ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ 2024 ንዝሰፍሐ ከባቢ ቅርኒ ኣፍሪቃ 122 ሚልዮን ኤውሮ ተወሳኺ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ከም ዝመደበ ብ27 ነሃሰ 2024 ኣፍሊጡ። እቲ ሕብረት ነዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ክምድብ ዝተገደደ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ውግኣትን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዘስዓበ ጸገማት ደርቅን ውሕጅን ይውስኽ ስለ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ኣብሪሁ።
እቲ ሕብረት ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ዝያዳ ንጸገም ዝተቓልዑ ህዝብታትን ከባብን ብፍላይ ድማ ጥሜት ዝኣመሰሉ ሰብእዊ ጸገማት ዝተራእየሎም ኣየኖት ምዃኖም ብምድህሳስ፡ ዝተበጽሐ ውሳነ ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብቲ ዝርዝር ጸገማት ጉዳይ ሕጽረት ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ብሰንክዚ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሕማማትን እውን ኣብ ግምት ዝኣተዉ እዮም። ኣብቲ ኣመዳድባ ገንዘብ ክዝርዝር እንከሎ፡ 42 ሚልዮንኤውሮ ንኢትዮጵያ፡ 40 ሚልዮን ኤውሮ ንሶማሊያ 40 ሚልዮን ኤውሮ ድማ ንደቡብ ሱዳን ብዝብል ተዘርዚሩ ቀሪቡ።
ኣብዚ ዓመት ብሕብረት ኤውሮጳ ንዝሰፍሐ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመደበ ገንዘብ፡ ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ሱዳን ብፍሉይ ዝተዋህበ 56 ሚልዮን ኤውሮ ከይወሰኽካ፡ 421 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝበጽሐ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ተወሳኺ ሰብኣዊ በጀት ክምድብ ካብ ዘገደድዎ ህልዊ ቅልውላው ሱዳን ክኸውን እንከሎ፡ በብኸባቢኡ ዝፍጠር ዘሎ ውሕጅን ዕልቕልቕን እውን ካልእ ምኽንያት ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።
ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከተማ ፖርትሱዳን፡ ሓጽቢ ፈሪሱ ብሰንኩ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። ነቲ ኩነታት ንምክትታል ዝተመስረተ ናይ ሓደጋ ጉጅለ፡ ብደርዘን ዝግመቱ ሰባት በቲ ሓደጋ ደሃዮም ከም ዝጠፈአን ፖርትሱዳን ሕጽረት ዝስተማይ ከየጋጥማ ተሰጊኡ ከም ዘሎን ሓቢሩ። ሓጽቢ ኣርባት ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ከም ዝፈረሰን ከም ሳዕቤኑ ሓያል ውሕጅን ጭቃን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዘለዋ ዓድታት ከም ዝፈሰሰን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ 15 ዓድታት በቲ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ከም ተሃስያን ካለኦት 30 ዓድታት ድማ ብኸፊል ከም ዝተጠቕዓ ተቒሱ።
ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ምምሕዳር ግዝኣት ቀይሕ ባሕሪ ብወገኑ፡ ምስቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዝተኸስተ ጸገም ጥዕና፡ 7 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኻልእ ገጽ ናይቲ ዝፈረሰ ሓጽቢ ድማ 100 ዝኾኑ ስድራቤታት ተዓጊቶም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ጠቕላላ ቁጽሪ ምዉታት ክሳብ 132 ዝበጽሕ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ እንተኾነ ናይቲ ግዝኣት ምምሕዳር ብዛዕባ ናይ ዝሞቱን ዝተሃስዩን ሰባት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘይውጸአ ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ናይቲ ምምሕዳር ዳይረክተር ጥዕና ሰይድ ኣህላም ከም ሳዕቤን ምፍራስ ናይቲ ሓጽቢ ውጸኣት፡ ኮለራን ካልእ ሕማማትን ከይላባዕ ከም ዝሰግኡ ብምጥቃስ፡ ዝያዳ ፍሪቂ ሚልዮን ካብ ነባሪ ከተማ ፖርትሱዳን ዝስተ ማይ ከይስእን ስግኣቶም ጠቒሶም።
ፖርት ሱዳን እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል መንግስቲ ሱዳን ከም ማእከል መሪጽዋ ዘሎ ወደባዊት ከተማ እያ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞ፡ ብዙሓት ሰልፍታትን ውድባትን ምህላወን ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ወገናት ብዙሓት እዮም። እቲ ብዝሒ ውዳበታት፡ ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋተን ገይሮም ዝርድኡን “ስለምንታይ ሰልፍታትን ውድባት በዚሐን?” ኢሎም ዝሓቱን’ውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። እዘን ውዳበታት ንክበዝሓ ዝድርኹ ምኽንያታት ገሊኦም ቅቡላት ገሊኦም ድማ ዘይቅቡላት ከም ዝኾኑ ፍሉጥ እዩ። ነቲ ዘይቅቡል ምኽንያታት ምዝርዛር ገዲፍና፡ ነቲ ብግቡእ ከነመሓድሮ ዝግበኣናን ውዳበታት ንክበዝሓ ዝድርኽን ቅቡል እንብሎ ምኽንያታት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግበኣና። በዚ ምኽንያት ዝፍጠር ናይ ኣወዳድባ ብዙሕነት፡ ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ፡ ሰፊሕ ናይ ሓሳባት ምርጫ ዘቕርብ ጸጋ እምበር፡ ሓደጋ ከምዘይኮነ ምርዳእን መሰል ምውዳብ ዘውሕስ ሓደ ካብ ዲሞክራሲያዊ መርኣያታት ምዃኑን ምግንዛብ ድማ የድሊ።
እቶም ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ስለ እንውንን ኣብ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ተሰሊፍና ዘለና ፍጹም ዘራኽብ የብልናን ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምኡ ኮይኑ እንከሎ፡ እቲ ዓንቃፊ ኮይኑና ዝጸንሐ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሰማምዓና ነቲ ዝፈላልየና ቅድሚት ሰሪዕና ኣብኡ ክንዋጠጥን ክንትሃላለኽን ምጽናሕና ምዃኑ ብሩህ እዩ። ከምቲ ልዑል ለውጢ ናይ ምምጻእን ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ኣድማዒ ዓቕሚ ናይ ምድላብ ድሌት ዘለናን፡ እቲ ከነድህበሉ ዝነበረናን ዘለናን ነቲ ዘሰማመዓናን ዘመሳስለናን ቅድሚት ሰሪዕካ ምጉልባቱ እምበር፡ በቲ ዝፈላልየና ምስሕሓብ ክኸውን ኣይመተገበኦን።
ኤርትራውነትና እቲ ዝዓበየ ሓቛፊና ኮይኑ፡ ኣብዚ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ምውጋድ ዲክታተርነት፡ ምዕቃብ ልኡላዊት ኤርትራን ሓድነት ህዝባን፡ መጻኢት ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ልዕልና ህዝብን ፍትሕን ዝሰፈና ክትከውን ብዘይካ ህግደፍን ኮራኩሩን ዘይብህግ ኤርትራዊ የለን። ምናልባት “ብኸመይ ኣገባብ? መን ምስ መን ኮይኑ? መዓስን ኣበይን?…..ወዘተ” ኣብ ዝብሉ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ናይ ርእይቶ ፍልልይ እንተሃለዉ፡ ካብ ሓቢርካ ምቅላስ ዝዓግቱ ኣይኮኑን። እቲ ዓብይን ህዝባውን ናይ መሰረታዊ ለውጢ ተልእኮ ምትግባር ብናይ ሓደ ውዳበ ሓላፍነትን ዓቕምን ዝዕመም ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ህግደፍ ዝመሃዞ ጸረ ህዝብን ዲሞክራስን መንደቕ፡ ብናይ ዝተወሰነ ውድብ ወይ ሰልፊ ዓቕሚ ከምዘይፈርስ ንርዳእ ኢና። ነዚ ዘፍርስ ዓቕሚ ድማ እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ክጥርነፍ ዝግበኦ ዓቕምታትና ምዃኑ’ውን ብክለሳ-ሓሳብስ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ነዚ ሓባራዊ እምነትና ዝምጥን ኩለ-መዳያዊ ኣድማዒ ጻዕሪ ክንገብር ከምዘይጸናሕና እንስሕቶ ኣይኮነን።
ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ነቲ በበይኑ ዘሎ ዓቕምና ኣርኒብና ቀያርን ተሰማዕን ዓቕሚ ናይ ምፍጣር መስርሕ ከጸግሙና ካብ ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ባህሊ ኣብ ማእከላይ ሓሳባት ተራኺብካ “ሓቢርካ ተዓዋታይ ምዃን” ኣብ ጫፋት ተመዓዳዲኻ ስነ-መጎት “ሰዓርን ተሳዓርን” ከነሰጉም ምጽናሕና ዓብይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። እዚ ዘየዕውትን ግዜ ዝሓለፎን ኣገባብ ኣመሓዳድራ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ካብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት ጀሚሩ ዝነበረን ኣሉታዊ ስንብራቱ ዘይሃሰሰን እዩ። እዚ ኣካይዳ ንትርጉምን ክብደትን ሓቅን ርትዓውነትን ኣተሓሳስባ ዝጓሲ፡ ንልዕልና ትርጉም ሓይልን ዓመጽን ዘበርኽ ሓደገኛ ተረድኦ እዩ። ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባት ክለዓል እንከሎ፡ ኣቐዲሞም ካብ ዝለዓሉ ሕቶታት ሓደ “ወተሃደራዊ ሓይልኸ ኣለዎምዶ?” ዝብል ምንባሩን ምዃኑን መልእኽቱ ኣዝዩ ኣሰካፊ እዩ። እቲ “እንታይ እዩ ኣተሓሳስባኦም? ካብ ህግደፍ ዝፈልዮም እንታይ እዩ? ከምቲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠለመ ከይጠልሙናኸ እንታይ ውሕስነት ኣለና? ንዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ተገዳስነት ዘይምሃብ ድማ ካልእ ገጽ ናይቲ ህግደፍ ዘስረጾ ዓመጸኛ ኣረዳድኣ እዩ። ናይ ህግደፍ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ሓሳባት ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም ኣካላት፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ኣብቲ መሰረታዊ መምዘንታት ንከየተኩር ዝገብሮ ናቱ ጽልዋን ተጽዕኖን ኣለዎ። ተመኩሮ ጉጅለ 15ን ህግደፍ ዝተኸተሎ መንገድን ድማ ኣብዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ኣብ ርክባት ናይ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት “ክትህብ እምበር ክትቅበል ቅሩብ ዘይምዃን” ሓደ መርኣያ ናይቲ ከጸግመና ዝጸንሐ ባህሊ “ሰዓራይን ተሰዓራይን” ኣፈታትሓ ፍልልያት እዩ። ናይዚ መንቀሊ፡ ከኣ ነቲ ሃገራውን ህዝባውን ናይ ለውጢ ዕማም “በይነይ ከተግብሮ እኽእል እየ” ዝብል ጽበትን ትዕቢትን እዩ። ከምቲ “ተመሊስካ እትረድኦስ ሓዲግካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ንስኻ ብዘይብእኡ ዘይኮነልካ፣ ንሱ እውን ብዘይበኣኻ ንዘይኮነሉ ኣካል፡ ኣብ ክንዲ ተቐርቦን ትሓቑፎን ካብ ናይ ቃልሲ መድረኽ ክትንጽሎ ናይ ምድላይ ስምዒት ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸዋግ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ምጥሓል ድማ ብዓቕሚ ንዘይምሕያል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክንዲ ጸላእቲ እትንኪ ጸላእቲ ዝዕድም እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብውሕዱ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መረሓሓቕን ግጉይን ግንዛበ ንወጽእ ምህላውና መጻኢና ትስፉውን ብሩህን ምዃኑ የመልክት።
ኣብዚ ግዜዚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ተመዓዳዲኻ ጉዕዞ፡ ከም ዝደላለ ዝተረደአ ይመስል ኣሎ። ናይ ሓሳብ “እንካን ሃባን” ባህሊ ኣጥሪና፡ ክቐርበና ክንጽበ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ክንቀርብ እሞ ኣብ ማእከላይ ቦታ ክንራኸብ ከም ዝግበና ተገንዚብና፡ ምእንቲ ሓቢርካ ምቅላስ ዋጋ ክንከፍል ቅሩባት ምህላውና ኣውንታዊ ምልክታት ይረአዩ ምህላዎም ክዕቀብ ዝግበኦ ትስፉው መጻኢ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘሰማመዓካ ንምርካብ ዝግበር ዳህሳሳትን ዘተታትን ቀጻሊ ኣሎ። ምምስራት ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ “ፖሓኤ” ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እወንታዊ ኣብነታዊ ተበግሶ እዩ።
Bahgna Media 2025: ኣብ ሎሚ ኰንካ ብዛዕባ ጽባሕ ዘርእስቱ ርእሰ ዓንቀጽን፣ ፖሓኤ ኣብ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ዝብል ሓተታን
Written by Bahgna MediaMedia
መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ኣደም ኣርተዓ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ኣርተዓ ብ1958 ኣብ ከተማ ኣቑርደት ተወሊዱ። ነታ ኣብ ኣቑርደት ብሰራዊት ጸላኢ ጨፍጫፍ ዝተፈጽመላ “ጸላም ሰንበት” እትበሃል ህልቂት ብኣካል ርእዩ፡ ነቲ ኩነታት ክጸሮ ስለ ዘይከኣለ ድማ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ስሩዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝኾነ ሓጺር ታሪኹ ይሕብር።
ኣርተዓ በቲ ዝነበሮ ትግሃት ቆላሕታ ስለ ዝረኸ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገር ሶርያ ብዛዕባ ፖለቲካውን ንቓባውን ትምህርቲ ዝወሰዱ ካድራት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነይሩ። ብዝነበሮ ትግሃትን ንቕሓትን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊ ምቅላሱ፡ ቅድም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ኣባል መሪሕነት ውድብ ተመሪጹ ብፍላይ ኣብ 2008 ዝተኻየደ ጉባኤ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ነይሩ፡ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝተቓለሰ ብጽንዓቱን ናይ ምልዕዓል ብቕዓቱን ዝልለ እዩ ዝነበረ ።
ኣቦ 5 ደቂ ዝነበረ ኣርተዓ፡ ድሕሪ ምሕማሙ ቅድም ኣብ ሱዳን ደሓር ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ብቤተሰቡን መቓልስቱን ክእለን ክሕገዝን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ እዩ ብ24 ነሃሰ 2024 ወጋሕታ ዓሪፉ።
ኣርተዓውን እነሆ ከምቶም ቅድሚኡ ዝተሰውኡ ብጾት፡ ኣብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለላ ሃገሩ ኤርትራ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ ዕድል ዘይረኸበ ስዉእ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይቲ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ እናገለጸ፡ መሪሕነቱን መሰረታቱን ንስዉእ ብጻይና መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ኣኻእሎን ይሃቦም ይሃበና ይብል።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ
25 ነሃሰ 2024
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ23 ነሃሰ 2024 ካለኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ። ቀጺሉ ኣብ ዘስመዖ መእተዊ ቃል ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ሰዲህኤ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ብፍላይ ከኣ፡ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ንምምስራት ዝተገብረ ጻዕሪን፡ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣብ መጻኢ ዝያዳ ንክሰፍሕ ዘለዎ ተስፋን ጠቒሱ። ኣብ መግለጺኡ እዚ ጽላል ዝሰፍሓሉን ዝሕይለሉን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ሰዲህኤ ከም ሓደ ኣካል ፖሓኤ ኣብ ኩሉ መዳያት ካብኡ ዝድለ ክገብር ድልዊ ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ብዛዕባቲ ውጽኢት ዋዕላ ፖሓኤ ዝተገልጸሉ ፈስቲቫል ብምጥቃስ ንኹሎም እቲ መደባት ዘዕወቱን ዝተሳተፉን ኣካላት ኣመስጊኑ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ቀጺሉ፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ኣጀንዳ መሰረት፡ ኣብ ዝቐረበሉ ዓመታዊ ጸብጻባት ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ በብሓደ ተመያይጡ። ኣብቲ ምይይጥ ኣብተን ኣብያተ-ጽሕፈት ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት ብደቂቕ ብምምዛን እቲ ኣውንታ ዝያዳ ዝዓብየሉ ሕጽረታት ድማ ዝእረምሉ ኣሰራርሓሃ ስኢሉ። ቀጺሉ ብኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንዝቐረበ ጸብጻባት ድማ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፈጻሚ ሽማግለ ብደረጃ ባይቶ ክረኣዩ ንዝተመሓላልፉ ሓድሓደ ፍሉያት ሰልፋዊ ጉዳያት ወጊኑ። ዝያዳ ዕምቆትን መጽናዕትን የድልዮም ዝበሎም ጉዳያት ንምጽፋፍ ከኣ ንፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ሂቡ። ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ፡ ንመጻኢ ሓደ ዓመት እትመርሕ ፈጻሚ ሽማግለ መሪጹ።
ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ከምቲ ልሙድ መደባት ሰዲህኤ ኮነ፡ ዕላማታት ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳትፈኦምን ተወፋይነቶምን ከሕይልዎ ጸዊዑ። ብዘይካዚ ነቲ ኤርትራውያን በብኩርናዑ ዘርእይዎ ዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ንኢዱ፡ ኩሎም በሃግቲ ሰላም ዲሞክራሲን ዕቤትን ኤርትራውያን ኣብ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኮነ ምዕዋት መደባት ሰዲህኤን ፖሓኤን እጃሞም ከበርክቱ ተማሕጺኑ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፈ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ካብ ስድራቤቱ ዝረኸበቶ ሓበሬታ ብምጥቃ ኣፍሊጣ።
ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ብ1945 ተወሊዱ፡ ብ1972 ድማ ላይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲኣስ ኣበባን ኣሜሪካን ምስ ፈጸመ፡ ብ1975 ናብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተሰለፈ ታሪኽ ህይወቱ ይምስክር። ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ብ2018 “ሃገራይ ኤርትራ” እትብል ክልተ ክፋላት ዘለዋ መጽሓፍ ጽሒፉ ንኢሳያስን ግጉይ ምምሕዳሩን ዘቃለዐ እዩ።
ኣብ ርእሲዚ ካብ ማእከል ኣስመራ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ዘርጊሑ። ኣብቲ መልእኽቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ጉጅለ ተቓሊሱ ለውጢ ንከምጽእ ብትሪ ጸዊዑ። ንኢሳያስ ከኣ ንኹሉቲ ዝወስዶ ኢደወነናዊ ስጉምትታትን ዘይተጸንዐ ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ኣቋሪጹ፡ ኣኼባ ናይቶም ብህይወት ዝነበሩ ኣባላት ባይቶ ከካይድን ካልእ ምትዕርራያት ክገብርን ብትሪ ኣተሓሳሲቡ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቲ ጉዳይ ጉዳይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ መንእሰይ ኤርትራ ከም ዝሰሃሎ ዘጠንቅቕ ብድምጹ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ዝፍለጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳያስ ትብዓትን ድልውነትን እንተልይዎ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ክካተዖ ቅሩብ ከም ዝነበረ እውን ጸዊዕዎ። መልሲ ኢሳያስ ግና ከምቲ ልሙድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ስለ ዝነበረ እነሆ ብርሃነ ኣብቲ ዝተዳጐኖ ዓሪፉ።
ኣብ ደንበ ተቓውሞና ክንድቲ ጽንዓትናን ተጻዋርነትናን፡ ጌና ዘየመሓደርናዮ ሕጽረታት ከም ዘለና ካብ ንእመነሉ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ጠንቂ ድኽመትና ኣብ ብውጋን ሕጽረታትና ገሊኡ በዓል ቤታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ወድዓዊ ተጽዕኖ ዝፈጥሮ እዩ። እቲ ዝያዳ ከተሓሳስበና ዝግበኦ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ወድዓዊ ጸገማትና ኣብ እዋኑ ክንብድህ ዘይምብቃዕና እዩ። “ክንዕወት ኢና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ኣይክነብርን እዩ፡ ብሓባር ክሰርሕ ምኽኣልናን ዘይምኽኣልናን ምስጢር ዓወትና እዩ” ብዝብሉን ዝኣመሰሉን ጸኒዕና ምቕጻልና ናይ ኣወንታናን ተስፋናን መርኣያ እዮም። ነዚ ኣወንታና ዝዕቅብን ባህግና እነተግብረሉ መሳርዕን ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ዝተደኮነ ኣካይዳን ክንውንን ዘይምኽኣልና ከኣ መርኣያ ድኽመትና ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ።
ጐሊሖም ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታትና፡ ጸላኢና ሓደ ንሱ ድማ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕላማናን ባህግናን እንተኾነ ተመሳሳሊ ካብኡ ሓሉፉ ድማ ኣዝዩ ዝቀራረብ ክነሱ፡ ክሳብ ሎሚ እናተረዳዳእናን እናተመላላእናን ብሓደ ክንስጉም ዘይምኽኣልና እዩ። እቲ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቐራሪብካ ዘቃልሰካ መድረኽ ምፍጣር፡ ናይ ግድን ብቓልሲ እተዕውቶ እምበር፡ ጓሲኻዮ እትሓልፈሉ ኣቋራጭ መንገዲ የብሉን። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብመንገዲ ቀዳማይ ዋዕላኡ ወሲድዎ ዘሎ ተበግሶ ምምስራት ጽላል ከኣ፡ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ፡ ዘለናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ናይ ግዜን ጉልበትን ዋጋ ዝተኸፍሎ ግደታ ምዃኑ ብምግንዛብ እዩ። እዚ ዘረድኦ ድማ እቲ ጉዕዞ ዘይልሙጽ፡ እቲ ትኸፍሎ ዋጋ ከኣ ብዙሓት ዕንቅፋታት በዲህካ ብምሕላፍ ዝረጋገጽ ምዃኑ እዩ። ጽልዋኡ ድማ ኣብቶም ዝመስረትዎ ኣካላት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝሰፍሐ ደምበ ተቓውሞና’ውን ነብሱ ዝኸኣለ ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕድር እዩ።
ቀዳማይ ይኹን ካለኣይ ምዕራፋት ቃልስና ብንኡሳን ምዕራፋት ዝተኸፋፈሉ ብምትኽኻእ ዝተቓነዩ እምበር ብሓደ ወለዶ ተጀሚሮም ብኣኡ ዝውድኡ ኣይኮኑን። ካብቶም ዝኣረገ ብረት ዓጢቖም ሰውራ ኤርትራ ዘበሰሩ ሓርበኛታት ምናልባት ናጽነት ኤርትራ ዝረኣ ኣይነበረን። ምናልባት ዝረኣዩ እንተነይሮም ከኣ ክልተ-ሰለስተ ጥራይ እዮም። እንተኾነ ሳሊቲ ብዝተራእየ ቀጻሊ ዋሕዚ ምውርራስ እቲ ሓደ ክሓልፍ እንከሎ እቲ ካልእ እናተከአ ተጓዒዙ እቲ ቃልሲ ተዓዊቱ ኤርትራ ከኣ ናጻ ሃገር ኮይና።
ምውርራስ ኣውራስን ወራስን ማዕረ ዝግደስሉን ብሓላፍነት ዝዓይሉን እምበር ንሓዲኦም ዝግደፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ኣውራሲ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ዋጋ ዝኸፈለሉ ቃልሱ ዘቐጽሎ ዋና ከይስእን፡ ተረኪቡ ኣብ ሽቶኡ ዘብጸሓሉ ወራሲ ክረክብ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ወራሲ ድማ ዘካይዶ ቃልሲ ንትማሊ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣብ ሎሚ ጥራይ ዝተንጠልተለ ሓደ ኢሉ ዝጅምር ጐናይ ጉዕዞ ካብ ምዃን ስለ ዘድሕኖ ዘውርሶ ይደሊ። መንእሰይ ዝወርስን ዘይወርስን ብድሌቱ’ኳ እንተኾነ፡ ትውልዳዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ግና ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ናይ ምቕጻል ጉዳይ እውን ኣብ ምልከት ሕቶ እዩ ዝወድቕ።
ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ሓደ ርሻን ንምህናጽ ኣብቲ ዝተደኰነ ጡብ ኣብ ልዕሊ ጡብ እናወሰኽካ ኣብ ዝብጻሕ እተብጸሖ፡ ቃልሲ እውን ነቲ ዝተረከብካዮ ተመኩሮ ከም ኣድላይነቱ እናወሰድካን እናመላእካን እዩ ኣብ ዓወት ዝብጻሕ። ኣብ ካልእ ከይከድካ ናብ ናጽነት ዘብጸሐ ቃልስና ነዚ እዩ ዘርእየና። ልዕሊ ኩሉ ግቡእ ኣቕልቦ ክረክብ ዝግበኦ፡ ዕዉት ምውርራስ ተቐራሪብካ እምበር ተመዓዳዲኻን ነናትካ ኩርባ ፈሊኻን ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ኣብ ባህልና’ኳ ዝራብዕ ምስ ተስታይ ኣብ ሓደ ኣርዑት ተጸሚዱ እዩ ዝጸሪ እምበር ተመዓዳዲኻ ብምርእኣይ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብዕድመ ዝደፍኡን ብተመኩሮ ዝበሰሉን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝነበሩ ሲቪልን ከም ኮማንዶስ ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮን እቲ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝስለፍ ዝነበረ ዕሸል መንእሰይን ክሳብ ክንደይ ተመኩሮ ይመጋገቡ ከም ዝነበሩ ምዝካሩ ጠቓሚ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሽዑ ዘይነበሩ፡ ሎሚ ዘለዉ ምዕባለታት ኣብ ግምት ክኣትዉ ከም ዝግበኦም ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመነ ምዕቡል ተክኖለጅስ ከኣ ምውርራስ እቲ ዝቐለለ እዩ።
እቲ ናይ ሎሚ ወራሲ መንእሰይ ከምቲ “እንቲ መርዓት ጽባሕ ትኾኒ ሓማት” ዝበሃል፡ ጽባሕ ኣውራሲ ከም ዝኸውን ከስተውዕል ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግና ዘዝተጀመረ ሰኣን ወራሲ ከይትወደአ እናሓለፈ እቲ ቃልሲ መጀመርታ እምበር መፈጸምታ ዘይብሉ እዩ ዝኸውን። ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበረ፡ ሎሚ ንህግደፍ ኣወጊድና ብዘተኣማምን፡ ቅዋማዊ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትክኡ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እውን፡ ብሓደ ወለዶ ተጀሚሩ ብእኡ ዝውዳእ ዘይኮነ፡ ብምርኽኻብን ምውርራስን ዝግለጽ ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ዕዉት ተረዳዲእካ ምምልላእን ምውርራስን ኣብ ሓደ መስርሕ ተጸሚድካ፡ ትማሊ ዘስርሕ ዝነበረ ሎሚ እውን ግዜ ዘይሓለፎ ተመኩሮ እናሕየልካ፡ በቲ ካልእ ድማ ግዜኡ ንዝሓለፎ ገሊፍካ ኣብ መዘክር ታሪኽ እናመዝገብካ ዝኽየድ እዩ። እዚ ዝያዳ ዘድምዕ ድማ ኣብ ሓደ ተወዲብካ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ተጸሚድካ እምበር ወውድብካ ሒዝካ ተመዓዳዲኻ “ያላኻየ” እናተበሃሃልካ ኣይኮነን። ንኣብነት “እቶም ነባራት ተቓወምቲ ውድባት ነቲ መንእሰይ ተመኩሮ ንክወርስ ኣይሓገዝዎን” ክበሃል ይስማዕ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ፈጺሙ ሓቅነት የብሉን ማለት’ኳ እንተዘይኮነ፡ “እቲ መንእሰይከ ንምውርራስ ብዘብቅዕዶ ምስተን ውድባት ተሰሊፉ?” ኢልካ ምሕታትን ምምላስን ከኣ መሰረታዊ እዩ። ዕዉት ምውርራስን ምምልላእን ብምክእኣልን ብምጽውዋርን እሞ ድማ ግቡእ ግዜ ወሲድካ እምበር፡ ብትምክሕትን ምንዓቓቕን ኣብ ሓጺር ግዜ ብሕዝ ግድፍ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ድማ “ንረዳድእ እሞ ንመላላእ” ኢልና እንጽውዕ ዘለና።
More...
ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ ወገን ብ15 ነሃሰ 2024 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ “ሓወልቲ ሰማእታት” መበል 14 ጉባአ ናይቲ ውድብ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝምራሕ ካብቶም ብህይወት ዘለዉ 45 ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ናይቲ ውድብ 24 ኣባላትን ከምኡ’ውን ኣባላት ማእከላይ ኮሚሽን ምቁጽጻር ናይቲ ውድብ ዝርከብዎ ወገን ኣብቲ ጉባአ ከምዘይሳተፍ ብምግላጽ፡ ነቲ ጉባእ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ዘመልክት መግለጺ ኣውጺኡ።
እቲ ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ዘሎ ኣካል መስርሕ ጉባአ ብምቕጻል፡ ድሮ እቶም ኣብቲ ጉባአ ዘይተሳተፉ ኣባላት መሪሕነት ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝወረዱ ብምጥቃስ፡ ብስም ህወሓት ናይ ምንቅስቓስ ሕጋውነት ከምዘይብሎም ከም ዝወሰነ ብናይቲ ጉባአ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ነቲ “መበል 14 ጉባአ ህወሓት ወሲንዎ” ዝተባህለ ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ውሳነ ብምቅዋም ብ18 ነሃሰ 2024 ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ፡ እቶም ካብቲ ጉባአ ዝበኾሩ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚሽን ምቁጽጻርን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተጸውዑ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቶ ጌታቸው ኣብዚ ኣኼባ ንተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ገሊጹ፡ ነቲ ብዶር ደብረጼን ዝምራሕ “ኣኼባ” ዝበሎ ጉባአ፡ ብዘይካቲ ብብሄራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ “ሕጋዊ ዘይኮነ” ዝተባህሎ፡ ብመንጽርቲ ከካይዶ ዝጸንሐ መስርሕ ምድላው እውን ሕጋዊ ኣይኮነን ኢልዎ። ብዘይካዚ እቲ ጉባአ ብዘይካ ዝተወሰኑ ኣባላት መሪሕነት ምውራድን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከፍርስ ምድላይን ካልእ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕላማ የብሉን ኢልዎ።
ናይ ክልቲኦም ወገናት ጭረሖ ከኣ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንምድሓን” እዩ ዝብል። እዚ በበይኖም ዘካይድዎ ዘለዉ መድረኻት ትሕዝቶ መልእኽቱ ብዘየገድስ፡ እቲ ውድብ ምክፍፋሉ ዘርኢ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ሚዛን እዩ። ኣብዚ እቲ ወጥሪ ዝገደሉ ዘሎ ኩነታት ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ፡ ምስ ዝኾነ ወገን ከምዘይውግን ይገልጽ ኣሎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ መጀመርያ መበል 14 ጉባአ ንከይካየድ ከጠንቅቕ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
Bahgna media 224: ደምዳሚ መግለጺ ዋዕላ ፖሓኤን ቃልሲ ብማዕዶ ከቢድ እዩ ዘርእስቲ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 18.08.2024
Written by Bahgna MediaMedia
ብኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ ኣድያም ተፈራ፡ ዝቐረበ መኽፈቲ ቃል
Written by ኣድያም ተፈራዝኸበርካ ኣቶ ገርዝግሄር ተወልደ ፦ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ
ዝክበርካ ኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ ፦ ምኽትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፥
ዝኽበርካ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ ፦ ሓላፊ ክፍሊ ዲፕሎማስን መጽናዕትን፥
ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት ተወክልቲ ዋዕላ
ዝኸበርኩም ኣባላት ሚድያ
ብስመይን ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ፖሓኤ እንቋዕ ብዳሓን መጽክን/መጽኩም ።
ኣብ'ዚ ክቡር ኣጋጣሚ ቀዳማይ ዋዕላ ፖሓኤ ክንከፍት ከሎና፡ ንባዕሉ ዓቢ ጸጋ ምዃኑ እናስመርኩ፡ ደጊመ እንቋዕ ናብ'ዚ መድረኽ በጻሕና እናበልኩ፡ ብስም ኣስናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ሰላምታይ አቕርብ።
ብ17 ለካቲት 2024 ላዕላዋይ ኣካል ፖሓኤን ኣስናዳት ሽማግለን ተራኺቦም፡ ኣብቲ ኣኼባ ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝቐረበ ቃል፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ፖሓኤ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተገሊጹ። ድሕሪኡ ናይ ሰለስቲኡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ምልላይ ተገሩን ናይ ስርሕ መምርሕታት ተዋህቡን። ቀጺሉ ብመሰረት ውሳነ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፡ ዝተዋህባ ሓላፍነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ብ24 የካቲት 2024 ቦዂሪ ኣኼባኣ ኣካይዳ።
ኣብዚ ኣኼባ ኣደ መንበር፣ ምክትል ኣደ መንበርን ዋና ጸሓፍን ተመሪጾም። ብ2 መጋቢት 2024 ንኣሰራርሓ ብዝጥዕም ንነብሳ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሽማግለታት ከፊላ። እተን ዝቖማ ንኡሳን ሽማግለታት ናይ ሰነዳት፡ ናይ ቀረብ/ሎጅስቲክን፣ ናይ ዜናን ተሳተፍቲ ኣባላት ዋዕላን እየን።
እዘን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ብዘይካቶም 9 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ካለኦት ኣባላት ወሲኻ ስረሓተን ጀሚረን። ነዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካብ ዝተዋህባ ዓበይቲ ዕማማት፡
- ንድፊ ሰነዳት ኣማዓራሪኻ ናብ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምይይጥ ምቕራብን ኣብ መወዳእታ እቲ ንድፊ ናብ ዋዕላ ከም ዝቐርብ ምግባር፡
- ንዋዕላ ዝምልከት ፋይናንስያዊ ቀረብ ምክታታልን፡ ዋዕላ ዝካየደሉ ቦታ ምጥጣሕን።
- ናይ ሓባር ስምምዕ ዋዕላ ብኣካልን ብዙም ክግበር ሰለ ዝኾነ መሳለጥያ ዝኸውን መሳርሒ ምቅራብን ካልእን ነይሩ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ፡ ንምዕዋት ብተወፋይነት ኣብ ዝተጓዕዘቶ መስርሕ ብዘይካቲ ቀጻሊ ዘይስሩዕ ርክባት፡ 9 ስሩዕን ህጹጽን ኣኼባታት ኣካይዳ። ኣብዚ ኣኼባታታ፡ ሓጸርቲ መደባት እንዳሰርዐትን፡ ኣተገባብረኦም እንዳገምገመት ክትሰርሕ ጸኒሓ። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መስርሕ ንዘጋጥማ ጸገማትን ሕጽረታትን፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ውሽጣ ባዕላ እንዳፈተሐት፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣገዳሲ ምውኽኻሳት እናገበረት እያ ስራሓታ ከተሰላስል ጸኒሓ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ጀርመን ብኣካል ንዝካየድ ዋዕላ ቦታ ምድላውን ከምኡ ድማ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፣ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኣውስትራልያን ሰሜን ኣመሪካን ብዙም ንምስታፍ ብዝገበረቶ ጻዕሪ በዚ ኩነታት ክንጋባእ በቒዕና ኣለና። ጠቕላላ ተወክልቲ ዋዕላ 60 ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ኣዳራሽ 31 ተሳተፍቲ ብኣካል ተርኺብና ኣለና፣ ብዙም 24 ይስተፋ/ ይሳተፉ ኣለዋ/ ኣለዉ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብዚ ዋዕላ ብመሰረት ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካልን ብርቱ ጻዕሪ፡ እቲ ዘድለ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ከም ዝተማለአ ከነበስር ንፈቱ።
ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ኣባላት ዋዕላ
ናይ ሓባር መቃልሲ ጽላል ምህላዉን ብሓድነት ምስራሕን እቲ ቀንዲ ብዘይብኡ እውን ምሉእን ዝተኣማምንን ናይ ሰረተ-እምነት ዲሞክራሲያዊ ባህሊ፥ ፍትሕን ሰላምን ክነንግስ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ። ሓባራዊ ማኣዲ ቃልሲ ናብ ሓደ ዕላማ ንምብጻሕ ዝውሕስ ምዃኑ፥ ኣብ ግምት ብምእታው ምስንዳእ ዋዕላ ፖሓኤ ዕውት ክኸውን ናይ ኩሉ ኣባሉን ናይ ህዝብናን ትጽቢት፡ ሃንቀውታን ድሌትን ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ላዕላዋይ ኣካል ፖሓኤን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላን ዝተኸተለቶ፡ ኩሉ ዝሕበነሉ ግሉጽነት ዘረጋገጸ፡ ናይ ክትዕ መድረኻት ዝኸፈተ፡ ላዕላዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ሰለስቲኡ ርእይቶታት ዝሃብሉን ዝተኻትዕሉ፡ ከም ኣድላይነቱ እውን ናይ ሓሳባት ምቅይያራት ዘረኣየን ምትሕብባራት ዘዕዘዘን መስርሕ ነይሩ። እቲ ክትዓትን ርእይቶታትን ንዲሞክራስያዊ ባህልን ናይ ሓባር ስራሕን ዘንጸባርቕ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ዕዉት ዋዕላ ንምክያድ ዘኽእል ቅድመ ተደላይነታት ዘማልእ ነይሩ ክንብል ንኽእል።
ኣብ መደምደምታ፥ መስርሕ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ከምቲ ዝድለ ንምዕዋት ብናይ ሰለስትዩ ኣካል መርሕነትን ሽማግለን ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብን ኣድላይ ነገራዊ ኣበርክቶ ብምቕራብን ዝተገብረልና ምትሕብባር ኣገዳሲ እዩ ነይሩ’ሞ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ መድረኽ እዚ ብስመይን ብስም መላእ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን የመስግኖም። ብሓፈሻ ንኹሎም ኣባላት ፖሓኤ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ንኡስ ሽማግለ ሰነዳት ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኣባላት ፖሓኤ እውን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣድናቖታ ትገልጽ።
ኣብ መንጎና ተረኺቦም ዘለዉ፣ ኣባላት ሚዲያ
- ኣቶ ኣለምስገድ ፣ ቅራጻይ ቢድዮ
- ዶ/ር መድሃንየ ካብ ኤሪሳት
- ኣቶ መሕመድ፣ ኣቶ ማጂደ ካብ መስከርም 61፣
- ኣቶ ዮናስ ካብ ኤሪፒኤም፣
- ኣቶ ሺሳይ ካብ ራዲዮ ኤረና፣
- ኣቶ ዓይነታ ካብ ሃገረይ ቲቪ፣
- ኣቶ የወሃንስ ካብ ስኒትና
- ኣቶ ኣማኒኤል ካብ ኣስና
ካብዚ መድረኽ ብዓቢ ክብርን ኣድናቆትን፡ ልባዊ ምስጋና ከመሓላልፈሎም እፈቱ።
ኣብ መወዳእታ ዋዕላ ዕዉትን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግረናን ንክኸውን ናይ ኩልና ሓላፍነታዊ ኣበርክቶ ከም ዝሓትት እንዳሓበረት፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንክዕወት ሰናይ ትምኒታ ትገልጽ።
ብሓድነት ንሓርነት!!!
ክብርን ሞጐስን ንስውኣትና!!!
6 ነሓሰ 2024
ቪስባደን