳዅን ነቲ ኣሉታ ናይ ምውጋድን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። ነቲ ቃልሲ መሪር’ዩ ዘብሎ’ውን እዚ ሓላፍነት እዩ። ኣብዚ መስርሕ ሓንቲ ሓጻር ናይ ግዜ መዕቀንን ንእሽቶ ፋጻመን እውን ነናተን ጽልዋን ኣበርክቶን ኣለወን። እዚ ንኡስ ጽልዋታት ተኣኪቡ ድማ ሓደ ዕሙር ውጽኢት ይኸውን። እዚ መስርሕ ሓደ ክልተ እንዳበለ ብንኡሳን ምዕራፋት ዝስነ ኮይኑ፡ ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ካልእ ምዕራፍ ዝሳገረሎም ዕላውያን መድረኻት ኣለውዎ። ሓደ ካብቲ መድረኻት ድማ ጉባአ እዩ።

ጉባአብጸቢብ ድሌት ናይቶም ውሱናት ወደብቱን ተጋባእቱን ጥራይ ዝግዛእ ዘይኮነስ ካለኦት ሰፋሕቲ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ጸለውቲ ረቛሕታት እውን ኣለውዎ። እቲ ጉባአ ዝውድብ ሰልፊ ወይ ውድብ፡ ምእንታኡ እየ ዝቃለስ ናይ ዝብሎ ህዝቢ ባህግን ድሌትን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ናይ ዘለዉ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ካብኡ ሓሊፉ ከባቢያውን ዓለማውን ምዕብልናታት እውን ንኩለመዳያዊ ኣወዳድባን ውጽኢትን ናይቲ ጉባአ ዝጸልውዎ ባእታታት እዮም። ነዚኦም ረቛሒታት ዕሽሽ ኢልካ ካብ ውሱን ባህግኻ ጥራይ ነቒልካ ዝትግበር ጉባአ እምበኣር ናብ ጸቢብነት ዝወስድ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ኮታ ጉዳያት ከምቲ ትደልዮ ዘይኮነስ ከምቲ ክኾኖ ዝኽእል እዩ ክኽየድ ዝግበኦ።

ብመንጽር እዚ መጻኢ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንውድብ እንከለና፡ ሰልፍና ብዓብይኡ ኮይኑ፡ ህዝብና፡ ሃገርና፡ ተቓወምቲ ውድባትና፡ እቲ ንምውጋዱ ንቃለሶ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ፡ ከምኡ እውን ጐረባብትናን ኣብ ናይ ለውጢ ቃልስና ኣብ ጐንና ክስለፉ ወርትግ እንጽወዖም ናይ ርሑቕ ሓይልታትን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለናን ዘለዉን ኣብ ግምት ከነእቱ ናይ ግድነት እዩ። ንዛረበሉ፡ ንውስኖን ንእውጆን ከዓ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ግቡእ እዩ።

ከም ኩሉ ጉባአታት፡ መጻኢ ጉባአና ኣብ ኩሉ ዛዕባታት ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ካልእ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሳግረና ክኸውን ናይ ኩልና ትጽቢት እዩ። ትጽቢትና ጥራይ ዘይኮነ ኩነታት ሃገርና፡ ህዝብናን ደንበ ተቓውሞናን ኣውን በቲ ዝነበርናዮ ክንቅጽል ዘይኮነስ ለውጥን ምስግጋርን ዝጥልብ እዩ። ለውጥን ምስግጋር ምጽባይና ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ ውጽኢት ጉባአና ከም ትጽቢትና ንክኸውን ከዓ ከሎ ጋና ሓላፍነታውን ቀጻልን ኣበርክቶና ኣብ ኩሉ መዳያት ክብርኽ ይግበኦ። እዚ ክንብል እንከለና ንምዝኽኻር ዝኣክል እንተዘይኮይኑ፡ ጉባአ ብኸመይ ምዕዋት ከም ዝከኣል ንኣባላት ሰልፍና ከም ሓድሽ ዝንገር ዘይኮነ ተፈቲኖም ብዘዕግብ ዝሓለፍሉ ተመኩሮ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኣብዚ መስርሕ ምድላው 2ይ ጉባአና ዝረአ ዘሎ ናይ ኣባላት ሰልፍና ቅሩብነትን ውፉይነትን እውን ነዚ ዘረድእ እዩ። ኣብ ቀጻልነቱ እውን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ስኽፍታ የብሉን።

ጉባአ ንዝሓለፈ ይግምግምን ይመዝንን። ንመጻኢ ድማ ይእምትን የማዕዱን። ኮታ ኣብ ህልዊ ኩነታት ረጊጹ ንዝሓለፈን ንመጻእን ዘራኽብ ድንድል’ዩ ምባሉ ዝቐለለ እዩ። ብመንጽር እዚ 2ይ ጉባአና ካብ ቀዳማይ ጉባአና ክሳብ ድሮ እዚ ንዳለወሉ ዘለና ጉባአ ዝጸንሐ መስርሕ ኣተገባብራ ውሳነታት 1ይ ጉባአ ክመሚ ናይ ግድነት እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ሚዛን ንኣወንታዊ ውጽኢት ዝያዳ ኣሰሲኑ ኣካል መጻኢ ዕማምና ክገብሮ እዩ። ንኣሉታዊ ውጽኢት ከዓመወከሲ ታሪኽ ንክኸውን ኣብ ዘይንቀሳቐስ ፋይል ክዕቅቦ እዩ። ናይ ዝሓለፈ ጉባአና መሪሕ ኣጀንዳ ምስ ኩሉ ከቢብዎ ዝነበረ ኩነታት፡ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ኣብነታዊ ሓድነት፡ በበይኑ ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ናይ ዝጸነሖም ውድባት ምንባሩ ዝዝከር እዩ። መጻኢ ጉባአና ከዓ ነቲ ሓድነት መሊሱ ኣትሪሩ፡ ካልእ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሳግር፡ ዝያዳ ኣብ ምሕያል ውሽጣዊ ሰልፋይዊ ዓቕምና ዘድህብ ኣጀንዳ ክህልዎ ትጽቢት ኩልና እዩ።

ከምቲ ልሙድ ቀንዲ ዕማማት ሓደ ጉባአ፡ እቲ ሰልፊ ወይ ውድብ ክሳብ ቀጻሊ ጉባአ ዝምረሓሎም፡ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ውሽጣዊ ቅዋምን ምጽዳቕ፡ ኣብ ኣገደስትን እዋናውያንን ፖሊሲታት ውሳነታት ምውሳን፡ ከምኡ እውን ነዚ ዝጸደቐ ሰነዳት ዘተግብር መሪሕነት ምምራጽ እዮም። ኣብዞም ጉዳያት እዚኣቶም ዝግበር ጥንቃቐ ውይ ሸለልትነት ናቲ ሰልፊ መጻኢ 3 ወይ 4 ዓመታት ማለት ከከም ሕጊ ናይቲ ሰልፊ ዝውስኑ እዮም። እዞም ዕማማት እዚኣቶም ኣብተን ንጉባአ ዝምደባ ናይ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ዝሳለጥ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ናይ ድሮ ጉባአ ኣዋርሕ ተጻፊፉ ኣብ መድረኽ ጉባአ ወግዒ ዝለብስ እዩ። ቀንዲ ዕማም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከዓ ነዚ ናይ ቅድመ ጉባአ ምድላዋት ምውህሃድ እዩ። ኣባላት ሰደህኤ፡ በቲ ኣሰናዳኢት ሽማግለን መሪሕነት ሰልፍን ዘውጽእዎም መደባት መሰረት፡ ኣብ ንድፊ ናይዚ ኣብ ጉባአ ዝጸድቕ ሰነዳት ክህብዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ሃናጺ ኣበርክቶ ኣውንታውን ኣብነታውን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ንጉባአ ዝኸውን ሎጂስቲካውን ፋይናንስያውን ዓቕሚ ንምድላብን ተሳተፍቲ ጉባአ ኣብ ምድላውን ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ እውን ከምኡ ዝነኣድን ናይ መወዳእታ መልክዕ ክሳብ ዝሕዝን ብናህሪ ክቕጽል ዝግበኦን እዩ።

ሓደ ጉባአ ምዕዋት ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዓቢይ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ጉባአና ተዓዊቱ ወይ ኣይተዓወተን ክንብል ድማ መዕቀኒና እቲ ኣብኡ ከነዕውቶ ሒዝናዮ እንኣቱ ዕማም እዩ። እዚ ዕማምዚ ብዝከኣል መጠን ካብቲ ንብህጎ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ምስ ዓቕምናን ኩነታትናን ዘሳኒ ተመጢኑ ክኸውን ይግበኦ። ድሌትን ዓቕምን ኣብ ዘይመጣጠነሉ ጸገም ስለ ዝፈጥር። ነቲ ቃልሲ ክሳብ ዓወት ኣንዊሕና ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ዝኸበደ ብደሆ ኣብ ጉባአ ምውሳን ዘይኮነስ ነቲ እትወሰነ ናይ ምትግባር መስርሕ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ምዕዋት ጉባአ ክንሓስብ እንከለና ናብቲ ድሕሪ ጉባአ ዘሎ መስርሕ ኣውን ክንቋመት ይግበኣና። ነቲ ዝወሰንካዮ ውሳነታት ዘተግብር ዓቕሚ ኣብ ዘይወነንካሉ፡ ዘይትግበሩ ምሩጻት ውሳነታትን ኣውጃትን ምቅላሕ ውጽኢት ስለ ዘየብሉ።

ዓወት ን2ይ ጉባአ ሰደህኤ