ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ “ውድባት ደኺመን” ዝብል ሓረግ ናይ ብዙሓት ወገናት መውጽእ ኣፍ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ድኻመን ዝቐርቡ ምኽንያታት ከኣ ከከም በሃሊኡ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ስለ ዝበዘሓ፡ ንመንእሰይ ስለ ዘየሰለፋ፡ ብሓባር ስለ ዘይሰርሓ፡ ናይ ምውሳን ናጽነት ስለ ዘየብለን፡ መራሕተን ስለ ዘይበቕዑ፡ ነቲ ምቅዋም ከም ንቡር ህይወት ስለ ዝወሰድኦ … ውዘተ ካብቶም ናይ ድኽመተን ጠንቅታት ተባሂሎም ወትሩ ዝጥቀሱ ሓረጋት እዮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ከም መግለጺ ድኽመተን ውጽኢት ቃልሰን “ትሕቲ ትጽቢት ህዝብና” ምዃኑ ይኣምና እየን። ድኽመት ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ድኽመት ንምውጻእ ወርትግ ሓርኮትኮት ካብ ምባል’ውን ዓዲ ኣይወዓላን።
ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ብዙሓት ወገናት እዘን ውድባት ክሳብ ሕጂ “ዋላ ሓንቲ ኣይሰረሓን” ንመጻኢ እውን “ዋላ ሓንቲ ኣይክሰርሓን እየን” ኢሎም ክድምድሙ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እታ “ዋላ ሓንቲ” እትብል ሓረግ ብዘይቃለዓለም እንጽርጽሮት ዝወለዳ እምበር ተቐባልነት ዘለዋ ኣይኮነትን። ምናልባት ምትህልላኽ ደኣ ከይከውን እምበር ነቶም ኣብዚ መጺጽ መደምደምታ ዝበጽሑ ወገናት “ንስኻትኩምከ እንታይ ሰሪሕኩም?” ተባሂሎም እንተዝሕተቱ መልሶም እንታይ መኾነ እንድዒ።
“ውድባት ኣብ ዝደኸማሉ ግደ ናይቶም ድኽመተን ዘሻቕሎም ወገናት እንታይ ክኸውን ይግበኦ?” ዝብል ጉዳይ ኣዘራራቢ ክኸው ዝግበኦ እዩ። ኣማዕዲኻ ምንቃፍ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ንጹር እዩ። ነቒፍካ ካብ ናይቲ ዝነቐፍካዮ ኣካል ዝሓሸ መተካእታ ሒዝካ ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከኣ ንኹልና ዘረዳድኣና ይመስለኒ። መተካእታ ዘየብሉ ነቐፈታ ግና ኪኖ ቆይቊ ፋይዳ የብሉን። እዞም ውድባት ደኺመን ዝብሉ ወገናት ኣብ ውሽጦም ብዛዕባ ውድባት ክገብረኦ ዝግበአን ዝነበረ ግና ዘይገበርኦ ራኢ ዘለዎም ይመስለኒ። ካብዚ ነቒልካ “እሞ እቲ ውድባት ክገብረኦ ዝግበአን ዝነበረ ግና ዘይገበረኦ ብዝምልከት ኣብ ክንዲ ተመዓዲኻ ምውርጻጽ ቀሪብኩም ብዝመረጽኩምዎ ኣገባብ ተወዲብኩም ዘይተተግብርዎ?” ተባሂሎም ክሕተቱ ዝግበኦም እዩ። እዚ ማለት ናይ ግድን ናብተን “ ዋላ ሓንቲ ኣይሰርሓን” ትብልወን ውድባት እተዉ ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ “እቶም ከምዚ ዓይነት ነቐፈታዊ ናይ ሓባር መደምደምታ ዘለኩም ወገናት ውዳበ ፈጢርኩም ነቲ ህልዋት ውድባት ክዓመኦ ዘይከኣላ ዘይትዓምዎ” ንምባል ዝኣክል እዩ።
ነቲ ክኸውን ዝግበኦ መንገዲ ጓሲኻ፡ “ናይ ሓባር መዝሙር ሰላም” ወይ “ህዝቢ ንህዝቢ” ኣብ ዝብሉ ተበግሶታት፡ ምስታፍ ከሎ ጋና እትጻረሮ ንጥፈታት’ኳ እንተዘይኮነ፡ መተካእታ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ሰልፍታት ኤርትራ ክኸውን ከምዘይክእል ግና ክንጸር ይግበኦ። ንህልዋት ውድባትን ሰልፍታትን ክትጻረር ክትብል፡ ንወሳንነት ህላወ ፖለቲካዊ ውደባ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምዝንጋዕ ቅቡል ኣይኮነን። እዞም ዝተጠቕሱ ንቕሎታት ውድባት ስለ ዘይሰረሓ ከም መተካእታ ዝመጹ፡ ውድባት እንተሰሪሐን ግና ዘየድልዩ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ህላወ ውድባት እውን ናቶም ዝተፈልየ ተልእኮ ሒዞም ዝረኣዩ እዮም። ክስጉሙዶ ይኽእሉ ኣይክእሉን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ። ስለዚ ነዚ ንቕሎታትዚ ንምስሳይ ምስ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ምርጻምን ኣድላይነተን ምኽሓድን ናይ ግድን ኣይኮነን። ገለ ወገናት ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ተስፋ እንተቖረጹ ዘገርም ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ህላወን ብርታዐን ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ግድን እዩ ዝብል እምንቶ ዘለዎም ወገናት፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብውድባት ይቕጽሉ ኣለዉ። ንመጻኢ እውን ክቕጽሉ ባህርያዊ እዩ። ብዘይ ፖለቲካዊ ውዳበ ዝፍጠር ናይ ለውጢ ዓቕሚ ስለ ዘየለ።
“ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ካብ ድኽመት ኣይወጻን” ምባል ዘረዳድእ ኮይኑ “ዋላ ሕንቲ ኣይሰረሓን” ኢልካ ህልም ምባል ግና ቅቡል ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ እውን “ዋላ ሓንቲ ኣይክሰርሓን እየን” ኢልካ ምድምዳም ከኣ ብርኢቶይ ዝገደድ እዩ። ውድባት ኤርትራኮ ብሰባት ዝቖማ እየን። ሰባት ከኣ ካብ ተመኩሮኦም ከም ዝመሃሩ ብዙሕ ተመኩሮታት ዘረጋገጾ እዩ። ስለምንታይከ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩረኣን ተማሂረን ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመተን ኣለልየን ከእርማ እየን ኢልና ናብ ትስፉው ኣንፈት ዘይነመዓዱ። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጉዳያት ከም ዝተጸበኻዮም ናይ ዘይምዃን ዕድል ዘጋጥም እዩ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ዝተሓላለኸ ዓለማውን ዘባውን ኩነታት ውጽኢት ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝድህሰስ ውጽኢት ከመዝግብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። እዚ ማለት ለውጢ ኣይመጽእን’ዩ ማለት ዘይኮነስ እቲ መስርሕ ለውጢ ግዜ ዝወስድ ዘገምታዊ’ዩ ንምባል ዝኣክል እዩ።
እቲ ካልእ ቁምነገር እምበኣር፡ እዚ በብኩርንዑ ንዕዘቦ ዘለና ምዕባለታት “ናብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ?” ዝብል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ውድባት ዝፈላልየን ወጊነን፡ ኣብቲ ዘሰማምዐን ብሓባር ካብ ምስራሕ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብለን ናይ ሓብር ዕግበተን እዩ። ኣብዚ መደምደምታ ዘብጻሐን ከኣ ውጽኢት ተመኩሮአን ኣብ ቃልሲ እዩ። ሕጂ ነዚ ዝብቅዕ፡ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ሕድገትን ተወፋይነትን ምጥራይ ኣብ ቅድሜአን ዘሎ በዳሂ ዕማም እዩ። እዚ ከኣ ቅርቡነትን ልባዊ ህዝባዊ ሓልዮትን እንተልዩ ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ ከበሃል እንከሎ ከምቲ “ ንጸገማት ኣብ ከምቲ ክንፈጥሮም እንከለና ዝነበረና ኣተሓሳስባ ኮይና ዘይኮነ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ኢና ክንፈትሖም እንኽእል” ዝበሃል፡ ነዚ ዘብቀዓና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከነጥሪ ክንበቅዕ ይግበኣና።
ሓሙሻይ ክፋል
ተሓላቒ ሓድነት እናመሰልካ ጐደና ምፍንጫል ምሓዝ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድከመ ተሞክሮ እዩ። ምፍንጫል ኣዝዩ ኣሕማሚ ተሞክሮ እዩ። ካብ እትፈትዎምን እተኽብሮምን ዝነበርካ ይፈላልየካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሓባር ብኽንደይ መስዋእቲ ዘረጋገጽካዮ መኽሰባት ዝጐድእ መስርሕ ብምዃኑ ኣዕናዊ እዩ። እቶም ንጐደና ምፍንጫል ዝመርጹ፡ ኣብ ትሕቲ ጭርሖ ሓድነት ክሕብኡ ምፍታኖም ከኣ፡ ምኽንያቱ ርዱእ እዩ። ሓላፍነት ዝመረጽዎ ጐደና፡ ንኻልኦት ኣካላት ከሰክሙ ስለ ዝደልዩ እዩ። ምፍንጫል ግን ዘጋጊ ኣምር ኣይኮነን። ካብ ሓደ ምሉእ ኣካል እናወጻእካ፡ ምፍንጫል ኣይመርጽኩን ምባል፡ ንብዙሓት ከታልል ዝኽእል ኣይኮነን። ምፍንጫል ዝመረጸ፡ ብዕቱብ ንምርጭኡ ሓላፍነት ክወስደሉ ኣለዎ። ዋላ’ኳ ምፍንጫል ዘይድገፍ እንተኾነ፡ ንእትወስዶ ዘለኻ ምርጫ ብሓላፍነት ሒዝካ፡ “ንሕና: ንኣካይዳ ዝነበርናዮ ሰልፍን መሪሒነቱን ስለ ዘይዓገብናሉ ክንፍንጨል መሪጽና ኣለና” ምባል፡ ንባዕሉ የኽብረካ እምበር ኣየሕስረካን እዩ። ባዕልኻ፡ ብምርጫኻ፡ ኣብ ጐድና ምፍንጫል ሸናዕ ክትብል እናረአናካ፡ ኣይፋለይን ኣብ ጐደና ሓድነት’የ ዘለኹ ኢልካ ዓይንና ከተንቁር ምፍታን ግን ነውሪ’ዩ፡ ክብረት ውን ኣይህበካን እዩ።
እቲ ንጐደና ሓድነት ዝመረጸ ከተለልዮ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከም ዝገለጽክዎ፡ ጐደና ሓድነት ዝመረጸ፡ ነቲ ብጉባኤ እተሓንጸጸ ውሳኔታትን መሪሕነትን ተማእዚዙ፡ ኣርሒቑ ብምጥማት ለወጢ ከምጽእ ዝቃለስ እዩ። ብእምነተይ ኣብ ውሽጢ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኮይንካ ክትቃለስ እንተመሪጽካ፡ ከይተፈንጨልካ ዝደለኻዮ ከተረጋግጽ ዘኽእል ዕድል ህሉው’ዩ በሃላይ ኢየ። ኣብ’ዚ ዝጠቐስክዎ ኩነታት፡ ኣብ መስርሕ፡ ርእይቶኻ ኣብ ቦታ ውሑዳት ክርከብ ይኽእል እዩ። ዲሞክራስያዊ ባይታ ቃልሲ ስለ ዘሎ ግን፡ ብመስርሕ ርእይቶ ውሑዳት ዝነበረ ርእይቶ ብዙሓት፡ ርእይቶ ብዙሓት ዝነበረ ድማ ርእይቶ ውሑዳት ክኸውን ዕድል ኣለዎ። ንኸምዚ ዝመስል ግዜ ዝወስድ መስርሕ ቃልሲ ብትዕግስቲ ክትሕዞ እንተዘይመሪጽካ ግን እቲ ዝሓጸረ ኣቋራጭ መንገዲ ምፍንጫል እዩ።
ተሞክሮ ምፍንጫል
-ንህሉው ወለዶ ጌጋ ከይንምህሮ ምእንቲ፡ ንተሞክሮና ብቕኑዕ ኣገባብ ኣብ ምቕራቡ ሕልናዊ ግደታ ከምዘለና’የ ዝኣምን። ኣብ ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብጉባኤ ኣቢልካ ፕሮግራምካን ቅርጺ ኣሰራርሓኻን ምሕንጻጽን መሪሕነትካ ምምራጽን ብ1971 ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉብኤ’ዩ ተኣታትዩ። እዚ ከኣ ዓወት እቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ዲሞክራስያውን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዓወት ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ብሓፈሻ’ዩ ነይሩ። ነዚ እተረጋገጸ ዓወት’ዚ፡ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ከኣ ሓላፍነት ኩሎም ዲሞክራስያውን ኣካላት’ዩ ነይሩ።
- እቲ ዓወት ዝቖጽሮ ዘለኹ፡ እቲ መስርሕ ድኣ እምበር ፡ ኣብ’ቲ ብ1971 እተኻየደ ቀዳማይ ጉባኤ ዝሓለፈ ውሳኔታትን ዝወጸ መሪሕነትን ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ውሳኔታትን መርሕነትን ብዙሕ ዕቃበታት’ዩ ዘለኒ። ቡቕሊ ዲሞክራስያ ግን፡ ብዝተማልአ ኣገባብ ብሃንደበት ኮፍ ክብል ከምዘይክእል ርዱእ ስለ ዝቖጽሮ፡ ምስ ዘለኒ ዕቃበታት፡ ነቲ መስርሕ ብልቢ’የ ዘድንቖ። ከም ዓብይ ዓወት ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ከኣ’የ ዝቖጽሮ።
-እቲ ምስ ኩሉ ጉድለታቱ ኣብ ተሓኤ እተቐልቀለ ቡቕሊ ዲሞካራስያ እምበኣር፡ ኣብ ጉዕዞ ካብ እዋን ንእዋን ብተሞክሮ እናማዕበለ ንንቕሓትና ኣብ ምህብታም ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ድሕሪ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ዝነበረ ቃልሲ፡ ብሓደ ወገን ብመንገዲ ጉባኤታት ኣቢልካ ውሳኔታት ምሕላፍን መሪሕነት ምምራጽን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነዚ ነጺግካ ምፍንጫል ምምራጽ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይኽእል።
- እቲ ብጉባኤታት ኣቢሉ ለውጢ ከምጽእ ብስነስርዓት ዝቃለስ ዝነበረ ኣካል፡ ኣብ ትሕቲ ዘይደልዮም መራሕትን ኣብ ትሕቲ ዘይድግፎም ውሳኔታትን ኮይኑ ዝቃለሰሉ እዋን ነይሩ እዩ። ከምዚ ክገብር ከሎ፡ ጉባኤ፡ ከም ዝለዓለ ስልጣን ኣብ ተሓኤ ክብረት ረኽቡ ብምንባሩ፡ ብቓልሲ፡ ኣብ ጉባኤታት ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ምሉእ ዕግበት ስለ ዝነበሮ እዩ። እቲ እምነት፡ ኣብ ውሱናት መራሓቲ ወይ ኣብ ውሱናት ሰባት ኣይኮነን ነይሩ። ኣብ’ቲ መስርሕ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ብጉባኤ ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ እትደልዮ ውሳኔ ምሕላፍን እትደልዮም መራሕቲ ምምራጽን’ዩ ነይሩ። ምእንቲ’ዚ ክቡር መስርሕ ዕድመኻ ኣብ ቃልሲ እንተበለየ፡ ክቡር መስዋእቲ እንተኸፈልካ ሓላል ዝቖጽሮ ድማ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ።
-ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ክትስዕር ምሕላን ዲሞክራስያዊ ባህልን ንቕሓትን እዩ። እታ እንምነያ ዘለና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንድምጺ ብዙሓት ኣተኽብር’ያ ክትከውን። ንድምጺ ብዙሓት እናኣኽበረት ውሑዳት እቲ ዝግብኦም ክብረት እናረኸቡ ድምጾም፡ ድምጺ ብዙሓት ክኸውን ንኽቃለሱ ዲሞክራስያዊ ባይታን ዕድልን እተፍቅድ ክትኮነልናዩ ትምኒትና። ነዚ ኣገባብ’ዚ ክዓናቕፍ ዝደሊ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰልፊ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ኩሉ ግዜ ዘራጊ ግደ’ዩ ዝጻወት።
- ድሕሪ’ቲ ብ1971 እተረጋገጸ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ፡ ኩለን እተረኽባ ምፍንጫላት ነቲ ብጉባኤ ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ለውጢ ምርግጋጽ ዝብል መስርሕ ዝሃረማ እየን ነይረን። ኣብ ተሓኤ፡ እቶም ብኹርዓት ንተሞክሮኦም ከዘንትው ዝኽእሉ ድማ፡ ነቲ ኩሉ ዝነበረ ላዕልን ታሕትን በዳሂ ተሞክሮን ሓሊፎም፡ ብመንገዲ ጉባኤ ለውጢ ከረጋግጹ ኣተቓልሱ ኣካላት እዮም። እዚ ድማ መራሕትን ኣባላትን ኢልካ ብምፍልላይ ብዘንባዕ ኣገባብ ዝቐርብ ዘይኮነስ፡ ከም ፖለቲካዊ መስመር ንመራሕትን ኣባላትን ሓቑፉ ብኣረኣእያ ንጉዕዞ ቃልስና ኣብ ክልተ ደምበ ዝገምዐ’ዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ብጉባኤ ለውጢ ክረጋግጹ ዝደልዩ፡ ምእንትኡ ከቢድ ዋጋ እናኸፈሉ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ጩራ ብርሃን እናኣማዕደው እተቓለሱ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንግዜዊ ረብሓታት ንመስርሕ ጉባኤታት ጠሓሒሶም ምፍንጫል ብምምራጽ ኩደታ ክፍጽሙ ዝሕልኑ’ዩ ነይሩ።
- ኣብ ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣምበኣር፡ ድሕሪ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝተራእየ ምፍንጫላት ብኸምዚ ዝመስል ኣገባብ’የ ዘንብቦ። ካብ ቅኑዕ ንባብ እዚ ተሞክሮ’ዚ እንመሃሮ ኣገዳሲ ትምህርቲ ድማ ኣሎ። ብጉባኤታት ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ንእትደልዮ ዕላማ ከተረጋግጽ ምቅላስ፡ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ከምኡ ዝመስል ዕድል ዘፍቅድ ሰልፊ ምዃኑ እዩ። ተርባጽ ግን፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ቃልሲ ሕማም መንሽሮ እያ። ብጉባኤታት ኣቢልካ ለውጢ ከተምጽእ ትዕግስትን ጹረትን ዘይብልካ እንተኾንካ፡ በታ ሕማም መንሽሮ ዝኾነት ተርባጽ ተለኺፍካ ኣለኻ ማለት’ዩ። ኣብ ጐደና ምፍንጫል ሸናዕ ክትብል እንተረአናካ ከኣ፡ ኣይገርምናን እዩ። ክንደየናይ ዝኸውን ሃሳያ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያዊ ቃልስን መስርሕን ትገብር ከምዘለኻ ግን ኣይትዘንግዓዮ።
ክቕጽል እዩ
ምሃሪ ምሳልያዊ ታሪኽ ( Parable ) ንመን ?? ጭጉራፍሲ ንነብሳ ሃሪማ ተእዊ ከይከውን
Written by ተስፋማርያም ክብራኣብዝኸብረካ ዶክ. ገብረ ገብረማርያም
ሰላም ምሳኻ ይኹን። ካብዚ ቀጺለ ፡ ኣብ ራባዓይ ክፋል ጽሑፍካ ፡ ምሳልያዊ ታሪኽ (Parable) ድሕሪ ምቕራብካ ፡ ንኣንበብቲ እዞም ክልተ የእዱግ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብሉ? ንዝብል ሕቶ ብወገነይ ብከምዚ ዝስዕብ እፈትሖ። ንኣንበብቲ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ትሕዝቶ ናይቲ ምሳልያዊ ታሪኽ ከምዘለዎ ኣስፊረዮ ኣለኹ። ዘገርም እዩ ገለ ከዛኻኽረኒ ኪኢሉ ። ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ኣብ ዝወስደሉ ዝነበርኩ ግዜ ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መምህረይ ቃላትን ሓረጋትን ስዉር ወይ ዝተማሳቓለ ትርጉማት ክህልዎም ከም ዝኽእል የውካኣልና ነይሩ።
ወዮዳኣ ምሳልያዊ ታሪኽ (Parable) ምጽሓፍ ካልእ ጣጣ ከይፈጥረለይ እንዳፈራሕኹ’ምበር፡ ብዛዕባ ክልተ ነብሶም ዝፈትዉ ዝነበሩ የእዱግ/ኣባቕል፡ መታን ከምመምሃሪ ክኾነና፡ ከዕለኩም። መጀመሪያ ግን ሓደራ ክብል፡ ምሳልያዊ ታሪክ መለኽቲ ጥራሕ ኢዩ ዘሕልፍ። ኣብቲ ታሪክ ዝጥቀሱ ባእታታ/ኣስማ (ተዋሰእቲ) ንዝኮነ ኣይመኽቱን/ኣይውኩሉን (ምናልባት ሕጂ’ውን “የእዱግ/እባቕ ኢሉና ዝብሉ ከይርከቡ)። እዞም ክልተ የእዱግ/ኣባቕ ሕጽር ብዝበለት ገመድ ፡እቲ ሓደ ንምብራቕ ኢቲ ሓደ ካኣ ንምዕራብ እንዳጠመቱ፡ ብሓደ ኣብ ክሳዶም ተኣሲሮም ነበሩ። ክልቲኦም ብሓደ ጊዜ ከምዘየርክብወን ተገይረን ዝተቐምታ ኣብ ቀቅሚኦም ክልተ ኩምራ ሓሰር ካኣ ነበራ። እቲ ሓደ ካብታ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ኩምራ ክምገብ እምተበል እቲ ካልእ’ውን ካብታ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ኩምራ ክምገብ ስለዝደሊ ይውጥቶ’ሞ ኣይርክባን። ኢት ሓደ’ውን ከምኡ። እንድሕርዳኣ እዞም ክልተ የእዱግ/ኣባቕ ክምገቡ ኮይኖም እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብሉ? ንኻትኩም እንታይ ትብሉ እንድዒ’ምበር፡ ኣነስ “ዋዕላ ክገብሩ ኣለዎም” ንበልኩ።
ኣብ መእተዊ ናይዚ ታሪኽ ወዮዳኣ ምሳልያዊ ታሪኽ(Parable) ምጽሓፍ ካልእ ጣጣ ከይፈጥረለይ እንዳፈራሕኹ’ምበር፡ዝብል ሓረግ ከተስፍር ከሎኻ፡ የእዱግ ኢሉና ዝብሉ ከይርከቡ ብምባል ስክፍታ ዘቐመጥካ ኮይኑ ኣይረኽብኩዎን ። ብብልሓት ዘስፈርካዮ ኣንባባይ ገላቢጡ ከይትርጉሞ ንምሽፋን ዝተመርጸ ሓረግ እዩ ። ብርድኢተይ ፡ ብኣንጻሩ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ መልስታት ክዋሃቦ ከም ዝኽእል ስለዝመዘንካ ፡ ከም መልጎሚ (መዕጸዊ ኣፍ) ዝተመርጸ ኣባህህላ እዩ ። ስለዚ በዓል ኢንታስ መስቆርቆሪ ከም ዝባሃል ምስላ ፡ ኣብ ውሽጢ ሕልናኻ ፍርሃት ወይ ምጉዳል ነብሰ ምትእምማን ሃኒጹልካ ኣብ ዝብል ገምጋም በጺሐ ።
ቅድሚ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ምፍተሐይ ፡ ባህርያት ናይዞም ክልተ ነብሶም ዝፈትዉ ኣእዱግ እንታይ ይመስል ምብርባሩ ዕዙዝ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ከም እንተታት ዝዳህሰሰኩዎም ነጥብታት ፤
ነብሰ ምፍታው ?????
- ብጽጋብ ፍንጭሕ ዝበሉ
- ስሱዓት ፡ ናይ ምሃብን ምቕባልን ባህሪ ዝጎደሎም
- ተጃሃርቲ ፡ ብብደዐ ዝነብሩ ፡ ኣነ ከምዚ ገቢረ ዝብሉ፡
- ክናባት/ሃካያት ካብ ንጥፈታት ነብሶም ዘግለሉ
- ነብሰ ልዕልነት፡ ክሰምዑን ክስምዑን ዘይኮኖሎም
- ፍሉይነት ፡ ንነብሶም ካብ ካልእ ብፍሉይ ዝጥምቱ
- ምቅንጃው ምውርዛይ ምንእኣስ ዘዘውትሩ
- ኣነነታውያን ፡ ብሃብቶም ፡ ብፍልጠቶም ዝምክሑ
- ነብሰ ምፍታሽ ዝጎደሎም ፡ ተመሊሶም ንነብሶም ዘየንብቡ
- ብሕታውያን ፡ ፍንውነት ፡ ምእዙዝነት ኣልቦ ባህሪ ዝኸበቦም ። ወዘተ ፡ ወዘተ ፡ ወዘተ
ስለዚ ገለ ካብዚ እንተታት እዚ ብዝውንንዎ ባህሪ ዝተጎልበቡ ኣእዱግ ይመስሉ። ኣብቲ ዝቐረበ ምሳልያዊ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋና፡ ዝከታተል ወይ ዝዳኒ ሳልሳይ ኣካል ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ባዕሎም ኣብ መቑሕ ክኣትዉ፡ ክእሰሩ ኮቶ ዘይከውን እዩ፡ እቲ ዋና ኣዋዲዱ ፡ ኣጠዓዒሙ፡ ምቹእ ግዜ ኣጽኒዑ ናብ ሳልሳይ ኣካል ድሕሪ ምቕራቡ፤ ገጋኦም ኣጽኒዑ፡ ከም ዘይእንቀሳቐሱ፡ ሓደ ንምብራቕ ሓደ ንምዕራብ ከም ዝጥምቱ ጌሩ ዝበየነ ( ዝቐየደ ) ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ከምዘሎ ክርዳእ ኪኢለ።
እቲ ሳልሳይ ኣካል ነቶም ክልተ ኣእዱግ ክኣስሮም ወይ ካብ ኩሉ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብሎም ዝበየነሉ ምኽንያታት ገለ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝዳህሰስኩዎ እንተታት ዝተመስረተ ክሲ ስለዝቐረበሉ እዩ ዝብል እምነት የሕዲሩለይ። እቶም ነብሶም ዝፈትዉ ክልተ ኣእዱግ ፡ ኣብ ክንዲ ህርኩታት፡ ጻዕረኛታት ክሉ ዘማልኡ ፡ ምእዙዛት ዝኾኑ ፡ ክናባት ፡ ዓዲ ዋዒላት ፤ ንዝውንንዎ ዓቕሚ ብተግባር ዘይተጠቐምሉ ፡ ኣብ ምፍራይ ዘይተዋፈሩ ከም ሓደ ኣብ ዕጹው ገንኢ ዝኣተወ ዝበርህ ቀዴል ኮይኖም ዝሓከሉን ምስቲ ዋና ንዝተሳማምዕሉ ውዑል ብተግባር ዘፍረሱን ፤ ንኽእረሙ ተባሂሉ ዝተወሰደ ብይን እዩ ኣብ ምባል በጺሐ። እቲ ብይን ካብቲ ሃንቀው ኢሎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡ ኣጉል ናይ ተስፋ ሕልሚ ብግዜ ስለ ዝተቐደሙን እቲ ሓሳብ ስለ ዘበርዓነን ፡ ነቲ ናይ ሓባር መኣዲ ኩምራ ሓሰር ተመጣጢሮም ከርክብሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ በጺሖም። ማይ ተሐቚኑ ጠስሚ ኣየውጽእን እዩ።
ብናተይ ርእቶ፡ ከም ዘላቒ ፍታሕ ዘየዳግም ኢለ ዝሓስቦ፤ ከምቲ ባዕልኻ ዝመለስካዮ ዋዕላ ዘይኮነስ፡ መዲድ ተጻዒኖም ተደቢሮም ይቕረታ ሓቲቶም፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ካብ ድሑር ዝንባለታቶምን ወጺኦም ናብ ልቦም ምስ ዝምለሱን ነቲ ምስ ዋኖኦም ደንበ ተዋሃሂዶም ክነብሩ ዝኣተውዎ ድንክል ኣኽቢሮምን ተማእዚዞምን ምስ ዝኸዱን ናይ መጻኢ ሂወቶምን ድልየታቶምን ዘርውይሉ ሰላማዊ መንገዲ ምስ ዝመርጹን ኢለ፡ ነቲ ምሳልያዊ ታሪኽ እፈትሖ።
ሓደ ናይ ኣዲኡ ድበልባ ብሰንጣቒት ዝቐንጠጠን ዘነወረን፡ ኣብ እቶን ኣዲኡ ውልዕ ጥፍእ ንዝብል ቁልዒ ከልምዕ ዘይኮነስ ንባዕሉ ከምቶም ቀዳሞት ቅልቅል ኢሎም ዝቐሃሙ ከይኸውን ንነብሱ ተመሊሱ ምንባይ ምሓሾ።
ጽምብል በዓል መበል 56 ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለን
ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣንጻር ጨቈንቲ ስርዓታት ከይሰልከየ ተቓሊሱ ንመሬቱ ሓራ ኣውጽእዋ። እነሆ ድማ ነታ ብጅግና ሓምድ እሪስ ዓዋተ ናይ ነጻነት ጥይት ዘበሰረት ዕለት፥ ብጨናፍር ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድርን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተዳለወ ዝኽሪ በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ከሎን ብዕለት 09-09-2017 ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።
እዚ ዝኽሪ መበል 56 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎና ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ በመሪሕነት ኢብራሂም ሰዓድ ኩዕሶ እግሪ ውድድር ዝተኻየደ እዩ ጀሚሩ። እተን ኣብ መጨረሻ ናይ ዋንጫ ውድድር ዝበጽሓ ጋንታ መትከል ካብ ቦን፡ ጋንታ ዋርሳይ ከኣ ካብ ክረፍልድ እየን ተጋጢመን። ኣብ መወዳእታ እቲ ግጥም ብዓወት ናይ መትከል ተዛዚሙ።
ድሕሪ ውድድር ጸወታ ኹዕሶ እግሪ ምድምዳሙ ከኣ ካብ ሰዓት 07:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣጋይሽ ናይ ምቕባል ተጀሚሩ።ብድሕሪ እዚ ንተሳተፍቲ ብኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ/መንበር ጨንፈር ከለንን ከባቢኡን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባልን ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ብትግርኛን ዓረብኛን ዝተዳለወ መግለጺ ኣንቢቡ። ብድሕሪ እዚ በቶም ወናማት ሙዚቐኛታት ወጋሕ ትበል ለይቲ ሓዲሩ።
ዕዉት ህዝባዊ ዘተ ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ተኻይዱ!
Written by ያቆብ ኣብርሃም
ብኣጋጣሚ መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 10.09.2017 ዓሚቕ ናይ ዘተ መደብ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተኻይዱ። ኣብዚ መዓልቲ‘ዚ ድማ ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ፕረዚደንት ኤሪመድረኽ ፣ ደራሲ መጽሓፍ „ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡- ጥልመትን ተስፋን“ : ኣባል መድረኽ ሃገራዊ ዘተን ኣገዳሲ መግለጺ ቀሪቡ።
ኣብ ኣገደስቲ ዕማማት መሰጋገሪ መድረኽን ተራ ፕሮ-ደሞክራሲያዊ ተቓውሞን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝቐረበ መደረ ኣዝዮም ብርኩታት ዝኾኑ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። ሓያሎ መድረኻውያን ሕቶታትን ሪኢቶታትን ቀሪቦምን ተዘትዪሎምን። ስርዓት ኢሳያስ ተዳኺሙ ኣብ ምፍራስ ይርከብ። ውጺኢት ናይ 26 ዓመት ፍሽለቱ ድማ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ብርሰት ኣትያ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ስቓይን መከራን ይርከብ። ኢርትራ ድሕሪ ምዕናው ኣረጊት ስርዓት ኢሰያስ ካብ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ወጺኣ ብፍትሒን ዲሞክራሲን እትምራሕ ፣ ስላምን ቅሳነትን ዝዓሰላ ሃገር ክትኮነልና ካብ ሕጂ እነቖሙጦም እምነመሰረታት ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎም ተገንዚቡ። ኣብዚ ጉዕዞ‘ዚ ድማ ኩለን ሓይሊታት ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣብ ብቅዋም እትምራሕ ሃገር ምውሓስን ነዚ ኣብ ምትግባሩ ድማ ኩለን ሓይሊታተን ፍልልያተን ወጊንን ብሓባር ክሰርሓሉ ይዕድም። ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ኣብዚ ኣጋጣሚ‘ዚ እቲ ንሃገራዊ ዘተ ዝተኻየደ ጻዕሪታት ኣመስጊኑ ፡ ብፍላይ ድማ ኣቲ ናይ ናይሮቢ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕጽል ዘይከኣለሉ ጸገማት ገሊጹ። ኣብ ቀረባ ማለት ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ዓውደዘተ ክቕጽል ክም ዝኾነን ነዚ ኣብ ምትግባሩ ድማ ድሮ ዕድመታት ናብ ኩለን ዝምልከአን ፖሎቲካውያን ሓይሊታት ዕድመ ከም ዝተላእከ ሓቢሩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ‘ውን በቲ ብኣብቲ ተኻፋሊ መደብ ኣኼባ ዝነበረ ፣ ኣባል ኣድሆክ-ኮሚቴ ናይሮቢ ፣ ኣባል መሪሕነት ሰሊፊ ህዝቢ ደሞክራሲ ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ ነቲ ዝኸደ መስርሕ ዘተን ድሕሪሁ ዝተኻየዱ ጻዕሪታትን ኣመልኪቱ ኣገደስቲ መብርሂታት ኣቕሪቡ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ እቲ መደብ ብለበዋታትን ዘክረሰማእታትን ተዛዚሙ። ካብ ያቆብ ኣብርሃም |
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ባሕቲ መስከረም ኣኽቢሮም
Written by በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢቀዳም 9 መስከረም 2017 በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ መበል 56 ባሕቲ መስከረም ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ኣብዒሎም። ኣኼባ ድሕሪ ዝኽሪ ሰማእታት ሓው ምስጉን ሓጎስ ኣቦ መንበር ቦርድ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ታሪኽን ህያውነትን ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽና ብምሃብ ጀሚሩ።
ቀጺላ ሓፍቲ ፍረወይኒ ገርጊሽ ታሪኽ ባሕቲ መስከረምን፡ ጅግንነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተን፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብናን ዝገልጽ ቃል ቦርድ ኣስሚዓ። ብሓፍቲ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገርጊሽ ዝቐረበ ቃል ከምዘለዎ ንኣንበብቲ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ።
ብጽንዓትን ተወፋይነትን ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 1961 ዘበገሰቶ ዓላማ ብ1991 መሬትና ካብ ባዕዲ መንዚዑ ተዓዊቱ እኳ እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ገና ሰብኣዊ መሰላቱ ተነፊጉ ድሕሪ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት መስዋእትን ስንክልናን ስደትን ሓሳረ መከራን ቀሲኑ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ተሓሪሙ ምህላውን፡ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ዘበገሰቶ ዓላማ ኣብ መዓርፎኡ ክሳብ ዝበጽሕ ቃልስና ቀጻሊ ምኳኑ ቦርድ በይ-ኤርያ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣነጺሩ። ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ቃንዛ ህዝብና ተረዲኡ ኣብ ሃገርና ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል ኩሉ ግዴኡ ከበርክት ጸዊዑ።
ብዘይካ’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ እናኸደ እንከሎ፡ ገለ መንእሰያት ኣብክንዲ ሕድሪ ስውኣትና ብምኽባር ኣብ ሓርነታዊ ቓልስና ወሳኒ ተራኦም ምብርካት፡ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ ብምባል ክብርን ቓልስን መስዋእትነን ህዝብና ክቋናጽቡ ይስማዕ። እዚ ተርእዮ’ዚ ዘሕዝን ምኻኑን ሕድሪ ስውእትና ክነተግብርን ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ሰዊት ዕድሜኦም ዘሕለፉን ገና ከይተሓለሉ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ዝቃለሱ ዘለዉን ኣሞጒሱ። ንገለ ካብ ነባራት ተቓለስቲ በይ-ኤርያ ናይ ምስጋናን ኣድናቖትን ምስክር ወረቐት’ን ሂቦም። እዚ ጽቡቕ ዘኹርዕ ባህሊ’ዚ ቦርድ በይ-ኤርያ ካብ ዘተኣታትዎ ሓያል ግዜ ኮይኑ’ሎ። እዞም ኣብ ብዓል ሓደ መስከረም ዝተመስገኑ ትቓለስቲ ናይ መጀመርያ ኣይኮኑን።
ቀጺሉ ቦርድ በይ-ኤርያ ብዛዕባ ቀሪቡ ዘሎ ኣመታዊ ኣኺባኡን ክግበር ዘለዎ ምቅርራባትን ኣልዒሉ ካብ ተሳተፍቲ ርእይቶታት ብምቕባል ዓሚቝ ምይይጥ ኣካይዱ።
ኣብ መደምደምታ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ ድሕሪ ሓደ እናቐረቡ ንቦርድ ምስጋናኦም ኣብ ርእሲ ምግላጽ ንክብሪን ዋጋን ባሕቲ መስከረም ዝገልጽ መደረታት ኣስሚዓም። ኣሕዋት ጆርጆ፡ ሕድራይ ፍስሓ ከምኡውን ሓው መንግስተኣብ ሃይለ ታሪኽ ባሕቲ መስከረምን ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና ዝገልጽ መሳጢ ግጥምታት ኣቕሪቦም ነቲ ብዓል ድምቀት ሂቦሞ።
ብሓፍቲ ፍረወይኒ ገርጊሽ ዝቐረበ መግለጺ ከምዘለዎ ስዒቡእኖሆ፡
መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲህዝቢ ኤርትራ
ባሕቲ መስከረም ሎሚ’ውን ንመበል 56 ዓመታ ተዘኪራ ተውዕል ኣላ።እዛ ክብርትን ታሪኻዊትን ዕለት እዚኣ ክንዝክር እንኸለና እቲ ንዓዓ ዘበገሰ ጅግና ስዉእ እድሪስ ሐምድ ዓዋተን ነቶም ኣሰሩ ተከቲሎም ሕድሩ ተግቢሮም ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ነጻ -መሬትና ዘረከቡናን ሉእላአውነትና ዘረጋገጹልናን ጀጋኑና ብክብሪ ካብ ዝዝኸራ ታሪኻውማዓልትታትና ሐንቲ እያ።
ጅግና ስዉእ እድሪስ ሐምድ ዓዋተ መስከረም 1961 ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዕጥቃዊ ቃልሲከበግስ እንከሎ መቀጸልታ ናይቲ ካብ ኣርባዓታት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቃልሲኾይኑ፡ነቶም መሬትና ጎቢጦም መሰልና ዝረገጹ ዓመጽቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ መሰልና ብሓይሊ ብረት እንበር ብትኻቦ ዘይውሃበና ምኻኑ ዘርኣየላ ዕለት’ያ።ነቲ ገዚፍን ሙሉእ ዕጥቅን ዝሐዘ ጸላኢብጋንዴ ብረትን ብውልቀ ሰብን ክምክት ክብገስ እንከሎ እንበኣር ውዒሉ ሐዲሩ መሬት ናይ ዋናታቱ’በር ናይ ዓመጽቲ ከምዘይከውን ብምእማን እዩ። ባዕዳውያን ኣብ ዘይርስቶምንኣብ ዘይመሬቶምን ብዓመጽ ንዝገዝእዎ ህዝቢ ኣብ መወዳእትኡ ብእኡ ተሳዒሮም ከም ዝጓሓፉ ድማ ኻብ ተሞኽሮታት ዓለም ኣብነት ሃገራዊ ቃልስና ሐደ’ዩ።
ካብዚ ብምብጋስ ናጽነቱ ተቃሊሱ ከርጋግጽ ምኻኑ ብምእማን’ዩ እምበኣር እቲ ጽሚኢናጽነት ኣብ ውሽጡ ተጠጅኡ ዝጸንሔ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እዛ ክብርቲ ዕለት’ ንሜዳ ክውሕዝን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኾይኑ ኣንጻር ዓመጽቱ ብሃይማኖት ይኹን ዓሌት ከይተፈላለየ ብሓባር ኽቃለስ ዝተራእየ። ኤርትራዊ እምበኣር ነቲ ባሕቲ መስከረም ዘበገሰቶ ሱር ተኽሊናጽነት ገድልን መስገደላቱን ጥሜት.ጽምኢ.ዕርቃ. ድኻምን ተጻውሩ ከይኣክል ነታ መተኻእታ ዘይብላ ሂወቱ ዋጋ ናጽነት ከፉሉ ነዛ ሉእላዊት ሃገር ኣረጋጊጺ እዩ።
እዚ ድሕሪ መሪር ቃልስን ረዚን መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነት’በር ንህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዓማጺ ሰርዓት ህግደፍ ዝይናቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም-ወዲ ባዕዲ ካብናብ መንነት ክሕተት፡ ተማሂሩ ከፍሪ ዝክእል መንእሰይ ወሎዶ ኣብ ሃገራዊ ባርነት ተጸሚዱ ብሩህ ራኢ ዘይብሉ ጽልሙት መጻኢ ምስ ኾኖ ካብዚ ንከሃድም ኣብ ፈቆዶ ባሕርን ሰሃራንክጠፍእን, እቲ ካብዚ ዝወጸ እውን እንትኮነ ኣብ ዝኣተዎ ሃገር ሰብኣዊ ክብሪ ስኢኑከም ኣቅሓገልታዕታት ኽብልን ክሳጎግን ንሂወቱ መዕለቢ ስኢኑላ ኣሎ። ኣብ ገጻእ መሬቱ ንወዲ- ሰብ ዘድልይዎ መሰረታዊ ነገራት ዝክልከል፡ ምእመነቱ ብዘይ ፍርዲ ዝኣሰር፡ ብዘይ ንቡር ንዘሞተሬስኡ ግቡእ ቀብሪ ዝክልከል ዘየፍትሓውን ዘይሓላፍነትውን ኣብ ኤርትራ ጥራሕዩ ዘሎ።
እዛ ንዋናታታ ምንባር ተነፊግዎም ዘላ ሃገር ወደባታን ማዕድናታን ባዕዳውያን ክጥቀምህዝባ ድማ ብሕሰም መነባብሮ ክሳቀን ከም ህዝቢ ክጸንትን ዝፈርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓትስዕረቱ’ኻ ዘይተርፍ እንተኾነ እቶም ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ሕሱራት ሜላታት ግን ኣብ ህዝብና ዝገድፎ ዘሎ ሕምቅ ኣሰራት ዘሰክፍ’ዩ። ነቲ ታሪካዊ ጅግንነት ወለድኡብግቡእ ከይሕዝን ከይፈልጥን ታርክ እናጠማዘዝካ ዝይግቡእ ተርድኦ ኣብ ጅግንነት ዘሰርሑኣቦታቶምን ኣቦሓጎታቶምን ጽልእን ቅርሕንትን ከሕድሩን በኣውራጃን ዓሌትን ክታፍነንን መዓልቲ ታሪካዊ ጅግንነት ከም መዓልቲ ሸፋቱ ጀጋኑ ድማ ከም ንሽፍትነት ዝተሰውኡ ጌርካምቁጻር ካብቲ ዘይሓላፍነትውን ዘይስነ-ምግባራውን ኣታሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ዝበቆለ’ዩ።
እዚ ዘይእሩምን ዘይቅኑዕን ኣረኣእያ’ዚ ድማ ኽኩነን ዘለዎ’ዩ ሰለምንታይሲ ነቲ ኣሚና እንቃለሰሉ ዘሎና መስርሕ መሰረታዊ ለውጢ ኣንቃፍን ተጻራርን ስለዝኾነ። ኣብ መጠረሻ በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስኩሉ ንፍንትሕን ሰላምን ዝቃለስ ከከም ኣድላይነቱ ናይ ሓባር ሰራሕ ክሰርሕ ድሉው ምኻኑ ደጊሙ የርጋግጽ!!!
ሓርበኛእድሪስሓምድዓዋተኩሉግዜብጅግንነትይዘከር!!!
ባሕቲመስከረምብክብሪእናተዘከረትትንበር!!!
ፍትሒንውጹዓት!! ውድቀትንዓመጽቲ !!
Eritrea-Sweden Association Holds Meeting with Mayor of Gothenburg
Written by EPDP Information OfficeOn 7 September 2017, Board members of the cultural Eritrea-Sweden association known as 'Eritrea in Our Hearts', met with Mayor Yonas Attenius and his team at the Gothenburg city hall, and discussed many pressing issues, in particular those affecting members of the Eritrean community in the region. Mayor Attenius is in charge of city's public works and administration. The Eritrea-Sweden cultural body was represented by association president, Mr. Thomas Magnusson and his team.
Mr. Magnusson warmly thanked the Mayor's Office for the meeting and explained objectives and activities of the association in support of community members. Messrs Zehaie Keleta and Amjed Yassin, association board members on their part talked about the suffering of the Eritrean people due to the erroneous policies of the regime in Eritrea. They also took time to explain the uncountable abuses of the Eritrean regime embassies upon Eritrean communities in exile.
During the two-hour long discussion, the Mayor showed great interest to know more about the situation of young refugees in the city, particularly women, and was given detailed information and clarifications on those issues. At the end of the discussion, the board members of 'Eritrea in Our Hearts' presented a list of their needs and demands for consideration and action by the Office of the Mayor. They were later taken to a visit of the new Gothenburg City Hall building.
ብሩክ ዘይመጽእ በስመ-እግዚኣብሔር ዘመነ ማርቆስ-ወንጌላዊ 2010 ዓ/ም
Written by ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮንዓመተ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ይግበረልና-!!
ዓውደ-ዓመት ተባሂሎም ካብ ዝኸብሩ ብዙሓት በዓላትና ሓደ፥ እቲ “-ቅዱስ-ዮሓንስ-”ብምባል ዝፍለጥ ናይ ዓመት መጀመርታ-ዕለት ምዃኑ፥ ነዚ ክፈልጥ ዘይክእል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕዝብና ኣብዚ በዓል‘ዚ “-እንቋዕ እግዚኣብሔር ብደሓነ ሰላም ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት‘ዚ ኣብጽሓና!!-”ብምባል ሓጎሱን ሠናይ ትምኒቱን ክገልጽ ዝስመዓሉ እዋን እዩ። ብዝተረፈ ቅነ ቅዱስ-ዮሓንስ መሬት ብኣዝርእቲ ተሰሊማ እትረኣየሉ፥ ናይ ራሕስን ልምላሜንእዋን ‘ውን ስለዝኾነ፥ ኣብ ኅብረተ-ሰብና ፍሉይ ክብሪ ዘለዎ ኣውደ-ዓመት ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ’ውንስለዚ’ዩ።
ከም ዝፍለጥ በዓል ሓዲሽ-ዓመት፥ መሠረቱ ልደት ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ እዩ። ግዳስ ምዕራባውያን ዘብዕሉዎወርሒ-ታሕሣሥኮይኑ ከብቅዕ፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ግና፥ኣብ ወርሒ መስከረም‘ያ ከተብዕሎ ትርከብ ዘላ። ከመይሲ መጽሓፈ-ስንክሳር “-ወኣመ ኣሚሩ ለመስከረም፥ በዛቲ ዕለት እንተ ይእቲ ዓውደ-ዓመት ዘግብፅ, ወብሔረ-ኣግዓዚት, ወዘኖባ-”ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ግዳስ ስለምንታይመስከረምበዓል ሓዲሽ-ዓመት ክኽውን ከም-ዝተመርጸ፥ መጽሓፈ-ስንክሳር ዝጠቐሶ ነገር የልቦን።
መጽሓፍ-ቅዱስ እንተኾነ‘ውን፥ጎይታናን መድኃኒናንኣብ ቤተ-ልሔም ምውላዱ እንተዘይኮይኑ፥ ንዕለትን ዓመትን ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር ምህላዉ ኣይፍለጥን። ኣብ ዘመነ- መንግሥት ኣውግስጦስ-ቄሣር ከምዝተወልደ ስለ-ዘመልክት ግና፥ በዚ ኣቢልካ እቲ መዓስ-?ዝብል ናይ ግዜ ሕቶ መልሲ ክርከቦ ከምዝኸኣለ ምርድኡ ኣየጸግምን።ይኹን እምበር እቲናይክርስቲያን-ዓለም፥ንኣቈጻጽራ-ዘመን ብዝምልከት ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ክጐዓዝ ብዘይ ምኽኣሉ፥ እተን ናይምዕራባዊ-ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ኣብ ወርሒ-ታሕሣስ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ከብዕላከለዋ፥ ስለምንታይ ኣብያተ-ክርስቲያናት ግብጽን, ሓበሻን, ሱዳንን፥ኣብ ወርሒ-መስከረም ዓውደ-ዓመተንክገብራ ከም-ዝመረጻ፥ መጽሓፈ-ስንክሳር ዝበሎ ነገር የልቦን።
ብመሠረቱ ክርአ ክሎ ግና፥ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ምንም እንተኾነ ዝፈላሊ ምኽንያት ክህሉ ኣይምተገብአን። ከመይሲ ናይ ኩላትናመሠረትን ጉንድን ክርስቶስ እዩ።ግዳስእቶም “-ወነኣምን በኣሓቲ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን፥ እንተ ላዕለ ኩሉ ጉባኤ-ዘሓዋርያት-”ብምባል ኣብ 381 ዓ/ም፥ ኣብ ጉባኤ-ቁስጥንጥያ፥ ሐድነት ቤተ-ክርስቲያን ከረጋግጹ ዝኸኣሉኣቦታት፥ ንኣቈጻጽራ ዘመን ብዝምልከት ግና፥ ማንታ መንገዲ ሒዞም ከምዝኸዱ ኢና ክንርኢንኽእል።
እዚ ግና ብኸምኡተፈላሊኻ ክኽየድ ቅቡል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።ከመይሲ ክርስቶስ ናይ ፍቕርን ሓድነትን እምበር፥ ናይ ጽልእን ምፍልላይን ኣምላኽ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክርስቶስ ዝመሠረቱ ክርስቲያናዊ-ዓለም፥ ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ኣቈጻጽራ-ዘመን ሒዙ፥ብማንታ-መንገዲ ክጐዓዝ ምርካቡ፥ብጠቕላላ ሕዝበ-ክርስቲያን ተሓጕሱ ተቐቢሉዎ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።
ብዝተረፈ እዘን ኣብ ወርሒ መስከረም በዓለን ከኽብራ ዝርከባ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ እቲ ናይ ግብፂ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳሳትዝነበረ ዲሜጥሮስ፥ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ዘዳለዎ ባሕረ-ሓሳብ ዝኽተላ ኮይነን ክርከባከለዋ። እተን ናይ ምዕራብ ኣብያተ-ክርስቲያናት ድማ፥ ኣብ መወዳእታ 16-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን፥ ናይ ሮማ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳሳትዝነበረ ጎርጎሬዎስ ዘዳለዎ እየን ዝኽተላዘለዋ። እዚ ክልተ ዝተፈላለየ ባሕረ-ሓሳብ‘ዚ ከኣ‘ዩ፥ነቲ ክርስቲያናዊ-ዓለም ማንታ-መንገዲ ሒዙ ከምዝኸይድ ገይሩዎ ዝርከብ ዘሎ።
ብዝኾነ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ንጐዓዝዘሎናማንታ-መንገዲግና፥ንኹላትና ከርብሓና ዝኽእል ስለዘይኮነ፥ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኩሎም ክርስቲያን ብኃባርዘኽብሩሉ ምልዛብ ክግበር፥ ናይ ኩሎም ክርስቲያን ተስፋን ትጽቢትን እዩ ዝብል እምነት’ዩዘሎና።ስለዚ‘ውን እቲ ናይ ሰላምን ፍቕርን ኣምላኽ ናይ ምቅርራብን ምልዛብን መንፈስ ምእንቲ ክዕድለና፥ “-ሃበነ ንኅበር በዘዚኣከ መንፈስ-ቅዱስ-”እናበልናክንጽሊ ከም-ዝግብኣና፥ነቶም ቅኑዕ መንፈስ ዘለዎም ኩሎም፥ ምርድኡ ዝኸብዶም ኣይመስለናን።
ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸበባ እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ፥ ከም ምዃንና መጠን፥ እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ከደቅሰና ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ህልውና ሰላምን ሕግን ፍትሕን ምህላዉ ከይተረጋገጸ፥ ድቃስ ክወስደና ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፥ኩነታትና ከም ክትሓርስ ዝደለየት‘ሞ፥ ኣብ ብርቱዕ ጻዕሪ እትርከብ ጥንስቲ መሲሉ’ዩ ዝርከብ ዘሎ እንተ-ተባህለ፥ ጌጋ ኣበሃህላ ኣይኮነን።
ስለዚ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ፥ ንዓና ከም ሕዝቢ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልየና ዘሎ፥ ሰላምን ፍትሕን’ዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ግና ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ተመጺውትካ ዝርከብ መሰል የልቦን። ንሕናግና ከም ደቂ-ሃገርን፥ ከም ደቂ’ታዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንን መጠን፥ እዚ ኩሉ ናይ ሕጊ ግህሰት እናተፈጸመ ከሎ፥ ተሰማሚዑና ኣሎ ብዘስምዕ ዓይነት፥ ከነጣቕዕ ደኣ ኢና ዝጸናሕና እምበር፥ ዓገብ-!! ክንብል ዘኽእለና ትብዓት ኣርኢና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን።
ስለዚ’ውን እቲ ክሳብ ሕጂ ምሳና ዝጸንሐ ፍርህን ሕመቕን፥ ቀንጢጥና ብምድርባይ “-ይኣክል-!! ክንብል እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ ብምኽንያት’ዚ ሓዲሽ-ዓመት “-ዮሓንሰየ ኣቶ ኣብሪሁዋ ንባይቶ-” ስለ-ዝበልና ጥራይ፥ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ካብ ዝባንና ክወርድ ይኽእል’ዩ ዝብል ሰንኮፍ ኣተሕሳስባ ክህልወና ኣይግባእን።ብዝተረፈ በዓል ቅዱስ-ዮሓንስ፥ ከም ናይ ሓዲሽ-ዓመት መጀመርታ-ዕለት መጠን፥ ጽቡቕ ምምናይና ኣይተርፍን እዩ። ሠናይ ዘመን ይኹነልና ኢልካ ምምናይ’ውን ጌጋ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ብጥዑስ-ልቢ ብንስሓ ኣቢልና፥ ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ከይከኣልና፥ ብትምኒት ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ሰማያዊ ረድኤት የልቦን። ስለዚ’ውን እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ፥ ምስ ከበሮን ጓይላን ክንገብሮ ንርአ ዘለና ዕብዳን፥ መወዳእታ ክንገብረሉ እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ እቲ መከራን ጸበባን ክውዳእ ከም-ዘይክእል ምርድኡ ከድልየና እዩ።
ብዝተረፈ እቲ ምሳና ዘሎ ጸበባን መከራን፥ ድሕሪ ደጊም ተጻዊርናዮ ክንከይድ፥ ዘኽእለና ኃይሊ’ውን ጽንቅቕ ኢሉ ተወዲኡና ስለ-ዝኾነ። ብዘይ ረድኤት ኣምላኽ ባዕላትና መኪትና ክንዓግቶ እንኽእል መዓት’ዩ ክንብል ስለ-ዘይንኽእል “-ኅድግ ለነ ኣበሳነ፥ወኢትነጽር ምግባረ ኃጢኣተነ፥ ወተወከፍ ንስሓነ-”እናበልና ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኣብ ዝግበኣና ግዜ፥ንርከብ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይግባእን።
ብዝተረፈ ሰብ ዘይዘርኦ ከም-ዘይዓጽድ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና፥ ኣብ ደኃን ኩነታት ይርከብ ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ከም-ዘይከኣል፥ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ምስጢር ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኹሉ መንገድናን ኣከያይዳናን፥ ካብቲ እግዚኣብሔር ክንከውን ዝደልየና፥ ኣዚና ርሒቕና ንርከብ ምህላውና፥ ካብቲ ዘሎ ህልው ኩነታትና ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል ገጽ ዘሎና መሲልና ኣይንርአን ዘሎና
ይኹን እምበር እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ግብሪ ጸልማት ደርቢና ኣጽዋር-ጽድቂ ንልበስ። ብጓይላን, ስኽራንን, ምንዝርናን, ዕብዳንን ግና ኣይኮነን-” ከም-ዝብሎ፥ ሕጂ’ውን ኣብዚ ሓዲሽ-ዓመት ክንሰግር ከሎና፥ ምስ እግዚኣብሔር ዝተዓርቀ ሕይወት ሒዝና ደኣምበር፥ ከምቲ ዝጸናሕናዮ ኮንና ምንም ለውጢ ከይገበርና፥ “-ርሑስ ዓውደ-ዓመት ይግበረልና-” ብዝብል ጽቡቕ ትምኒት ጥራይ፥ ክመጽእ ዝኽእል፥ ሰማያዊ ረድኤት የልቦን። ብዘይ ጣዕሳን ንስሓን ድማ፥ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዕርቂ ከብጽሓና ዝኽእል፥ ካልእ መንገዲ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ኃጢኣትና ክንእመን ዘኽእል፥ ጸጋን ትብዓትን ይሃበና።
እወ ! ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን ሓሲሙናን መሪሩናን ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ምዃንና፥ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር እዩ። ካብኡ ንኻብኡ ድማ ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ክንዝክር ከሎና፥ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለጸ ሰማያዊ-ረድኤት ኣብ ንደልየሉ ህሞት ንርከብ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይንኽእልን።ከመይሲ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ወይ ሲኖዶስ፥ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ዘተንፍስስ ኮይኑ ይርከብ እናሃለወ፥ደሓን ኣሎና ክንብል ምስቲ ሕጂ ኣብ ባይታ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ ክሳነየልና ዝኽእል ኣይኮነን። ትርጉም ዘይብሉ ህልውና ሒዝካ እነብር ኣለኹ ምባል ከኣ፥ ኣብ ዝኾነ ከብጽሓና ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።
ስለዚ’ውንህልውና ቤተ-ክርስቲያና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ሰዓት፥ ኣብ ክንዲ “-ስምዓነ ኣምላክነ ወመድኃኒነ-”ብምባል ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ንዅሕኵሕ፥ ሕዝብና ከበሮ ኣልዒሉ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጓይላ ኣትዩ፥ ክዘልልን ክዕንድርን ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ ክበሃልሲ ንበረኸት ድዩ ንመርገም ክኾነልና ዝኽእል-?! እስኪ ርግእ ኢልና ምስ ገዛእ ሕልናና ክንዛረብ ንፈትን።
ብዝተረፈ እቲ ምሳና ዝጸንሐ ሕመቕ ተሰኪምና፥ ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት ንኣትወሉ ምኽንያት ክህልወና ስለ-ዘይግባእ፥ ካብ ዝኾነ ግዜ ብዝበለጸ
“-ያድኅነነ እመዓቱ፥
ይሰውረነ በምሕረቱ፥
በንተ-ማርያም ወላዲቱ-”
እናበልና፥ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ እንዅሕኩሓሉ እዋን ክኸውን ከም-ዝግባእ፥ ካብ ገዛእ ሕልናና ንላዕሊ ነቲ ዘሎ ሕሰምን መከራን፥ ክርድኦ ዝኽእል ክህሉ ኣይምተገብአን። ንሕና ግና ዓለም ብዛዕባና ምርዳእ ክሳብ ዝስእና፥ እናሞትና ንስሕቕ ሕዝቢ ኮንና ኢና ንርከብ ዘሎና። ስለዚ ድማ ኢና ኣብቲ መራኸቢ ብዙኃን ብገለ ጸሓፍቲ “-እዚኣቶምሲ ሞይቶም ከለዉ፥ ከይሞቱ ይፈርሁ-” ዝብል መግለጺ ክወሃበና ዝርከብ ዘሎ።
ይኹን እምበር እቲ ኣብ ዝባንና ተጻዒኑ ዝርከብ ዘሎ ጾር፥ ምስካሙ ስኢንና ከቢዱና እናሃለወ ከሎ ግና፥ ደሓን ዘሎና ክንመስል ምስ ከበሮን ጓይላን ክንውዕልን ክንሓድርን ንገብሮ ዘሎና ዕንደራ፥ ንዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ምህላውና፥ ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ምሳና ዝጸንሐ ፍርህን ሕመቕን ቅንጥጥ ኣቢልና፥ ምስቲ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ከነፋንዎ፥ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ጸጋን ትብዓትን ክህበና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ኣሜን።
ብዝተረፈ እዚ ንቕበሎ ዘሎና ዘመነ-ማርቆስ-ወንጌላዊ። መከራ ጸበባ ሕዝብና ዝውድኣሉን፥ ዓመተ ፍትሕን, ሰላምን, ራህዋን, ቅሳነትን ዝኾነሉ ዘመን ክኸውን። እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጸሎትን ዝቐርብ ዘሎ መሥዋዕትን፥ ከም ምዑዝ መሥዋዕቲ-ዕጣን፥ ኣብ ሰማየ ሰማያት ቀሪቡ፥ ኃጢኣት ሕዝብና ዝድምስስን፥ ናይ ሰማይ በረኸትን ጸጋን ምሕረትን ዘፍስስን ክኸውን ናይቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ሓዲሽ-ዓመት ድማ ይግበረልና ኣሜን-!!!
ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰ ርቁምነገርን
Written by Festival 2017 Frankfurt5ይ ክፋል
ኣብ ዝሓለፈ 4ይ ክፋል ናይዚ ነቕርቦ ዘላን ጽሑፍ “......መሰማምዒ ውሳኔታት በቶም ዝበዝሐ ድምጺ ዘሎዎም እዮም ዝውሰኑ፥ ግን ከኣ እቶም ውሑዳት ኣብቲ መስርሕ ርእይቶ ኣለዎም። እቶም ናይ ዝበዝሐ ዘድመጹ ወይ ድምጺ ንምሃብ ስልጣን ዘለዎም እቲ እማመ ምስቲ ሕጊ ዝሰማማዕ ክኸውን ይግባእ።” ኣብ ዝብል ኢና ኣቋሪጽና ነርና። ሓሙሻይ ክፋሉ ከኣ እነሆ ከምዚ ዝስዕብ
መንግስቲ፥- መንግስቲ ሓንቲ ደውላ ወይ ማሕበረ ሰብ እትመሓደረሉ ኣገባብ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ነታ ድውላ ዝቆጻጸር ኣካል ናይ መሪሕነት እውን የመልክት እዩ። ብኽልቲኡ መንጽር ክረአ እንከሎ መንግስቲ ኣብ ትሕቲኡ ናይ ዘሎ ህዝቢ ህይወት ብቕጥታ ይጸሉ’ዩ። መንግስቲ መሰላት ህዝቢ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ዝናበሩሉ ሕግን ነዚ ሕግታት እዚ ዝጥሕስ መቕጻዕትን ይውስን። ስለዚ መንግስቲ ንኽምስረት ወይ ክጅመር ደውላ ወይ ከኣ ፖለቲካውን ጂኦግራፊካውን ክሊ የድልዮ’ዩ።
ዕላማ መንግስቲ
መንግስቲ ቅድሚ ምምስራትና ስለምንታይ ማሕበረሰባት መንግስታት የድልዮም ክንርደኦ ይግባእ። ኣብ ታሪኽ ኩሉም ሕብረተሰባት መንግስቲ ይህልዎም ማለት ከምዘይኮነ ምዝካር እውን ኣገዳሲ እዩ። ብዙሓት ኣብ ዝተወሰነ ብዝሒ ክሳብ ዝበጽሑ ብዘይመንግስቲ ተኻይዶም እዮም። ድሕሪ ማሕበረሰባት ኣብ ዝዓበየ ደረጃ ምብጽሖም ግን ብዘይ ገለ ነገር ህዝብን ምንጭታት ሃብትንን ከይተስርዑ ሓድነቶም ኣዕቊቦምን ክቕጽሉን ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ ኣድላይነት መንግስቲ ዝመጽእ። እቲ መንግስቲ ካብ ምእካብ ምንጪ ገንዘብን ሃብትን ጀሚሩ፥ ህዝቢ ኣብ ዘድልየሉ ሓደ ውሱን ቦታ መዲቡ፥ ስነስርዓትን ርግኣትን ንምውሓስ ሕግታት የጽድቕ። ሕጊ ብፍላይ ንመንግስታት ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ስነስርዓት ዝገልጽ ስለዝኾነ። ነዚ ሕግታት እዚ ዝጥሕስ ህዝቢ ነቲ ኣጠቓላሊ ስነስርዓትን ሰላምን ከም ኣስጋኢ ተራእዩ ከኣ ይቕጻዕ።
መንግስታት ንውደባ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥንቲ ዘመን ድሕነቱ ኣዕቊቦም እዮም። መንግስቲ ክህሉ መብዛሕትኡ ግዜ ህዝቢ ውልቃዊ ናጽነታት ኣሕሊፎም ክህቡ ኣለዎም። ኣብ ክንዲ ዝደለይዎ ዝገብሩ እቲ መንግስቲ እዩ ዝነግሮም እንታይ ክግበሩ ከመዘለዎም። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ታርኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ተቐቢሎም ይጎዕዙ ነይሮም። ምኽንያቱ መንግስቲ ይከላኸለሎም ወይ ይሕልዎም ስለዝነበረ። ብመልክዕ እኽሊ ቀረጽ ይእክብ። መንግስታት ጥንታዊት ግብጺ ዝያዳ መግቢ ይኽዝኑ ነይሮም። ኣጋጣሚ ስእነት ኣንተ ኣጋጢሙ ካብቲ ዝዓቖሮ እኽሊ ነቶም እኹል እቶት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ይዕደል።
ዓይነታት ናይ መንግስቲ
ዋላ እኳ መንግስታት ተመሳሳሊ መሰረታዊ ስራሓት እንተካየዱ፥ ብዙሕ ዓይነታት መንግስቲ ክህልዉ ይኽእሉ። ንመንግስት ዓይነት መሪሕነት፥ ዝምድና መራሕትን ህዝብን፥ ገደብ ስልጣንን መስርሕ ምሕራይ ወይ ምቕያር መንግስትን ገለ ንዓይነት መንግስቲ ካብ ዝገልጹ ኣገባባት እዮም።
ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ ዝያዳ ዝገልጽ መሰረታዊ ኣገባባት፡ ስልጣን ናይቲ መሪሕነቱ እዩ። ኣብ ንግስነታዊ ኣገባብ ከም ንጉስ ወይ ኢምበራጦር ብሕታዊ ገዛኢ ንመንግስቲ ይቆጻጸር። ከም በሓቲ’ውን ክግለጽ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ንበይኑ’ዩ ሕግታት ዘውጽእ። እዚ ስርዓተ መንግስቲ ካብቲ ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ድምጺ ዘለዎ ዝፍለ እዩ።
ከም ኣብነት ቅዋማዊ ንግስነት ብሓደ መራሒ እዪ ዝመሓደር፡ ስልጣኖም ግን በቲ ቅዋም ዝተደረተ ብምዃኑ ንህዝቢ ውሱን መሰላት ዝህብ እዩ። ካልእ ኣብነት ናይ ዝያዳ ማዕርነት ዝብል መንግስቲ ረፑብልክ እዩ። ኣብዚ እቲ ህዝቢ ንመንግስቲ ዘካይዱ ወከልቱ ይመረጽ። ንህዝቢ ዝያዳ ስልጣን ዝህብ መንግስቲ መብዛሕትኡ ደሞክራስያዊ’ዩ። ማለት እቲ ህዝቢ ርይቶታቱ ንኽስማዕ ዝውሕስ ስልጣን ናይ ምድማጽ ኣለዎ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ተወሳኺ ቅርጽታት መንግስቲ፥ ካልእ መንገዲ ንመንግስታት ዝፈሊ ካብ ምንጪ ስልጣን ዝመጽእ እዩ። ኣሪስቶክራሲ ብውሑዳት ፈላጣትን ብላዕለዋይ ደርቢ ዜጋታትን ጥራሕ ዝመርሕ መንግስቲ እዩ። መሪቶክራሲ እቶም ኣዝዮም ዝተመርጹ መራሕቲ ንክኾኑ፡ ማለት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዝተማህሩ ወይ ዝተመኰሩ ዝመሓደር መንግስቲ እዩ። ሲዮክራሲ ከኣ በቶም መራሕቲ፡ ኣባላት ጉጅለ ሃይማኖታት ዝመሓደር ኣዩ። እዞም መልክዕ መንግስቲ ዝገልጹ ኣካላት ኩሎም ኣግለልቲ ኣይኮኑን።
ኣብቲ ሓዲሽ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ዝምስረትሉ ግዜ፡ ሃገሮም ብፖለቲካዊ፥ ቁጠባውን ማሕበራውን ንምህናጽ፥ ንዜጋታቶም ከኣ ዝግበኦም መሰላትን ናጽነታትን ንምሃብ ሓደ ንጹር ዝኾነ ነገር ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ብዓቢኡ መዕቀኒ ዓወታቶም ኣብ ከመይነት ቅልጣፈን ዕምቆታትን መትከላትን ትካላትን ዲሞክራሲ ኣብ ቀልብን ኣእምሮን ዜጋታት ይሰርጽ እዩ። እንተደኣ እቶም ንህዝባዊ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዘጎሃህር ሓሳባት ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክረጋገጽን ውሕስነት ክህልዎን ኮይኑ፥ እቲ ሕብረትሰብ ክጻወርን ክህብትምን ንዲሞክራሲ ከስተማቕርን ተደልዩ፥ ህይወት ኣብ ናጸ ዝኾነ ሕብረተሰብ እንታይ ማለት ምኳኑ እንታይ ትካላዊ ምድላዋትን ግላዊ ጠባያትን ከምዘድሊ ክርዳእ ይግባእ። ከምኡ እውን ዲሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንክውዕልን ክከናኸንዎን ክዕንግልዎን ከተባብዕዎን ብርቱዕ ተገዳስነትን ኣድለይቲ ኮይኖም፥ ንተመኩሮን ኣድማዕነትን ከማዕብሉ ይግባእ። እቲ ወለዶ ዲሞክራሲያ ክርዳእን ክስተማቕርን እንከሎ ጥራሕ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓተ-ምሕደራ ርግኡን ዕውትን ዝኸውን።
እቲ ዲሞክራሲ ዝምረኰሰሉ መሰረታዊ መትከል ግዝኣተ ኣብዝሓ እዩ። ተራ ብዙሓዊ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽግራት ወይ ዕንቅፋታት ኣለዎ። ከምኡ ብምዃኑ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ክሊ ቅዋማዊ ቅጥዒን ስልጣን መንግስቲ ዝድርትን መሰላት ናይ ግለሰብን ውሑዳንን ዝከላኸል ኮይኑ እዩ ዝዓዪ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዋማዊ ዲሞክራሲ ኩሎም ዜጋታት ንጹር ዝኾነ መሰረታዊ መሰላት ክህልዎምን እቶም ውሑዳት ነዚ መሰላት እዚ ክሰርሑሉ ኣብ ጽቡቕ ድሌት ናይቶም ዝበዝሑ ዝመርኰስ ኣይኮነን። ናይ ምዝራብ፥ ናይ ሃይማኖት፥ ናይ ምእካብ ናጽነትን መሰልን ፍትሓዊ ፍርድን ዘይፈሓቕ መሰላት ናይ ኮሎም ዜጋታት እዮም። እታ ደውላን ሃገራዊ መንግስትን ከኣ ነዚ መሰላት እዚ ዝነጽግ ይኹን ዝብሕጉግ ሕጊ ንኸየመሓላልፉ ወይ ከይውስኑ ክልኩላት እዮም። ከምኡ እውን ንዲሞክራሲያዊ መንግስቲ መሰረታዊ ዝኾኑን፥ ንዝኾነይኹን ትካል፥ ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ ልዑል ስልጣን ክይህልዎም ዝገትእ ቁጽጽርን ሚዛናውነትን እዮም። ንኣብነት ንስልጣን ናይ ፈጻምን ሓጋግን ጨንፈራቶም ልዕሊ ገደብ ሓላፍነቶም ከይከዱ ዝከላኸል ናጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።
መንግስቲ ደረት ዘየብሉ ስልጣን እንተ ሃልይዎ ዲሞክራሲ ክፈሽል ይኽእል። ብእንጻሩ እኹል ስልጣን ኣብ ዘየብሉ መንግስቲ እቲ ዲሞክራሲ ክፈሽል ይኽእል እዩ። ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ልሙስ ወይ ፋሉል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ሓደ መምርሒ ወይ ቀጥዒ ናይ ቅንዕና እዩ። መሪሕነት እውን በዚ ምኽንያት እዚ ንዕውት ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣድላዪ ክኸውን ከሎ፥ ዜጋታት ብግዲኦም በቲ ውሳኔ ናይ ዝመረጽዎም መራሕቲ ክግዝኡን ነቲ ውሳኔ ማሕበረሰብ ከኣ ክምእዘዙን ይግባእ።
ብኣንጻሩ ገለ ግንዛቤታት፥ ጥዕና ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተተሰብ፥ ውልቀሰባት ብቐሊሉ ንናይ ግላዊ ኣጀንዳታቶም ዝኽተልሉ መድረኽ ወይ ባይታ ኣይኮነን። ናይ ናጽነት ተስፋን ዕድልን ንዲሞክራሲ ኣዝዩ ማራኺ ክገብሮ ይኽእል ይኸውን፥ ግን ከኣ ልክዕ ከምቲ ንዓወታቱ ኣገዳስነት፥ መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ዝበሃሉ፡ ኩሎም እቶም ሓላፍነታትን ናይ ኣተሓሳስባ ልምድታትን ንህይወት ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ተጎዝጒዞም ክኸዱ ዝግበኦም እዮም።
ዲሞክራሲያውያን ዜጋታት፡ ንኣብነት ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ናይ ሕብረተሰቦም ክሳተፉን ኣብ ህዝባዊ ክትዓት ከኣ ጠቓሚ ዝኾነ ነገራት ከበርክቱ ትጽቢት ዝግበረሎም እዮም። ነዚ ብዝተፈላለየ መገድታት፡ እንተላይ ወከልቶም ናብ መንግስቲ ብምምራጽን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብምጽንባርን፥ ናይ ንቓብ ማሕበራትን ካልኦት ወልንታዊ ውዳበታን ንናይ ሲቪል ይኹን ገበናዊ መርመራ ከም ደያኑ ከገልግሉ ይኽእሉ። ዋላ’ውን ብህዝባዊ ቤት ጽሕፈት ኣቢሎም ከተግብርዎ ይኽእሉ። ውጽኢት ዘለዎ ተሳትፎ ክህልዎምን ናይ ገዛእ ርእሶም ጉጅላዊ ድሌታት ኣንጻር ናይ ህዝቢ ሰናይ ኣተሓሳስባታት ንምምዛን ክኽእሉ፡ ህዝቢ ንገዛእ ርእሶም ንሕብረተሰብ ዝትንክፍ ወይ ዝምልከት ጉዳያት ከስንቑ ወይ ኣፍልጦ ክህልዎም ይግባእ። ክተሓባበኡን ሕድገታት ክገብሩን ክኽእሉ፡ ንዝተፈላለየ ርእይቶታት ተጻወርቲ ክኾኑን፥ ንሕግን ሕጋዊ ስልጣንን ከምኡ እውን ብሕታዊ ንብረት ናይ ምውናን ግሉጽነት ከርእዩ ይግባእ።
ስለዚ ዲሞክራሲ ካብ ስርዓተ ምንግስቲ ንላዕሊ፡ ሓቢርካ ናይ ምንባርን ምስራሕን ኣገባብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ናይ ዲምኮራሲያዊ ህይወት በቶም ዜጋታት ብዕቱብ ምስ ዝውሰድ ጥራሕ እዩ ፥ መሰላትን ጻማ ዜጋታትን ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል።
ህዝቢ ዝተፈላለዩ ክብርታት፡ ረብሓታትን ርእይቶታትን ኣለዎ። ኣብርእሲ’ዚ እዚ ፍልልያት እዚ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓጋጊ ኣካላት ብመንገዲ ምምኽኻር፡ ልዝብን ሕድገታትን፥ ልዕና ኣብዝሓ ድምጽን ኣቢሉ መዕለቢ ዝግበረሎም ቀንዲ ረቛሒታት እዮም።
ይቕጽል ....
ሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና: ምስ ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ዕላዊ ርክብ ጌራ።
Written by ጸሃየ ቀለታብዕለት 07092017 ኣካያዲት ሽማገለ ሽወደናዊ ኤርትርራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና ! ምስ ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ሓላፊ ስራሕን ህዝባዊ ምምሕዳርን ኣቶ ዮናስ ኣተንዩስን ክልተ መሳርሕቱ ተራኺቦም ብፍላይ ኩነታት ኤርትራውያን ኣገዳሲ ምምይይጥ ገይሮም።
ኣኼባ ብኣቦ ወንበር ኣካያዲት ሽማገለ ሽ.ኤ.ም.ባ.ማ. ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ብዝተገብረሎም ዕድመ ኣመስጊኑ ዕላምን ንጥፈታትን ማሕበርን ሓበረ። ቀጺሎም ሓው ጸሃየ ቀለታን ሓው ኣምጀድ ያስንን ህልዊ ጽንኩር ሃለዋት ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ብሰንኪ ጉግይ ምሕደራ ህግደፍ ስርዓት ኣብ ኣሰካፊ ከም ዘሎን ዋላ ኣብ ስደት እውን ኤምባስታት እቲ ስርዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብሪሆም። ኣቶ ዮናስ ብዝተዋህቦ መግለጽታት ዝያዳ ንምፍላጥ ሃለዋት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ብልክዕ ከመይ ከም ዘሎ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብምድግጋም ኣገደስቲ መብርህታት ወሲዱ። ኣብ መደምደምታ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ምይይጥ ኣካያዲት ሽማገለ ማሕበር ዘሎዋ ጠለባት ኣቅሪባ ኣኼባ ብዑደት ሓዲሽ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ ዮተቦርግ ዑደት ብምክያድ ተዛዘሙ።
More...
ትርጉም ካብ ቋንቋ ሽወደን ወኪል ሓርነት ኦርግ ኣብ ሽወደን።
ሽወደናዊ ረድዮ ካሊበር: ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ንዝመጹ መንእሰያት: ኣብ ሽወደን ብዘላ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ንእትገብሮ ምንቅስቓስ ”ውህደት ብዝብል ፕሮጀክት” ብመንግስታዊ ትካል ንኣመንቲ ሃይማኖታት ኣብ ሽወደን ሓገዝ ከም ዝግበረሉ ኣቃሊዑ።
እቲ ረድዮ እዛ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ምስቲ ምልካዊ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ከምዘለዋ ዝፍለጥ ክነሱ ዝግበር ገንዘባዊ ሓገዝ ምዃኑ ኣብሪሁ። እዛ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ኣብ ሽወደን ንውህደት መንእሰያት ስደተኛታት ኣመኽንያ'ያ ሓገዝ ክትወስድ ጸኒሓ ዘላ።
ስደተኛታት ኤርትራውያን ተቛወምቲ ምልካውነት ኣብ ኤርትራ እዛ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሽወደን ነዊሕ ኢድ ምልካዊ ስርዓት መንግስቲ ኤርትራ ኮይና: እትገብሮ ምንቅስቓስ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ናይ ፕሮፕጋንዳን ምቊጽጻርን ሽወደናውያን ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ከምዝኾነ ገይሮም'ዮም ዝገልጽዋ።
መንግስታዊ ሓገዝ ንስደተኛታት ”ምንቅስቓሱ” ንደሞክራስያዊ ሓሳባትን ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ንዝገብር ጥራዩ ክወሃብ ዝግብኦ። ማክስ ስቶክማን ሓላፊ ንናይ እምነት ማሕበራት ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብር መንግስታዊ ትካል ሽወደን: ሓላፊ እዛ ቤተ- ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘስምዖ ደገፍ ዝተቐድሐ ሪኮርድ ሰሚዕናዮ ሰለ ዘለና፣ ክንገብሮ ዝጸናሕና ሓገዝ ደጊምና ክርእዮ ኢና ኢሉ ኣሎ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብዛ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ሽወደን: ኢድን ጽልዋን ከምዘይብሉዩ ዝኽሕድ: ሓላፊ ፕሮጀክት ውህደት ስደተኛታት መንእሰያት ኤርትራውያን ኣማን ርእሶም ግን: ነቲ ክሲ እኳ እንተኸሓዶ ኣብ መንጎ ቤት-ክርስታያኑን መንግስቲ ኤርትራን ሓድሕዳዊ ምክብባር ከምዘሎ ኣሚኑ ኣሎ።
ዜናዊ ጽሑፍ ሃገራዊ ተለቭጅን ሽወደን 11 መስከረም 2017።
EPDP CC 8th Regular Meeting Forms Commission For Party Renewal; More Sessions Will Follow
Written by EPDP Information OfficeThe Central Council of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) on Sunday 10 September, 2017, adopted a Party Renewal document and formed a new Commission for Party Renewal which is expected to report to the Council every two months on the implementation of the document and additional ideas and tasks that can surface in repeated consultations with all concerned inside and outside the Party. The Commission is mandated to function till the next EPDP Congress in two years.
The party renewal project was decided during the 7th regular meeting of the EPDP Central Council that ended on 18 September 2016. It is to be recalled that a research body formed by the Executive Committee presented its paper at the Party Conference of March 2017 in Frankfurt, and the document now adopted by the EPDP leadership is a summary of those findings so far discussed.
The chain of sessions, being held electronically every weekend, are attended by the EPDP Central Council members who reside in the following 12 countries, listed in alphabetical order: Australia, Canada, Denmark, Ethiopia, Germany, Holland, the Sudan, Norway, Sweden, Switzerland, the United Kingdom and the United States of America.
The current 8th Regular Meeting of the Council held its first and second session on 26 and 27 August 2017 during which it reviewed and adopted annual reports of the nine executive offices and other organs of the party. After skipping a weekend for the Eid al-Adha Holiday, the third session convened on 9 September deliberated on reports received from various organs in North America dealing with a destructive hiccup caused by a faction in the zonal leadership and its accomplices. In this regard, the Council reviewed a draft paper presented by the executive body and decided as follows:
- The unruly acts and wild pronouncements of the ex-zone committee in North America have nothing to do with the EPDP and its organs;
- Highly commends EPDP North America members who are abiding by decisions of the party leadership elected at the second EPD Congress of 2015, and who are closely cooperating with the newly formed Preparatory Committee for an emergency zonal congress for EPDP North America;
- Likewise, the EPDP Council called upon all members in North America to closely cooperate with the Preparatory Committee and share their views by attending the emergency congress now under preparation.
As noted earlier, the 4th session of the current meeting on Sunday, 10 September, dealt mainly with party renewal issues although it also managed to vote on elected Zerabruk Gebre-Tatewos of EPDP Holland to be the new Auditor General of the party finances. The next session is scheduled for Sunday, 17 September 2017.
ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቁምነገርን
Written by Festival 2017 Frankfurt4ይ ክፋል
እውንታን ኣሉታን ዲሞክራሲ
ኣብ ዝሓለፈ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ከምዝተገልጺ ብዛዕባ ገለ ካብቲ መትከላት ዲሞክራሲ ተጠቒሱ ነይሩ። ዲሞክራሲ ክም ሕያሽን ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ምግባርን ዜጋታት ኣፍልጦ ዲሞክራሲን ክብርታቱን ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ክእለታትን ተፈጥሮኣዊ ዝምባሌ ክህልዎም ንሓባራዊ ሸቶ ንምብጻሕ ምውደብን ከምዘድሊ ብሩህ እዩ። እቶም ኣብ ሓባራዊ ሸቶ ንምብጻሕ ዝተወደቡ ኣካላት ከኣ ዝቕይዶም ሕጊ ከም ዝሕንጽጹ ፍሉጥ እዩ። ዝኣስሮም ሕግታት እንተዘየልዩ ግና ፍንጡሕን፥ ፍረኣልቦን ውጽኢት እዩ ክኸውን።
ኣብ ራብዓይ ክፋል ዝቕጽል ዘሎ እምበኣር ብዛዕባ እውንታታትን ኣሉታታትን ናይ ዲሞክራሲ ብምግላጽ ንዲሞክራሲያዊ ውሳኔታት ንምብጻሕ ዝውሰድ ኣገባባት ክንርኢ ኢና።
እወንታታት ዲሞክራሲ
- ዲሞክራሲ ብዝያዳ ፍትሓዊ እዩ፥ ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብር ህዝቢ መን ከም ዝመርሖ ንኽውስን ዝኽእሎ ስለዝኾነ። ዲሞክራሲ ከምቶም ካልኦት ኣገባባት ከም ፍጹም ንግስነትን፡ ወተሃደራዊ ምልካውያን፥ ሃይማኖታውያን ወዘተ ንድሌታት ናይ ዝበዝሐ ህዝቢ ረጊጹ መን ከም ዝመርሕ ንምውሳን፥ ኣብ ንእሽቶ ጉጅለ ወይ ውዲታውያን ሰባት ወይ ውልቀሰብ ወይ ቃሕ ብዝበሎ ኣገባብ ከም ትውልዳዊ ውርሻ ዝምርኰስ ኣይኮነን።
- ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ሕጋዊነት መሪሕነት ወይ መንግስቲ ንኽረጋጋጽ ምድማጽ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ። ምኽንያቱ ንሳ ወይ ንሱ መሰል መራሒ ናይ ምዃን ብመገዲ ምርጫ ህዝቢ ክማጎት ዝኽእል መሰል ስለዘለዎ። እዚ ከኣ ንፖለቲካዊ ርግኣት የዕዝዝ።
- ፍጹም ንግስነት ወይ ምልኪ ኣብ ዝህልወሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ መን እዩ ብቑዕ ተካኢ ኣብ ዝብል ክርክር ይምዕብል እሞ ሓድሓደ ግዜ ናይ ፖለቲካ ቆይቁ ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ መንቀሊ ናይ ውግእ ሓድሕድ ኩነታት ከምርሕ ይኽእል። ዲሞክራሲ ግን ንመንግስታትን መራሕትን ኣብ ምቕያር ሰላማዊ ምስግጋር ዘውሕስ ውጽኢታዊ ኣገባብ እዩ።
- ዲሞክራሲያዊ ስርዓታት ግሉጽነት ወይ ቅሉዕነት ምርግጋጽን ብልሽውና ብዝምልከት ምቁጽጻር ምግባርን ኣዝዮም ብሉጻት እዮም። ምኽንያቱ ተጻረርቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ወይ ጉጅለታት ንናይ መንግስቲ ጌጋታትን ገበናትን ንምቅላዕ ዘድሃበ ብቐጻሊ ዘካይድዎ ፈተነ ስለዘሎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መንግስቲ ንምንቃፍ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ ስለ ዝኾነ፥ እዚ ናይ ተሓታትነት ደረጃ ኣብ መብዛሕትኦም እንኮ ሰልፍን ኣውቶክራት ስርዓታትን የለን።
- ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንዝጎሃዩ ወይ ዘይዓገቡ ብሰላም ናይ ከስተንፍስሉ ዝኽእሉ ዕድላት ከተግብር ይኽእል።ዜጋታት ከኣ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንመራሒ ይኹን መንግስቲ ናይ ምልዋጥ ድምጺ ከም ዘለዎም ብዝግባእ ይፈልጡ። ስለዚ ብወገን ህዝቢ ናይ ናዕቢ፥ሓፈሻዊ ኣድማ ወይ ናይ ዓመጻዊ ኣብያ ምምርኳስ ዕድል ዝወሓደ ይኸውን።
- ዲሞክራሲያውያን መንግስታት ናብ ውግእ ገጾም ክኸዱ ዘለዎም ዕድልዝተሓተ እዩ።ምኽንያቱ ብኣጠቓላሊ ናይ ህዝቢ ፍቓድ ከሰንዮም ስለ ዝደልዩ። ውልቀ መላኺ/ትግኛ መብዛሕትኡ ግዜዊ ንብዝበሎ ንሃገሩ/ንሃገራ ናብ ውግእ ከእትዋ ይኽእል እዩ።
- ዲሞክራሲ ንዜጋታት ናህና እዩ ብምባል ናይ ምትእስሳር ስምዒት የተባብዕ።ኣብ ፖለቲካዊ ምስርሕ ምሉእ ተሳትፎን ናይ ዋንነት ስምዒትን ይህልዎም።
ኣሉታታት ናይ ዲሞክራሲ
- ናብ ሓጺር-ግዜ ዝብል ዝንባሌ ኣሎ። ምኽንያቱ መራሕቲ/መንግስታት ብኣጠቓላሊ ንሓደ ውሱን ዕድመ ከገልግሉ እዮም ተመሪጾም። (ከምቲ ልሙድ ኣብከባቢ 4 ወይ 5 ዓመታት) መብዛሕትኡ ግዜ ዘጨንቖም ማለት ንሶም ኣብ ዳግማይ ምምራጾም እምበር ኣብቲ ኪኖ መጻኢ ምርጫ ኣይኮኑን ዝርእዩ። ገለገለ ማሕበራ’ውን፥ከባቢያውን ቁጠባውን ሽግራት ንምፍታሕ ኣዝዩ ነዊሕ ዝኾነ ግዜ እዩ ዘድሊ።
- ምልኪ በዙሃን ጉጅለ ንውሑዳን ጉጅለ ሕብረተሰብ ብቐጻሊ ኣስጋኢ እዩ። ከም መራሒ ወይ መንግስቲ ንረብሓታት ናይ ዝዓበየ ማሕበራዊ ጉጅለታት ጥራሕ ከገልግልን፥ናይ ካልኦት መስል ክዕምጽጽን ዋላ እውን ሸለል ዝብልን ክኸውን ይኽእል።
- ውሑዳት ሃገራት ታሪኻዊ ባህሎም ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ዲሞክራሲያዊ ስርዓታት ናይ መንግስቲ ኣየዋጽኦን እዩ፥ ካልእ ዓይነታት መንግስቲ እዩ ዝሓሸ (ዝሰርሕ) ክብሉ ይከራኸሩ።ናይ ምዕራባውያን ጽንሰ ሓሳብ ሱርመሰረቱ ኣብ ጥንቲ ግሪኽን ናይ ሮማን ኤውሮጳዊ ባህሊ ኣለዎ።እዚ ከኣ ንምብራቕን፥ ኣፍሪቃውን ሃገራት ዘይቃዶ ክኸውን ይኽእል።
- ዲሞክራሲ ናብ ግብራዊ ዘይኮነ ልፍንትታት ንመወዳእታ ዘይብሉ ፍልልያትን ቆይቅን ፍታሕ ዘይርከቦ ፖለቲካዊ ህልኽን ከኸትል ይኽእል።ካልእ ፖለቲካዊ ስርዓታት ግን ናብ ዝሰመረ ኣቕጣጫ ክቕጽሉ ቀሊል ኮይኑ ይረኽብዎ። ውሑዳት ጥንታዊት ሮማ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር፥ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ቀይሳር ዝነበረትሉ ምሕደራ እያ ዝያዳ ዝሰርሐት ክብሉ ይከራኸሩ።
- ብምልኣት ዝሰርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ዝተማህረን ሓበረታ ዝቐሰመን ህዝቢ እዩ ዝምርኰስ። ፖለቲካዊ መስርሕ ብኮርፖረሽናትን፥ ሃብታማት ውልቀሰባትን ዝንቡዕ ወይ ትሑት ዓይነት ሚዲያን ፍሉይ ናይ ረብሓ ጉጅለታት ክጭወን ክመዛበልን ይኽእል።
- ዲሞክራሲ ዝያዳ ንድሌታት ወልቀሰብ ከማልእ ይሃልኽ፡ እንታይ እዩ ንመላእ ሃገር ዝሓሸ ገዲፉ ንናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓታት ጥራሕ ምሕሳብን፥ብስስዐ ንኸድምጽ የተባብዕ።
- ሓደ ፖለቲከኛ ወይ መንግስቲ ኣብ መንጎ ነታ ሃገር ዝሓሸ ረብሓታት ምንዳይን ኣብ መንጎ እቲ ንዳግማይ ምርጫታት ዝህሉዎም ዕድላት ዘዛይድ ምውሳን ሓድሓደ ግዜ ናይ ረብሓ ግርጭት ክኽሰት ይከኣል። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ነቲ ዳሕራይ ማለት ነቲ ዕድላት ናይ ዳግማይ ምርጫ ዘዛይድ እዮም ዝመርጹ።
- ምርጫታት ብዙሕ ግዜ ክወስድን ግዙፍ ብዝሒ ገንዘብ ከህልኽን ይኽእል። እቲ ምእንቲ ናይ ፖለቲካዊ ምልክታት ወይ መላለዪ ብሚልዮናት ዝጠፍእ ገንዘብ ናብ ካልእ ዝሓሸ ዝያዳ ጠቓሚ ነገራት እንተዝጠፍእ ምሓሸ ነይሩ ዝብል ክርክር ክለዓል ይኽእል እዩ።
- ዲሞክራሲያዊ መስርሕ፥ ፖለቲከኛታት ከዕቅብዎ ዘይክእሉ ምዃኖም እናፈለጡ ምእንቲ ክምረጹ መብጻዕታት ክገብሩ የተባብዕ’ዩ። እዚ ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ህዝባዊ ምስትንዓቕ ወይ ምርሕሓቕን ተስፋ ምቑራጽን ክፈጥር ይኽእል እዩ።
ዲሞክራሲ እምበኣር “እቶም ምርጭኦም ዘድምጹ ብብልሓት ከድምጹን ክመርጹን ድሉዋት እንተዘይኮይኖም፥ ዲሞክራሲ ፈጺሙ ኽዕወት ኣይክእልን እዩ።እቲ ሓቀኛ መዕቆቢ ናይ ዲሞክራሲ እምበኣር ትምህርቲ እዩ። ክብል ፍራንክሊን ዲሩዝቮልት ገሊጹ።” Franklin D. Roosevelt
ከምኡ እውን “ንሕና ንዲሞክራሲ ግብራዊ ንምግባር ተዓዘብቲ ጥራሕ ምዃን ዘይኮነስ ናይ ተሳትፎ ሓሳብ ክህልወና ይግባእ። እቲ ዘየድምጽ ኣካል ናይ ቅረታ ይኹን ምጥራዕ መሰል የብሉን።”ክብል ሉዊስላሞር ይጠቅስ። Louis L'Amour
ስለዚ ናይ ክልቲኣቶም ሓሳብ፥ሓደ ሕብረተሰብ ንዲሞክራሲያዊ መትከላትን ጽንሰ ሓሳባትን ብግቡእ እንተዘይፈሊጥዎን ኣተግቢርዎን ዲሞክራሲ ክዕወት ኣይክእልን ማለት እዩ።
ምስምማዕ ወይ ከኣ ሓባራዊ ስምምዕ
ኣብ ዲሞክራሲ ሕጊ ተኸቲልካ ብምኻድ ንኣብዝሓ ድምጺ ብዘይዕንቅፍ ኣገባብ ስምምዕ ውሳኔታት ክውሰድ ይከኣል። እቲ ዝውሰድ ውሳኔ ንኹሉ ከዕግብ ኣይክእልን ይኸውን፥ ይኹን እምበር ብናይ ብዙሓት ተማእዚዝካ ምኻድ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዓንዲ ሕቘ ናይ ዲሞክራሲ እዩ። ሎሚ እንተዘይተዓወትካ ጽባሕ ሕጊ እናኣኽበርካ ነቲ ዝተወስደ ውሳኔ ግጉይ ምዃኑ ክተእምን ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ዲሞክራሲ እዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ነጥብታት የተግብር።
1-ስምምዕ ወይ ሓባራዊ ስምምዕ፦እንታይ ደረጃ ናይ ስምምዕ ኢዩ ኣድላዪ? መኣስ’ዩኸ ሓባራዊ ስምምዕ ተበጺሑ ዝብሃል? ሽሕ’ኳ ናይ ብዙሓን ድምጺ ሰዓሪ እንተዀነ፡ 51% ብ49% ድምጺ ክኸውን እንከሎ ስምምዕ ዘይኰነስ፡ በሊሕ ምግምማዕ ከምዘሎ ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ሓደ ጕዳይ ስምምዕ ወይ ድማ ሓባራዊ ስምምዕ ኣሎ ክንብል እንተደኣኰና፡ እቲ ድምጺ 65% ብ35% ወይ ድማ 50% ብ25% ኰይኑ፤ እቶም ዝተረፉ 25% ድማ መርገጽ ዘይሓዙ ወይ ዘየድመጹ ምስ ዝዀኑ ኢዩ። ስምምዕ ወይ ሓባራዊ ስምምዕ ዝብል ኣምር፡ ሓደ ፍጹም ሕጊ የብሉን። ዋላ ሓባራዊ ስምምዕ እንተሃለወ ጌና ፍልይ ዝበለ ወይ ተጻራሪ ርእይቶ ዘለዎም ሰባት ክህልዉ ኢዮም።
2-ምምኽኻር፥- ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ንመርገጻቱን ሓሳባቱን ሓደ ነቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ምዕጋብ ዝካየደሉ መስርሕ ኣዩ። እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍ በቲ ሓደ ሸነኽ ዘሎ ጥራሕ ንምእማን ክፉት ማለት እዩ ኣይኮነን። ምምኽኻር ብመሰረት ወድዓውን ከመይነትን ኩሉ ጉዳይ ዘቕርቦ እማመ ብተዘዋዋሪ ይኩን ብቕጥታ ንሓባራዊ ረብሓ ዘዕዝዝ ክርክር ይግበር። እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጉባኤን ኣብ ናይ ደውላ ሓገግትን ዝካየድ ምይይጥ ናይ ምምኽኻር ባህሪ እዩ።ንሱ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ብልጫታት ወይ ዝያዳ ዕድላት ኣብ ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ኣብቲ መስርሕ ዝረአ እዩ።
3- ልዝብ- ናብ ስምምዕ ንብጻሕ ከም መመላእታ መሳርሒ ናይ ምምኽኻር እዩ። ካብዚ ንንየው ኣብ ልዝብ፥ ነቲ ካልእ ሸነኽ ብመሰረት ጎድናዊ ጉዳይ ናይ ምእማን ሕቶ ዝግበር ክርክር የለን። ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ ኣብ እምነቱ ይጸንዕ ግን ምናልባት ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ድሌታቱ ከርኢ ፍቓደኛ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ልዝብ ብዙሕ ተኽእሎታት ኣሎ፡ ግን እቲ ቀንዲ መቖሚ ሓደ ዓይነት ይኹን ወይ ካልእ ሕድገት እዩ። ኣብ ሕድገት ነፍሲ ወክፍ ወገን ገለ ነገር ክረክብ ካብቲ ንሱ ዝደልዮ ክገድፍ ኣለዎ። ንኣብነት ተሳታፊ “ሀ” ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ናይ ዝተኣመመ ሕጊ ተሳታፊ “በ” ዝጻረሮ ክድምስስ “በ” ነቲ “ሀ” ዘይድግፎ ከልግስ ድልው ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ።
4-ውሳኔ፥- ምውሳን ምስ ተኻእለ ጥራይ እዩ ናብ ስምምዕ ክብጻሕ ዝከኣል። ኣብ ስርዓት ውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝበዝሑ ይገዝኡ ዝብል ካብ መጠን ንላዕሊ ግዙፍ መትከል እዩ።ሽሕእኳ ዝበዝሑ ይገዝኡ ዝብል ካብ መጠን ንላዕሊ ግዙፍ መትከል እዩ ይበሃል እምበር፥ መሰል ውሑዳት ክሕሎ ይግባእ ዝብል መትከል እውን ካብ መጠን ንላዕሊ ግዙፍ መትከል እዩ።ወጥሪ ኣብ መንጎ ዝበዝሑ ይገዝኡን ኣብ መንጎ መሰል ውሑዳት ይኸበርን ኣብ ሓገግቲ ኣካላት ክህሉ ብሩህ እዩ። ኣብዚ መሰማምዒ ውሳኔታት በቶም ዝበዝሐ ድምጺ ዘሎዎም እዮም ዝውሰኑ፥ግን ከኣ እቶም ውሑዳት ኣብቲ መስርሕ ርእይቶ ኣለዎም።እቶም ናይ ዝበዝሐ ዘድመጹ ወይ ድምጺ ንምሃብ ስልጣን ዘለዎም እቲ እማመ ምስቲ ሕጊ ዝሰማማዕ ክኸውን ይግባእ።
ክቕጽል’ዩ።