ካብ ውዕል ሰላም ኢትዮጵያ-ትግራይ እንታይ ንቐስም?

2023-01-03 10:37:04 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 993 times

ርእሰ-ዓቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ደማዊ ውግእ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣህጉራዊ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ጌና ኣብ መስርሕ ምቁራጹ ዘሎ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ። ናይዚ ውግእ ተጋጠምቲ ኣካላት ብግሁድ፡ በቲ ሓደ ገጽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉጅለ ህግደፍን ሓይሊ ኣምሓራን ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኮይኖም ጸኒሖም። ብድሕሪ ነፍሲ ወከፎም ተሰሊፎም ዘዕጥቑን ዘስንቑን ሓይልታት ኣይነበሩን ማለት ግና ኣይኮነን። እዚ እቲ ወተሃደራዊ ኣሰላልፋኡ ኮይኑ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መዳያት እውን ክንጸባረቕ ጸኒሑ እዩ።

ውግእ ምስተጀመረ ገለ ወገናት ካብቶም ተዋጋእቲ ዝድግፍዎ ክስዕረሎም፡ ናይ ንዋትን ሞራልን ደገፍ እናሃቡ ናብ ሰዓራይን ተሰዓራይን እንዳደፍኡን ከጋድዱን ተራእዮም እዮም። ብኣንጻሩ ካለኦት ወግናት፡ መሪር ሳዕቤንን ዕንወትን ናይቲ ውግእ ተገንዚቦም፡ ውግእ ደው ኢሉ ክልቲኦም ወገናት ተዓወቲ ዝኾንሉ መፍትሒ ንክርከብ ዘኽእል ዘተ ሰላም ክካየድ ተጽዕኖ ክፈጥሩን ክምሕጸኑን ጸኒሖም። ምክፍፋል ኤርትራውያን ኣብ ኣረዳድኣን ኣፈታትሓን ናይዚ ውግእ ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣካል ናይቲ “ውግእ ተቛሪጹ ሰላማዊ መዋጸኦ ክርከብ፡ ኩሉ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ብቕልጡፍ ክሓውን ተሓተቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡን” ክጽውዕ ምጽንሑ፡ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምጅማሩ  ብተደግጋሚ ብትካላቱ ከውጸኦም ዝጸንሐ መግለጽታት ህያው ምስክር እዮም።

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ንብዙሓት ዘደንጸወ፡ ብሚልዮን ዝግመት ህይወት ሰባት ዘጥፈአን ብቢልዮናት  ዶላር ዝግመት ክሳራን ዕንወትን ዘስዓበን ደማዊ ውግእ፡  ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ቅድም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደሓር ድማ ኣብ ኬንያ ውዕል ሰላም ተኸቲሙ። እቶም ከተምቲ ናብቲ ስምምዕ ንክበጽሑ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኣካላት ተጽዕኖን ምሕጽንታንኳ እንተነበረ፡ እቲ ቀንዲ ደራኺ ድፍኢት ግና ከምቲ “ንሰብሲ ልቡ እምበር ሰብ ኣይዓርቆን እዩ”  ዝበሃል፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ቅሩብነት እዩ። ድሕሪ ምኽታም እቲ ስምምዕ፡ “ስለምንታይ ሰላም ድሕሪቲ ኩሉ ህልቂትን ዕንወትን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ኮይኑ ጸኒሑ። መልሱ ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ክጠቓለል እንከሎ“በቲ ዝወረደ ዕንወት ተጣዒስካን  ካብ ሕሉፍ ጌጋኻ ተመሂርካን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዕንወት  ዝቕጽል ንምኹላፉ ዝዓለመ’ዩ”  ዝብል ምዃኑ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ክህብዎ ካብ ዝጸንሑ መብርህታት ምርዳእ ይከኣል።

ሓንሳብ ዝሓዝካዮ መንገዲ፡ ናብ ደሓን ከም ዘይወስደካ ተረዲእካ፡ ካብ ተወሳኺ ክሳራ ንምድሓን፡ ዝሓሸ መንገዲ ምቕያስ ቅኑዕ ኮይኑ፡ ከም ናይ ህግደፍ ዝኣመሰለ ገታር ኣተሓሳስባ  ግና ኣይክእሎን እዩ። ነዚ ለባም ኣገባብ ዝመርጽዎን ዝኽእልዎን፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ድሕነት ዘሻቕሎም ምምሕዳራት እዮም። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ፡ ንመስርሕ ሰላም ክቃወምዎ እንከለዉ፡ መተካእተኦም ውግእ ምቕጻል እዩ። ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ዕንወትን ህልቂትን ምንባር እዩ። እዚ ብትዕቢት ዝዓወረ ምርጫ፡ ኣብዚ ዞባና ብዓብይኡ ህግደፍ ዝልለየሉ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከኣ ናይዚ ሃፈጽታ ከይጸልዎም ክጥንቀቑ ይግበኦም።

ከምቲ “እቲ ሰይጣን ኣብቲ ዝርዝር’ዩ ዘሎ” ዝበሃል፡ “ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ክትግበር ድዩ ኣይትግበርን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም ጥርጠራ ዝተሓወሶ ስኽፍታ ነይሩ። ኣብ ሰላም ረብሓ ዘየብሎምን ኣብ ህውከት ተሓቢኦም ክነብሩ ዝደልዩን እቲ ውዕል  ክፈርስ ከንቱ ተስፋ ነይርዎም። ብግብሪ ግና ነቲ ናይ ብዙሓት ስግኣት ናብ ትብዓት ብዝቕይር ኣውንታዊ መስርሕ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ደማዊ ውግእ ከሕደሮ ዝኽእል ምቅሕሓር ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈትን ቅልጣፈን ተስፋ ዝህብ እዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዕ ዘሎ ጉጅለ፡ ናይዚ ውዕል ሰላም ቁጽሪ ሓደ ስግኣት ኮይኑ ምህላዉ በቲ ሓደ ወገን የገርም፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንዞባና’ውን ኣስጋኢ ኮይኑ ከምዘሎ የመልክት። ህግደፍ ኣብ ክንዲ በቲ ኣተኣታትዋኡ ናብ ውግእ ትግራይ ዝሓፍር፡ ኣብ ምውጻእ ምዕጥጣዩ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ ክሳብ ክንደይ ደረቐኛ ዘራጊ ሰላም ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ። ምስዚ ኩሉ ከምቲ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ናይ 10 ታሕሳስ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ “ህግድፍ  ዝነበሮ ዕላማ ሰለ ዘየዕወተ በቲ ስምምዕ ኣብ ክንዲ ዝምእዘዝ፡ ካልእ ኣብ ውግእ ከንብሮ ዝኽእል ኲነታት ካብ ምምሃዝ’ኳ ዘይዓርፍ እንተኾነ፡  ውዒሉ ሓዲሩ ግና ክወጽእ ክግደድ እዩ ።” ዝበሎ፡ ብፍቶት ዘይኮነ ብግዲ ክወጽእ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ደም ካብ ዘፋሰሰ ኣዝዩ በሊሕ ፍልልያት እዮም ናብዚ ስምምዕ በጺሖም። ናብ ምርድዳእ ዝበጽሑ ናይ ድሌታቶም ጫፋት ብምዕዋት ዘይኮነ፡ ብናይ ሕድገትን ምክእኣልን መርሆ መትከል “እንካን ሃባን” ብምትግባር እዮም። ዋላ’ኳ “ስለምንታይ ጫፋት ለቒቖም ብሕድገታት ኣብ ማእከላይ ፍታሕ በጺሖም?” ብዝብል ነቲ ስምምዕ ዘይተቐበሉ ሒደት ወገናት እንተ ተራእዩ፡ ነቶም ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡  ንዞባና እውን ኣብነታዊ ኣብ ዝኾነ መፍትሒ ዝተሰማምዑ ዝንእድዎም ዘለዉ ኣካላት ብዙሓት እዮም። ህግደፍ ግና ካብቶም ውሑዳት ኣብ ክንዲ ብስዕረቶም ዝእመኑ፡ መንገዲ ሰላም ንድሕሪት ክመልሱ ዝጽዕሩ ዘለዉ ቀዳማይ ዝስራዕ ኮይኑ’ሎ።

ኤርትራውያን ናብ ከምዚ ዓይነት ህግደፍ ዝሳተፎ ሓላፍነታዊ መስርሕ ሰላም ክንበጽሕ ኣይንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ህግደፍ፡ ድሌት ህዝቢ ዘቐድም፡ ሕድገት ዝገብር፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ዘተባብዕ ኣተሓሳስባ ዘየብቁል ምድረ-በዳ ስለዝኾነ። እቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ሓይልታት ለውጢ ግና ፍልልያትና ዘይመሰረታውን ዘይተዳመየን ኮይኑ፡ ንፍልልያትና ብምምሕዳርን ኣብቲ ዘሰማምዓካ ብምትካልን ብናይ ሓባር ተበግሶ ክውገን ዝኽእል እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ፡ ካብ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ተማሂርና፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ክድንጒ ዘይነበሮ መስርሕ ሓቢርካ ምስራሕ መዕለቢ ክንገብረሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መተካእታ ዘየብሉ መድረኻዊ ዕማም እዩ።  

Last modified on Tuesday, 03 January 2023 11:48