ሻቕሎትና መሊሱ ይዓርግ ኣሎ

2015-04-22 12:46:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3153 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰደህኤ

ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ ህዝብና ኮነ ሃገርና ጽቡቕ ወረ ካብ ዝሓርመና ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ሎሚ ግዜ ድማ እቲ ሕማቕ ወረ ኣባና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣብ ዝዓመረሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ጉዳያት ሶርያ፡ ዒራቕ፡ የመን፡ ሊቢያ፡ ግብጺ፡ ደቡብ ሱዳንን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣካል ናይ’ዚ ሕማቕ ወረታት እዩ። ጉዳያት ሶማል፡ ኬንያን ማእከላይ ኣፍሪቃን እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዚ ነቲ ነባሪ ዕግርግር ማእከላይ ምብራቕ ከይወሰኽካ እዩ። እዚ ሕማቕ ወረታት ኣብ መዓልቲ ብናይ ክንደይ ሰባት ህይወት ምጥፋእን ንብረት ምብራስን ይስነ ከም ዘሎ ከዓ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ኣብዚ መስርሓት እዚ ብዛዕባ ኩሉ ዝጠፍእ ዘሎ ህይወት ክንሻቐል ባርያዊ እንድዩ፡ ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ከዓ ጉዳይ ኤርትራን ደቃን ዝያዳ የሻቕለና።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣብ ባሕሪ ሻቕሎት ካብ እንጥሕል ሓያሎይ ዓመታት ኮይኑ እዩ። እቲ መስርሕ ነዊሕ ብምዃኑ ከዓ ናይቲ ሻቕሎት ክብደት ክብን ለጠቕን ክብል ጸኒሑ። ሰብ ተኣሲሩ፡ ንብረት ህዝቢ ተወሪሱ፡ መንእሰይ ናብ ውትህድርና ተገፊፉ ከምኡ ድማ ኣባይቲ ፈሪሱ ክንሰምዕ እንከለና ንሻቐል። ህይወት ክንድዚ ኤርትራውያን፡ ንሓንሳብ ኣብ ዶባት ንሓንሳብ ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝያዳ ድማ ኣብ ባሕሪ መዲትራንያን ጠፊኡ ክንሰምዕ እንከለና ከዓ ሻቕሎትና ዝያዳ ይዓርግ። ዳርጋ 2 ዓመታት ኮይኑ ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ዝያዳ 360 ኤርትራውያን ሞይቶም ምስ ሰማዕና ሰንቢድና። ናይቶም ሽዑ ዝሃለቑ ዜጋታትና ረይሳታት ክሳብ ሎሚ ንቡር ሓመድ ድብ ዘይምርካቡ ድማ ዝያዳ ካብቲ ሞቶም ኣሻቒሉና። ብዙሕ ሓዚናን ተዛሪብናን። ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ድማ ጥርዓናት ኣቕሪብና። እንተኾነ እቲ ጉዳይ መዕለቢ ኣይተረኽቦን።

በቶም ክሳብ ሕጂ ሓመድ ኣዳም ዘይለበሱ ክንሻቐል ሕጂ እውን እነሆ ንጹር ኣሃዝ’ኳ ተዘይተፈለጠ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ መዲትራንያን ጥሒሎም ዝብል ወረታት ይዝንቢ ኣሎ። መጻኢ ዕድሎም ዘይፍለጥ ኤርትራውያን ኣብ ሊቢያ ኣብ ኣብ ኣፍ ሞት ኣለዉ ዝብል ከዓ ተወሲኽዎ። ኣፎም መሊኦም ካብቶም ዝያዳ 850 ኣብዚ ቀረባ ጥሒሎም ዝመቱ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዳርጋ ፍርቆም ኤርትራውያን እዮም ዝብሉ ማዕከናት ዜና’ውን ንሰምዕን ነንብብን ኣለና። ብመንጽር እቲ ቀደም ሓደ ሰብ እውን ሞይቱ ክበሃል እንከሎ ንድንግጾ ዝነበርና ኣብዚ ሎሚ ነዚ መርድኣት’ዚ ጾይርና ምዃድና ዘገርም እዩ። እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ከዓ እዚ ክንድዚ ዝኽብደቱ ሓዘን ክንድቲ ክብደቱ ዘይስወጠና ምህላዉ እዩ።

ናይዚ ኩሉ ህልቂት ጠንቂ ዝኾኑ ኣካላት ብዙሓት ኮይኖም፡ እቲ ዝዓበየ እጃም ዝወስድ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ንሱ ኣይቅበሎን እምበር ንሕናስ እንረዳደኣሉ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ቀንዲ ጠንቂ እዩ እንብለሉ ምኽንያት ብዘይካቲ ኣብ ኤርትራ ምኽንያታት እንዳፈጠረ ምንባር ምኽልኡ፡ እቶም መንእሰያት ሞይቶም ክበሃል እንከሎ ብሕም ዘይምባሉን ንቡር ሓዘንን ዝኽርን ንክግበረሎም ዘይምትህጉ ጥራይ ዘይኮነስ ወለዶም ዝባኖም ቀሊዖም ከይሓዝኑ ተጽዕኖታት ምፍጣሩ እዩ። እዚ ንኤርትራዊ ክሳብ ክንደይ ክብሪ ከም ዝተነፍጎ ዘመልክት እዩ። ኩልና ከም ዝተኸታተልናዮ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት 30 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ሊቢያ ኣይሲስ (isis) ብዝበሃል እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ምስተቐንጸሉ፡ ንዝኽሮም ተባሂሉ ኣብ ሃገሮም፡ ናይ 3 መዓልታት ብሄራዊ ናይ ሓዘን ግዜ ምእዋጁ፡ ኣብ ኩሉ መዘናግዒ ቦታታት ናይ ጓይላ ደርፍታት ከይድረፍ እቲ ህዝቢ ተበግሶ ምውሳዱ፡ ናይታ ሃገር ሚድያታት ስሩዕ መደባቱ ዓጺፉ ኣብ ዝኽሮም ምድሃቡ፡ ብደረጃ ማእከላይን ክልላውን መግስታት ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያዱ፡ ኤርትራዊ ግና ኣብታ ብደሙ ዘምጸኣ ሃገሩ ክሳብ ክንደይ፡ ክብሪ ተነፊግዎ ምህላዉ ዘመልክት እዩ።

እዚ ኣሻቓሊ ጉዳይ ንጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ደርቢ ንሓልፎ ኣይኮነን። ካብ ህግደፍ እሞ ቀቢጽና ኢና። ንሱ ኣኺልዎ ዘይዕረ ጨካን’ዩ። ካብዚ ጨካን እንጽበዮ ርህራሀ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እዚ ጉዳይዚ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ብሓፈሻ ብፍላይ ከዓ ናብ ሰብኣዊ ማሕበራትን ከም ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ትካላትን ጥራይ ደርቢና መልሲ ንጽበየሉ’ውን ኣይኮነን። ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ብምዃና ጉዳይና ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ምቕራብና ጌጋ እዩ ማለትና ግና ኣይኮነን። ኣብዚ ናትና ኣበርክቶ እሞ ድማ ብወሳኒ ደረጃ ተዘይተወሲኽዎ ከድምዕ ከም ዘይክእል ክንግንዘቦ ይግበኣና። ብመጀመርያ ደረጃ እቶም ካብ ዓዲ ኩነታት ኣገዲድዎም ዝወጹ ዘለዉ ኤርትራውያን እቲ ምስዳዶም ኣብ ሓደ ቦታ ንምብጻሕ ምዃኑ፡ እቲ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ቦታ ኣበይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ክበጽሕዎ ከም ዘለዎም ብምርዳእ ንህይወቶም ዋጋ ክህቡ ከም ዝግበኦም ይርድኡ የለዉን። ከምቲ ግቡእ እዚ መባእታዊ ተግባራት እዩ። እንስሳ እውን ንግሆ መግቦም ክእምርሩ ምስ ወፈሩ ምሸት ኣብ ዝወዓሉ ውዒሎም ብኸመይ ናብ መረበቶም ከም ዝምለሱ ይፈልጡ እዮም። ብርግጽ ሓሲብካ እንተተበገስካ’ውን ዘይሓሰብካዮ ጸገም ከጋጥመካ ይኽእል ይኸውን። እቲ ምሕሳብን ምስ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ምግንዛብን ግና ነቲ ሕማቕ ሳዕቤን ክንክዮ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንተረኽቦ ላምፓዱሳን ካልኦት ዝሓለፉ ኣሉታዊ ፍጻመታት ባሕሪ መዲትራኒያንን ስለምንታይ ዘይንመሃረሉ። “መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምን ኣይኽላእካ” ዝብል ምስላ ለባማት እንዳሰማዕና ደይኮናን ዓቢና።

ወለድን ቤተሰብን እውን ሓላፍነት ኣለና። ውላድና ዓዲ ገዲፉ ንክስደድ ድፍኢት ምግባር ሓደ ነገር እዩ። ምድፋእ ምድፍኡ ውሑስ ኣገባ ክመርጽን ንከይህወኽን ዘይምምካር ተተወሲኽዎ ከዓ ካልእ ነገር እዩ። ኣዝማድን ቤተሰብንከ “ብሊቢያ ኣቢለ ናብ ኤውሮጳ ክመጽእ ገንዘብ ስደዱለይ” ዝብል መልእኽቲ ክበጽሓና እንከሎ፡ ምናልባት እቲ “እምቢ ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ዘተባብዕ ገንዘብ ኣይከፍልን እየ” ምባል ዝፈጥሮ ዝምድናዊ ሳዕቤን ይህልዎ ይኸውን። እንተገደደኸ ናይ ጉዕዞ ውሕስነት ንከጽንዕ ዘይምምዓድ ጽቡቕዶ?። እቶም ኤርትራ ብዘይተካኢ ወለዶ ከይትተርፍ እሞ ህልውነኣ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እንስከፍ ኤርትራዊ ናይ ፖለቲካ ሓይልታትከ፡ ካብዚ ዝዓቢ ኣጀንዳ ዘይብልና ክንስና መብዛሕትና ነዚ ዓብይ ጉዳይ ገዲፍና ኣብ ቅዳምነት ዘይወሃቦ ጉዳያት ምኒን ክንብል ክንውዕ እንከለና ከመይ ኢና ንርእዮ። ናትካ ከይሓወስካ ኢድ ካለኦት ጥራይ ምጽባይ ትርጉም የብሉን ኢልና ኣለና፡ እንተኾነ ከምቲ “ኢድካ ናብ ባሕሪ ስደድ እሞ ወይ ወርቂ ትረክብ ወይ ተሓጺብካ ትወጽእ” ዝበሃል ብስሙር ኣገባብ እሞ ድማ ብቐጻሊ ማዕጾ ናይቶም ካባና ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎም ኣካላት፡ በቲ ባዕላቶም ዘጽደቕዎ ቻርተራት ተደሪኾም ገለ ክገብሩ ዘይምጽዓትና እውን ዘንቅፈና እምበር ዘንእደና ኣይኮነን። ገለ ወገናትና ሕንኮም ቀንጢጦም ኣብ ንግዲ ኣሕዋቶም ተዋፊሮም ጸኒሖምስ በዚ ገበኖም ተኣሲሮም ክስማዕ እንከሎ ከዓ ነዓና እውን ዘሕፍር እዩ።

ኤውሮጳውያን ሕሉፍ ሓሊፎም ነቲ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ጸገማት ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ሚልዮናት ከሕቁፍዎ ክደናደኑ እንከለዉ ካብ ዘመሓላልፎ መልእኽታት ሓደ እኮ መርኣያ ናትና ድኸመት እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ውጽኢት ናይቲ ብዘይምስልካይ ዘስመዖ ምሕጽንታ ከቕርቦ ዝጸንሐ መዘክራትን ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕብረት ኤውሮጳ ” ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጽንኩር ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ልክዕ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሻቕሎት ኣለዎ” ዝብል መልሲ ምርካቡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ክሳብ ነቲ ስኽፍታ ዝቕይር ርኡይ ናይ ተግባር ስጉምቲ ዝውሰድ ከዓ እቲ ስምዕታን ድፍኢትን ክቕጽሎ እዩ።

22 ማዝያ 2015

Last modified on Wednesday, 22 April 2015 14:59