ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ “ውድባት ደኺመን” ዝብል ሓረግ ናይ ብዙሓት ወገናት መውጽእ ኣፍ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነዚ ድኻመን ዝቐርቡ ምኽንያታት ከኣ ከከም በሃሊኡ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ስለ ዝበዘሓ፡ ንመንእሰይ ስለ ዘየሰለፋ፡ ብሓባር ስለ ዘይሰርሓ፡ ናይ ምውሳን ናጽነት ስለ ዘየብለን፡ መራሕተን ስለ ዘይበቕዑ፡ ነቲ ምቅዋም ከም ንቡር ህይወት ስለ ዝወሰድኦ … ውዘተ ካብቶም ናይ ድኽመተን ጠንቅታት ተባሂሎም ወትሩ ዝጥቀሱ ሓረጋት እዮም። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እውን ከም መግለጺ ድኽመተን ውጽኢት ቃልሰን “ትሕቲ ትጽቢት ህዝብና” ምዃኑ ይኣምና እየን። ድኽመት ምእማን ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ድኽመት ንምውጻእ ወርትግ ሓርኮትኮት ካብ ምባል’ውን ዓዲ ኣይወዓላን።

ኣብዚ ሎሚ እዋን፡ ብዙሓት ወገናት እዘን ውድባት ክሳብ ሕጂ “ዋላ ሓንቲ ኣይሰረሓን” ንመጻኢ እውን “ዋላ ሓንቲ ኣይክሰርሓን እየን” ኢሎም ክድምድሙ ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እታ “ዋላ ሓንቲ” እትብል ሓረግ ብዘይቃለዓለም እንጽርጽሮት ዝወለዳ እምበር ተቐባልነት ዘለዋ ኣይኮነትን። ምናልባት ምትህልላኽ ደኣ ከይከውን እምበር ነቶም ኣብዚ መጺጽ መደምደምታ ዝበጽሑ ወገናት “ንስኻትኩምከ እንታይ ሰሪሕኩም?” ተባሂሎም እንተዝሕተቱ መልሶም እንታይ መኾነ እንድዒ።

“ውድባት ኣብ ዝደኸማሉ ግደ ናይቶም ድኽመተን ዘሻቕሎም ወገናት እንታይ ክኸውን ይግበኦ?” ዝብል ጉዳይ ኣዘራራቢ ክኸው ዝግበኦ እዩ። ኣማዕዲኻ ምንቃፍ ክሳብ ክንደይ ቀሊል ምዃኑ ንጹር እዩ። ነቒፍካ ካብ ናይቲ ዝነቐፍካዮ ኣካል ዝሓሸ መተካእታ ሒዝካ ምቕራብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከኣ ንኹልና ዘረዳድኣና ይመስለኒ። መተካእታ ዘየብሉ ነቐፈታ ግና ኪኖ ቆይቊ ፋይዳ የብሉን። እዞም ውድባት ደኺመን ዝብሉ ወገናት ኣብ ውሽጦም  ብዛዕባ ውድባት ክገብረኦ ዝግበአን ዝነበረ ግና ዘይገበርኦ ራኢ ዘለዎም ይመስለኒ። ካብዚ ነቒልካ “እሞ እቲ ውድባት ክገብረኦ ዝግበአን ዝነበረ ግና ዘይገበረኦ ብዝምልከት ኣብ ክንዲ ተመዓዲኻ ምውርጻጽ ቀሪብኩም ብዝመረጽኩምዎ ኣገባብ ተወዲብኩም ዘይተተግብርዎ?” ተባሂሎም ክሕተቱ ዝግበኦም እዩ። እዚ ማለት ናይ ግድን ናብተን “ ዋላ ሓንቲ ኣይሰርሓን” ትብልወን ውድባት እተዉ ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ “እቶም ከምዚ ዓይነት ነቐፈታዊ ናይ ሓባር መደምደምታ ዘለኩም ወገናት ውዳበ ፈጢርኩም ነቲ ህልዋት ውድባት ክዓመኦ ዘይከኣላ ዘይትዓምዎ” ንምባል ዝኣክል እዩ።

ነቲ ክኸውን ዝግበኦ መንገዲ ጓሲኻ፡  “ናይ ሓባር መዝሙር ሰላም” ወይ “ህዝቢ ንህዝቢ” ኣብ ዝብሉ ተበግሶታት፡ ምስታፍ ከሎ ጋና እትጻረሮ ንጥፈታት’ኳ እንተዘይኮነ፡  መተካእታ ፖለቲካዊ ውድባት ወይ ሰልፍታት ኤርትራ ክኸውን ከምዘይክእል ግና ክንጸር ይግበኦ። ንህልዋት ውድባትን ሰልፍታትን ክትጻረር ክትብል፡ ንወሳንነት ህላወ ፖለቲካዊ ውደባ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ምዝንጋዕ ቅቡል ኣይኮነን። እዞም ዝተጠቕሱ ንቕሎታት ውድባት ስለ ዘይሰረሓ ከም መተካእታ ዝመጹ፡ ውድባት እንተሰሪሐን ግና ዘየድልዩ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ህላወ ውድባት እውን ናቶም ዝተፈልየ ተልእኮ ሒዞም ዝረኣዩ እዮም። ክስጉሙዶ ይኽእሉ ኣይክእሉን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ። ስለዚ ነዚ ንቕሎታትዚ ንምስሳይ ምስ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት ምርጻምን ኣድላይነተን ምኽሓድን ናይ ግድን ኣይኮነን። ገለ ወገናት ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ተስፋ እንተቖረጹ ዘገርም ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ህላወን ብርታዐን ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ግድን እዩ ዝብል እምንቶ ዘለዎም ወገናት፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ብውድባት ይቕጽሉ ኣለዉ። ንመጻኢ እውን  ክቕጽሉ ባህርያዊ እዩ። ብዘይ ፖለቲካዊ ውዳበ ዝፍጠር ናይ ለውጢ ዓቕሚ ስለ ዘየለ።

“ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ካብ ድኽመት ኣይወጻን” ምባል ዘረዳድእ ኮይኑ “ዋላ ሕንቲ ኣይሰረሓን” ኢልካ ህልም ምባል ግና ቅቡል ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ እውን “ዋላ ሓንቲ ኣይክሰርሓን እየን” ኢልካ ምድምዳም ከኣ ብርኢቶይ ዝገደድ እዩ። ውድባት ኤርትራኮ ብሰባት ዝቖማ እየን። ሰባት ከኣ ካብ ተመኩሮኦም ከም ዝመሃሩ ብዙሕ ተመኩሮታት ዘረጋገጾ እዩ። ስለምንታይከ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩረኣን ተማሂረን ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመተን ኣለልየን ከእርማ እየን ኢልና ናብ ትስፉው ኣንፈት ዘይነመዓዱ። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጉዳያት ከም ዝተጸበኻዮም ናይ ዘይምዃን ዕድል ዘጋጥም እዩ። ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ዝተሓላለኸ ዓለማውን ዘባውን ኩነታት ውጽኢት ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝድህሰስ ውጽኢት ከመዝግብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። እዚ ማለት ለውጢ ኣይመጽእን’ዩ ማለት ዘይኮነስ እቲ መስርሕ ለውጢ ግዜ ዝወስድ ዘገምታዊ’ዩ ንምባል ዝኣክል እዩ።

እቲ ካልእ ቁምነገር እምበኣር፡ እዚ በብኩርንዑ ንዕዘቦ ዘለና ምዕባለታት “ናብ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ’ዩ?” ዝብል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ውድባት ዝፈላልየን ወጊነን፡ ኣብቲ ዘሰማምዐን ብሓባር ካብ ምስራሕ ካልእ መተካእታ ከም ዘየብለን ናይ ሓብር ዕግበተን እዩ። ኣብዚ መደምደምታ ዘብጻሐን ከኣ ውጽኢት ተመኩሮአን ኣብ ቃልሲ እዩ። ሕጂ ነዚ ዝብቅዕ፡ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ሕድገትን ተወፋይነትን ምጥራይ ኣብ ቅድሜአን ዘሎ በዳሂ ዕማም እዩ። እዚ ከኣ ቅርቡነትን ልባዊ ህዝባዊ ሓልዮትን እንተልዩ ዘይከኣል ኣይኮነን። እዚ ከበሃል እንከሎ ከምቲ “ ንጸገማት ኣብ ከምቲ ክንፈጥሮም እንከለና ዝነበረና ኣተሓሳስባ ኮይና ዘይኮነ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪና ኢና ክንፈትሖም እንኽእል” ዝበሃል፡ ነዚ ዘብቀዓና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ከነጥሪ ክንበቅዕ ይግበኣና። 

Friday, 15 September 2017 15:20

ኣይፋልካን ዶክተረ

Written by

ሓሙሻይ ክፋል

ተሓላቒ ሓድነት እናመሰልካ ጐደና ምፍንጫል ምሓዝ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘድከመ ተሞክሮ እዩ። ምፍንጫል ኣዝዩ ኣሕማሚ ተሞክሮ እዩ። ካብ እትፈትዎምን እተኽብሮምን ዝነበርካ ይፈላልየካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሓባር ብኽንደይ መስዋእቲ ዘረጋገጽካዮ መኽሰባት ዝጐድእ መስርሕ ብምዃኑ ኣዕናዊ እዩ። እቶም ንጐደና ምፍንጫል ዝመርጹ፡ ኣብ ትሕቲ ጭርሖ ሓድነት ክሕብኡ ምፍታኖም ከኣ፡ ምኽንያቱ ርዱእ እዩ። ሓላፍነት ዝመረጽዎ ጐደና፡ ንኻልኦት ኣካላት ከሰክሙ ስለ ዝደልዩ እዩ። ምፍንጫል ግን ዘጋጊ ኣምር ኣይኮነን። ካብ ሓደ ምሉእ ኣካል እናወጻእካ፡ ምፍንጫል ኣይመርጽኩን ምባል፡ ንብዙሓት ከታልል ዝኽእል ኣይኮነን። ምፍንጫል ዝመረጸ፡ ብዕቱብ ንምርጭኡ ሓላፍነት ክወስደሉ ኣለዎ። ዋላ’ኳ ምፍንጫል ዘይድገፍ እንተኾነ፡ ንእትወስዶ ዘለኻ ምርጫ ብሓላፍነት ሒዝካ፡ “ንሕና: ንኣካይዳ ዝነበርናዮ ሰልፍን መሪሒነቱን ስለ ዘይዓገብናሉ ክንፍንጨል መሪጽና ኣለና” ምባል፡ ንባዕሉ የኽብረካ እምበር ኣየሕስረካን እዩ። ባዕልኻ፡ ብምርጫኻ፡ ኣብ ጐድና ምፍንጫል ሸናዕ ክትብል እናረአናካ፡ ኣይፋለይን ኣብ ጐደና ሓድነት’የ ዘለኹ ኢልካ ዓይንና ከተንቁር ምፍታን ግን ነውሪ’ዩ፡ ክብረት ውን ኣይህበካን እዩ።

እቲ ንጐደና ሓድነት ዝመረጸ ከተለልዮ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከም ዝገለጽክዎ፡ ጐደና ሓድነት ዝመረጸ፡ ነቲ ብጉባኤ እተሓንጸጸ ውሳኔታትን መሪሕነትን ተማእዚዙ፡ ኣርሒቑ ብምጥማት ለወጢ ከምጽእ ዝቃለስ እዩ። ብእምነተይ ኣብ ውሽጢ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኮይንካ ክትቃለስ እንተመሪጽካ፡ ከይተፈንጨልካ ዝደለኻዮ ከተረጋግጽ ዘኽእል ዕድል ህሉው’ዩ በሃላይ ኢየ። ኣብ’ዚ ዝጠቐስክዎ ኩነታት፡ ኣብ መስርሕ፡ ርእይቶኻ ኣብ ቦታ ውሑዳት ክርከብ ይኽእል እዩ። ዲሞክራስያዊ ባይታ ቃልሲ ስለ ዘሎ ግን፡ ብመስርሕ ርእይቶ ውሑዳት ዝነበረ ርእይቶ ብዙሓት፡ ርእይቶ ብዙሓት ዝነበረ ድማ ርእይቶ ውሑዳት ክኸውን ዕድል ኣለዎ። ንኸምዚ ዝመስል ግዜ ዝወስድ መስርሕ ቃልሲ ብትዕግስቲ ክትሕዞ እንተዘይመሪጽካ ግን እቲ ዝሓጸረ ኣቋራጭ መንገዲ ምፍንጫል እዩ።

ተሞክሮ ምፍንጫል

-ንህሉው ወለዶ ጌጋ ከይንምህሮ ምእንቲ፡ ንተሞክሮና ብቕኑዕ ኣገባብ ኣብ ምቕራቡ ሕልናዊ ግደታ ከምዘለና’የ ዝኣምን። ኣብ ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብጉባኤ ኣቢልካ ፕሮግራምካን ቅርጺ ኣሰራርሓኻን ምሕንጻጽን መሪሕነትካ ምምራጽን ብ1971 ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉብኤ’ዩ ተኣታትዩ። እዚ ከኣ ዓወት እቶም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ዲሞክራስያውን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዓወት ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ብሓፈሻ’ዩ ነይሩ። ነዚ እተረጋገጸ ዓወት’ዚ፡ ኣጽኒዕካ ምሓዝ ከኣ ሓላፍነት ኩሎም ዲሞክራስያውን ኣካላት’ዩ ነይሩ።

- እቲ ዓወት ዝቖጽሮ ዘለኹ፡ እቲ መስርሕ ድኣ እምበር ፡ ኣብ’ቲ ብ1971 እተኻየደ ቀዳማይ ጉባኤ ዝሓለፈ ውሳኔታትን ዝወጸ መሪሕነትን ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ውሳኔታትን መርሕነትን ብዙሕ ዕቃበታት’ዩ ዘለኒ። ቡቕሊ ዲሞክራስያ ግን፡ ብዝተማልአ ኣገባብ ብሃንደበት ኮፍ ክብል ከምዘይክእል ርዱእ ስለ ዝቖጽሮ፡ ምስ ዘለኒ ዕቃበታት፡ ነቲ መስርሕ ብልቢ’የ ዘድንቖ። ከም ዓብይ ዓወት ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ከኣ’የ ዝቖጽሮ።

-እቲ ምስ ኩሉ ጉድለታቱ ኣብ ተሓኤ እተቐልቀለ ቡቕሊ ዲሞካራስያ እምበኣር፡ ኣብ ጉዕዞ ካብ እዋን ንእዋን ብተሞክሮ እናማዕበለ ንንቕሓትና ኣብ ምህብታም ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ድሕሪ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ዝነበረ ቃልሲ፡ ብሓደ ወገን ብመንገዲ ጉባኤታት ኣቢልካ ውሳኔታት ምሕላፍን መሪሕነት ምምራጽን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነዚ ነጺግካ ምፍንጫል ምምራጽ’ዩ ነይሩ ክበሃል ይኽእል።

- እቲ ብጉባኤታት ኣቢሉ ለውጢ ከምጽእ ብስነስርዓት ዝቃለስ ዝነበረ ኣካል፡ ኣብ ትሕቲ ዘይደልዮም መራሕትን ኣብ ትሕቲ ዘይድግፎም ውሳኔታትን ኮይኑ ዝቃለሰሉ እዋን ነይሩ እዩ። ከምዚ ክገብር ከሎ፡ ጉባኤ፡ ከም ዝለዓለ ስልጣን ኣብ ተሓኤ ክብረት ረኽቡ ብምንባሩ፡ ብቓልሲ፡ ኣብ ጉባኤታት ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ምሉእ ዕግበት ስለ ዝነበሮ እዩ። እቲ እምነት፡ ኣብ ውሱናት መራሓቲ ወይ ኣብ ውሱናት ሰባት ኣይኮነን ነይሩ። ኣብ’ቲ መስርሕ’ዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ብጉባኤ ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ እትደልዮ ውሳኔ ምሕላፍን እትደልዮም መራሕቲ ምምራጽን’ዩ ነይሩ። ምእንቲ’ዚ ክቡር መስርሕ ዕድመኻ ኣብ ቃልሲ እንተበለየ፡ ክቡር መስዋእቲ እንተኸፈልካ ሓላል ዝቖጽሮ ድማ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ።

-ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ክትስዕር ምሕላን ዲሞክራስያዊ ባህልን ንቕሓትን እዩ። እታ እንምነያ ዘለና ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንድምጺ ብዙሓት ኣተኽብር’ያ ክትከውን። ንድምጺ ብዙሓት እናኣኽበረት ውሑዳት እቲ ዝግብኦም ክብረት እናረኸቡ ድምጾም፡ ድምጺ ብዙሓት ክኸውን ንኽቃለሱ ዲሞክራስያዊ ባይታን ዕድልን እተፍቅድ ክትኮነልናዩ ትምኒትና። ነዚ ኣገባብ’ዚ ክዓናቕፍ ዝደሊ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰልፊ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ኩሉ ግዜ ዘራጊ ግደ’ዩ ዝጻወት።

- ድሕሪ’ቲ ብ1971 እተረጋገጸ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ፡ ኩለን እተረኽባ ምፍንጫላት ነቲ ብጉባኤ ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ለውጢ ምርግጋጽ ዝብል መስርሕ ዝሃረማ እየን ነይረን። ኣብ ተሓኤ፡ እቶም ብኹርዓት ንተሞክሮኦም ከዘንትው ዝኽእሉ ድማ፡ ነቲ ኩሉ ዝነበረ ላዕልን ታሕትን በዳሂ ተሞክሮን ሓሊፎም፡ ብመንገዲ ጉባኤ ለውጢ ከረጋግጹ ኣተቓልሱ ኣካላት እዮም። እዚ ድማ መራሕትን ኣባላትን ኢልካ ብምፍልላይ ብዘንባዕ ኣገባብ ዝቐርብ ዘይኮነስ፡ ከም ፖለቲካዊ መስመር ንመራሕትን ኣባላትን ሓቑፉ ብኣረኣእያ ንጉዕዞ ቃልስና ኣብ ክልተ ደምበ ዝገምዐ’ዩ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን ብጉባኤ ለውጢ ክረጋግጹ ዝደልዩ፡ ምእንትኡ ከቢድ ዋጋ እናኸፈሉ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ጩራ ብርሃን እናኣማዕደው እተቓለሱ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ንግዜዊ ረብሓታት ንመስርሕ ጉባኤታት ጠሓሒሶም ምፍንጫል ብምምራጽ ኩደታ ክፍጽሙ ዝሕልኑ’ዩ ነይሩ።

- ኣብ ተሞክሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣምበኣር፡ ድሕሪ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝተራእየ ምፍንጫላት ብኸምዚ ዝመስል ኣገባብ’የ ዘንብቦ። ካብ ቅኑዕ ንባብ እዚ ተሞክሮ’ዚ እንመሃሮ ኣገዳሲ ትምህርቲ ድማ ኣሎ። ብጉባኤታት ኣቢልካ ብድምጺ ብዙሓት ተደጊፍካ ንእትደልዮ ዕላማ ከተረጋግጽ ምቅላስ፡ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ከምኡ ዝመስል ዕድል ዘፍቅድ ሰልፊ ምዃኑ እዩ። ተርባጽ ግን፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ቃልሲ ሕማም መንሽሮ እያ። ብጉባኤታት ኣቢልካ ለውጢ ከተምጽእ ትዕግስትን ጹረትን ዘይብልካ እንተኾንካ፡ በታ ሕማም መንሽሮ ዝኾነት ተርባጽ ተለኺፍካ ኣለኻ ማለት’ዩ። ኣብ ጐደና ምፍንጫል ሸናዕ ክትብል እንተረአናካ ከኣ፡ ኣይገርምናን እዩ። ክንደየናይ ዝኸውን ሃሳያ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያዊ ቃልስን መስርሕን ትገብር ከምዘለኻ ግን ኣይትዘንግዓዮ።

ክቕጽል እዩ

ዝኸብረካ ዶክ. ገብረ ገብረማርያም

ሰላም ምሳኻ ይኹን። ካብዚ ቀጺለ ፡ ኣብ ራባዓይ ክፋል ጽሑፍካ ፡ ምሳልያዊ ታሪኽ (Parable) ድሕሪ ምቕራብካ ፡ ንኣንበብቲ እዞም ክልተ የእዱግ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብሉ? ንዝብል ሕቶ ብወገነይ ብከምዚ ዝስዕብ እፈትሖ። ንኣንበብቲ ንምዝኽኻር ዝኣክል፡ ትሕዝቶ ናይቲ  ምሳልያዊ ታሪኽ ከምዘለዎ ኣስፊረዮ ኣለኹ። ዘገርም እዩ ገለ ከዛኻኽረኒ ኪኢሉ ። ናይ ቛንቛ ትምህርቲ ኣብ ዝወስደሉ ዝነበርኩ ግዜ ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መምህረይ ቃላትን ሓረጋትን ስዉር ወይ ዝተማሳቓለ ትርጉማት ክህልዎም ከም ዝኽእል የውካኣልና ነይሩ።

ወዮዳኣ ምሳልያዊ ታሪኽ (Parable) ምጽሓፍ ካልእ ጣጣ ከይፈጥረለይ እንዳፈራሕኹ’ምበር፡ ብዛዕባ ክልተ ነብሶም ዝፈትዉ ዝነበሩ የእዱግ/ኣባቕል፡ መታን ከምመምሃሪ ክኾነና፡ ከዕለኩም። መጀመሪያ ግን ሓደራ ክብል፡ ምሳልያዊ ታሪክ መለኽቲ ጥራሕ ኢዩ ዘሕልፍ። ኣብቲ ታሪክ ዝጥቀሱ ባእታታ/ኣስማ (ተዋሰእቲ) ንዝኮነ ኣይመኽቱን/ኣይውኩሉን (ምናልባት ሕጂ’ውን “የእዱግ/እባቕ ኢሉና ዝብሉ ከይርከቡ)። እዞም ክልተ የእዱግ/ኣባቕ ሕጽር ብዝበለት ገመድ ፡እቲ ሓደ ንምብራቕ ኢቲ ሓደ ካኣ ንምዕራብ እንዳጠመቱ፡ ብሓደ ኣብ ክሳዶም ተኣሲሮም ነበሩ። ክልቲኦም ብሓደ ጊዜ ከምዘየርክብወን ተገይረን ዝተቐምታ ኣብ ቀቅሚኦም ክልተ ኩምራ ሓሰር ካኣ ነበራ። እቲ ሓደ ካብታ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ኩምራ ክምገብ እምተበል እቲ ካልእ’ውን ካብታ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ኩምራ ክምገብ ስለዝደሊ ይውጥቶ’ሞ ኣይርክባን። ኢት ሓደ’ውን ከምኡ። እንድሕርዳኣ እዞም ክልተ የእዱግ/ኣባቕ ክምገቡ ኮይኖም እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብሉ? ንኻትኩም እንታይ ትብሉ እንድዒ’ምበር፡ ኣነስ “ዋዕላ ክገብሩ ኣለዎም” ንበልኩ።

ኣብ መእተዊ ናይዚ ታሪኽ ወዮዳኣ ምሳልያዊ ታሪኽ(Parable) ምጽሓፍ ካልእ ጣጣ ከይፈጥረለይ እንዳፈራሕኹምበር፡ዝብል ሓረግ ከተስፍር ከሎኻ፡ የእዱግ ኢሉና ዝብሉ ከይርከቡ ብምባል ስክፍታ ዘቐመጥካ ኮይኑ ኣይረኽብኩዎን ። ብብልሓት ዘስፈርካዮ ኣንባባይ ገላቢጡ ከይትርጉሞ ንምሽፋን ዝተመርጸ ሓረግ እዩ ። ብርድኢተይ ፡ ብኣንጻሩ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ መልስታት ክዋሃቦ ከም ዝኽእል ስለዝመዘንካ ፡ ከም መልጎሚ (መዕጸዊ ኣፍ) ዝተመርጸ ኣባህህላ እዩ ። ስለዚ በዓል ኢንታስ መስቆርቆሪ ከም ዝባሃል ምስላ ፡ ኣብ ውሽጢ ሕልናኻ ፍርሃት ወይ ምጉዳል ነብሰ ምትእምማን ሃኒጹልካ ኣብ ዝብል ገምጋም በጺሐ ።

ቅድሚ ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ምፍተሐይ ፡ ባህርያት ናይዞም ክልተ ነብሶም ዝፈትዉ ኣእዱግ እንታይ ይመስል ምብርባሩ ዕዙዝ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ ከም እንተታት ዝዳህሰሰኩዎም ነጥብታት ፤

ነብሰ ምፍታው ?????

  • ብጽጋብ ፍንጭሕ ዝበሉ
  • ስሱዓት ፡ ናይ ምሃብን ምቕባልን ባህሪ ዝጎደሎም
  • ተጃሃርቲ ፡ ብብደዐ ዝነብሩ ፡ ኣነ ከምዚ ገቢረ ዝብሉ፡
  • ክናባት/ሃካያት ካብ ንጥፈታት ነብሶም ዘግለሉ
  • ነብሰ ልዕልነት፡ ክሰምዑን ክስምዑን ዘይኮኖሎም
  •  ፍሉይነት ፡ ንነብሶም ካብ ካልእ ብፍሉይ ዝጥምቱ
  • ምቅንጃው ምውርዛይ ምንእኣስ ዘዘውትሩ
  • ኣነነታውያን ፡ ብሃብቶም ፡ ብፍልጠቶም ዝምክሑ
  • ነብሰ ምፍታሽ ዝጎደሎም ፡ ተመሊሶም ንነብሶም ዘየንብቡ
  • ብሕታውያን ፡ ፍንውነት ፡ ምእዙዝነት ኣልቦ ባህሪ ዝኸበቦም ። ወዘተ ፡ ወዘተ ፡ ወዘተ

 

ስለዚ ገለ ካብዚ እንተታት እዚ ብዝውንንዎ ባህሪ ዝተጎልበቡ ኣእዱግ ይመስሉ። ኣብቲ ዝቐረበ ምሳልያዊ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋና፡ ዝከታተል ወይ ዝዳኒ ሳልሳይ ኣካል ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ባዕሎም ኣብ መቑሕ ክኣትዉ፡ ክእሰሩ ኮቶ ዘይከውን እዩ፡ እቲ ዋና ኣዋዲዱ ፡ ኣጠዓዒሙ፡ ምቹእ ግዜ ኣጽኒዑ ናብ ሳልሳይ ኣካል ድሕሪ ምቕራቡ፤ ገጋኦም ኣጽኒዑ፡ ከም ዘይእንቀሳቐሱ፡ ሓደ ንምብራቕ ሓደ ንምዕራብ ከም ዝጥምቱ ጌሩ ዝበየነ ( ዝቐየደ ) ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ሳልሳይ ኣካል ከምዘሎ ክርዳእ ኪኢለ።

እቲ ሳልሳይ ኣካል ነቶም ክልተ ኣእዱግ ክኣስሮም ወይ ካብ ኩሉ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብሎም ዝበየነሉ ምኽንያታት ገለ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝዳህሰስኩዎ እንተታት ዝተመስረተ ክሲ ስለዝቐረበሉ እዩ ዝብል እምነት የሕዲሩለይ። እቶም ነብሶም ዝፈትዉ ክልተ ኣእዱግ ፡ ኣብ ክንዲ ህርኩታት፡ ጻዕረኛታት ክሉ ዘማልኡ ፡ ምእዙዛት  ዝኾኑ ፡ ክናባት ፡ ዓዲ ዋዒላት ፤ ንዝውንንዎ ዓቕሚ ብተግባር ዘይተጠቐምሉ ፡ ኣብ ምፍራይ ዘይተዋፈሩ ከም ሓደ ኣብ ዕጹው ገንኢ ዝኣተወ ዝበርህ ቀዴል ኮይኖም ዝሓከሉን ምስቲ ዋና ንዝተሳማምዕሉ ውዑል ብተግባር ዘፍረሱን ፤ ንኽእረሙ ተባሂሉ ዝተወሰደ ብይን እዩ ኣብ ምባል በጺሐ። እቲ ብይን ካብቲ ሃንቀው ኢሎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ፡ ኣጉል ናይ ተስፋ ሕልሚ ብግዜ ስለ ዝተቐደሙን እቲ ሓሳብ ስለ ዘበርዓነን ፡ ነቲ ናይ ሓባር መኣዲ ኩምራ ሓሰር ተመጣጢሮም ከርክብሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ በጺሖም። ማይ ተሐቚኑ ጠስሚ ኣየውጽእን እዩ።

ብናተይ ርእቶ፡ ከም ዘላቒ ፍታሕ ዘየዳግም ኢለ ዝሓስቦ፤ ከምቲ ባዕልኻ ዝመለስካዮ ዋዕላ ዘይኮነስ፡ መዲድ ተጻዒኖም ተደቢሮም ይቕረታ ሓቲቶም፡ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ካብ ድሑር ዝንባለታቶምን ወጺኦም ናብ ልቦም ምስ ዝምለሱን ነቲ ምስ ዋኖኦም ደንበ ተዋሃሂዶም ክነብሩ ዝኣተውዎ ድንክል ኣኽቢሮምን ተማእዚዞምን ምስ ዝኸዱን ናይ መጻኢ ሂወቶምን ድልየታቶምን ዘርውይሉ ሰላማዊ መንገዲ ምስ ዝመርጹን ኢለ፡ ነቲ ምሳልያዊ ታሪኽ እፈትሖ።

ሓደ ናይ ኣዲኡ ድበልባ ብሰንጣቒት ዝቐንጠጠን ዘነወረን፡ ኣብ እቶን ኣዲኡ ውልዕ ጥፍእ ንዝብል ቁልዒ ከልምዕ ዘይኮነስ ንባዕሉ ከምቶም ቀዳሞት ቅልቅል ኢሎም ዝቐሃሙ ከይኸውን ንነብሱ ተመሊሱ ምንባይ ምሓሾ።

ጽምብል በዓል መበል 56 ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከለን

09.09.2017 56 1

ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣንጻር ጨቈንቲ ስርዓታት ከይሰልከየ ተቓሊሱ ንመሬቱ ሓራ ኣውጽእዋ። እነሆ ድማ ነታ ብጅግና ሓምድ እሪስ ዓዋተ ናይ ነጻነት ጥይት ዘበሰረት ዕለት፥ ብጨናፍር ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድርን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተዳለወ ዝኽሪ በዓል ሓደ መስከረም ኣብ ከሎን ብዕለት 09-09-2017 ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

Koeln 09.09.2017 56 2
እዚ ዝኽሪ መበል 56 ዓመት ብረታዊ ተጋድሎና ሰዓት 10:00 ቅድሚ ቀትሪ በመሪሕነት ኢብራሂም ሰዓድ ኩዕሶ እግሪ ውድድር ዝተኻየደ እዩ ጀሚሩ። እተን ኣብ መጨረሻ ናይ ዋንጫ ውድድር ዝበጽሓ ጋንታ መትከል ካብ ቦን፡ ጋንታ ዋርሳይ ከኣ ካብ ክረፍልድ እየን ተጋጢመን። ኣብ መወዳእታ እቲ ግጥም ብዓወት ናይ መትከል ተዛዚሙ።

Koeln 09.09.2017 56 3
ድሕሪ ውድድር ጸወታ ኹዕሶ እግሪ ምድምዳሙ ከኣ ካብ ሰዓት 07:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣጋይሽ ናይ ምቕባል ተጀሚሩ።ብድሕሪ እዚ ንተሳተፍቲ ብኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ/መንበር ጨንፈር ከለንን ከባቢኡን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባልን ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ብትግርኛን ዓረብኛን ዝተዳለወ መግለጺ ኣንቢቡ። ብድሕሪ እዚ በቶም ወናማት ሙዚቐኛታት ወጋሕ ትበል ለይቲ ሓዲሩ።

ብኣጋጣሚ  መበል 56 ዓመት ዝኽሪ ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሃገራዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ  ብዕለት 10.09.2017 ዓሚቕ ናይ ዘተ መደብ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተኻይዱ። ኣብዚ መዓልቲ‘ዚ ድማ ብኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ፕረዚደንት ኤሪመድረኽ ፣ ደራሲ መጽሓፍ  „ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ፡- ታሪኽ ዓወት፡- ጥልመትን ተስፋን“ : ኣባል መድረኽ ሃገራዊ ዘተን ኣገዳሲ መግለጺ ቀሪቡ።

News ambesader Andebrahan Meeting 10.09.2017

 

ኣብ ኣገደስቲ ዕማማት መሰጋገሪ መድረኽን ተራ ፕሮ-ደሞክራሲያዊ ተቓውሞን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝቐረበ መደረ ኣዝዮም ብርኩታት ዝኾኑ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። ሓያሎ መድረኻውያን ሕቶታትን ሪኢቶታትን ቀሪቦምን  ተዘትዪሎምን። ስርዓት ኢሳያስ ተዳኺሙ  ኣብ ምፍራስ ይርከብ። ውጺኢት ናይ 26 ዓመት ፍሽለቱ ድማ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ብርሰት ኣትያ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ስቓይን መከራን ይርከብ። ኢርትራ ድሕሪ ምዕናው ኣረጊት ስርዓት ኢሰያስ ካብ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ወጺኣ ብፍትሒን ዲሞክራሲን እትምራሕ ፣ ስላምን ቅሳነትን ዝዓሰላ ሃገር ክትኮነልና ካብ ሕጂ እነቖሙጦም እምነመሰረታት ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎም ተገንዚቡ። ኣብዚ ጉዕዞ‘ዚ ድማ ኩለን ሓይሊታት ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣብ ብቅዋም እትምራሕ ሃገር ምውሓስን ነዚ ኣብ ምትግባሩ ድማ ኩለን ሓይሊታተን ፍልልያተን ወጊንን ብሓባር ክሰርሓሉ  ይዕድም። ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ኣብዚ ኣጋጣሚ‘ዚ እቲ ንሃገራዊ ዘተ ዝተኻየደ ጻዕሪታት ኣመስጊኑ ፡ ብፍላይ ድማ ኣቲ ናይ ናይሮቢ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክቕጽል ዘይከኣለሉ ጸገማት ገሊጹ። ኣብ ቀረባ ማለት ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ዓውደዘተ ክቕጽል ክም ዝኾነን ነዚ ኣብ ምትግባሩ ድማ ድሮ ዕድመታት ናብ ኩለን ዝምልከአን ፖሎቲካውያን ሓይሊታት ዕድመ ከም ዝተላእከ ሓቢሩ። በዚ ኣጋጣሚ እዚ‘ውን በቲ ብኣብቲ ተኻፋሊ መደብ ኣኼባ ዝነበረ ፣ ኣባል ኣድሆክ-ኮሚቴ ናይሮቢ ፣  ኣባል መሪሕነት ሰሊፊ ህዝቢ ደሞክራሲ ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ተስፋይ ደጊጋ ነቲ ዝኸደ መስርሕ ዘተን ድሕሪሁ ዝተኻየዱ ጻዕሪታትን ኣመልኪቱ ኣገደስቲ መብርሂታት ኣቕሪቡ። ኣብ መደምደምታ ኸኣ እቲ መደብ ብለበዋታትን ዘክረሰማእታትን ተዛዚሙ።

ካብ ያቆብ ኣብርሃም
10 መስከረም 2017

ቀዳም 9 መስከረም 2017 በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነበርቲ ዝተፈላለየ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ መበል 56 ባሕቲ መስከረም ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ኣብዒሎም። ኣኼባ ድሕሪ ዝኽሪ ሰማእታት ሓው ምስጉን ሓጎስ ኣቦ መንበር ቦርድ ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ታሪኽን ህያውነትን ባሕቲ መስከረም ኣብ ታሪኽና ብምሃብ ጀሚሩ። 

ቀጺላ ሓፍቲ ፍረወይኒ ገርጊሽ ታሪኽ ባሕቲ መስከረምን፡ ጅግንነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተን፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብናን ዝገልጽ ቃል ቦርድ ኣስሚዓ። ብሓፍቲ ወ/ሮ ፍረወይኒ ገርጊሽ ዝቐረበ ቃል ከምዘለዎ ንኣንበብቲ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ።

Hade Meskerem in Oakland 1 09 2017

ብጽንዓትን ተወፋይነትን ጅግና ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 1961 ዘበገሰቶ ዓላማ ብ1991 መሬትና ካብ ባዕዲ መንዚዑ ተዓዊቱ እኳ እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ገና ሰብኣዊ መሰላቱ ተነፊጉ ድሕሪ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት መስዋእትን ስንክልናን ስደትን ሓሳረ መከራን ቀሲኑ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ተሓሪሙ ምህላውን፡ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ዘበገሰቶ ዓላማ ኣብ መዓርፎኡ ክሳብ ዝበጽሕ ቃልስና ቀጻሊ ምኳኑ ቦርድ በይ-ኤርያ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣነጺሩ። ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ቃንዛ ህዝብና ተረዲኡ ኣብ ሃገርና ፍትሓዊ ስርዓት ንምትካል ኩሉ ግዴኡ ከበርክት ጸዊዑ።

ብዘይካ’ዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ እናኸደ እንከሎ፡ ገለ መንእሰያት ኣብክንዲ ሕድሪ ስውኣትና ብምኽባር ኣብ ሓርነታዊ ቓልስና ወሳኒ ተራኦም ምብርካት፡ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት እዩ ነይሩ ብምባል ክብርን ቓልስን መስዋእትነን ህዝብና ክቋናጽቡ ይስማዕ። እዚ ተርእዮ’ዚ ዘሕዝን ምኻኑን ሕድሪ ስውእትና ክነተግብርን ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ሰዊት ዕድሜኦም ዘሕለፉን ገና ከይተሓለሉ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ዝቃለሱ ዘለዉን ኣሞጒሱ። ንገለ ካብ ነባራት ተቓለስቲ በይ-ኤርያ ናይ ምስጋናን ኣድናቖትን ምስክር ወረቐት’ን ሂቦም። እዚ ጽቡቕ ዘኹርዕ ባህሊ’ዚ ቦርድ በይ-ኤርያ ካብ ዘተኣታትዎ ሓያል ግዜ ኮይኑ’ሎ። እዞም ኣብ ብዓል ሓደ መስከረም ዝተመስገኑ ትቓለስቲ ናይ መጀመርያ ኣይኮኑን።

ቀጺሉ ቦርድ በይ-ኤርያ ብዛዕባ ቀሪቡ ዘሎ ኣመታዊ ኣኺባኡን ክግበር ዘለዎ ምቅርራባትን ኣልዒሉ ካብ ተሳተፍቲ ርእይቶታት ብምቕባል ዓሚቝ ምይይጥ ኣካይዱ።

ኣብ መደምደምታ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ሓደ ድሕሪ ሓደ እናቐረቡ ንቦርድ ምስጋናኦም ኣብ ርእሲ ምግላጽ ንክብሪን ዋጋን ባሕቲ መስከረም ዝገልጽ መደረታት ኣስሚዓም። ኣሕዋት ጆርጆ፡ ሕድራይ ፍስሓ ከምኡውን ሓው መንግስተኣብ ሃይለ ታሪኽ ባሕቲ መስከረምን ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና ዝገልጽ መሳጢ ግጥምታት ኣቕሪቦም ነቲ ብዓል ድምቀት ሂቦሞ።

Hade Meskerem in Oakland 1 09.2017 2

                       ብሓፍቲ ፍረወይኒ  ገርጊሽ ዝቐረበ መግለጺ ከምዘለዎ ስዒቡእኖሆ፡

                              መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲህዝቢ ኤርትራ

ባሕቲ መስከረም  ሎሚ’ውን ንመበል 56 ዓመታ ተዘኪራ ተውዕል ኣላ።እዛ ክብርትን ታሪኻዊትን  ዕለት እዚኣ ክንዝክር እንኸለና እቲ ንዓዓ ዘበገሰ ጅግና ስዉእ እድሪስ ሐምድ ዓዋተን ነቶም ኣሰሩ ተከቲሎም ሕድሩ ተግቢሮም ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ነጻ -መሬትና ዘረከቡናን ሉእላአውነትና ዘረጋገጹልናን ጀጋኑና ብክብሪ ካብ ዝዝኸራ ታሪኻውማዓልትታትና ሐንቲ እያ።

ጅግና ስዉእ እድሪስ ሐምድ ዓዋተ  መስከረም 1961 ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዕጥቃዊ ቃልሲከበግስ እንከሎ መቀጸልታ ናይቲ  ካብ ኣርባዓታት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቃልሲኾይኑ፡ነቶም መሬትና ጎቢጦም መሰልና ዝረገጹ ዓመጽቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ መሰልና ብሓይሊ ብረት እንበር ብትኻቦ ዘይውሃበና ምኻኑ ዘርኣየላ ዕለት’ያ።ነቲ ገዚፍን ሙሉእ ዕጥቅን ዝሐዘ ጸላኢብጋንዴ ብረትን ብውልቀ ሰብን  ክምክት ክብገስ እንከሎ እንበኣር  ውዒሉ ሐዲሩ  መሬት ናይ ዋናታቱ’በር ናይ ዓመጽቲ ከምዘይከውን ብምእማን እዩ። ባዕዳውያን ኣብ ዘይርስቶምንኣብ ዘይመሬቶምን  ብዓመጽ  ንዝገዝእዎ ህዝቢ ኣብ መወዳእትኡ ብእኡ ተሳዒሮም ም ዝሓፉ ድማ  ኻብ ተሞኽሮታት ዓለም ኣብነት ሃገራዊ ቃልስና ሐደ’ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ  ናጽነቱ ተቃሊሱ ከርጋግጽ ምኻኑ ብምእማን’ዩ እምበኣር እቲ ጽሚኢናጽነት ኣብ ውሽጡ ተጠጅኡ ዝጸንሔ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ እዛ ክብርቲ ዕለት’ ንሜዳ   ክውሕዝን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኾይኑ ኣንጻር ዓመጽቱ ብሃይማኖት ይኹን ዓሌት ከይተፈላለየ ብሓባር ኽቃለስ ዝተራእየ። ኤርትራዊ እምበኣር ነቲ ባሕቲ መስከረም ዘበገሰቶ ሱር ተኽሊናጽነት ገድልን መስገደላቱን ጥሜት.ጽምኢ.ዕርቃ. ድኻምን ተጻውሩ ከይኣክል ነታ መተኻእታ ዘይብላ ሂወቱ ዋጋ ናጽነት ከፉሉ ነዛ ሉእላዊት ሃገር ኣረጋጊጺ እዩ።

እዚ ድሕሪ መሪር ቃልስን ረዚን መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነት’በር ንህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ዓማጺ ሰርዓት ህግደፍ ዝይናቱ ኾይኑ ኣሎ። ኣብ ገዛእ መሬቱ ከም-ወዲ ባዕዲ ካብናብ መንነት ክሕተት፡ ተማሂሩ ከፍሪ ዝክእል መንእሰይ ወሎዶ ኣብ ሃገራዊ ባርነት ተጸሚዱ ብሩህ ራኢ ዘይብሉ ጽልሙት መጻኢ ምስ ኾኖ ካብዚ ንከሃድም ኣብ ፈቆዶ ባሕርን ሰሃራንክጠፍእን, እቲ ካብዚ ዝወጸ እውን እንትኮነ ኣብ ዝኣተዎ ሃገር ሰብኣዊ ክብሪ ስኢኑከም ኣቅሓገልታዕታት ኽብልን ክሳጎግን ንሂወቱ መዕለቢ ስኢኑላ ኣሎ።  ኣብ ገጻእ መሬቱ  ንወዲ- ሰብ ዘድልይዎ መሰረታዊ ነገራት ዝክልከል፡ ምእመነቱ ብዘይ ፍርዲ ዝኣሰር፡ ብዘይ ንቡር ንዘሞተሬስኡ ግቡእ ቀብሪ ዝክልከል ዘየፍትሓውን ዘይሓላፍነትውን ኣብ ኤርትራ ጥራሕዩ ዘሎ።

 እዛ ንዋናታታ ምንባር ተነፊግዎም ዘላ ሃገር ወደባታን ማዕድናታን ባዕዳውያን ክጥቀምህዝባ ድማ ብሕሰም መነባብሮ ክሳቀን ከም ህዝቢ ክጸንትን ዝፈርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ስርዓትስዕረቱ’ኻ ዘይተርፍ እንተኾነ እቶም ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ሕሱራት ሜላታት ግን ኣብ ህዝብና ዝገድፎ ዘሎ ሕምቅ ኣሰራት  ዘሰክፍ’ዩ። ነቲ ታሪካዊ ጅግንነት ወለድኡብግቡእ  ከይሕዝን ከይፈልጥን ታርክ እናጠማዘዝካ ዝይግቡእ ተርድኦ ኣብ ጅግንነት ዘሰርሑኣቦታቶምን ኣቦሓጎታቶምን ጽልእን ቅርሕንትን ከሕድሩን በኣውራጃን ዓሌትን ክታፍነንን መዓልቲ  ታሪካዊ ጅግንነት ከም መዓልቲ ሸፋቱ ጀጋኑ ድማ ከም ንሽፍትነት ዝተሰውኡ ጌርካምቁጻር ካብቲ ዘይሓላፍነትውን ዘይስነ-ምግባራውን ኣታሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ዝበቆለ’ዩ።

እዚ ዘይእሩምን ዘይቅኑዕን ኣረኣእያ’ዚ ድማ ኽኩነን ዘለዎ’ዩ ሰለምንታይሲ ነቲ ኣሚና እንቃለሰሉ  ዘሎና መስርሕ መሰረታዊ ለውጢ ኣንቃፍን ተጻራርን ስለዝኾነ። ኣብ መጠረሻ በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስኩሉ ንፍንትሕን ሰላምን ዝቃለስ ከከም ኣድላይነቱ ናይ ሓባር ሰራሕ ክሰርሕ ድሉው ምኻኑ ደጊሙ የርጋግጽ!!!
                       

ሓርበኛእድሪስሓምድዓዋተኩሉግዜብጅግንነትይዘከር!!!

ባሕቲመስከረምብክብሪእናተዘከረትትንበር!!!

ፍትሒንውጹዓት!! ውድቀትንዓመጽቲ !!
 


  

On 7 September 2017, Board members of the cultural Eritrea-Sweden association known as 'Eritrea in Our Hearts', met with Mayor Yonas Attenius  and his team at the Gothenburg city hall,  and discussed many pressing issues, in particular those affecting members of the Eritrean community in the region. Mayor Attenius is in  charge of city's public works and administration. The Eritrea-Sweden cultural body was represented by association president, Mr. Thomas Magnusson and his team.

 

News Item Scandinavian 07092017 1

Mr. Magnusson warmly thanked the Mayor's Office for the meeting and explained objectives and activities of the association in support of community members. Messrs Zehaie Keleta and Amjed Yassin, association board members on their part talked about the suffering of the Eritrean people due to the erroneous policies of the  regime in Eritrea. They also took time to explain the uncountable abuses of the Eritrean regime embassies upon Eritrean communities in exile.

During the two-hour long discussion, the Mayor showed great interest to know more about the situation of  young refugees in the city, particularly women, and was given detailed information and clarifications on those issues. At the end of the discussion,  the board members of 'Eritrea in Our Hearts' presented a list of their needs and demands for consideration and action by the Office of the Mayor. They were later taken to a visit of the new Gothenburg City Hall building. 

             ዓመተ ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ይግበረልና-!!

ዓውደ-ዓመት ተባሂሎም ካብ ዝኸብሩ ብዙሓት በዓላትና ሓደ፥ እቲ “-ቅዱስ-ዮሓንስ-”ብምባል ዝፍለጥ ናይ ዓመት መጀመርታ-ዕለት ምዃኑ፥ ነዚ ፈልጥ ዘይክእል ዘሎ ኣይመስለናን። ስለ-ዝኾነ ድማ ሕዝብና ኣብዚ በዓል‘ዚ “-እንቋዕ እግዚኣብሔር ብደሓነ ሰላም ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት‘ዚ ኣብጽሓና!!-”ብምባል ሓጎሱን ሠናይ ትምኒቱን ክገልጽ ዝስዓሉ እዋን እዩ። ብዝተረፈ ቅነ ቅዱስ-ዮሓንስ መሬት ብኣዝርእቲ ተሰሊማ እትረኣየሉ፥ ናይ ራሕስን ልምላሜን‘ውን ስለዝኾነ፥ ኣብ ኅብረተ-ሰብና ፍሉይ ክብሪ ዘለዎ ኣውደ-ዓመት ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ’ውንስለዚዩ።

ከም ዝፍለጥ በዓል ሓዲሽ-ዓመት፥ መሠረቱ ልደት ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ እዩ። ግዳስ ምዕራባውያን ዘብዕሉዎወርሒ-ታሕሣኮይኑ ከብቅዕ፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ግና፥ኣብ ወርሒ መስከረም‘ያ ከተብዕሎ ትርከብ ዘላ። ከመይሲ መጽሓፈ-ስንክሳር  “-ወኣመ ኣሚሩ ለመስከረም፥ በዛቲ ዕለት እንተ ይእቲ  ዓውደ-ዓመት ዘግብፅ, ወብሔረ-ኣግዓዚት, ወዘኖባ-ብምባል ኣቐሚጡዎ ኣሎ። ግዳስ ስለምንታይመስከረምበዓል ሓዲሽ-ዓመት ክኽውን ከም-ተመርጸ፥ መጽሓፈ-ስንክሳር ዝጠቐሶ ነገር የልቦን።

መጽሓፍ-ቅዱስ እንተኾነ‘ውንጎይታናን መድኃኒናንኣብ ቤተ-ልሔም ምውላዱ እንተዘይኮይኑ፥ ንዕለትን ዓመትን ኣመልኪቱ ዝበሎ ነገር ምህላዉ ኣይፍለጥን። ኣብ ዘመነ- መንግሥት ኣውግስጦስ-ቄሣር ከምዝተወልደ ስለ-ልክት ግ፥ በዚ ኣቢልካ እቲ መዓስ-?ዝብል ናይ ግዜ ሕቶ መልሲ ክርከቦ ከምዝኸኣለ ምርድኡ ኣየጸግምንይኹን እምበር እቲናይክርስቲያን-ዓለምንኣቈጻጽራ-ዘመን ብዝምልከት ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ክጐዓዝ ብዘይ ምኽኣሉ፥ እተን ናይምዕራባዊ-ዓለም ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ኣብ ወርሒ-ታሕሣስ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ከብዕለዋስለምንታይ ኣብያተ-ክርስቲያናት ግብጽን, ሓበሻን, ሱዳንን፥ኣብ ወርሒ-መስከረም ዓውደ-ዓመተንክገብራ ከም-ዝመረጻ፥ መጽሓፈ-ስንክሳር ዝበሎ ነገር የልቦን።

ብመሠረቱ ክርአ ክሎ ግ፥ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ምንም እንተኾነ ዝፈላሊ ምኽንያት ክህሉ ኣይምተገብአን። ከመይሲ ናይ ኩላትናመሠረትን ጉንድን ክርስቶስ እዩ።ግዳስእቶም “-ወነኣምን በኣሓቲ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን፥ እንተ ላዕለ ኩሉ ጉባኤ-ዘሓዋርያት-”ብምባል ኣብ 381 ዓ/ም፥ ኣብ ጉባኤ-ቁስጥንጥያ፥ ሐድነት ቤተ-ክርስቲያን ከረጋግጹ ዝኸኣሉኣቦታት፥ ንኣቈጻጽራ ዘመን ብዝምልከት ግና፥ ማንታ መንገዲ ሒዞም ከምዝኸዱ ኢና ክንርኢንኽእል።

እዚ ግና ብኸምኡተፈላሊኻ ክኽየድ ቅቡል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።ከመይሲ ክርስቶስ ናይ ፍቕርን ሓድነትን እምበር፥ ናይ ጽልእን ምፍልላይን ኣምላኽ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ክርስቶስ ዝመሠረቱ ክርስቲያናዊ-ዓለም፥ ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ኣቈጻጽራ-ዘመን ሒዙብማንታ-መንገዲ ክጐዓዝ ምርካቡ፥ብጠቕላላ ሕዝበ-ክርስቲያን ተሓጕሱ ተቐቢሉዎ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ እኣብ ወርሒ መስከረም በዓለን ከኽብራ ዝርከባ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ እቲ ናይ ግብፂ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳሳትዝነበረ ዲሜጥሮስ፥ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን ዘዳለዎ ባሕረ-ሓሳብ  ዝኽተላ ኮይነን ክርከባከለዋ። እተን ናይ ምዕራብ ኣብያተ-ክርስቲያናት ድማ፥ ኣብ መወዳእታ 16-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን፥ ናይ ሮማ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳሳትዝነበረ ጎርጎሬዎስ ዘዳለዎ እየን ዝኽተላዘለዋ። እዚ ክልተ ዝተፈላለየ ባሕረ-ሓሳብ‘ዚ ከኣ‘ዩነቲ ክርስቲያናዊ-ዓለም ማንታ-መንገዲ ሒዙ ከምዝኸይድ ገይሩዎ ዝርከብ ዘሎ።

ብዝኾነ እዚ ሕጂ ሒዝናዮ ንጐዓዝዘሎማንታ-መንገዲግና፥ንኹላትና ከርብሓና ዝኽእል ስለዘይኮነ፥ በዓል ሓዲሽ-ዓመት ኩሎም ክርስቲያን ኃባርዘኽብሩሉ ምልዛብ ክግበር፥ ናይ ኩሎም ክርስቲያን ተስፋን ትጽቢትን እዩ ዝብል እምነት’ዩሎናስለዚ‘ውን እቲ ናይ ሰላምን ፍቕርን ኣምላኽ ናይ ምቅርራብን ምልዛብን መንፈስ ምእንቲ ክዕድለና፥ “-ሃበነ ንኅበር በዘዚኣከ መንፈስ-ቅዱስ-”እናበልናክንጽሊ ከም-ዝግብኣነቶም ቅኑዕ መንፈስ ዘለዎም ኩሎም፥ ምርድኡ ዝኸብዶም ኣይመስለናን

ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸበባ  እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ፥ ከም ምዃንና መጠን፥ እቲ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ከደቅሰና ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ህልውና ሰላምን ሕግን ፍትሕን ምህላዉ ከይተረጋገጸ፥ ድቃስ ክወስደና ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፥ኩነታትና ከም ክትሓርስ ዝደለየት‘ሞ፥ ኣብ ብርቱዕ ጻዕሪ እትርከብ ጥንስቲ መሲሉ’ዩ ዝርከብ ዘሎ እንተ-ተባህለ፥ ጌጋ ኣበሃህላ ኣይኮነን

ስለዚ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ካልእ፥ ንዓና ከም ሕዝቢ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘድልየና ዘሎ፥ ሰላምን ፍትሕን’ዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ግና ብትምኒት ጥራይ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ ተመጺውትካ ዝርከብ መሰል የልቦን። ንሕናግና ከም ደቂ-ሃገርን፥ ከም ደቂ’ታዓባይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንን መጠን፥ እዚ ኩሉ ናይ ሕጊ ግህሰት እናተፈጸመ ከሎ፥ ተሰማሚዑና ኣሎ ብዘስምዕ ዓይነት፥ ከነጣቕዕ ደኣ ኢና ዝጸናሕና እምበር፥ ዓገብ-!! ክንብል ዘኽእለና ትብዓት ኣርኢና ኢና ክንብል ኣይንኽእልን።

ስለዚ’ውን እቲ ክሳብ ሕጂ ምሳና ዝጸንሐ ፍርህን ሕመቕን፥ ቀንጢጥና ብምድርባይ “-ይኣክል-!! ክንብል እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ ብምኽንያት’ዚ ሓዲሽ-ዓመት “-ዮሓንሰየ ኣቶ ኣብሪሁዋ ንባይቶ-” ስለ-ዝበልና ጥራይ፥ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ካብ ዝባንና ክወርድ ይኽእል’ዩ ዝብል ሰንኮፍ ኣተሕሳስባ ክህልወና ኣይግባእን።ብዝተረፈ በዓል ቅዱስ-ዮሓንስ፥ ከም ናይ ሓዲሽ-ዓመት መጀመርታ-ዕለት መጠን፥ ጽቡቕ ምምናይና ኣይተርፍን እዩ። ሠናይ ዘመን ይኹነልና ኢልካ ምምናይ’ውን ጌጋ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ብጥዑስ-ልቢ ብንስሓ ኣቢልና፥ ናብ ኣምላኽ ክንምለስ ከይከኣልና፥ ብትምኒት ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ሰማያዊ ረድኤት የልቦን። ስለዚ’ውን እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ፥ ምስ ከበሮን ጓይላን ክንገብሮ ንርአ ዘለና ዕብዳን፥ መወዳእታ ክንገብረሉ እንተደኣ ዘይኪኢልና፥ እቲ መከራን ጸበባን ክውዳእ ከም-ዘይክእል ምርድኡ ከድልየና እዩ።

ብዝተረፈ እቲ ምሳና ዘሎ ጸበባን መከራን፥ ድሕሪ ደጊም ተጻዊርናዮ ክንከይድ፥ ዘኽእለና ኃይሊ’ውን ጽንቅቕ ኢሉ ተወዲኡና ስለ-ዝኾነ። ብዘይ ረድኤት ኣምላኽ ባዕላትና መኪትና ክንዓግቶ እንኽእል መዓት’ዩ ክንብል ስለ-ዘይንኽእል -ኅድግ ለነ ኣበሳነወኢትነጽር ምግባረ ኃጢኣተነ፥ ወተወከፍ ንስሓነ-”እናበልና ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኣብ ዝግበኣና ግዜንርከብ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

ብዝተረፈ ሰብ ዘይዘርኦ ከም-ዘይዓጽድ ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ ተዛሪቡ ኣሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና፥ ኣብ ደኃን ኩነታት ይርከብ ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ከም-ዘይከኣል፥ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ምስጢር ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኹሉ መንገድናን ኣከያይዳናን፥ ካብቲ እግዚኣብሔር ክንከውን ዝደልየና፥ ኣዚና ርሒቕና ንርከብ ምህላውና፥ ካብቲ ዘሎ ህልው ኩነታትና ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ ዝኽእል ገጽ ዘሎና መሲልና ኣይንርአን ዘሎና

ይኹን እምበር እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ግብሪ ጸልማት ደርቢና ኣጽዋር-ጽድቂ ንልበስ። ብጓይላን, ስኽራንን, ምንዝርናን, ዕብዳንን ግና ኣይኮነን-” ከም-ዝብሎ፥ ሕጂ’ውን ኣብዚ ሓዲሽ-ዓመት ክንሰግር ከሎና፥ ምስ እግዚኣብሔር ዝተዓርቀ ሕይወት ሒዝና ደኣምበር፥ ከምቲ ዝጸናሕናዮ ኮንና ምንም ለውጢ ከይገበርና፥ “-ርሑስ ዓውደ-ዓመት ይግበረልና-” ብዝብል ጽቡቕ ትምኒት ጥራይ፥ ክመጽእ ዝኽእል፥ ሰማያዊ ረድኤት የልቦን። ብዘይ ጣዕሳን ንስሓን ድማ፥ ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዕርቂ ከብጽሓና ዝኽእል፥ ካልእ መንገዲ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ስለ’ዚ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ኃጢኣትና ክንእመን ዘኽእል፥ ጸጋን ትብዓትን ይሃበና።

እወ ! ንሕና ም ሕዝቢ መጠን ሓሲሙናን መሪሩናን ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ምዃንና፥ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምሥጢር እዩ። ካብኡ ንኻብኡ ድማ ንሕና ከም ኦርቶዶክሳውያን መጠን፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያንና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ክንዝክር ከሎና፥ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለጸ ሰማያዊ-ረድኤት ኣብ ንደልየሉ ህሞት ንርከብ ምህላውና ክንዝንግዕ ኣይንኽእልን።ከመይሲ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ወይ ሲኖዶስ፥ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ዘተንፍስስ ኮይኑ ይርከብ እናሃለወ፥ደሓን ኣሎና ክንብል ምስቲ ሕጂ ኣብ ባይታ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰተ-ሕጊ ክሳነየልና ዝኽእል ኣይኮነን። ትርጉም ዘይብሉ ህልውና ሒዝካ እነብር ኣለኹ ምባል ከኣ፥ ኣብ ዝኾነ ከብጽሓና ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ስለዚ’ውንህልውና ቤተ-ክርስቲያና ንከቢድ ሓደጋ ተጋሊጹ ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ሰዓት፥ ኣብ ክንዲ “-ስምዓነ ኣምላክነ ወመድኃኒነ-”ብምባል ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ዅሕሕ፥ ሕዝብና ከበሮ ኣልዒሉ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ጓይላ ኣትዩ፥ ክዘልልን ክዕንድርን ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ ክበሃልሲ ንበረኸት ድዩ ንመርገም ክኾነልና ዝኽእል-?! እስኪ ርግእ ኢልና ምስ ገዛእ ሕልናና ክንዛረብ ንፈትን

ብዝተረፈ እቲ ምሳና ዝጸንሐ ሕመቕ ተሰኪምና፥ ናብዚ ሓዲሽ-ዓመት  ንኣትወሉ ምኽንያት ክህልወና ስለ-ዘይግባእ፥ ካብ ዝኾነ ግዜ ብዝበለጸ

                                   “-ያድኅነነ እመዓቱ፥

                               ይሰውረነ በምሕረቱ፥

                               በንተ-ማርያም ወላዲቱ-”

እናበልና፥ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ እንዅሕኩሓሉ እዋን ክኸውን ከም-ዝግባእ፥ ካብ ገዛእ ሕልናና ንላዕሊ ነቲ ዘሎ ሕሰምን መከራን፥ ክርድኦ ዝኽእል ክህሉ ኣይምተገብአን። ንሕና ግና ዓለም ብዛዕባና ምርዳእ ክሳብ ዝስእና፥ እናሞትና ንስሕቕ ሕዝቢ ኮንና ኢና ንርከብ ዘሎና። ስለዚ ድማ ኢና ኣብቲ መራኸቢ ብዙኃን ብገለ ጸሓፍቲ “-እዚኣቶምሲ ሞይቶም ከለዉ፥ ከይሞቱ ይፈርሁ-” ዝብል መግለጺ ክወሃበና ዝርከብ ዘሎ

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ዝባንና ተጻዒኑ ዝርከብ ዘሎ ጾር፥ ምስካሙ ስኢንና ከቢዱና እናሃለወ ከሎ ግና፥ ደሓን ዘሎና ክንመስል ምስ ከበሮን ጓይላን ክንውዕልን ክንሓድርን ንገብሮ ዘሎና ዕንደራ፥ ንዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና  ንርከብ ምህላውና፥ ሓቢእና ክንሓብኦ እንኽእል ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ምሳና ዝጸንሐ ፍርህን ሕመቕን ቅንጥጥ ኣቢልና፥ ምስቲ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ከነፋንዎ፥ እቲ ሕያው-ኣምላኽ ጸጋን ትብዓትን ክህበና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ኣሜን።

ብዝተረፈ እዚ ንቕበሎ ዘሎና ዘመነ-ማርቆስ-ወንጌላዊ። መከራ ጸበባ ሕዝብና ዝውድኣሉን፥ ዓመተ ፍትሕን, ሰላምን, ራህዋን, ቅሳነትን ዝኾነሉ ዘመን ክኸውን። እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ጸሎትን ዝቐርብ ዘሎ መሥዋዕትን፥ ከም ምዑዝ መሥዋዕቲ-ዕጣን፥ ኣብ ሰማየ ሰማያት ቀሪቡ፥ ኃጢኣት ሕዝብና ዝድምስስን፥ ናይ ሰማይ በረኸትን ጸጋን ምሕረትን ዘፍስስን ክኸውን ናይቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓል ሓዲሽ-ዓመት ድማ ይግበረልና ኣሜን-!!!  

                              ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል

                               ወለወላዲቱ ድንግል

                                ወለመስቀሉ ክቡር

   ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን

                                        ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

 

5ይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ 4ይ ክፋል ናይዚ ነቕርቦ ዘላን ጽሑፍ “......መሰማምዒ ውሳኔታት በቶም ዝበዝሐ ድምጺ ዘሎዎም እዮም ዝውሰኑ፥ ግን ከኣ እቶም ውሑዳት ኣብቲ መስርሕ ርእይቶ ኣለዎም። እቶም ናይ ዝበዝሐ ዘድመጹ ወይ ድምጺ ንምሃብ ስልጣን ዘለዎም እቲ እማመ ምስቲ ሕጊ ዝሰማማዕ ክኸውን ይግባእ።” ኣብ ዝብል ኢና ኣቋሪጽና ነርና። ሓሙሻይ ክፋሉ ከኣ እነሆ ከምዚ ዝስዕብ

መንግስቲ፥- መንግስቲ ሓንቲ ደውላ ወይ ማሕበረ ሰብ እትመሓደረሉ ኣገባብ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ነታ ድውላ ዝቆጻጸር ኣካል ናይ መሪሕነት እውን የመልክት እዩ። ብኽልቲኡ መንጽር ክረአ እንከሎ መንግስቲ ኣብ ትሕቲኡ ናይ ዘሎ ህዝቢ  ህይወት ብቕጥታ ይጸሉ’ዩ። መንግስቲ መሰላት ህዝቢ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወቶም ዝናበሩሉ ሕግን ነዚ ሕግታት እዚ ዝጥሕስ መቕጻዕትን ይውስን። ስለዚ መንግስቲ ንኽምስረት ወይ ክጅመር ደውላ ወይ ከኣ ፖለቲካውን ጂኦግራፊካውን ክሊ የድልዮ’ዩ።

ዕላማ መንግስቲ

 መንግስቲ ቅድሚ ምምስራትና ስለምንታይ ማሕበረሰባት መንግስታት የድልዮም ክንርደኦ ይግባእ። ኣብ ታሪኽ  ኩሉም  ሕብረተሰባት  መንግስቲ ይህልዎም ማለት ከምዘይኮነ ምዝካር እውን ኣገዳሲ እዩ።  ብዙሓት ኣብ ዝተወሰነ ብዝሒ ክሳብ ዝበጽሑ ብዘይመንግስቲ ተኻይዶም እዮም። ድሕሪ ማሕበረሰባት ኣብ ዝዓበየ ደረጃ ምብጽሖም ግን ብዘይ ገለ ነገር ህዝብን ምንጭታት ሃብትንን ከይተስርዑ ሓድነቶም ኣዕቊቦምን ክቕጽሉን ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ ኣድላይነት መንግስቲ ዝመጽእ። እቲ መንግስቲ  ካብ ምእካብ ምንጪ ገንዘብን ሃብትን ጀሚሩ፥  ህዝቢ  ኣብ ዘድልየሉ  ሓደ ውሱን ቦታ መዲቡ፥  ስነስርዓትን ርግኣትን ንምውሓስ ሕግታት የጽድቕ። ሕጊ ብፍላይ ንመንግስታት ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ስነስርዓት ዝገልጽ ስለዝኾነ። ነዚ ሕግታት እዚ ዝጥሕስ ህዝቢ ነቲ ኣጠቓላሊ ስነስርዓትን ሰላምን ከም ኣስጋኢ ተራእዩ ከኣ ይቕጻዕ።

 

መንግስታት  ንውደባ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጥንቲ ዘመን ድሕነቱ ኣዕቊቦም እዮም። መንግስቲ ክህሉ መብዛሕትኡ ግዜ ህዝቢ ውልቃዊ ናጽነታት ኣሕሊፎም ክህቡ ኣለዎም። ኣብ ክንዲ ዝደለይዎ ዝገብሩ እቲ መንግስቲ እዩ ዝነግሮም እንታይ ክግበሩ ከመዘለዎም። ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ታርኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ተቐቢሎም ይጎዕዙ ነይሮም። ምኽንያቱ መንግስቲ ይከላኸለሎም ወይ ይሕልዎም ስለዝነበረ። ብመልክዕ እኽሊ ቀረጽ ይእክብ። መንግስታት ጥንታዊት ግብጺ ዝያዳ መግቢ ይኽዝኑ ነይሮም። ኣጋጣሚ ስእነት ኣንተ ኣጋጢሙ ካብቲ ዝዓቖሮ እኽሊ ነቶም እኹል እቶት ክረኽቡ ዘይከኣሉ ይዕደል።

ዓይነታት ናይ መንግስቲ

ዋላ እኳ መንግስታት ተመሳሳሊ መሰረታዊ ስራሓት እንተካየዱ፥ ብዙሕ ዓይነታት መንግስቲ ክህልዉ ይኽእሉ።  ንመንግስት ዓይነት መሪሕነት፥ ዝምድና መራሕትን ህዝብን፥  ገደብ ስልጣንን  መስርሕ  ምሕራይ ወይ  ምቕያር መንግስትን ገለ  ንዓይነት መንግስቲ ካብ ዝገልጹ ኣገባባት  እዮም።

ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ ዝያዳ ዝገልጽ መሰረታዊ ኣገባባት፡ ስልጣን ናይቲ መሪሕነቱ እዩ። ኣብ ንግስነታዊ ኣገባብ ከም  ንጉስ ወይ ኢምበራጦር ብሕታዊ ገዛኢ ንመንግስቲ ይቆጻጸር። ከም በሓቲ’ውን ክግለጽ ይከኣል እዩ። ምኽንያቱ እቲ መንግስቲ ንበይኑ’ዩ ሕግታት ዘውጽእ። እዚ  ስርዓተ መንግስቲ ካብቲ ህዝቢ ኣብ መንግስቲ ድምጺ ዘለዎ  ዝፍለ እዩ።

ከም ኣብነት ቅዋማዊ ንግስነት ብሓደ መራሒ እዪ ዝመሓደር፡  ስልጣኖም  ግን በቲ ቅዋም ዝተደረተ ብምዃኑ ንህዝቢ ውሱን መሰላት ዝህብ እዩ።  ካልእ ኣብነት ናይ  ዝያዳ ማዕርነት  ዝብል መንግስቲ ረፑብልክ እዩ። ኣብዚ እቲ ህዝቢ  ንመንግስቲ ዘካይዱ ወከልቱ ይመረጽ። ንህዝቢ ዝያዳ ስልጣን ዝህብ መንግስቲ መብዛሕትኡ ደሞክራስያዊ’ዩ። ማለት እቲ ህዝቢ  ርይቶታቱ  ንኽስማዕ ዝውሕስ ስልጣን ናይ ምድማጽ ኣለዎ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ተወሳኺ ቅርጽታት  መንግስቲ፥  ካልእ መንገዲ ንመንግስታት  ዝፈሊ ካብ ምንጪ ስልጣን ዝመጽእ እዩ።  ኣሪስቶክራሲ   ብውሑዳት ፈላጣትን ብላዕለዋይ ደርቢ ዜጋታትን ጥራሕ ዝመርሕ መንግስቲ እዩ። መሪቶክራሲ  እቶም ኣዝዮም  ዝተመርጹ መራሕቲ ንክኾኑ፡ ማለት ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዝተማህሩ ወይ ዝተመኰሩ ዝመሓደር መንግስቲ እዩ። ሲዮክራሲ ከኣ በቶም መራሕቲ፡ ኣባላት ጉጅለ ሃይማኖታት ዝመሓደር ኣዩ።  እዞም መልክዕ መንግስቲ ዝገልጹ ኣካላት ኩሎም ኣግለልቲ ኣይኮኑን።

ኣብቲ ሓዲሽ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ዝምስረትሉ ግዜ፡ ሃገሮም ብፖለቲካዊ፥ ቁጠባውን ማሕበራውን ንምህናጽ፥ ንዜጋታቶም ከኣ ዝግበኦም መሰላትን ናጽነታትን ንምሃብ ሓደ ንጹር ዝኾነ ነገር ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ብዓቢኡ መዕቀኒ ዓወታቶም  ኣብ ከመይነት ቅልጣፈን ዕምቆታትን መትከላትን ትካላትን ዲሞክራሲ ኣብ ቀልብን ኣእምሮን ዜጋታት ይሰርጽ እዩ።  እንተደኣ እቶም ንህዝባዊ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ዘጎሃህር ሓሳባት ኣብ ግብሪ ንኽውዕሉን፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ  ክረጋገጽን ውሕስነት ክህልዎን ኮይኑ፥ እቲ ሕብረትሰብ ክጻወርን ክህብትምን ንዲሞክራሲ ከስተማቕርን ተደልዩ፥ ህይወት ኣብ ናጸ ዝኾነ ሕብረተሰብ እንታይ ማለት ምኳኑ እንታይ ትካላዊ ምድላዋትን ግላዊ ጠባያትን ከምዘድሊ ክርዳእ ይግባእ። ከምኡ እውን ዲሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንክውዕልን ክከናኸንዎን ክዕንግልዎን ከተባብዕዎን ብርቱዕ ተገዳስነትን ኣድለይቲ ኮይኖም፥ ንተመኩሮን ኣድማዕነትን ከማዕብሉ ይግባእ። እቲ ወለዶ ዲሞክራሲያ ክርዳእን ክስተማቕርን እንከሎ ጥራሕ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ስርዓተ-ምሕደራ ርግኡን ዕውትን ዝኸውን።

እቲ ዲሞክራሲ ዝምረኰሰሉ መሰረታዊ መትከል ግዝኣተ ኣብዝሓ እዩ። ተራ ብዙሓዊ ናይ ገዛእ ርእሱ ሽግራት ወይ ዕንቅፋታት ኣለዎ። ከምኡ ብምዃኑ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ክሊ ቅዋማዊ ቅጥዒን ስልጣን መንግስቲ ዝድርትን መሰላት ናይ ግለሰብን ውሑዳንን ዝከላኸል ኮይኑ እዩ ዝዓዪ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዋማዊ ዲሞክራሲ ኩሎም ዜጋታት ንጹር ዝኾነ መሰረታዊ መሰላት ክህልዎምን እቶም ውሑዳት ነዚ መሰላት እዚ ክሰርሑሉ ኣብ ጽቡቕ ድሌት ናይቶም ዝበዝሑ ዝመርኰስ ኣይኮነን። ናይ ምዝራብ፥ ናይ ሃይማኖት፥ ናይ ምእካብ ናጽነትን መሰልን ፍትሓዊ ፍርድን ዘይፈሓቕ መሰላት ናይ ኮሎም ዜጋታት እዮም። እታ ደውላን ሃገራዊ መንግስትን ከኣ ነዚ መሰላት እዚ ዝነጽግ ይኹን ዝብሕጉግ ሕጊ ንኸየመሓላልፉ ወይ ከይውስኑ ክልኩላት እዮም። ከምኡ እውን  ንዲሞክራሲያዊ መንግስቲ መሰረታዊ ዝኾኑን፥ ንዝኾነይኹን ትካል፥ ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ  ልዑል ስልጣን ክይህልዎም ዝገትእ ቁጽጽርን ሚዛናውነትን እዮም። ንኣብነት ንስልጣን ናይ ፈጻምን ሓጋግን  ጨንፈራቶም ልዕሊ  ገደብ ሓላፍነቶም ከይከዱ ዝከላኸል   ናጻ ዝኾነ  ቤት ፍርዲ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ።

መንግስቲ ደረት ዘየብሉ ስልጣን እንተ ሃልይዎ ዲሞክራሲ ክፈሽል ይኽእል። ብእንጻሩ እኹል ስልጣን ኣብ ዘየብሉ መንግስቲ እቲ ዲሞክራሲ ክፈሽል ይኽእል እዩ። ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ልሙስ ወይ ፋሉል ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ሓደ መምርሒ ወይ ቀጥዒ ናይ ቅንዕና  እዩ። መሪሕነት እውን በዚ ምኽንያት እዚ ንዕውት ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣድላዪ  ክኸውን ከሎ፥ ዜጋታት ብግዲኦም በቲ ውሳኔ ናይ ዝመረጽዎም መራሕቲ ክግዝኡን ነቲ ውሳኔ ማሕበረሰብ ከኣ ክምእዘዙን ይግባእ።

ብኣንጻሩ ገለ ግንዛቤታት፥ ጥዕና ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ሕብረተተሰብ፥  ውልቀሰባት ብቐሊሉ ንናይ ግላዊ ኣጀንዳታቶም ዝኽተልሉ መድረኽ ወይ ባይታ ኣይኮነን።  ናይ ናጽነት ተስፋን ዕድልን  ንዲሞክራሲ ኣዝዩ ማራኺ  ክገብሮ ይኽእል ይኸውን፥ ግን ከኣ ልክዕ ከምቲ ንዓወታቱ ኣገዳስነት፥  መብዛሕትኡ ግዜ ሸለል ዝበሃሉ፡ ኩሎም እቶም ሓላፍነታትን  ናይ  ኣተሓሳስባ ልምድታትን ንህይወት ዲሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ተጎዝጒዞም ክኸዱ ዝግበኦም  እዮም።

ዲሞክራሲያውያን ዜጋታት፡ ንኣብነት ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ናይ ሕብረተሰቦም ክሳተፉን  ኣብ ህዝባዊ ክትዓት ከኣ ጠቓሚ ዝኾነ ነገራት ከበርክቱ ትጽቢት  ዝግበረሎም እዮም። ነዚ ብዝተፈላለየ መገድታት፡ እንተላይ ወከልቶም ናብ መንግስቲ  ብምምራጽን፥ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብምጽንባርን፥ ናይ ንቓብ ማሕበራትን ካልኦት ወልንታዊ ውዳበታን ንናይ ሲቪል ይኹን ገበናዊ  መርመራ  ከም ደያኑ ከገልግሉ ይኽእሉ። ዋላ’ውን ብህዝባዊ ቤት ጽሕፈት   ኣቢሎም  ከተግብርዎ ይኽእሉ። ውጽኢት ዘለዎ ተሳትፎ  ክህልዎምን ናይ ገዛእ ርእሶም  ጉጅላዊ ድሌታት ኣንጻር ናይ ህዝቢ ሰናይ ኣተሓሳስባታት ንምምዛን ክኽእሉ፡ ህዝቢ ንገዛእ ርእሶም ንሕብረተሰብ ዝትንክፍ  ወይ ዝምልከት ጉዳያት ከስንቑ ወይ ኣፍልጦ ክህልዎም ይግባእ።  ክተሓባበኡን ሕድገታት ክገብሩን ክኽእሉ፡ ንዝተፈላለየ ርእይቶታት ተጻወርቲ ክኾኑን፥  ንሕግን ሕጋዊ ስልጣንን ከምኡ እውን ብሕታዊ  ንብረት ናይ ምውናን  ግሉጽነት ከርእዩ  ይግባእ።

ስለዚ ዲሞክራሲ   ካብ ስርዓተ ምንግስቲ ንላዕሊ፡  ሓቢርካ ናይ ምንባርን  ምስራሕን ኣገባብ እዩ። ከምኡ እውን እቲ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ናይ ዲምኮራሲያዊ ህይወት በቶም ዜጋታት ብዕቱብ ምስ ዝውሰድ ጥራሕ እዩ ፥ መሰላትን ጻማ ዜጋታትን ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል።

ህዝቢ ዝተፈላለዩ ክብርታት፡ ረብሓታትን ርእይቶታትን ኣለዎ። ኣብርእሲ’ዚ እዚ ፍልልያት እዚ  መብዛሕትኡ እዋን  ኣብ ውሽጢ  ሓጋጊ  ኣካላት ብመንገዲ  ምምኽኻር፡ ልዝብን  ሕድገታትን፥ ልዕና ኣብዝሓ ድምጽን ኣቢሉ መዕለቢ ዝግበረሎም ቀንዲ ረቛሒታት እዮም።

ይቕጽል .... 

ብዕለት 07092017 ኣካያዲት ሽማገለ ሽወደናዊ ኤርትርራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና ! ምስ ከንቲባ ከተማ ዮተቦርግ ሓላፊ ስራሕን ህዝባዊ ምምሕዳርን ኣቶ ዮናስ ኣተንዩስን ክልተ መሳርሕቱ ተራኺቦም ብፍላይ ኩነታት ኤርትራውያን ኣገዳሲ ምምይይጥ ገይሮም።  

News Item Scandinavian 07092017 1                                                                                             

ኣኼባ ብኣቦ ወንበር ኣካያዲት ሽማገለ ሽ.ኤ.ም.ባ.ማ. ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ብዝተገብረሎም  ዕድመ ኣመስጊኑ ዕላምን ንጥፈታትን ማሕበርን ሓበረ። ቀጺሎም ሓው ጸሃየ ቀለታን ሓው ኣምጀድ ያስንን ህልዊ ጽንኩር ሃለዋት ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ብሰንኪ ጉግይ ምሕደራ ህግደፍ ስርዓት ኣብ ኣሰካፊ ከም ዘሎን ዋላ ኣብ ስደት እውን ኤምባስታት እቲ ስርዓት ዝፍጽሞ ዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብሪሆም። ኣቶ ዮናስ ብዝተዋህቦ መግለጽታት ዝያዳ ንምፍላጥ ሃለዋት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ብልክዕ ከመይ ከም ዘሎ ብፍላይ ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብምድግጋም ኣገደስቲ መብርህታት ወሲዱ።  ኣብ መደምደምታ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ምይይጥ ኣካያዲት ሽማገለ ማሕበር ዘሎዋ ጠለባት ኣቅሪባ ኣኼባ ብዑደት ሓዲሽ ኣደራሽ ምምሕዳር ከተማ  ዮተቦርግ ዑደት ብምክያድ  ተዛዘሙ።