ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓላት ልደተን ጥምቀትን ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንኣመንቲ ክርስትና፡ እንቋዕ ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ። ሓድሽ ዓመት 2023ን ዓመተ ሰላም፡ ጥዕናን ዓወትን ክኸውን ትምኒቱ ይገልጽ።

በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓለፍናዮ መሪር ተመክሮ ይኣክል ዝብል፡ ንኹሉ’ቲ ኣወንታታት ድማ ዝዕቅብን ዘማዕብልን ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢና ተወሊዑ ንዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናት ዘብቅዕን፡ ንዝተፈለመ ናይ ሰላም መስርሕ ብዓወት ዝዛዝምን ክኸውን ምንዮትና ንገልጽ።

ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ንኹሉ’ቲ ከም ህዝቢ ዝወረደና ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።

ፍትሕን ሰላምን ይንገስ!

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

7 ጥሪ 2023

ኣብ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኪዳነ ዘካርያስ (ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ፖሊስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብ1 ጥሪ 2023 ኣብ ሱዳን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ካልእ ተዛመድቲ ገበናትን ይድለ ንዝነረ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ምስ ሓዉን ካለኦት ናይ ቀረባ ተሓባበርቱን፡ ምስ ፖሊስ ሱዳን ብምትሕብባር  ከም ዝኣሰርዎም ኣፍሊጡ። እቲ ማእሰርቲ ድሕሪ ናይ 9ተ ኣዋርሕ ናይ ኢማረትን ዓለምለኸ ምክትታል ፖሊስ (Interpol)ን ከም ዝተታሕዙ እቲ ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ’ሎ።

በቲ ዓለምለኸ ምክትታል ፖሊስ ዝሓበሮ መሰረት፡ ኪዳነ ዘካርያስ፡ ክድለ ዝጸነሓሉ ምኽንያት፡ .ኣብ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብዝብል ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኪዳነ ዘካርያስ፡ ብኢትዮጵያን ሆላንድን ናይ መውዳእታ፡ ናይ ምድላዩ መጠንቀቕታ ናብ ዓለም ለኸ ምክትታል ፖሊስ ቀሪብዎ ዝነበረ፡  ብምግዳድን ምስዋር ስደተኛታትን፡ ብተመሳሳሊ ክሳብ ብቅትለት ሰባትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን  ዝበጽሕ ከበድቲ ገበናት ዝድለ ዝነበረ ገበነኛ እዩ።

ኪዳነ ዘካርያስ ቅድሚ ኣብ ሱዳን ምትሓዙ፡ ንዓኡ ብዝምልከት ናይ ዝተመስረተ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሆላንድ፡ ኢማራት፡ ኤውሮጳን ከባብያዊ ናይ ስርሒት ኣካላትን ብኣባልነት ብዝተሳተፍዎን ብሓገዝ ጸጥታ ሱዳንን ብዛዕባ ንምትሓዙ ዝምልከት ገምጋም ተኻይዱ ምንባሩ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ናይ ኢማራት ጸጥታ ብዝገበሮ ምክትታል፡ ኪዳነ ምስ ቤተሰቡ ብዝነበሮ ናይ ርክብ መርበብን ዘካይዶ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብን ክቃላዕ ተኻኢሉ።

ኪዳነ ዘካርያስ ብ2020 ኣብ ኢትዮጵያ ካብቶም ዝበደሎም ሰባት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን ንዝተሓባበርዎ፡ ዝለዓለ ዓቐን ገንዘብ  ከፊሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ሒዘሞ ይኸዱ ካብዝነበሩ ሓለዋ ከም ዝሃደመን ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይህላወኡ ብለካቲት 2021 ንሕልፈት ከም ዝተፈርዶውን ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ። ርኢቶይ ኣብ ዜና፡ (may views on news)  ዝተባህለ ፖለቲካውን ጸጥታውን ከባቢና እናተኸታተል ዜናዊ ጸብጻብ ዘቕርብ፡ ናይ ዩቱብ መስመር ብወገኑ ኪዳነ ዘካርያስ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ቀረባ ዘመድን ምስ ትካል ንግዲ ኮርፐረሽ ቀይሕ ባሕሪ ምቅርራብ ከም ዝነበሮ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪብ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገ/እየሱስ ዳይረክተር ጥካል ጥዕና ዓለም

ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ፡ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን፡ ኣብ ትግራይ ቀረብ መግብን መድሃኒትን፡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን  ምምሕያሻት ይረአ ከም ዘሎ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ  ትግራይን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት  ይፍጽሞ ኣሎ ብዝበልዎ በደላት ስኽፍታ ከም ዝሓደሮምን ኣረዲኦም።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ጀነቫ ብዛዕባ ኣህጉራዊ ጥዕናዊ ጉዳያት ብ5 ጥሪ 2023 ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰብኣዊ ረዲአትን ከም ባንክን ቴለኮሚኒኬሽንን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ምምሕያሽ የርእዩ ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ጌና ተጠቃሚ ናይቲ ሰብኣዊ ረዲአት ዘይኮነ ከባብታት ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቶም ዳይረክተር ኣተሓሒዞም እቲ ቀንዲ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ብደሆ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ህላወን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዘውርዶ ዘሎ በደላትን እዩ  እውን  ኢሎም። ቀጺሎም ድማ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ንድሕሪት ንከይመልሶ፡ ሕብረተሰብ ዓለም  እቲ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ተጽዕኖኡ ከሕይል ጸዊዖም። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ዝወጸ ዝሕብራ መዲያታትኳ እንተለዋ፡ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ከኣ ብዛዕባ ህላወ እቲ ሰራዊት ኣብ ትግራይ እዮም ጸብጻባት ዘቕርቡ።

ኣዲስ ስታንዳርድ፡  ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብወገና ብ4 ጥሪ 2023  ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ከም ዝነበሩን፡ ኣብ ጐደና ቻይና ጥቓ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ካሕሱ፡ ክልተ ሰባት ከም ዝቐተሉን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝገለጹላ ኣስፊራ።

Thursday, 05 January 2023 19:53

Dimtsi Harnnet Kassel 05.01.2023

Written by
Tuesday, 03 January 2023 16:37

Joint Action for Joint Victory

Written by

 EPDP Editorial

Political programmes of the existing Eritrean pro-democracy and change forces reveal that they have more in common than what divides them. The topmost commonly held fundamental agendas that unite them include the following:

1. Identifying the ruling clique as their chief enemy; responsible

2. Preserving Eritrean sovereignty;

3. Removing the repressive regime;

4. Replacing the existing tyranny by a democratic constitutional system of governance that ensures the supremacy of the citizenry.

Upholding these objectives as they are, the political forces will have all the opportunity of raising their different viewpoints among the people while giving a final shape to the country’s constitutional structure.

The differences among Eritrean political formations can in no way prevent joint action against the repressive common enemy at home. The differences can be seen as choices for the people to consider in post-dictatorship setting. However, lack of proper handling and full understanding of the issues by their propagators could make them those differences look harmful and everlasting while they are not. Those of us who have been calling for joint work for joint victory do indeed appreciate that the seemingly big differences between organizations are not really big but easy to overcome. In the meantime, trying to put aside one’s differences and giving priority to the points of common understanding in order to launch joint work is not proving to be that easy, as seen in the case of the Eritrean opposition. We should not forget that putting it into action requires taking bold decisions and persistent determination to make joint work happen.

In other words, realizing our multiple proposals for joint work are facing hurdles  because joint action calls for bringing closer the perceived points of disagreement and creating in a responsible manner a central space that accommodates all stakeholders. The key factors that prevent us from realizing joint work are:

1. General lack of not setting one’s priorities;

2. Failure to have common understanding of the primary enemy;

3. Failure of understanding the roles and freedoms of organizations as separate entities as well as members of the coalition for joint work; and

4. Not giving priority to people and country over ones political formation.

Although difficult, it indeed is possible to resolve these differences and reach common understanding for joint action. But, we in the Eritrean opposition camp struggling for change in Eritrea, have not yet acquired the capabilities to take the right steps.

In the call for joint work, there should not be one who invites and another coming as an invited participant. No. It is important that all known stakeholders be part of the initiative and hold responsibilities from the get-go. The issue of unity or joint work cannot be simplified as ‘a trial and error’ matter. It is a strategy that requires high consideration and careful handling because it is the basic means that can clear the path for the aspired political change.

It was springing from this understanding and importance that the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) has been issuing proposals at its congresses and doing all what it can to promote the idea. For the EPDP, unity and joint action proposals for regime change and the establishment of democratic governance are much beyond the capabilities of one party or organization.

We fully understand that closing the gap and creating a platform for joint work between organizations with long simmering differences and mistrusts requires sufficient time in addition to effective and responsible capabilities. But it is absolutely unacceptable to see our forces for change losing time by hiding behind indefensible excuses  instead of facing the timely challenges head-on. Waiting for others to respond sometimes proves to be tiresome and frustrating, but there is no choice other than steadfastly trying to realize the right path for change.   

Understandably, success through joint work depends on the capabilities of the forces that come together for a joint work and the outcome is the sum total of their inputs.  If the individual members making up the coalition lack capabilities, their coming together will remain just nominal and incapable of doing the required work.

A framework for joint work should not be understood to mean end of the work by the forces capable in immensely contributing in the struggle. Prioritizing and organizing in a responsible way the specific contributions of the parties, movements and organizations forming the joint platform is very essential. Instead of promoting one issue at a time, it is possible to conduct multiple related tasks alongside each other.  For example, while working on how to remove the tyrant regime in Asmara, it is also important to work at the same time on how to guarantee state sovereignty, unity of the people, the tasks required in the transition period, and the modalities of popular participation in the various tasks.

The current developments in our region do put the PFDJ clique in corner and encourage the forces of change to do more. The unwarranted involvements of the repressive regime in regional matters, and particularly its interferences in Ethiopia, have further exposed its anti-people cruelties and excesses. 

In spite of all the efforts exerted so far, our opposition camp has gravely failed to respond to the question of unity and joint work. This failure demonstrates that we have been handling the issues in a wrong way. Our past shortcomings are deeply regrettable. However, it is now time to learn from past mistakes and do what is right. It will be sad if we do not learn from our past and mend our ways in the future. Therefore, our old motto of “Joint struggle for joint victory” is still alive and without other alternative.

ርእሰ-ዓቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ደማዊ ውግእ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣህጉራዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ጌና ኣብ መስርሕ ምቁራጹ ዘሎ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ናይዚ ውግእ ተጋጠምቲ ኣካላት ብግሁድ፡ በቲ ሓደ ገጽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሓይሊ ኣምሓራን ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኮይኖም ጸኒሖም። ብድሕሪ ነፍሲ ወከፎም ተሰሊፎም ዘዕጥቑን ዘስንቑን ሓይልታት ኣይነበሩን ማለት ግና ኣይኮነን። እዚ እቲ ወተሃደራዊ ኣሰላልፋኡ ኮይኑ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መዳያት እውን ክንጸባረቕ ጸኒሑ እዩ።

ውግእ ምስተጀመረ ገለ ወገናት ካብቶም ተዋጋእቲ ዝድግፍዎ ክስዕረሎም፡ ናይ ንዋትን ሞራልን ደገፍ እናሃቡ ናብ ሰዓራይን ተሰዓራይን እንዳደፍኡን ከጋድዱን ተራእዮም እዮም። ብኣንጻሩ ካለኦት ወግናት፡ መሪር ሳዕቤንን ዕንወትን ናይቲ ውግእ ተገንዚቦም፡ ውግእ ደው ኢሉ ክልቲኦም ወገናት ተዓወቲ ዝኾንሉ መፍትሒ ንክርከብ ዘኽእል ዘተ ሰላም ክካየድ ተጽዕኖ ክፈጥሩን ክምሕጸኑን ጸኒሖም። ምክፍፋል ኤርትራውያን ኣብ ኣረዳድኣን ኣፈታትሓን ናይዚ ውግእ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣካል ናይቲ “ውግእ ተቛሪጹ ሰላማዊ መዋጸኦ ክርከብ፡ ኩሉ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ ክሓውን ተሓተቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን” ክጽውዕ ምጽንሑ፡ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምጅማሩ  ብተደግጋሚ ብትካላቱ ከውጸኦም ዝጸንሐ መግለጽታት ህያው ምስክር እዮም።

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ንብዙሓት ዘደንጸወ፡ ብሚልዮን ዝግመት ህይወት ሰባት ዘጥፈአን ብቢልዮናት  ዶላር ዝግመት ክሳራን ዕንወትን ዘስዓበን ደማዊ ውግእ፡  ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ቅድም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደሓር ድማ ኣብ ኬንያ ውዕል ሰላም ተኸቲሙ። እቶም ከተምቲ ናብቲ ስምምዕ ንክበጽሑ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኣካላት ተጽዕኖን ምሕጽንታንኳ እንተነበረ፡ እቲ ቀንዲ ደራኺ ድፍኢት ግና ከምቲ “ንሰብሲ ልቡ እምበር ሰብ ኣይዓርቆን እዩ”  ዝበሃል፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ቅሩብነት እዩ። ድሕሪ ምኽታም እቲ ስምምዕ፡ “ስለምንታይ ሰላም ድሕሪቲ ኩሉ ህልቂትን ዕንወትን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኮይኑ ጸኒሑ። መልሱ ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ክጠቓለል እንከሎ“በቲ ዝወረደ ዕንወት ተጣዒስካን  ካብ ሕሉፍ ጌጋኻ ተመሂርካን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዕንወት  ዝቕጽል ንምኹላፉ ዝዓለመ’ዩ”  ዝብል ምዃኑ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ክህብዎ ካብ ዝጸንሑ መብርህታት ምርዳእ ይከኣል።

ሓንሳብ ዝሓዝካዮ መንገዲ፡ ናብ ደሓን ከም ዘይወስደካ ተረዲእካ፡ ካብ ተወሳኺ ክሳራ ንምድሓን፡ ዝሓሸ መንገዲ ምቕያስ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ከም ናይ ህግደፍ ዝኣመሰለ ገታር ኣተሓሳስባ  ግና ኣይክእሎን እዩ። ነዚ ለባም ኣገባብ ዝመርጽዎን ዝኽእልዎን፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ድሕነት ዘሻቕሎም ምምሕዳራት እዮም። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ፡ ንመስርሕ ሰላም ክቃወምዎ እንከለዉ፡ መተካእተኦም ውግእ ምቕጻል እዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ዕንወትን ህልቂትን ምንባር እዩ። እዚ ብትዕቢት ዝዓወረ ምርጫ፡ ኣብዚ ዞባና ብዓብይኡ ህግደፍ ዝልለየሉ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከኣ ናይዚ ሃፈጽታ ከይጸልዎም ክጥንቀቑ ይግበኦም።

ከምቲ “እቲ ሰይጣን ኣብቲ ዝርዝር’ዩ ዘሎ” ዝበሃል፡ “ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ክትግበር ድዩ ኣይትግበርን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም ጥርጠራ ዝተሓወሶ ስኽፍታ ነይሩ። ኣብ ሰላም ረብሓ ዘየብሎምን ኣብ ህውከት ተሓቢኦም ክነብሩ ዝደልዩን እቲ ውዕል  ክፈርስ ከንቱ ተስፋ ነይርዎም። ብግብሪ ግና ነቲ ናይ ብዙሓት ስግኣት ናብ ትብዓት ብዝቕይር ኣውንታዊ መስርሕ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ደማዊ ውግእ ከሕደሮ ዝኽእል ምቅሕሓር ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈትን ቅልጣፈን ተስፋ ዝህብ እዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዕ ዘሎ ጉጅለ፡ ናይዚ ውዕል ሰላም ቁጽሪ ሓደ ስግኣት ኮይኑ ምህላዉ በቲ ሓደ ወገን የገርም፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንዞባና’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ከምዘሎ የመልክት። ህግደፍ ኣብ ክንዲ በቲ ኣተኣታትዋኡ ናብ ውግእ ትግራይ ዝሓፍር፡ ኣብ ምውጻእ ምዕጥጣዩ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ክሳብ ክንደይ ደረቐኛ ዘራጊ ሰላም ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ። ምስዚ ኩሉ ከምቲ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ናይ 10 ታሕሳስ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ “ህግድፍ  ዝነበሮ ዕላማ ሰለ ዘየዕወተ በቲ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ዝምእዘዝ፡ ካልእ ኣብ ውግእ ከንብሮ ዝኽእል ኲነታት ካብ ምምሃዝ’ኳ ዘይዓርፍ እንተኾነ፡  ውዒሉ ሓዲሩ ግና ክወጽእ ክግደድ እዩ ።” ዝበሎ፡ ብፍቶት ዘይኮነ ብግዲ ክወጽእ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ደም ካብ ዘፋሰሰ ኣዝዩ በሊሕ ፍልልያት እዮም ናብዚ ስምምዕ በጺሖም። ናብ ምርድዳእ ዝበጽሑ ናይ ድሌታቶም ጫፋት ብምዕዋት ዘይኮነ፡ ብናይ ሕድገትን ምክእኣልን መርሆ መትከል “እንካን ሃባን” ብምትግባር እዮም። ዋላ’ኳ “ስለምንታይ ጫፋት ለቒቖም ብሕድገታት ኣብ ማእከላይ ፍታሕ በጺሖም?” ብዝብል ነቲ ስምምዕ ዘይተቐበሉ ሒደት ወገናት እንተ ተራእዩ፡ ነቶም ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡  ንዞባና እውን ኣብነታዊ ኣብ ዝኾነ መፍትሒ ዝተሰማምዑ ዝንእድዎም ዘለዉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ህግደፍ ግና ካብቶም ውሑዳት ኣብ ክንዲ ብስዕረቶም ዝእመኑ፡ መንገዲ ሰላም ንድሕሪት ክመልሱ ዝጽዕሩ ዘለዉ ቀዳማይ ዝስራዕ ኮይኑ’ሎ።

ኤርትራውያን ናብ ከምዚ ዓይነት ህግደፍ ዝሳተፎ ሓላፍነታዊ መስርሕ ሰላም ክንበጽሕ ኣይንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ህግደፍ፡ ድሌት ህዝቢ ዘቐድም፡ ሕድገት ዝገብር፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ዘተባብዕ ኣተሓሳስባ ዘየብቁል ምድረ-በዳ ስለዝኾነ። እቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ ግና ፍልልያትና ዘይመሰረታውን ዘይተዳመየን ኮይኑ፡ ንፍልልያትና ብምምሕዳርን ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብምትካልን ብናይ ሓባር ተበግሶ ክውገን ዝኽእል እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ፡ ካብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ተማሂርና፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ክድንጒ ዘይነበሮ መስርሕ ሓቢርካ ምስራሕ መዕለቢ ክንገብረሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መተካእታ ዘየብሉ መድረኻዊ ዕማም እዩ።  

ኣብ 2022 ኣብ ኣፍሪቃ 56 ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣስሩን ካብተን ቀዳሞት ብምእሳር ጋዜጠኛታት ዝፍለጣ  ሃገራት፣  ኤርትራን ግብጽን ብደረጃ ዓለም እውን ቅድሚት ከም ዝስራዓ፡ ኮሚተ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ 25 ታሕሳስ 2022  ብዝዘርግሖ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። በቲ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ መሰረት፡ ክልቲአን ሃገራት ብቕደም ሰዓብ  9ን 7ን ጋዜጠኛታት ኣሲረን።

ብደረጃ ዓለም ክረኣይ እንከሎ፡ ናይ 2022 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብዝለዓለ ወሲኹ ኣሎ። ብደረጃ ሃገራት ሳብ-ሳህራን፡ ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝበዝሑ ጋዜጠኛታት ዝተኣስርሉ ዞባ ኮይኑ፡ ብመሰረት’ቲ  ጸብጻብ  ዓለምለኸዊ  ትካል ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጥኛታት፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን፡ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ፡ ከም ገሃስቲ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን  ኣሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኮይነን ሰፊረን ኣለዋ።

እቲ ንናጽነት ፕረስ ዝጣበቕን ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕን ኣብ ከተማ ነውዮርክ ዝመደበሩ ትካል፡ ኣቐዲሙ ብ14 ታሕሳስ 2022 ኣብ  ዘውጸኦ ካልእ ጸብጻብ፡ በብኩርናዑ ዝተራእዩ ግርጭታት፡ ጭቆና ውሑዳትን ወጻዕቲ ምምሕዳራትን፡ ዓመተ-2022 ክሳብ ሕጂ ዘይተራእየ ብዝሒ 363 ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩላን  እቲ ብዝሒ  ካብቲ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ብ20 ሚእታዊት ክውስኽን ምኽንያት ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ኣብ መወዳእታ ከም ዘስፈሮ፡ ብዝሒ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ክውስኽ እንከሎ፡ ኤርትራ ከኣ ከምቲ ዝጸንሓቶ ብደረጃ ሃገራት ሳብ-ሰሃራ ኮነ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ እታ ንጋዜጣኛ ዝኸፈአት፡ ብደረጃ ዓለም 16 ጋዜጠኛታት ኣሲራ 9ይ ደረጃ ሒዛ፡ ዝኣሰረቶም ጋዜጥኛታት ካብ 17 ክሳብ 20 ዓመታት ንዝኣክል ግዜ ናብ ፍርዲ ዘየቕረበቶም፡ ምስ ቤተሰቦምን ጠበቓን ርክብ ዘየፍቀደትሎም ሃገር ኮይና ከም ዝቐጸለት፡ እቲ ዓለም ለኻላዊ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ምቅልዑ ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ ተመልኪቱ።