ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን
2023-01-07 10:42:43 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 1372 timesሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓላት ልደተን ጥምቀትን ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንኣመንቲ ክርስትና፡ እንቋዕ ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ። ሓድሽ ዓመት 2023ን ዓመተ ሰላም፡ ጥዕናን ዓወትን ክኸውን ትምኒቱ ይገልጽ።
በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓለፍናዮ መሪር ተመክሮ ይኣክል ዝብል፡ ንኹሉ’ቲ ኣወንታታት ድማ ዝዕቅብን ዘማዕብልን ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢና ተወሊዑ ንዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናት ዘብቅዕን፡ ንዝተፈለመ ናይ ሰላም መስርሕ ብዓወት ዝዛዝምን ክኸውን ምንዮትና ንገልጽ።
ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ንኹሉ’ቲ ከም ህዝቢ ዝወረደና ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።
ፍትሕን ሰላምን ይንገስ!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
7 ጥሪ 2023
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290