ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ድሕሪ ምስታፎም፡ ዕረፍቲ ተዋሂብዎም ኣብቲ ዝተባህልዎ ግዜ ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልሱ ብዝብል ምስምስ ወተሃደራት 6 ኣዋርሕ ንክእሰሩ ከም ዝወሰነ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።
መብዛሕቶም ‘ቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ሰራዊት፣ ናብ ኣሃዱታቶም ብዘይምምላሶም “‘ካብ ክድዓት ዘይፍለ’ዩ’” ዝብል ክሲን ጸለመን ከምዝቐረቦም እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ከም ሓቂ ግና መብዛእቶም ካብቶም ግዳያት ብዘይኣላዩ ሓዲጎሞም ናብ ውግእ ትግራይ ዝኸዱ ቤተሰብን ንብረትን ንምእላይ፣ ከምኡ እውን ሕርሻን ጥሪትን ንምክትታልን ዝተገደዱ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ውግእ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብግፋን ካልእ ናይ ምግዳድ ኣገባብን፣ ኣዝዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን ኣረጋውያን ከይተረፉ ተገዲዶም ከም ዝተወስዱ ዝዝከር እዩ። ኣጋጣሚ ረኺቦም ናብ ውግእ ዘይከተቱ ከኣ ኣባይቶም ይዕጾን ንብረቶም ይውረስን ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ውዕል ሰላም ኣብ ደቡ ኣብፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምኽታሙ፡ ብዙሓት ደቆም ናብ ትግራይ ምስ ከዱ ደሃይ ዘይገበርሎም ኤርትራውያን ስድራቤታት መርድእ ክሰምዑ ብስግኣት ይጽበዩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተዛመደ ኣብ ክልል ትግራይ መርድእ ስዉኣት ብወግዒ ከም ዝተነግረን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ምጽንናዕ ተግባር ከም ዝተኻየደን ዝፍለጥ እዩ።
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ክሳብ ክንደይ ኣዝዩ ዝኸፈአ ኮይንኑ ከምዘሎ ምምርማር ዘድልዮ ኣይኮነን። እቲ ምረት “ኣብዚ ይሓሽ” ዘይበሃሎ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዝረአ ምዃኑ ከኣ ዝያዳ ዘገርም ይገብሮ። ኣብ ትሕቲ ካለኦት ዲክታተራት ካብ ዝርአ ህይወት ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ ንሱ እዩ። እዚ ሕሱም መነባብሮ ብዘይካ ኣብ ውሱናት መሳርሒ ኢሳያስ ክኾኑ ዝመረጹ ኣካላት፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይኣፈላላይ ዝረአ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ዋና ሃገሩ ንክኸውን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ እዚ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት ንዓኡ ዘይምጥን ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ኣንጻርቲ ናይቲ ሕሰም ጠንቂ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ይርከብ ኣሎ።
ናይዚ ዝተጠቕሰ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ጠንቅን ዕምቆትን ዝርዝራዊ ኮይኑ፡ እቲ እንኮ ዝሕተተሉ ጉጅለ ኢሳያስ እዩ። “ህግደፍዩ ተሓታቲ” ክበሃል እንከሎ ካብ ጽልእን ምጽብጻብ ዝሓለፈ ፍልልይን ዝነቅል ዘይኮነ ካብ ህልዊ ጸረ ህዝቢ ተግባሩ ዝነቅል እዩ። ፖለቲካዊ ጥልመት፡ ቁጠባዊ ድኽነት፡ ግህሰት መሰላት፡ ጸጥታዊ ስግኣት ብኩራት ፍትሒ፡ ……ወዘተ ኩሎም ነናቶም ዝርዝራዊ ኣፈጻጽማን ሳዕቤንን ዘለዎም ናይቲ ሕሰም መርኣያታት እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ድማ እቲ ሕሱም ምምሕዳር ህግደፍ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ምምስቓል ሓሊፉ፡ ንህልውና ኤርትራ ከም ሉኡላዊት ሃገር፡ ኣብ ሓደጋ ከየውድቃ እውን እዋናዊ መደረታት ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ መረጋገጺ እዩ።
ህግደፍ “ናይቲ በደላት ተሓታቲ ኣነ እየ” ኢሉ ክእመንኳ ባህርያቱ እንተዘይፈቐደሉ፡ እቲ ጸገማት ብሰፊሑ ከምዘሎ ግና ዝኽሕዶ ኣይኮነን። እኳዳ ብኣብነታት ኣሰንዩ እዩ ደጋጊሙ ዝዝርዝሮ። ብህዝቢ ዝቐርብ ኩለ-መዳያዊ ሕቶታት ተሓቲቱ ክምልስ ዝግበኦ ክነሱ ፡ ተመሊሱ ሓታታይ ኮይኑ ዝቑዝመሉ መድረኻት እውን ብዙሕ እዩ።
ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንምድዕዓስ ካብ ዝጥቀመሎም መዳህለሊ ስልትታት “ካብዚ ናትካ ዝኸፈአ መነባብሮ ዘለዎም ህዝብታት ስለዘለዉ ኣማሪርካ ኣይትሕተተኒ” ዝብል እዩ። ዘይውዳእ ናይ “ኣብ መጻኢና ክንዕረይ ኢና” መብጸዓታት እውን ይውሰኾሉ እዩ። ገበናቱ ሓቢኡ ንሓንሳብ ንኣሜሪካ፡ ንሓንሳብ ንሃገራት ኤውሮጳን ከምኡ’ውን ንትግራይ ተሓተቲ ጌርካ ምቕራብ ድማ ካብቲ መህደምታቱ እዩ። ብዘለዎ ጸላእቲ ናይ ምርባሕ ተመኩሮ ኣብ መጻኢ ድማ ንኢትዮጵያ ወይ ንሱዳንን ተሓተቲ ጌሩ ዘየቕርበሉ ምኽንያት የለን። ብዛዕባቶም ንልኡላውነቶም ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ዘይከፈሉ ክንሶም፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓሸ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ዝነብሩ ህዝብታት ዛንታ ክለዓል ኣይደልን እዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ንምውናን ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ምክያድ ምርጫን ናጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ናይ ዲሞክራሲ መግለጺ ኣይኮኑን ኢሉ ክሰብኽ ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን።
ምናልባት ናይ ጽቡቕ ይኹን ናይ ሕማቕ መወዳእታ ጫፍ ስለ ዘየለ፡ ካብዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሮ ዘሎ ህይወት ዝኸፈአ መነባብሮ ዘሕልፉ ህዝብታት ይህልዉ። ዝሓለፈን ዝቕጽል ዘሎን ተመኩሮ ህዝቢ ሱርያ፡ ሊቢያ፡ የመን፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምጥቃስ ይከኣል። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ተኹሲ-ኣልቦ ናይ ህልውና ስግኣት ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። እምበርከ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብስእነት ዝስተ ማይ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ሕጽረት ሕክምናን ብኩራት መራኸብታትን፡ ከምኡ እውን ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ዝተኣስረ ቤተሰብካ ኣይኮነንዶ ፍትሒ ክረክብ ኣበይ ከምዝተዳጐነ ዘይትፈልጠሉ ኩነታት ኤርትራ ናይ ሰላም ምልክት እዩ ማለት ድዩ?
ስለምንታይ እዩኸ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምስቲ ካብ ናቱ ኣብ ዝኸፈአ ህይወት ዝነብር ዘሎ ህዝብታት፡ ምስቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰላሙ፡ ልምዓቱ፡ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላቱ ተሓልይሉ ኣብ ቀጻሊ ጐደና ልምዓት ዝነብር ህዝብታት ዘየወዳድሮ። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳያስ “ከም ናይ ህዝቡ መነባብሮ ዝነብር መራሒ” ዝብል ናእዳ ንምርካብ ኮንጎ ሳእኒ ወድዩ ብምኻድን ጐልፎ ተኸዲኑ ኣጋይሽ ብምቕባል ክሽቅጥ ይፍትን። በዚ ዘታለሎም ሒደት ወገናት’ውን ኣለዉ።
ምናልባት እቲ ኢሳያስ ዝፈጥሮ ድራማ ሓቂ ተዝኸው እውን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ድኻ መሲሉ ዘድክዮ ምምሕዳር ምፍጣር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ገዛእ ሃገሩ “ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ተባሂሉ ሃገሩን ነብሱን ዝጠቕመሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። ከይዛረብ ኣፉ ለጒሙ፡ ሓሪሱን ነጊዱን ከይነብር ኣእዳዉ ኣሲሩ፡ ኣብ ሃገሩ ከይነብር ናብ ስደት ደፊኡ፡ ፍትሒ ነፊጉ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኣብልዩ፡ ክፉት ሳእኒ እናወደየን ዝኣረገ ጃኬት እንዳተኸደነን ዝዋሰኦ ድራማታት ኪኖ ኣሽካዕላል ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። እቲ ሕቡኣት ስቪል ዝተኸድኑ ሓለዋ ኣዋፊሩ ኣብ ጐደናታት ዝንቀስቐሶን ኣብ ህዝባዊ ጓይላታት ዝሳተፎን እውን ካብዚ ዝተፈልየ መዳህለሊ መልእኽቲ የብሉን።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ካልእ ኣሽካዕላል ከኣ “ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ፈስቲቫላት ዝውድብሲ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ኣብኡ ንዝዓብዩ ኤትራውያን ህጻናት ባህሊ ሃገሮም ንከይርስዑ መድረኽ ንምፍጣር እዩ” ዝብል ካልእ ማይ ዘይጠዓመ ምህዞ እዩ። ንምዃኑ ናብ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ምምጥጣር ይጽነሓሉ እሞ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ኣብ ሃገሮም ዝዓበዩ ዘለዉ ህጻናት ባህሎም ይፈልጡን ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን የስጠማቕሩ ኣለዉ ማለት ድዩ?፡ ወዮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘለዎ ጽልእን ቅርሕትን ዝተላዕጠጠ ህግደፍሲ ብዛዕባ ሃናጺ ባህሊ ከስተምህርከ ባህሪኡ ይፈቕደሉ ድዩ። ስለዚ ቀንዲ ዕላማኡ ንፈስቲቫል ከም ጉልባብ ተጠቒምካ ጉጅላዊ ካዝናኻ ምህጣር እዩ።
ባህግና Bahgna 172፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 15.10.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥቅምቲ 2023 ብመሪሕነት ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኤርትራውን ዞባውን ጉዳያት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ ዓሚቕ ገምጋማት ኣካይዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንፍሉያት ኣገደስቲ እዋናዊ ጉዳያትዝምልከት ውሳነታት ወሲኑ።
1) መደረ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ
ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ እውን፡ ኣጀንዳ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለትን። ብመሪሕነት ኢህወድግ ዝተመስረተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝወላወል መርገጽ ኣይነበሮን። ኣብ ስልጣን ዘይነበሩ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ባእታታትን ግና “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኮይና” ብዝብል ምስምስ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከመዘይተዋሕጠሎም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብ2018 ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ስልጣን ድሕሪ መሓዙ ከኣ “ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ክነሳ ከመይ ኢላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ትኸውን” ብዝብል ሰበብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተኑ ሓያሎ ማሕበራዊ መራኸብታትን ፖለቲከኛታትን ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓያሎ ዘይቀጥታዊ ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 13 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ብወግዒ ቅድም ኣብ ኣኼባ ኣባላት ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ደሓር ድማ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ከም ወግዓዊ ኣጀንዳ “ብሓይሊ ይኹን ብሰላም ወደብ ዓሰብ ክንውንን ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡስ ርኢቶኡ በቲ ትካላዊ መድረኻ ተቐባልነት ምርካቡ ፈጻሚ ሽማግለ ተመልኪቱ። መንግስታዊ መድያታት ኢትዮጵያ’ውን ኣቃሊሐነኦ። እዚ ሃቐነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ ልኡላውነት ኤርትራ ዘምጸኦ ለውጢ’ኳ እንተዘይሃለወ ሓደገኛ ሳዕቤንን ምፍሳስ ደምን ከኸትል ከም ዝኽእል ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።
ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ’ቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ድፍረት፡ ኣብዚ ቀረባ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ብዓሚቕ ምግንዛብ መሬታዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ኤርትራ ብማንም ከምዘይድፈር ብምግንዛብ መራሒ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ግጉይ ምዃኑ ተኣሚኑ ንክመልሶን ድሕሪ ሕጂ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ድፍረት ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ኢዱ ከየእቱ ብትሪ ኣፍሊጡ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ እንኮ ሃገር ኣይኮነትን። ካለኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ኣለዋ። እንተኾነ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘድልየኒ ዘይናተይ ወደብ “ብዓመጽ ክወስድ እየ” እትበል ሃገር ኣይተራእየትን። እንተ ብደረጃ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘይጻባእን ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ብዝግዛእን ስምምዓት ክትጥቀም እሞ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቢሩ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ዝከኣል ርዱእ ምዃኑ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከምቲ “ውደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል፡ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይዚ ተሓታቲ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ። ኢሳያስ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሰጉሞ ዝጸንሐ፡ ውልቃዊ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያውያን ዕሉል ደጋፊ ፖሊሲ “መደመር” ብምዃን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ መብጸዓታት ክህብ ምጽንሑ፡ ነዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ጠንቂ እዩ። ድሕሪ መግለጺ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ ዘውጽኦ መግለጺ እውን ሓፋርን ዘይንጹርን እዩ። ስለዚ ፈጻሚ ሽማግለ እቲ ኢሳያስ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ክብሎ ዝጸንሐ ብምግንዛብ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ክህቦ ዝጸንሐ ሓላፍነት ብምዝካርን፡ ኢትዮጵያውያን ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ድምጽታት ንክስምዑ ከም ዘተባብዖም ብምስትብሃልን፡ ንዘይሓላፍነታውን ሃላልን ፖሊሲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣውጊዙ።
ኣብ መወዳእታ ልኡላውነት ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ኢሳያስ ዝኸፈቶ ኣፍደገ ናብ ዘተሓሳስብ ኣንፈት የምርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምምዛን ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ሓቢርና ንቃለስ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
2) ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ
ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤልን ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ፈጻሚ ሽማግለ ካልእ ብትኹረት ዝመዘኖ እዋናዊ ዛዕባ ነይሩ። ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ኣዝዩ ከም ዘሕዝን ገምጊሙ። ካብዚ ቀጻሊ ዘሎ ህልቂት ንምውጻእ እቲ መፍትሒ ውግእ ከምዘይኮነ ብምእማን ድማ፡ ኣብቲ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው ኣካላት ነቲ ብመሰረት ውሳኔታት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤምን እስራኤልን ክልተ ነብሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውዕላትን ከኣ ከኽበሩ፡ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ተጽዕንኦም ከሐይሉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ጸዊዑ።
ኣብ ርእሲዚ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ተራ ዜጋታት ፍልስጢማያን ተውርዶ ዘላ ቀጻሊ ደብዳብ ጠጠው ከተብል፣ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ ክኽፈት፣ ናብ ፍልስጤማውያን ረዲአትን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ጠለባትን ዝኣትወሉ መስመራት ነጻ ክኸውን፣ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተጽዕኖ ከሕድሩ ኣኼባ ጸዊዑ።
21 ጥቅምቲ 2023
ብዕለት 20.10.2023 ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኦቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ዝተመርሔ ኮይኑ፣ ኣብ መኽፈቲ ቃል ናይቲ ኣኼባ ንኹሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ብምምስጋን ሰናይ ትምኒቱ ብምግላጽ እዩ ጀሚሩ።
ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብ እዋናው ዛዕባታት ዘትኮረ ኮይኑ፡ ብቀንዱ ንላኣላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዘሎ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓድሽ ተጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ 1993 ዓ.ም. ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ኣዋን ጀሚሮም ከልዕልዎ ዝጸንሑ’ኳ እንተኮኑ፣ እቲ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጸን ንብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይዝኾነ ይኹን ኩነት ንምትግባሩ ቃል ዝኣተወን ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ተመሊሱ ኣብ ፓርላማ ብምስምስ ዘይሓቀኛ ታሪኽን ብዝሒ ህዝብን ናይ ይግባኣና እዩ ሕቶ ምልዓሉን፡ ናብ ዘይውዳእ ምድማይ ዘእቱ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ተገንዚቡ።
በዚ መሰረት፡ ሰዲህኤ ወደባት ኮነ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ልኡላዊ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን፡ ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ብኢሳያስ ዝተገብረ ውዑላት ኮነ ስምሞዓት ከይምዘይቕበል፡ ንተጠቃምነትን ሓባራዊ ዕብየትን ሃገራት ዝምልከት ግን፡ ብሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ዝተማእከለ ውዑላት ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣኼባ ርእዩ።
ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግል፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ፍሊስጤማውያንን እስራኤልን ተጀሚሩ ዘሎ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ፣ ንህዝቢ ዘህልቕን ዘመዛብልን ዘሎ ኲናት ታሪኻዊ መንቀሊ ዘለዎን ንልዕሊ 75 ዓመታት ዝቐጸለንኳ እንተኾነ ውግእ ደው ኢሉ ናብ ዘተን ልዝብን ክኣቱ፡ በቲ ናይ 1948 ኮነ ናይ 1967 ብይን ሕቡራት ሃገራት ክምእዘዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ ጸጥታን ግደኦም ከበርክቱ ጸዊዑ። (ነዚ ዝምልከት ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ክስዕብ እዩ)
|
Martin Plaut posted: " Prime Minister Abiy Ahmed (PhD) stated: “The Nile and Red Sea determine Ethiopia’s future. They will contribute either to its development or demise.” Red Sea takes center stage as Ethiopia looks to assert regional presence Source: The Report" Martin Plaut |
More...
President Isaias responds to Ethiopia’s demand for a port
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " The demand by Prime Minister Abiy can be found here. President Isaias's official response is below. Discourses – both actual and presumed – on water, access to the sea, and related topics floated in the recent times are numerous and excessive inde" Martin Plaut |
The demand by Prime Minister Abiy can be found user_email=This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.">here. President Isaias's user_email=This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.">official response is below. Discourses – both actual and presumed – on water, access to the sea, and related topics floated in the recent times are numerous and excessive indeed. The affair has perplexed all concerned observers. In the event, the Government of Eritrea repeatedly reiterates that it will not, as ever, be drawn into such alleys and platforms. The GOE further urges all concerned not to be provoked by these events. Ministry of Information Asmara 16 October 2023 |
ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮሰንበት 15 ጥቅምቲ 2023 ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ እተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ተኻይዱ። ሓፍቲ ኣድያም ኣኼባ ኣብ ምኽፋታ ብጸይትና ኣልጋነሽ ያቆብ ብምዝካር ዝነበራ ዓቢ ኣስትአዋጽኦ ድሕሪ ምጥቃስ መስዋእታ ኣብ ሰልፍና ዓቢ ሃጓፍ ከምዝፍፈጠረ ኣብሪሃ። እዚ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተሰላሰለ ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ብምንባሩ ኣቃዉማ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊን ብሓፍቲ ኣድያም ቀሪቡ።
ዝቐረበ ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊ ድሕሪ እኹል ምምይያጥ ጸዲቑ። ብመሰረት ዝጸደቐ መደብ ድማ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ተገይሩ። ኣብ ምውዳብን ምምልማልን ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጽዑቕ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣኼባ ተመልኪቱ።
ብዘይካ’ዚ ንቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንምሕጋዝ ብቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትትዮ ዝተገብረ ሓገዛት ብምምጓስ ቀጻሊ ጻዕርታት ክካየድ ኣኼባ ተሰማሚዑ።
ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ኣድላይነቱ ተራእዩ።
ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ እኼባታት ደቂ-ኣንስትዮ ስሰልፊ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጂ’ውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ክካየድ ኣኼባ ወሲኑ።
ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!
ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ
15 ጥቅምቲ 2023