ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንሓደ ካብ ምክትላቱ ውክልና ሂቡ
2024-10-30 11:51:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 216 timesፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ፡ ንሓደ ካብ ምልክትላቱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ከም ዝወከሎ ብ29 ጥቅምቲ 2024 ብዝጸሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ዝጸሓፎ ናይ ውክልና ደብዳበ ነቲ ስጉምቲ ንክወስድ ደሪኹኒ ዝበሎ ምኽንያት ኣስፊሩ’ሎ።
ኣብ ደብዳበኡ “ናብ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ስለ ዝወጽእ፡ ኣብልዕሊ ናይቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ናይ ስራሕ መደብ ደሪብኩም ናይ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ ንክትሰርሑ ዝተወከልኩም ምዃንኩም ኣፍልጥ” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ።
ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ መድያታት ዝተዘርግሐ፡ ክታሙን ማሕተምን ዘስፈረ ደብዳበ ቅዳሕ ናብ ዝተፈላለያ ኣካላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ዘርጊሕዎ።
ገለ ወገናት ነቲ ስጉምቲ ከምቲ ብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ክሳብ ዝምለስ ዝሰርሕ “ውክልና እዩ” ክብልዎ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ከኣ ብምስጢር ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉ ናይ መወዳእታ ናይ ኣቶ ጌታቸው ካብ ሓላፍነት ምውራድ እዩ ይብልዎ ኣለዉ።
ነቲ ናይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዝያዊ ውክልና ከኣ፡ ክሳብ ቀጻሊ ምርጫ ዝጸንሕ እዩ ዝብልዎ ኣለዉ። እቲ ካልእ እቲ ውክልና ዘሕልፎ መልእኽቲ እናተባህለ ዝጥቀስ ዘሎ ድማ “ፕረሲደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ” ካብቶም ክዋጠጡ ዝጸንሑ ክልተ ኣካላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣውጺእካ ንመንጎኛ ጀነራል ንምሃብ ዝቐረበ መፍትሒ ንክኸውን፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖለቲከኛታትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ትግራይ ብምልዛብ ዝተበጽሐ ፍታሕ ምዃኑ’ውን ይገልጹ ኣለዉ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ “ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ይወድቕ’ሎ” ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ተጋሩ ምሃዎም እውን ይግለጽ ኣሎ።