ኤርትራውያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን

2018-04-10 20:50:44 Written by  ኣማኒኤል ሳህለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1935 times

ASA 3 1

ኣብቲ ፈለማ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ዝዕዘቦም ዝነበርኩ ኤርትራውያን፡ ፖለቲካውን ርእዮተ ዓለማውን ፍልልያት ዳርጋ ኣይነበሮምን ኪብሃል ይከኣል። ኣብዚ ጽሑፍዚ፡ ኤርትራውያን ኪብሃል ከሎ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይኮነስ ንመብዛሕትኡን፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዚነጥፍ ዝነበረን ዘሎን ዜጋ ይጥርንፍ። ኣብቲ ዘመነ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኤርትራዊ ብዛዕባ ናጽነት ሃገሩ ጥራይ እዩ ዚዓጦ ወይ ዚዓጅቦ ዝነበረ። ክንድዚ ጦር ሰራዊት ተኾስቲረን፡ ተጋደልቲ ክንድዚ ጸላኢ ማሪኾም፡ ናጽነት ቀሪባ እያ፡ ወዘተ ዚብላ ቓላት፡ ኩሉ ግዜ ኤርትራውያን ምስ ዚእከቡ ዚጥቀሙለን መኽፈት-ኣፍ እየን ነይረን። ከምዚ ዝበለ ዘረባታት ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ብብዝሒ ይቃላሕ ነይሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ከይተረፉ፡ ዳርጋ ብምሉኦም ናይ ናጽነት ደርፍታት ይሰምዑን፡ ኣብ ፈቐዶ ባራት ኣትዮም ድማ ኣስምዑና ይብሉን ነይሮም። ሓንቲ ካብተን ዝዝክረን ደርፍታት ድማ፡ እዚ ገዛና ዓቢ ህድሞ፡ ትዃን ቍንጭን መሊኡዎ እትብል እያ። እተን ናይ ሳታየ ኣውቶቡሳት እውን ብወገነን፡ ሽገይ ሃቡኒ እትብል ናይ ተወልደ ረዳ ደርፊ እናደረፋ እየን ንኣዲስ ኣበባ ዝኣትዋ ዝነበራ። ግን ሓደ ዘይተረደኣኒ ነገር እንተ ነበረ፡ እቶም ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሩ ገዛእቲ መደብ ኢትዮጵያውያን፡ ስቕ ኢሎም ይርእዩና ምንባሮም እዩ። ንዒቖምና ዲዮም? ቀሊልናዮም ዲና? ምናልባት። ደሓር ግን ምስ ተሳዕሩ፡ ተመሊሶም ኪሓስቡ ጀሚሮም። ክልተ ግዜ ኣዛሪብናዮም ማለት እዩ።

ኣብቲ እዋንቲ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር እመላለስ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝነበረ ናብ ሃገርን፡ ናብ ተቓለስትን ናብ ህዝብን ዝቐንዐ ዓሚቝ ፍቕሪ እዕዘቦ ነይረ። ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገር ኪራኸቡ ኸለዉ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኪጋብዝን ኪዕድምን ኣይጻገቡን እዮም ነይሮም።ሽዑ ከምዚ ሎሚ ህግደፍ ኣይነበሩን። ዘራጊ ስለ ዘይነበረ ድማ ጽሩይ ማይ ይስተ ነይሩ። ይኹን ምበር፡ ህግደፍነት ኣብቲ ናይቲ መሪሕነት ኣእምሮ ከም ትልሚ ነይሩ እዩ። ሽዑ፡ ሳዋ እውን ኣይነበረን፡ ኣብ ኣእምሮ መሪሕነት ግን ከም ድቂ ኾይኑ ይድኰን ነይሩ እዩ። ጀብሃ ሻዕብያ ዚብል ፍልልይ ኣይተጀመረን፡ እንተ ጀመረውን ኣብቲ ህዝቢ ክሳዕ ክንድዚ ዘይምርድዳእ ኣይፈጠረን። ትምክሕቲ መሪሕነት ሻዕብያ ግን፡ ነቲ ፖለቲካዊ መናፍቕ ኢሉ ዝፈረዶ ኤርትራዊ ውድብ፡ ኣብ ሜዳ ኪንቀሳቕስን ሰዓብቲ ከጥርን ምርኣይ ኪወሓጠሉ ኣይከኣለን። ምሳና ሆየ ዘይበለ፡ ካባና ይፈለ ዚብል ኣተሓሳስባ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዩ ጀሚሩዎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚነብሩ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ሉቸ ክትመጽእ ከላ እልል ዚብሉ፡ ምስ እትኸይድ ግን ስለምንታይ ከይዳ ኢሎም ኪጥይቑን ኪካትዑን ዘይክእሉ ሰባት እዮም። ገዛውቶም ኪፈርስ ከሎ ስቕ ኢሎም ይርእዩ። ባህሎምን ሃይማኖቶምን ኪነዓቕ ኸሎ ድማ ንምቅዋም ይፈርሁ። ከምዚ ዝገበሮም ድማ እቲ ስርዓት እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዚቕመጡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ደሞክራሲ ዚብል ኣምር፡ ከም ታሪኽ ጥራይ እዮም ዚፈልጡዎ፡ ኪስርሓሉ ስለ ዘይረኣዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ማሕበራት ከተቕውም ምፍታን፡ ብህይወትካ ከም ምጽዋት እዩ። ንግፍዒ ዓገብ ምባል ድማ ዕምርኻ ምሕጻር እዩ። ነቲ ስርዓት ምንቃፍ፡ ዕሽነት፣ ምእዳም ድማ ቀልቢ ዘይምህላው እዩ። ሽሕኳ ነቶም ቀዳሞት ጸላእትና ክልተ ግዜ ኣዛሪብናዮም እንተ ኾንና፡ እዞም ዳሕረዎት ጸላእቲ ግን ክልተ ግዜ ከዛርቡና ኢዮም ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን።

ኣብ ኣእምሮ ናይቲ ስርዓት፡ መሰል ደቅሰብ ዚብል ኣምር፡ ከም ያታን ጽውጽዋይን ኮይኑ ስለ ዚረአ፡ ብዛዕባኡ ካብ ምጽሓፍ ብዛዕባ ዝንግባባ ምጽሓፍ ከም ዚምረጽ ኮይኑ ኣሎ። ኣነ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ክሰርሕ ከሎኹ፡ እቲ ክፍሊ ሳንሱር፡ ንቪደዮታት ፍቕርን ጾታዊ ርክባትን ብዘይ ገለ ጸገማት ከሕልፎ ኸሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሕቶታት ዘልዕል ፊልምታት ግን፡ ይነጽጎ ወይ ይሕዞ ነይሩ። በዚ ምኽንያትዚ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ንትርጉም መንግስቲ፡ ንትርጉም ሰብኣዊ መሰላት፡ ንትርጉም ደሞክራስን ፍትሕን፡ ንትርጉም መሰል ምግላጽ ሓሳባት፡ ምናልባት ኣብ መጻሕፍቲ ረኺቡ ዘንብቦ እንተ ዘይኮይኑ፡ ከም ኣብ ተግባር ኪትርጎም ዚኽእል ኮይኑ ዚስምዖ ኣይመስለንን። ከምቲ ኣብ ደብረቢዘን ሰበይቲ ከይትኣቱ ክልክልቲ ዝኾነት፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ደሞክራሲ ከይትኣቱ ክልክልቲ እያ።

ከምዚ ዝበለ ስርዓት፡ ነቲ ህዝቢ፡ ግጉይ ናይ ነብሱን ናይ ዓለምን ስእሊ ከም ዚሕዝ ገይሩዎ። ጭቆና ንደሞክራሲ ተኪኡዎ። ምርጫ ድማ ኣብ ክንዲ ብኢድ ብእግሪ ኾይኑ፥ ማለት ክልተ ኣእጋርካ ተጠቒምካ፡ ናብታ ዝመረጽካያ ጎረቤት ሃገር ምስጋር፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ዕድለይ ኢልካ ንቕድሜኻ ምኹብላል ኮይኑ ሽሕኳ ዶብ ሰጊርካ ናብ ጎረቤት ሃገር ምእታው፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ኣካላዊ ሞቑሕ ዘላቕቐካ እንተ ኾነ፡ ካብቲ ናይቲ ስርዓት ስነ ልቦናዊ ሞቕሕ ግን ከገላግለካ ኣይክእልን። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ፡ ዶብ ብምስጋር ኣብቲ ዝደልዮ ሃገር ኪበጽሕ ክሎ፡ ምስኡ ተሓንጊጡዎ ዚኣቱ ከቢድ ካብቲ ስርዓት ዝሸመቶ ስነ ልቦናውን ኣእምሮኣውን ሕማማትን ጸገማትን ስምብራትን ኣሎ። ምናልባት፡ መብዛሕትኡ ዶብ ዝሰግር ኤርትራዊ ብገለ ሸነኻቱስ ዳርጋ ስንኩል ኮይኑ እዩ ናብቲ ባዕዳዊ ሃገር ዚኣቱ እንተ በልና፡ ምግናን ኣይከውንን። ብምቕጥቃጥን ብመግረፍትን ዚኽሰት ኣካላዊ ስንክልና፡ ብጭቆናን ብግፍዕን ዚመጽእ ኣእምሮኣዊ ስንክልና።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ስንኩል ኢልና እንጽውዖ ዘሎና ግዳይ ህግደፍ፡ ንነብሱ ከም ጥዑይ ገይሩ ምውሳዱ እዩ፡ ከመይሲ ብፍልስፍና ህግደፍ፡ እቶም ስንኩላት ዚብሃሉ፡ እቶም ካብቲ ሞቑሑ ተላቒቖም ዶብ ዚሰግሩ ኤርትራውያን ዘይኮኑስ፡ እቶም ኣብቲ ጎረቤት ሃገር ዚቕበሉዎም ባዕዳውያን ህዝብን ፖለቲካዊ ኣቃውማኦምን መትከላቶምን እዩ። በዚ እተላዕለ፡ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብታ እተቐበለቶ ሃገር ኮይኑ እዩ ነቲ ዘሰንከሎ ስርዓት ምውዳስ ዚቕጽል። ነቲ ኻብቲ ስርዓት ዝሰነቖ ግጉይ ኣተሓሳስባን ግጉይ ስእሊ እንታይነቱን፡ ንብዙሕ ዓመታት እዩ ሒዙዎ ዚጎዓዝ።

ኣብዚ ኣጋጣምዚ፡ ሓደ ብጻየይ ዘዘንተወለይ ሓጻር ፍጻመ ከዘንቱ እፈቱ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ዝዓዳ ንእሽቶ ኤርትራዊት፡ ዶብ ሰጊራ ናብ ኢትዮጵያ ትኣቱ። እቶም ኣብቲ መዓስከር እተቐበሉዋ ኣሕሉቕ በቲ ንእስነታ ተገሪሞም፡ ምናልባት ስድራኣ ከመርዕዉዋ ምስ ደለዩ ሃዲማ ዝመጸት ከይትኸውን ብማለት ነቲ ንቡር ጥያቔታት የቕርቡላ። ንሳ ዕድሜኣ 14 ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣመጻጽኣኣ ክትገልጽ ከላ ግን ከምዚ ዚስዕብ ትብል፥ ካብ መርዓ ኣይኮንኩን ሃዲመ፡ ክሰግር እየ ደለየ። እቶም ኣሕሉቕ ድማ፡ ብኸመይ ደኣ እቶም ወትሃደራት ኢትዮጵያ ደው ዘየበሉኺ፡ ብምባል ይውከሱዋ። እቲ መልሳ ከምዚ ዚስዕብ እዩ ነይሩ፥ ረሳሕ ክዳን ተኸዲነ፡ ዓጋመ መሲለ እየ ተሳጊረ፡ ስለዚ ገለ ኣይበሉንን!! እቲ ዝሃበቶ መልሲ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣሕሉቕ ኣዚዩ ኣተሓሳሲቡዎም። ትምህርቲ ህግደፋውያን፡ እንተ ዘይቀተለስ፡ የዕነኒ። እቲ ኤርትራዊ፡ ኸምዚ ዝበለን ኻልእ እተፈላለየ መገድታትን ብልሓታትን ተጠቒሙ ኣብ ጎረቤት ሃገር ወይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኣተወ፡ ዕቝባ ድማ ምስ ሓተተ፡ እቲ ኣካላቱ ኣብ ባዕዲ ሃገር፡ ኣእምሮኡ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር እዩ።

ሽሕኳ ኤርትራዊ ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መገዲ፡ ብቐዳምነት እቲ ዚሕዞ ታሴራ ወይ ወረቐት መንነት እንተ ኾነ፡ ካብኡ ቀጺሉ ግን፡ ንኢትዮጵያን ንኢትዮጵያውያን ምጽላእን ምንእኣስን ከም ቀንዲ መረጋገጺ ኤርትራውነቱ ገይሩ እዩ ዚወስዶ። ነዚ ድማ ብእተፈላለየ ጸርፍታትን ዘለፋን ኣሽካዕላልን ይገልጾ። ቀጺሉ ነቶም ኣባላት ተቓወምቲ ደምበን ንሰዓብቶምን ደገፍቶምን ምንሻውን ምጽላምን፡ ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ መንነንቱ ፍጹም ንምግባር ከማልኦ ዘለዎ ነጥብታት ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። ካብዚ ስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ከሎ ንነብሱን ዓቕምታቱን ዚልምከት ዘጥረዮ ግጉይ ስእሊ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንነብሱ ከም ፈላጥን ጥበበኛን ገይሩ ይወስዳ። መን ከም ኤርትራዊ፡ ዚብል ሕማም ይድግሶ። ብሓይሊ፡ ብፍልጠት፡ ብመልክዕ፡ ብጥበብ ወዘተ፡ ዚወዳደሮ ከም ዘየልቦ ገይሩ ድማ ንነብሱ ከዐሽዋ ይነብር። እዚ ብዛዕባ ነብስኻን ብዛዕባ ካልእ ዓለምን ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዚጥረ ግጉይ ወይ ጥምዙዝ ስእልዚ፡ ኣብቲ ናይቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚቕመጡ ናይ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ባህርያትን ተግባራትን ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዚገብር ኩሉ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ንኺረኽቦ ከም ሕልሚ ዝኾነ መሰላት ደቂ-ሰብ ብምጽብጻብ፡ ካብቲ ዘዕቈቦ መንግስቲ፡ መሰላቱን ሓለፋታቱን ኪሓትት ድሕር ኣይብልን፡ ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ዚሓቁ ዘለዉ ኣሕዋቱ ሓራ ንምውጻእ ግን፡ ተቓውሞ ዘይምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ገፋዒ ስርዓት ኮይኑውን ይነጥፍ እዩ።

እዚ ኸይኣክል፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ዚረአ ናይ ምፍልላይ ባህርያት፡ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውራጃን፡ ቀቢላን፡ ሃይማኖትን፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌን፡ ዘተኮረ እዩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብ ድሑር ሃይማኖታዊ ሕልሚ ተኣሊኾም፡ ኣድሓርን ሕልና ዘዕርብን ድኹምን ትምህርቲ ኪዝርግሑ ይረኣዩ። ናይ ባዕዲ ሃገራት ኣጀንዳታት ዘጣጥሑ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን ከምዚ ምስ ተጓነፈካ፡ ንበዓል ወዲ ዓሊን ንበዓል ሓጂ ሙሳን ትዝክር። ከምዚኣቶምስ ኣብ ወጻኢ ድማ እንተ ዚፍጠሩ ትብል። ከምኡውን ዝኽሪ በዓል ድሩዕ ንመንፈስካ ይቕስቅሶ።ብሓቂ፡ ድሩዕን ብጾቱን ንኣና ኪብሉ እዮም ተሰዊኦም።

ንሃይለ ድሩዕ፡ ሓደ ንግሆ፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብጃማ ገይሩ ደው ኢሉ ኸሎ ረኺበዮ፡ ቅሩብ ድማ ኣዕሊለዮ። ምስ ሃይለ ድሩዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኢና ንፋለጥ። ንቕሩብ ግዜ ኣብኡ ስለ ዝነበረ። ተጋደልቲ ምስ ኣተዉ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደ ዝረኸብኩዎ ቀዳማይ ብጻይ ተጋዳላይ ንሱ እዩ ነይሩ። ከም ተዋዛይን ምቕሉልን፡ ከም ምሒር ደፋርን፡ ከም ሓደ መከራን ጸገማትን ቅጭጭ ዘይብሎ ሰብን እየ ዝፈልጦ። ነተን ቅድሚ ኣብ ኢድ ገፋዕትን ጠለምትን ምውዳቑ ኣብ መንጎ ዕላልና ዘውሰአን ቃላት ኩሉ ግዜ እዝክረን፤ ንሕና ክንስዋእ ኢና፡ ኣይተርፈናን እዩ፡ ነዚ ኸኣ ተቐሪብናሉ ኢና፡ ግን እዚ ህዝቢ ቀስ ኢሉ እዩ ዚርድኣና፡ ከመይሲ ፖለቲካል ኤንድ ካልችራል ኢነርሻ ኣለዎ (ነቲ ዘጥረዮ ፖለቲካውን ባህላውን ኣረኣእያ ንኺልውጦ ግዜ ኪወስደሉ እዩ፡ ማለቱ እዩ)። ብድሕሪኡ ኣይረኣኹዎን። ግን ኩሉ ግዜ ነተን ዝበለን ቃላት እዝክረን።

 

 

Last modified on Tuesday, 10 April 2018 23:02