ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ንሓደ ካብ ምልክትላቱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝወከሎ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ውክልና ደብዳበ ነቲ ስጉምቲ ንክወስድ ደሪኹኒ ዝበሎ ምኽንያት  ኣስፊሩ’ሎ።

ኣብ ደብዳበኡ “ናብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ስለ ዝወጽእ፡ ኣብልዕሊ ናይቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ናይ ስራሕ መደብ ደሪብኩም ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ንክትሰርሑ ዝተወከልኩም ምዃንኩም ኣፍልጥ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።

ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝተዘርግሐ፡ ክታሙን ማሕተምን ዘስፈረ  ደብዳበ ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ  ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ዘርጊሕዎ።

ገለ ወገናት ነቲ ስጉምቲ ከምቲ ብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ክሳብ ዝምለስ ዝሰርሕ “ውክልና እዩ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ ብምስጢር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ናይ መወዳእታ ናይ ኣቶ ጌታቸው ካብ ሓላፍነት ምውራድ እዩ ይብልዎ ኣለዉ።

ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ውክልና ከኣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምርጫ ዝጸንሕ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ እቲ ውክልና ዘሕልፎ መልእኽቲ እናተባህለ ዝጥቀስ ዘሎ ድማ “ፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ካብቶም ክዋጠጡ ዝጸንሑ ክልተ  ኣካላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣውጺእካ ንመንጎኛ ጀነራል ንምሃብ ዝቐረበ መፍትሒ ንክኸውን፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ብምልዛብ ዝተበጽሐ ፍታሕ ምዃኑ’ውን ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ይወድቕ’ሎ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ተጋሩ ምሃዎም እውን ይግለጽ ኣሎ።

ሱዳናዊ ጋዜጠኛ ዓብደል ማጂድ ዓብደል ሓሚድ

ኣብ ሱዳን ደጋፊ ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምዃኑ ዝፍለጥ ጋዜጣኛ ዓደል መጂድ ዓብደል ሓሚድ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ከተማ ገዳርፍ ተኣሲሩ ናብታ ግዝያዊት ዋና ከተማ ሱዳን ኮይና ዘላ ፖርት ሱዳን ከም ዝተወስደ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣፍሊጠን። እዚ ጋዜጠኛ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ንማእከላይ ባንክ ሱዳን ዝወቅስ መልእኽቲ ስለ ዘመሓላለፈ ምዃኑ’ውን  ተሓቢሩ።

ዓብደል መጂድ ብኣካላት ናይ ሱዳን ቤት ጽሕፈት ፈደራል ምርመራ ጸረ ገበን ሳይበር ብዝብል ትካል ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ዘእሰሮ ክሲ ከኣ፡ ማእከላይ ባንክ ሱዳን፡ ገንዘብ ንምሕታም ነቲ ዝሓሰረ ናይ ኣሜሪካ ትካል ገዲፉ ምስ ዝያዳ ዋጋ ዘኽፍል ናይ ሩሲያ ኩባንያ ምስምምዑ ብምንቃፉ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።

እዚ ማእሰርቲ ዓብደል ሓሚድ ናይ መጀመርያ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ እውን ንርክብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ምክትል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዳይረክተር ስለያ ሱዳንን ብዝምልከት ኣብ ፈይስቡክ ገጻቱ ስለ ዘውጸአ ኣብ ገዳርፍ ብተመሳሳሊ ኩነታት ተኣሲሩ ምንባሩ ምንጭታት ከም ዝሓበርዋ መርበብ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።

እዚ በቲ ማእከላይ ባንክ ናይ ገበን ክሲ ዝተመስረቶን ኣብቲ ዝካየደ ዘሎ ውግእ  ሱዳን ኣንጻርቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ወጊኑ፡ ምስቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ኣካል ሰራዊት ሱዳን ዝወገነ ጋዜጠኛ ዓብደል መጂድ፡ ቅድሚ ናብ ፖርት ሱዳን ምትሕልላፉ ብዋሕ ንክፍታሕ፡ ብዓበይቲ ዓድን ፍሉጣት ባእታታት ኣብ ገዳርፍ ብዋሕ ክፍታሕ ጻዕሪ ከም ዝተገብረን ብዓቃብ ሕጊ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ድማ ተሓቢሩ።

ካብ ኤ ኤፍ ፒ/AFP/ ዝተወስደ ስእሊ

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቛረጸ ውግእ ትግራይ፡ ናይ ቀጻሊ ውግእ ፈልሲ ዝተክል ዘሎ ስለ ዝመስል ከም ዘስግእ ሰፊሕ ዝርጋሐን ተነባብነትን ዘለዎ ጋዜጣ “ዘኢኮነሚስት/the economist/፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ27 ጥቅምቲ 2024 ብዘውጸኣቶ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣጠንቂቓ።

እታ ጋዜጣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ወተሃደር ብናይ ዓውዲ ውግእ መነጸር፡ ኣብ ሓደ ጎቦ ተሰሪዖም ዝረኣዩ ሰባት ከም ዝተዓዘበን ንሳቶም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምዃኖምን ምርግጋጹን ትጠቅስ። እቲ ጎቦ ኣብ መሬት ናይታ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓውሲ ናጻ ምምሕዳር ናይ ዘላ ክልል ትግራይ ምዃኑ እውን ይውስኽ።

ጋዜጣ ዘኢኮኖሚስት ኣተሓሒዛ ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል ቦታ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ኣትዩ ኣብ መሬት ትግራይ ሰፊሩ ኣሎ እውን ኢላ። ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ለይቲ እቲ ሰራዊት ሰለይቲ ልኢኹ ዝያዳ ርሕቀት ብምእታው ሲቪል ሰባት እናኣሰረ ከም ዝወስድ ኣስፊራ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነባር ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብዚ እዋንዚ ምክትል ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ “ንሳቶም ውግእ ክኸፍቱ ኣይንፈቕደሎም ንሕና እውን ናብ ውግእ ኣይንኣቱን” ከም ዝበለ እቲ ካብ ዘኢኮነሚስት ዝተረኽበ ዜና ኣስፊሩ።

ዘኢኮነሚስት ነቲ ኩነታት ምስቲ፡ “ካልእ ውግእ ኣፍሪቃ ይመጽእ ኣሎ”  ዝብል ኣርእስቲ ርእሰ-ዓንቀጻ ንምትእስሳር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም፡ ብዛዕባ ልዕሊ 35 ካብኡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ 110 ወተውሃደራዊ ጐንጽታት እናተኸታተለት ሓበሬታ  እትዝርግሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩነታት ናብ ሃገርና እውን ዘንጸላሉ ዘሎ ምዃኑ ኣስተውዒሉን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ውግኣት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተራእየ ተማሂሩ ኣብ ዳግማይ ህልቂት ህይወትን ዕንወት ንብረትን ንዘይምእታው “ዓገብ” ክብል ኣብ ዝግደደሉ ኩነታት ከም ዘሎ ክዝክር ይግበኦ።

Untitled 3ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ ብ26ን 27ን ጥቅምቲ 2024 ምስ መሰረታት ሰልፊ ርክብ ኣካይዱ። ናይዚ  ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ካብ ኩሉ ኩርነዓት፡ ኣብቲ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ብምኽንያት ናይ ሰዓታት ፍልልላይ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ምስ ዝርከቡ  ዘካየዶ ርክብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ምዕባለታት ሓበሬታ ምሃብን ርኢቶ ተሳተፍቲ ምስማዕን ከምኡ ድማ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ  ዝግበኦም ስረሓት ምእማትን  እዩ።

ኣቦመንበር ገረዝጊሄር ኣብቲ ሓበሬታኡ ብዛዕብ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ  ክካየድ ዝጸንሐ ስረሓት፡ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዜናዊ ልሳናት ዝካየዱ ንጥፈታን ምስ ካለኦት መድያታት ብዛዕባ ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባትን ጠቒሱ። ንመጻኢ እውን ቤት ጽሕፈታት ፈጻሚ ሽማገለ መደባተን ተሊመን ተበጊሰን ከም ዘለዋ ብዝርዝር ኣብሪሁ። 

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብዛዕባ ዘካየዶ ቀዳማይ ዋዕላን ናይ ሓባር ፈስቲቫልን ከኣ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ድሕሪቲ ቀዳማይ ዋዕላ ምስላጡ ነብሱ ወዲቡን መደባቱ ሓንጺጹን ኣብ ስራሕ ኣትዩ ከም ዘሎ ከምኡ እውን ምስ ካላኦት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት ንምቕጻል ድልዊ ምህላዉን ኣገንዚቡ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝካየድ ዘሎ ህዱእን ውዱብን መስርሕ ቃልሲ ተስፋ ከም ዝህብ ከኣ ጠቒሱ።

 ኣብ ኤርትራ ብዘይካቲ ጭቆና ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቀያየረ ይቕጽል ምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ከም ልማዱ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባታት  ንምህዳም ናብ ደገደገ የመዓዱ ምህላዉን ሓድሽ ነገር ከምዘየለን ኣረዲኡ።  ጉጅለ ህግደፍ፡ ክሳብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ኣካይዳ ክኽተል ጸኒሑ ክነሱ፡ ሎሚ’ውን ኣብ ስልጣን ይቕጽል ምህላዉ ከም ዘተሓሳስብን ህዝቢ ኤርትራ ሕሳቡ ክገብር ጸዊዑን።

ኣተሓሒዙ ከኣ ብሓፈሻ ኣብ ዓለምና ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን ይረአ ብዛዕባ ዘሎ ንኤርትራ እውን ክጸልው ዝኽእል፡ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ምቅይያራትን ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣብዚ መብርሂኡ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ውዑይ ዘሎ ኩነታት ሩስያን ዩኩረይንን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዘስግእ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።

ኣብ ቀረባና ብደረጃ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕልላኻትን ቅልውላውን ከመይ ይምዕብል ከምዘሎ፡ ዝጠቐሰ ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብዛዕባቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝመስረተኦ ኪዳን (AXIS)ን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብዝምልኸጥ ኣገንዚቡ። ብወገን ኢትዮጵያውያን በብግዜኡ ብምስምስ ኣፍደገ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ዝቐርብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ተርእዮታት ብምጥቃስ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብዚ ንክልቲኡ ህዝብታት ዘየርብሕ ተግባር  ክእደቡ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብቲ ዝቐረበ መግለጺ፡ ዝያዳ ክበርሃሎ ብዛዕባ ዝደልይዎም ነጥብታት ዝምልከቱ ብዙሓት ሕቶታት ኣቕሪቦም። ብኣቦመንበርን ካለኦት ኣባላት መሪሕነትን ከኣ ኣብቲ ዝቐረበ ሕቶታት ሰፊሕ መብርህታት ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ መሪሕነት ኣብ ምድልዳል ሰልፋዊ ዓቕምታትን ምሕያል ናይቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ሓይልታት ለውጥን ዘድሃቡ ለበዋታት ኣቕሪቦም፡ ብመሪሕነት ዝወጹ መደባት ኣብ ምዕዋት ድማ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ከምዚ ዝኣመሰለ መላእ ኣባላት ዝሳተፍዎ ሰፋሕቲ ኣኼባታት ቀጸልነት ንክህልዎም ከኣ ተብላዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ህጻናት ስደተኛታት (ስእሊ ኮሚሽን ስደተኛታት ኢትዮጵያ)

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፡  ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ 576 ሺሕ ህጻናት እቶም ዝተመዝገቡ 12% ጥራይ ምዃኖምን እንተዘይተመዝጊቦም ከኣ መሰሎም ክሕለወሎም ኣጸጋሚ ከም ዝኸውንን ሓቢሩ።

እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጸኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ህጻናት ክሳብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ብዘይምምዝጋቦም፡ ኣድላይ ሓለዋ ክግበረሎምን  ዝግበኦም መስል ስደተኛ ክረኽቡን  ከምዘይክኣሉ ብምጥቃስ፡ ናይ ዘይምምዝጋቦም ጠንቂ ናይቲ ትካል ዓቕሚ ድሩትነትን ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገምን ከም ዝኾነ እውን ኣስፊሩ።

እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ኣብ 2017ን 2019ን እኳ ብዛዕባ ኣመዘጋግባ ስደተኛታት ዘውጸኣቶ ኣዋጃት እንተሎ፡ ኣተገባብራኡ ግና ብፍላይ ኣብ ክልላት ቤንሻንጉልን ዓፋር ኣብ ዘለዉ መደበር ስደተኛታት ድሩት ምዃኑ ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝበሃል፡ መንግስታዊ ኣካሉ ኣቢሉ፡ ስደተኛታት ኣብ ዝርዝር ሃገራዊ መንነት ክሕወሱ መደብ ከም ዝሰርዐ ኣፍሊጡ። እዚ መደብ ካብ ተደጋጋሚ ምምዝጋብ ንምድሓን ተባሂሉ ዝተተለመ ድማ ሓቢሩ።

 

ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ስደተኛታት ኣዕቊባ ከም ዘለ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተተቕሰ ኮይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 60, 688 ብሰንክቲ ኣብ 2023 ዝጀመረ ውግእ ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ሓደስቲ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ 4.4 ሚልዮን ዝኾኑ ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ  ከም ዘለዉዋ እውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብሲቪል ኣቬሽን ኣቢሉ፡  መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሚልዮን ዶላር ሚልዮን ዶላር (ልዕሊ 61 ሚልዮን ናቕፋ) ንክኸፍሎ ከም ዝኸሰሰ ብሚድያታት ይሕበር ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ካብ ኤርትራዊ መዘናኡ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ዶላር (280 ሚልዮን ብር) ክትክፈሎ ምሕታቱ ተፈሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ንክኽፈሎ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝኸስስ ዘሎ፡ ክፍሊት ነፈርቲ  ኢትዮጵያ ብናይ ኤርትራ ክልል ኣየር ዝተጠቕመኦ፡ ካሕሳ ዝጠፈአ 9650 ኪሎ ግራም ዝኽብደቱ 450 ባልጃታት ገያሾ፡ እቲ መንግዲ ኣየር ብምኽንያት መርመራ ኮቪድ ንገያሾ ኤርትራውያን ዘኽፈሎን ብዘይርትዓዊ ዋጋ ቲኬት ካብ ኤርትራውያን ገያሾ ዝተወስደን ዘጠቓልል ክይኑ፡ ናይ ቅድሚ 25 ዓመታት ዘይተወራረደ  ሕሳብ 570 ሺሕ ዶላር ዝርከቦ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣቐዲሙ ካብ ወርሒ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ ስራሕ ካብ ዝጅምር፡  ኣብ ባንኪ ንግዲ ኤርትራ ዝዓቀቦ ዶላርን ናቕፋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከመሓላልፎ ኮነ ኣብ ኣስመራ ንመንቀሳቐሲ ስራሕን መኽፈሊ ደሞዝ ሰራሕተናታትን ንክትቀመሉ ከምዘይከኣለን በቲ ባንኪ “ተወሪሱ” ዝብል መልሲ ከም ዝተዋህቦን ናብ ኤርትራ ዝገበሮ ዝነበረ በረራ ከቋርጽ ምኽንያት ከም ዝኾኖን ብምጥቃ ገንዘቡ ንምምላስ ሕጋዊ መንግገዲ ከም ዝጥቀም ክገልጽ ጸኒሑ  እዩ።

ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ወገናት መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናይ 3.5 ሚልዮን ዶላር ክሲ ዝምስርት ዘሎ፡ ነቲ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወረሶ ገንዘብ ኣከሓሒሱ ንዘይምኽፋል ዝመሃዞ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

እዚ ኣብዘን መንገዲ ኣየራት ዝረአ ዘሎ ምውጣት፡ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ዝምዕብል ዘሎ ፍልልይ ምብላሑ ዘርኢ ምዃኑ ይእመን። ኣብ ርእሲቲ በረራታት ነፈርቲ ምቁራጹ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት’ውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ ርክብ ተለፎን  ምቁራጹን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ምጽራይ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ምስ ኢትዮጵያዊት መዘናኣ ኣብ ደቡ ሱዳን ከተማ ጁባ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ግጥም ብቁራጽ ካብቲ ውድድር ምስሓባ’ውን ብመንጽርዚ ዝርአ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

Saturday, 26 October 2024 18:51

Dimtsi Harnnet Sweden 26.10.2024

Written by
Friday, 25 October 2024 14:08

Dimtsi Harnnet Kassel 24.10.2024

Written by

ብሄራዊ ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያ፡ (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ስእሊ)

ኣብቲ 11 ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ዝሳተፋሉ፡ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምጽራይ ንሻምፒዮና ኣፍሪቃ ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ክጋጠማ ብዕጫ ስለ ዝበጽሐን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ስታዲዩም ጁባ ክጋጠማ ከም ዝተወሰነ ደቡብ ሱዳን ኣድላይ ምድላው ትገብር ከምዘላን ናይታ ሃገር ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሊጡ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት፡ እዘን ጋንታታት ካብቲ ንቡር ወጻኢ ኣብ 3ይቲ ሃገር ዝጋጠማ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ብዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምትእምማን እዩ።

እቲ ዜና፡ ኤርትራ ሎሚ ትሳተፍ ዘላ ንሓያሎ ዓመታት ነብሳ ከተግልል ምስ ጸንሐት ምዃና ጠቒሱ፡ ካብ  ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰዓረት ምስ ካብ ሱዳንን ብሩንድን ዝሰዓረት  ክትጋጠም እያ። ኤርትራ ክትበኩር ዝጸንሓትሉ ምኽንያት “ተጻወቲ ምስ ወጹ ኣይምለሱን እዮም” ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ዝዝከር እዩ።

ናይዘን ጋንታታት ናይ ምጽራይ ግጥማት ቀዳማይ ዙር ብሓፈሻ፡ ካብ 25 ክሳብ 27 ጥቅምቲ 2024 ዝካየድ ኮይኑ፡ እቲ 2ይ ዙር ከኣ ካብ 1 ክሳብ 3 ሕዳር 2024 ዝሳለጥ ክኸውን እዩ። ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና ብፍሉይ ኩነታት 31 ጥቅምትን 3 ሕዳርን 2024 ክካየድ እዩ።  ናይተን ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝሰዓራ ጋንታታት 2ይ ዙር ቀዳማይ ግጥማት ድማ ካብ 20 ክሳብ 22 ታሕሳስ ምስተኻየደ፡ ካለኣይ ግጥማት ከኣ ኣብ 25 ክሳብ 27 ታሕሳስ 2024 ክሳለጥ እዩ። እቲ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ መጠቓለሊ መጻረይ ግጥም ድማ ካብ 1 ክሳብ 28 ለካቲት 2025 ከም ዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ካብ 2009 ዝጀመረ ናይ ኣፍሪቃ ሻምፒዮና፡ ኣብቲ ናይ 2025 ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ 4፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ እተን ካለኦት 4 ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰሰለስተ ጋንታታት ከቕርባ እየን። ክሳብ ሎሚ ኡጋንዳን ርዋንዳን ብቕደም ሰዓብ  6ን 4ን ግዜ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ  ሻምፒዮን ዝኾና እየን።

ደቡብ ሱዳን እምነት ተነቢሩላ፡ ንግጥም ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተዳሉ ምብቀዓ ኣብ መጻኢ ምስ ክልቲአን ሃጋራት ኣብ ዝህልዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ፖለቲከኛታት ግምቶም ይህቡ ኣለዉ።

Page 63 of 638