Sweden-Eritrea Association Organizes Rights' Awareness Seminar in Gothenburg
Written by EPDP Information OfficeThe Sweden-Eritrea Solidarity Association in Gothenburg, Sweden, also known as "Eritrea in Our Hearts", on 16 October 2017 organized an awareness seminar on family reunion for refugees, most of whose family are outside Sweden, mainly in Ethiopia.
According to Mr. Zehaie Keleta, one of the active members of the organizer association, the seminar greatly benefited from the presentation made by Ms Lena Russell, a human rights activist with 40 years of experience in family reunion and refugee rights.
As of late, Eritreans refugees in Sweden have been facing problems related to family reunion and their asylum requests. Ms Lena Russell informed the meeting participants that these cases have been contested by five groups of prominent human rights advocacies in Sweden and that the case will be reviewed at the supreme court in Sweden within the current month and can most probably obtain a positive decision.
At the end of a two-hour discussion of the asylum issues, Eritreans wished to remain behind at the meeting hall and discussed a common strategy to pursue their struggle for the basic refugee rights in the country of their asylum.
ንዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ቭክቶርያ ሁሰት ብሓልዮት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ማሕበር ዝተዳለወ ኣኼባ ፡ ብገባሪት ሰናይ ሙኩርቲ ሌና ሮሰል ናይ 40 ዓመት ዝሰርሓትሉ ብጉዳይ ስደኛታት፡ ብፍሉይ ኪኢላ ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ብቅዕቲ ዝኾነት፡ ንካብ ሓያሎ ከተማታት ሽወደን ዝመጹ ኣሕዋት ዝተማሳሰላ ጸገማት ስድራቤታቶም መብዛሕታኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ሓበረታታን ምኽርን ሂባ።
እቲ ጉዳይ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ራዲኦ ፐ1 ራዲዮ ሃገር ሽወደን ዝተቃልሔ፡ እቲ ጉዳይ ብፍላይ ናይ ኤርትራውያን መንግስቲ ሽወደን ፓስፖርት ናይ ዓድኹም ኣምጽኡ ኢላ ትግድዶም ዘላን፡ ነዊሕ ኣዋርሕ ትጽቢታትን ጨሪሱ ምስቲ ሕግታትን መሰል ደቂ ሰባትን ዝጋራጮን ግጉይ ኣገባብን ምኳኑ ብንጹር ተሰኒዱ ኣብ ናይ ሃገር ሽወደን ልዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዉሳኔ ክወሃቦ ምኳኑ ሓቢራ። ነዚ ጉዳይ ተታሓሒዞሞ ዘሎዉ ከኣ ናይ ቀይሕ መስቀል ኪኢላ ሕጊ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኮሚሽን ሃገር ሽወደን፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሸናል ሃገር ሽወደን ፡ ሙኩራት ናይ ሕግን ተሞክሮን ኪኢላታትን 5 ሽወደናውያን እየን። ብብሩህ ከኣ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ጸልማትን መሪሪ ስለ ዝኾነ ዘሎ መንግስቲ ከኣ መትሓዚ ዘይብሉን ዘይሰምዕን ዘይልወጥን ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ሽወደን ተመሊሱ ነቲ ሕግታት ክልውጦ ኣሎዎ ዝብል ተሪሪ ሰነዳዊ ጥርዓን ስለ ዝኾነ ኣዎንታዊ ትጽብት ኣሎና ኢላ። ከምቲ ንሶማልውያን ተዋሂቡ ዘሎ ዕድል ንኤርትራውያን ከኣ ክወሃብ ትጽቢት ከም ዘሎ ሓቢራ ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት ምይይጥን ሕቶታትን መልስን ፈጺማ ብምስጋናን ጌና ኣብ ጎድንኹም ኣሎኹ ብምባል መደረኣ ዛዚማ። ብድሕሪኡ ኩሉም ኤርትራውያ ንበይኖም ተሪፎም ብልዙብ ዝኾነ ብጥርኑፍ ኣገባብ ቃልሶም ክቅጽሉ ምኳኖም ተሳማሚዖም ተፋንዮም።
ጅግና ተጋዳላይ ኪሮስ ወልደኣብ ኣብ 1974 ዓ.ም ኢዩ ብንእስነቱ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ኣገልጊሉ።
ተሓኤ ተደፊኣ ናብ መሬት ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ ይሰርሕ ነይሩ። ዋላ ኣብ ሃገር ስደት እንተዀነ እውን ንሓንቲ ህሞት ትኹን ካብ ቃልሲ ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ስውእ ኪሮስ። ቅድም ክብል ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ድሒሩ ድማ ኣባል ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂ ድማ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኰይኑ እናተቓለሰ እንከሎ ኢዩ: ትማሊ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2017 ብሃንደበታዊ ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሰዊኡ። ስውእ ኪሮስ ወልደኣብ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ኢዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ ኪሮስ ወልደኣብ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፣ ንስድራ ቤቱን ቤተሰቡን ብመላኦም ድማ፡ እግዚኣብሄር ጽንዓቱ ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን እናበለ፡ ናይ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
17 ጥቅምቲ 2017
EPDP Sub-Zone, Germany, Holds Successful Congress in Frankfurt
Written by EPDP Information OfficeThe EPDP sub-zone of Germany, which consists of three active branches in southern, central and northern parts of the country, held its third congress on 14 October in Frankfurt. Taking part in the congress were elected delegates of each branch and the outgoing leaderships of the three branches as well as of the Germany Sub-zone.
The opening session was addressed by EPDP-Europe Zone chairman, Mr. Isaac Woldemariam, and the Germany Sub-Zone chairman, Mr. Tesfamariam Kibreab. Both speakers referred to the congress slogan and underlined the importance of redoubling efforts to further strengthen the EPDP as one of Eritrea's trusted instruments in forging a better tomorrow.
Per the congress agenda, each leadership of the three branch in Germany presented its activity reports, which reflected quite satisfactory achievements in various fields of endeavours. one glaring good instance of additional efforts by the branches was their involvement in assisting in the integration of non-party members like newly arrived Eritrean refugees. For example, EPDP branch members in northern Germany have been actively helping young Eritreans in organizing sporting groups. It was also made known that the branches implements most of the action plans given them by the Germany Sub-Zone leadership. A special auditing team formed by the Sub-Zone also confirmed the correctness of reports presented at the congress.
The congress continued its deliberations by an elected three-person committee. At the end of the discussions on past reports and current situation evaluations, the congress participants outlined major activities which should be included in new action plans of the branches in Germany. The congress also voted on nine candidates for the future leadership of the Sub-Zone of whom five were elected to lead the Sub-Zone with two reserve members, who also work closely with Sub-Zone leadership in implementing party programmes.
Before concluding its session, the EPDP Germany Sub-Zone Congress commended all members of the three branches for their unflinching stand in defence of their party constitution and the legitimate party leadership. The congress reaffirmed its full support to the documents of the March 2017 All-Europe Conference in Frankfurt. Likewise, it gave its resounding support to the 8th Regular Meeting of the EPDP Central Council for its right decision preceding approach in trying to resolve the crisis created by a some members of the former zone leadership in North America. The congress concluded by once again stressing the importance of respecting the rule of law on the bases of adopted party rules and structures.
ህዝቢ ኤርትራ እነሆ ን26 ዓመት ብሓደ ሰብን ውሑዳት መጋበራይታቱን ድከቱ ሰትዩ ገና እውን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ተገፊፉ ይሳቐ ኣሎ። ዝወለዶም ደቁ ብግቡእ ከየዕብዮም ፍቕሪ ወላዲ ስኢኖም ይዋረዱን ይሳቐዩን ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ኣደራዕን ወጽዓን ልዕሊ ኩልና ስለ ዝፈልጦ ይወግሕዶኾን ይኸውን እናበለ እዩ ዝጽመም ዘሎ።
ህዝቢ ብፍላይ ድኻን ትምህርቲ ዝውሕዶን እንተኾይኑ፥ ነቲ ወጽዓ ንግዚኡ ናተይ ኢሉ ክስከሞ ግድን እዩ። ነዚ ክስከም እንከሎ ካብቲ ካብ ኣብራኹ ዝወጸ ሰራዊት ናይታ ሃገር ናይ ፍታሕ ተስፋ ይጽበ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ባዕዳዊ ኣይኮነን፥ እቲ ሰራዊት ንወለዱን ደቂ ሃገሩን ክውጽዕ ወይ ክጭቁን ኢሉ ስለ ዘይዕሰብ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሰራዊት ኣብ ኢዱ ብረት እንከለዎ ሱቕ እንተበለ፡ እቲ ጥራሕ ኢዱ ዘሎ ህዝቢ ናይ ግድን እዩ ንግዚኡ ክጽመም። ስለዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሰራዊት ሓንቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ህዝቢ ክውጻዕ እንከሎ ኣብ ጐኒ ህዝቡ እዩ ደው ዝብል። ኣብ 1975 ሰራዊት ደርጊ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ህዝቢ ከበሳብሱ ምስ ጀመሩ ኮማንድስ ዘርኣይዎ ምክልኻል ክም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።
ህዝቢ ኤርትራ ትምህርቲ፥ ሕክምና፥ ጽርግያ፥ ዝብላዕ ዝስተ፥ መብራህቲ፥ ተሓሪሙ፥ ሰሪሑ ከይበልዕ ስራሕ ኣልቦነት ወሪርዎ….ወዘተ ኢልና እንተ ቖዘምና ህዝቢ ኤርትራ ንሱ ባዕሉ ዝነብሮ ዘሎ ህይወት ስለ ዝኾነ ተመሊስና ንሕና ክንሕብሮ ኣይጽበየናን እዩ። እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና እምበኣር ነቲ ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ዝግፈፍ ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ንለውጢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሓይልታት ድው ንኽብል ዝዕድም፡ ዘለዓዕልን ንትርግታ ልቡ ዝምስጥን ሓሳብን ግብርን ዘሰነዮ ኣገባብ ክንክተል ኣሎና። እቲ ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ኢልና ንኣምን ካብ ሃሎና፥ እቲ ኣገባብና ከኣ ሰላማዊ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ምርጫና ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣገባብ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ጎዳጒዲ ዝነብር ዘሎ ኣካል ህዝቢ ብምዃኑ፥ ንሱ እውን ውጹዕ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ብሓፈሻኡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስኻ ዋሕስ ህዝቢ ኢኻ ዝብል መልእኽቲ ክበጽሖ ይግባእ።
“ዓመጽ ንዓመጽ ትወልዳ” ከም ዝበሃል፡ ደምበ ተቓውሞ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብጐነጽ ክድምስሶ እየ ዝብል ኣምር ቀዳማይ ምርጫኡ ክኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብጐነጽ እንተመጺእካ ንሱ እውን ብጐነጽ እዩ ክቕበለካ። ኣብዚ እቲ ዝገደደ ህልቂት ዘስዕብን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ከኣ በቲ ዝደልዮ ስትራተጂ ትመጾ ስለ ዘሎኻ ህዝቢ እንተበረሰ ኣይግድሶን እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ዘድሓንካ፥ ሎሚ እውን ከም ናይ ትማሊ ንህዝብን ሃገርን ካብ ምንጋጋ መላኽን ጨቋንን ስርዓት ክተናግፎ ታሪኻዊ ግቡእካ እዩ። ምኽንያቱ ንስኻ በቲ ሓደ ሸነኽ ሓላው ሃገር፥ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ደው ክትብል እዩ እቲ ማሕላኻ። እቲ ወጽዓ ናይ ህዝብን ሰራዊትን ብምዃኑ ድማ ንስኻ ምስ ዝርህወካ ህዝቢ ከም ዝርህዎ፥ ህዝቢ ምስ ዝርህዎ ከኣ ንስኻ’ውን ሰላምን ቅሳነትን ከም ትረክብ ርዱእ እዩ። እዚ ምስ ኮነ ከኣ እዩ እቲ ናይ ክልቴኹም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሕሎ፥ ሽዑ ከኣ እዩ ካብ ጐዳጒዲ ወጺእካ ናብራ ዓለም ክተስተማቕር ዕድል ዝህልወካ።
ስለዚ ህዝቢ ምስ ሰራዊት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ንኣራዊታውን ኣረመናውን ስርዓት ባሕጒጉ ዋሕስ ቅዋማዊት ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣሎካ። እዞም ኣብ ልዕለኻ ኮይኖም ደቚሶም ጅሆ ሒዞሙኻ ዘለዉ ውሑዳት ሰብ ጽሩራ ኣንጻሮም ንኸይትብገስን ፍትሒ ንኸይትሓቶምን ብምስጋእ እዮም። ስለዚ ነዚ እኩይ ሰንሰለት ውጽዓ ምስ ህዝብኻ ኰንካ በታቲኽካ ንስኻን ህዝብን ናጻ እትወጹሉን ፍትሒ እትረኽቡሉን ብዓቢኡ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝትከለላ መድረኽ ክትፈጥር ሓላፍነትካ እዩ። እዚ ምስ እትገብር ከኣ መብጽዓን ሕድርን ናይቶም ቅድመኻ ምእንቲ እዛ ሃገርን ዝፈትዉዎ ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ኣውሒስካ ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ገበናት በኣኻ ኣቢሉ ንኽፍጽሞ፥ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ህዝብን ምፍሕፋሓትን ጽልእን ንኽፍጠር ለይቲ ምስ መዓልቲ ስለ ዝጽዕር ክትነቕሓሉ ይግባእ። እዚ ከኣ ጽባሕ ንግሆ ንስኻ ተሓታቲ ንኽትከውን ምእንቲ ኢሉ ዝምህዞ ሸርሒ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ምልኪ ብኣኻ ኣቢሎ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ወይ ገበናት ተሓታቲ ንሱ እቲ መላኺ ስርዓት ምዃኑ ናይ ምግባር ሓላፍነትካ እዩ።
ብሓጺሩ ነዚ የዋህ ህዝብን ለጋስ መሬትን ካብ ምልኪ ኣናገፍካዮም ወይ ኣጥፋእካዮም ኣብ ኢድካ ዘሎ እዩ። ሎሚ ግዝኡ ኣኺሉ ህዝቢ ኣብ ዝነቕለሉ እዋን ክትድግፎን ኣብ ጎኑ ደው ክትብል እምበር፡ ክትኮልፎ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንስኻ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ስልጣን ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። “ብትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ከኣ ኣብ እግርኻ” ከም ዝበሃል ማንም በዓል ጸሩራ መጺኡ ከም ድላዩ ክህድደካን ከሳቕየካን፥ ብገዛእ ህዝብኻ ክተሳቒ ክእዝዘካ፡ ድሕሪ ደጊም ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ካብዚ ዘሎኻዮ መከራን ኣደራዕን ዝገደደ እዩ ክመጸካ። ስለዚ ንስኻ ዋሕስ ናይዛ ሃገርን ናይዚ ህዝብን ምዃንካ፥ ተገንዚብካ ሓላፍነት ክትስከም ኩሉ ዝጽበዮ ክስመዓካን እዋኑ እዩ’
ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ።እቲ ጉባኤ ምምሕዳር ሽማግለታት ሰለስቲኡ ጨናፍርን ብጨናፍሮምዝተወከሉ ኣባላት ጨናፍርን ኢዮም ተኻፊሎሞ። ብዘይካዚ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ንስራሓት ጨናፍር ኣብ ምጽፋፍን ንብረት ሰልፊ ኣብምክትታልን ንምትሕግጋዝ ዝፈጠሮ ትካል ቁጽጽርን እውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ ነይሩ።
ኣብዚ ንሳልሳይ ግዝይኡ ዝሰላሰል ዘሎ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፣ ኣቦ መንበር ምምሕዳር ሽማግለ ሓው ተስፋማርያም ክብራኣብ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ብምምስጋን፣ ንኡስ ዞባ ሒዝዎም ዝጸንሐ ስራሓትን ቅጥዒ ጉባኤን ብምሕባርን ጉባኤ ንኡስዞባ ጀርመን፤ ሰዲህኤ ነቕ ዘይንብለሉ መቃለሲ ናይ ዓወት ባይታና እዩ፤ ኣብትሕቲ ዝብል ጭርሖ ይካየድ ምህላዉ ብዘቕረቦ መኽፈቲ መግለጺ’ዩ፡ ቃል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ንምቕራብ እቲ መድረኽ ንሓው ኢሳቕ ወልደማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኣረኪብዎ። ሓው ኢሳቕ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ ነቲ ጉባኤ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ብምቕራብ ሽማግለ ዞባ ተታሓሒዝዎም ዘሎ ዕማማትን ኣብ ኣመራርሓ ዘለዎ ስጥመትን ናይ ሓሳብ ውህደትን፡ በብሃገሩ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝገብሮ ዝገበሮን፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ናይ ስራሕ ምትሕብባርን ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብሪሁ።
ድሕሪ መኽፈቲ መልእክቲ ክልተ ኣቦ መንበራት ትካላት ሰልፊ ምስማዕ ናብቲ መሰረታዊ መደባት ናይቲ ጉባኤ ንምእታው፡
1. ጸብጻባት ጨናፍር
2. ጸብጻብ ተቆጻጻሪ
3. ጸብጻብ ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን
4. ምምራጽ ሰክረታርያ ጉባኤ
5. ምምራጽ ሓዳስ መሪሕነት ንኡስ ዞባን ለበዋታትን ዝብሉ ዛዕባታት ዝሓዘ ጽሑፍ ንተሳተፍቲ ተዘርግሐ።
ኣብ ቀዳማይ ቅጥዒ ኣባላት ሽማግለ ሰለስቲኤን ጨናፍር ንኣታሃላልዋ ኣባላቶምን ተሳትፍኦም ኣብ ከባቢያዊ ሓባራዊ ዕማማትን ኣበርክታኦምን፡ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ናይ ስራሕ ዕንቅፋታትን ዘመልከተ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምምሕዳራውን ማሕበራውን ጸብጻባት ኣቕሪቦም። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ሰሜን ጀርመን ዝጅመር ንዘሎ ናይ መንእሰያት ስፖርታዊ ምጥርናፋት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጥራሕ ዘይኮነስ፡ መንእሰያት ንነብሶም ካብ ካልእ ኣሉታዊ ኣቕጣጫታት ንከይወስዱ እውን ሓጋዚ ምዃኑን ተሓቢሩ። ኣብዝቐረበ መግለጺ ምርኩስ ብምግባር ድማ ኣገዳሲ ወኸስታትን ዝርርብን ተኻይዱ፡ ንዝጸንሑ ሕጽረታትን ናይ ስራሕ ጸገማትን ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዙ ሓሳብት ብምቅራብ ድማ ተደምዲሙ።
ክልተ ተቆጻጻርቲ ብግዲኦም፣ ንዝቐረበሎም ገንዘባዊ ጸብጻባትን ኣብ ጉባኤ ዝተዋህበ መግለጺ ጨናፍርን ሓቕታት ከምዘለዎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ እቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ሕጽረታት ድምር ናይ ኣሃዛት ዘይኮነስ ብዝተዋህበ ቅጥዒ ዘይምስራሕ እንተዘይኮይኑ ካልእ ከምዘይነበረ መስኪሮም። ሓው ተስፋይ ባይረ ብፍላይ ተሓዝቲ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ጨናፍር ክእለታቶም ኣብ ምኽዕባት ክተሓባበር ከምዝኽእል ድማ ቃል ኣትዩ።
እቲ ንምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጀርመን ወኪሉ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ዝቐረበ ጸብጻብ እንተኾነ እውን ድምር ናይቲ ብጨናፍር ክማሓላለፍ ዝጸንሐ ጸብጻባትን ኣብ መስኖኣዊ ኣሰራርሓ ዝነበሮ ጉድለታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ክውሰድ ዘለዎ ኣራሚ መንገድታት ዝኣመተ እውን እዩ ነይሩ። ሓው ታደሰ ንኡስ ዞባ ካብ ዝሰርዖም መደባት ሓያሎይ ኣብ ትግባረ ተፈቲኖም እዮም፣ ኩሎም ተዓዊትናሎም ኢና እኳ እንተዘይበልና ድማ፡ ምስ ናይ መጻኢ ዕማማት ኣዋሃሂድካ ትስፉዋት ኢና። ብፍላይ መንእሰያትና ኣብ ምምልማልን ኣብ ምምሃርን ብዘይምቁራጽ ብበዓል ሓው ክብሮም ዓንዶም ሒዝናዮ ዘለናን ክንቅጽሎ ዘለና መደብን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እዚ ዕማምዚ ኩለን ትካላትና ኣብ ጀርመን ክዝውትርኦ ከምዝግባእ ጠቂሱ። ብዘይካዚ ይዕበ ይንኣስ ብጨናፍር ንኡስ ዞባ ዝካየዱ ዕማማት ናይ ወረቐት ስራሕ ከሰንዮም ከምዝግባእን፡ እዚ ምስዝበኩር ከምዘይተፈጸሙ ክስገሩ ከምዝኽእሉን ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ዝቐረበ ጸብጻባት ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ፡
- ስፍሓት ሰልፊ ኣብ ምርግጋጽ ቀወምቲ ኣባላትን ተሓባበርትን ኣብ ምጽራይን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፖለቲካዊ ቦታኦም ብዘየገድስ ሽግራቶም ኣብ ምቅላል እንገብሮ ምትሕብባርን፡
- ቅዋማውን ሰነዳውን ኣሰራርሓና ኣብ ዓውደ ተግባረን ነዚ ዝምልከት ከጋጥሙና ዝጸንሑ ጸገማትን ብፍላይ ኣብ ምትግባር መምርሒታትን ጸብጻብት ምትሕልላፍን
- ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ተሳትፎና ከም ንኡስ ዞባ ጀርመን ከመይ ንመዝኖ፡
- ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣታሃላልውኡን
- ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣብ ኣባላቱ ዘካይዶም ሰሚናራትን፡ ሃገራዊ በዓላትን፡ ህዝባዊ ኣኼባታትን ፈስቲቫልን
- ናይ መጻኢ ዕማማትን ዝብሉ ነጥብታት ኣካል ናይቲ ዝቐርብ ዝነበረ መግለጺታት እዃ ይኹኑ እምበር፡ ጉባኤኛ ዳግማይ ክርእዮም ከምዘለዎም ተገይሩ። በዚ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛዕባ ንዝጸንሐ ኣወንታዊ ኣሰራርሓ
ዝያዳ ንምሕያሉ፡ ንዝተራእይ ጉድለታት ድማ ኣራሚ መንገዲ ክታሓዝ ጉባኤ ውሳኒታት ወሲዱ ዝቐረበ ሰነዳት ብምሉእ ድምጺ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ናይ መጻኢ ውጥናት ተሊሙ።
ቀጺሉ ንዝቐረቡ ውጥናት እንተተግብርን ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት መደባት ንኡስ ዞባ ጀርመን እተማእክልን ሓዳስ ምምሕዳር ሽማግለ ንምምራጽ፡ ጉባኤኛታት ካብ ውሽጦም ትሻዓተ ኣባላታ ሕጹያት ኣቕሪቦም፡ ካብዚኣቶም ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላትን ክልተ ተጠባበቕትን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ብዘይካዚ ንብረትን ገንዘብን ንኡስ ዞባ ዝቖጻጸርን ዝከታተልን ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ማሕበራት ጀርመን ዝምልእን ሓደ ተቆጻጻሪ መሪጾም።
ድሕርዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብፍላይ ድማ ምምሕዳር ሽማግለታት ስራሓቶም ኣብ ምጽፋፍን ኣባላቶም ንዘቕርብዎ ሓጋዚ ድልየታትን ንምስላጥን፣ መምርሕን መደብ ስራሕ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ-ስራሕ ሰልፊ ናብ ታሕተዎት ኣካላት ክቐርብን ዝብሉ ኣገደስትን እዋናውያንን ለበዋታት ቀሪቦም።
- ኣብ መጠረስታ፡ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን ውሽጣዊ ስጥመት ሰልፊ ንቅዋማዊ ኣሰራርሓ ኣጽኒዕካ ብምሓዝ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጺእካ ከረጋገጽ ዝኽእል ኣሳልጦን ዓወትን ከምዘየሎ ብምግንዛብ፡ ጕባኤ፡ ነቲ ኣብ መጋቢት 2017 ኣብ ጀርመን እተኻየደ ዋዕላ ምሕዳስ ሰልፊ ዘሕለፎም ውሳኔታት ደገፉ ደጊሙ የረጋግጽ።
- መሪሕነት ሰልፊ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰልፍና ዘጋጠመ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝወሰዶ ስጕምትታትን 8ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዘሕለፎም ውሳኔታትን ደገፉ ይገልጽ።
- ኣባላት ሰልፊ ኣብ ንኡስ ዞባ ጀርመን ኣብ ጐድኒ ሓጋዊ መሪሕነቶም ደው ምባሎም ድማ የመጉስ።
- ብተወሳኺ ኣቐዲሙ ክምዝተጠቕሰ ጉባኤ ንኡስ ዞባ ጀርመን፤ “ሰዲህኤ ነቕ ዘይንብለሉ መቃለሲ ናይ ዓወት ባይታና እዩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኸፍተ ኮይኑ፤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ብማይ ዝተሰርሐ ቆፎ፡ ብማይ ዝፈርስ ኣይኮነን። ስለዚ ህያው ዝኾነ ሰልፊ ብጉባኤታቱን ቅርጹን ትካላቱን ዝልለ ተግባራዊ ሂወት ዘለዎ ደኣበር ብነበር ዝግለጽ ሰልፊ ከምዘይኮነ እዩ ጉባኤ ንዑስ ዞባ ጀርመን ነዚ ሓቂ እዚ ብምርግጋጽ፡ ጉባኤ ብዝኽሪ ስዉኣት ተደምዲሙ።
ዓወትን ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣት ኤርትራ!
EPDP Leaders Hold Public Meeting, and Attend at 7th Branch Congress in Oslo
Written by EPDP Information OfficeTwo Executive Committee members of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) held a public meeting in the Norwegian capital of Oslo on Saturday, 14 October, at which hot issues of the hour, including the urgency of joint work by forces opposed to the dictatorship at home, were discussed. Also held the same day was 7th congress of the Norway Branch. The leadership members were Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), EPDP head for Organizational Affairs, and Mr. Medhanie Habtezghi, head of Youth Affairs Office in the party.
Following introductory remarks by Mr. Medhanie Habtezghi about the guest speaker and the topics at hand, Mr.Tesfai Woldemichael made a brief summary of the disquieting situation of the Eritrean people under a repressive regime which has failed to work out the most basic state institutions in over quarter of a century of its misrule.
Other than that, Mr. Tesfai W. Degiga regretted the ongoing fragmentation of the forces supposed to reverse the bad situation in Eritrea but added his renewed conviction for a better future for joint work of the opposition forces. He mentioned the scheduled meetings in Germany and Ethiopia this month by pro-change forces whose agendas are focused on the urgent need for unity of common action. The EPDP proposal for joint work at least in the spheres of diplomacy, the media and public mobilization was adequately explained and discussed.
The EPDP leadership members alternated in answering question and viewpoints from the floor, and the meeting was concluded after recording recommendations to the organized bodies from the general public.
7th Norway Branch Congress
Meanwhile, the EPDP Norway Branch also on the same day held its 7th congress which was attended by delegates from different parts of Norway. The congress was also attended by two EPDP Executive Committee members.
Branch chairman, Mr. Mahder Ogbazghi, opened the congress with a statement in which he outlined the programme for the congress and also seized the opportunity to condemn disruptions made by fringe elements, and reaffirmed the branch's unwavering dedication to strengthen the EPDP and continue carrying on the struggle against the evil regime at home.
Report of branch activities between the 6th and 7th branch congresses was presented by branch secretary, Mr. Khalifa Abdalla. Besides listing the political, diplomatic and social tasks carried out during the year, he reported that the branch worked closely with Eritrean civic movements in the region, and branch members actively took part in party conferences and seminars organized in Sweden and Germany during the year. It was made clear that every Norway branch member is also actively involved in assisting refugee projects in the Sudan. The financial and property reports were presented by Mr. Mussie Amar.
After discussing and adopting the reports, the congress elected new branch committee of three with two reserve members.
Mr. Tesfai Woldemichael at the end addressed the branch congress in which he commended the historic dedication to the struggle shown by Norway branch members, and further explained a number of current issues of concern related to the struggle of the opposition camp and the EPDP. He took time to inform branch members about the small vocal clique in North America that defied leadership decision about Mesfin Hagos whose actions and behaviour showed unacceptable disregard to the rule of law as contained in the EPDP constitution and bye laws.
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራይ ይዕመምዩ ዝብል እምነት ኣይጸነሖን ንመጻኢ’ውን ኣይህልዎን እዩ። ከም መተካእታ ድማ ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝተሰለፉን ሓይልታት ብሓባር ዝሰርሕሉ መድረኽ ምፍጣር ካብ ቅድም ዝሓዞ ምዃኑ ናይቶም ንሰዲህኤ ዘቖሙ ውድባት ተመኩሮ ኣብዚ መዳይዚ ዝምስክሮ እዩ። ቅድሚ ኮነ ድሕሪ ምምስራት ሰዲህኤ ዝነበረ ተመኩሮ ክንድህስስ እንከለና፡ ንዝምድና ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብዝምልከት፡ ተመሳሳሊ ርኢቶ አለዎም ሓይልታት ክሳብ ምትሕንፋጽ ዝበጽሕ ስምረት ክገብሩ፡ ዝተወሰነ ፍልልያት ዘለዎም ከኣ ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ነጥብታት ብሓባር እንዳሰርሑ ነቲ ፍልልያት ይጽብብዎ ኣብ ዝብል ዝተሰረተ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ እማመ ብሓባር ምስራሕ ሰዲህኤ እውን ነዚ እዩ ዘጉልሕ።
ናይዚ እምንቶዚ መሰረታዊ ትሕዝቶ ውድባትና ኣብ ኣድላይነት ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ንኡስ ናይ ኣተገባብራ ሜላታት እንተዘይኮይኑ መሰረታዊ ፍልልይ ስለ ዘየብለን ብውሑዱ ኣብዚ ብሓባር ክሰርሓ ክበቕዓ ኣለወን ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዝርዝር ናይ ዝፈላለያሉ ሕጂ ከወግድኦ ስለ ዘይክእላ፡ ብዘይዕንቅፍ ኣገባብ ከም ፍልልይ ንሓዞ ዝብል ቃና ዘለዎ እዩ። ሰዲህኤ ክሳብ ሕጂ በዚ ተቐይዱ ዝኸይድን ካብዚ ወጻኢ ንካለኦት ግነዖት ዘይገብርን ካለኦት ግነዖት ክገብርሉ ዘይጽበን እዩ።
ኩልና ከምዘይንስሕቶ ኣብዚ ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት ዝተቀይረትሉ መዋእል፡ ኣይኮነንዶ ንሕና ውሱን ዝዓቕምናን ተሰማዕነትናን ካለኦት ኣካላት እውን ብዘይምትሕግጋዝ ኣይነብሩን እዮም። እቲ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ግና ከምቲ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ብግቡእ ተቐሪጹ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ወይ ቅዋም ክሰፍር ናይ ግድነት እዩ። በዚ መንጽር ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ፡ ካብቲ ነዚ ዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝር፡ “9.1.3 ምስ ኵለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤”ዝብል ምሉእ ሓሳብ ሰፊሩ ንረክብ። ሃገራት ብተፈላለዩ መንቀልታት ኣብ ጉዳይ ሓደ ሃገር ዝተፈላለየ ጽልዋ ክህልወን ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት ብጉርብትና። እንተኾነ እቲ ሕመረት ዝምድና ሰዲህኤ ምስ ርሑቕ ይኹን ምስ ቀረባ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ዝወጽእ ኣይኮነን። ካብቶም ነዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ፍሉይ ዝግብርዎ ረቛሕታት ኣብ ሃገርና ፍሉይ ርኢቶና ዓቂብና ተወዲብና ክንቃለስ ዘይምኽኣልና እዩ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ነዚ ስለ ዘይጸውር እዩ። ስለዚ እቲ ቃልሲ ግድን ካብ ኮነ እሞ ኣብ ሃገርና ናይ ምውዳብ መሰል ካብ እተሓረመና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተወዲብና ክንቃለስ ግድን እዩ። ከምኡ ከኣ ንገብር ኣለና። ኣበይ ኮይና ንቃለስ ብናትና ድሌት ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ ጽቡቕ ድሌት ናይተን ዝመረጽናየን ሃገራት’ውን እንተተሓዊስዎ እዩ። እተን ሃገራት እውን ነቲ ህላወና ኣብኣተን ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓአን ክርእየኦ ናይ ግድን እዩ። ይኹን እምበር እቲ ናተን ረብሓ ብዋጋ ናትና ክብርን ረብሓን ኣብ ክንዲ ዝኸውን ንረብሓ ኩልና ዝረብሕ ምግባሩ፡ ናይ ቃልሲ ጉዳይ እዩ። ካብቲ እንካን ሃባን ምህዳም ግና መፍትሒኣይኮነን።
ናብቲ ወርትግ ኣዛራቢ ዝኸውን ጉዳይ ዝምድናና ምስ ጐረባብትና ክንመጽእ እንከለና፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ኣብነት ክንወስደን ንኽእል። ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ሱዳን ንሰዲህኤ ወሲኽካ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብወግዒ ክንቀሳቐሳ ኣይፈቐደን። እዚ ካብ ድሌትና ወጻኢ ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓ ሱዳን ዝተቓነየ እዩ። ስለዚ ኣተሃላልዋና ኣብ ሱዳን ከምቲ ንደልዮ ዘይኮነስ ከምቲ ኩነታት ዝፈቐዶ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ንዓና ወሲኽካ ዳርጋ ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ይንቀሳቐሳ እየን። ውድባት ጥራይ ዘይኮና ስደተኛታትና’ውን ብጻዕቂ ዝንቀሳቐስሉን ዝተዓቑብሉን ከባቢ እዩ። ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ ምውሳእ ዝጀመራሉ ግዜ ከከም ኣመጻጽእአን ይፈላለ እዩ። ደሓር ናብ ሓደ ካብ መስረቲ ውድባት ሰዲህኤ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝማዕበለ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላው ኣድላይነቱ ርእዩ ኣብኡ ክህሉ ዝወሰነ እዩ። ዝያዳ ንምብራህ ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝበሃል ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ኣንሳሕኺኹ ዘይኮነስ፡ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈልጦን ዘይርበሓሉን ዝምድና “ዓለም ኣይትጹሩኒ” ክብል እንከሎ እውን ኣብዚ ነይሩ እዩ። ሽዑ እንተኾነ እውን ንመንፈስዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕመረት ዝምድና ኣጽኒዑ ብምሓዝ የማነ-ጸጋም ኣይበለን። ዋጋ ጽንዓቱ ከኣ ከፊሉ እዩ። ክልተ ዙራት ምስጓግ(ምጥራዝ) ኣባላቱ ካብ ኢትዮጵያ ከኣ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።
ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ኣብ ዝግበር ርክብ ኩሎም ወገናት ከካብ ነናቶም ረብሓን ልዑላውነትን ስለ ዝሓስቡ ክብ ለጠቕ ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ሰዲህኤ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕዎ ርክባት እውን ዘየሰማምዑ ጉዳያት ኣይተኸስቱን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚኣቶም ካብ መፈላለይ ነጥቢ ምዃን ሓሊፎም መበኣሲ ኣይኮኑን። እዚ ከኣ ውጽኢት ውሕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት መሪሕነት ሰዲህኤ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንሰዲህኤ ኢዱ “ጠውዩ ከምዚ እንተዘይገብርካ” ኣይበሎን። ምናልባት እንተዝብሎ እውን መልሱ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱሱ ዘሎ ሕመረት ፖሊሲ ዝምድና ከም ዝምስረት ዘጠራጥር ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸቡ ዝጸንሑ ኣካላት ሰዲህኤ እውን ካብዚ መትከሎም ፈልከት ኣይበሉን። ንደንበ ተቓውሞን ንነባሪ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታትን ካብ ዝምልከት ኣጀንዳ ወጻኢ’ውን ኣየልዓሉን። ኣብ ኢትዮጵያ ንምህላው ግና ከም ቁርን ኣስሓይታን ኣይፈርሕዎን።
መሰረታዊ ድሌት ጻላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ንተቓወምቱ መቃለሲ ባይታ ከስእ ስለ ዝኾነ፡ ነተን ዘለናየን ሃገራት በብሓደ እዩ ዘነውረን። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ እንተለኻ ወያነ ይብለካ። ኤርትራውያን ብድሌቶም ግና ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ንዝወሰንዎ ውሳነ ከኣ ውሳነ ወያነ ይብሎ። እዚ ምኽኑይ ክመስለሉ ንህላወና ኣብ ኢትዮጵያ ይቃልሖ’ሎ እምበር፡ ከም ድሌቱ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ክንህሉ ኣይደሌናን እዩ። ደሓር ኢትዮጵያ ንህግደፍ ሓላል ንተቓወምቲ ከኣ ሓራም ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ዘዝፈተዎ ክንፈቱ ዘዝጸሎ ክንጸልእከ በየናይ መምዘኒ እዩ። እንተቲ ኣብ ኢትዮጵያ እንተሃሊኻን ናቡኡ እንተገሽካ፡ “ናይ ኢትዮጵያ ትኸውን” ዝዓይነቱ ስኽፍታ ኮይኑ፡ እቲ ድሌት እንተልዩ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ኮይንካ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ምዃን ኣየጸግምን እዩ። ስለዚ ዝተባህለ እንተተባህለ “ምስ መንን ብኸመይን ንሰርሕን ንዛመድን መርገጽና ንጹር እዩ።”ብኣኡ ከኣ ክንቅጽል ኢና።
ጨንፈር ኖርወይ ብዕለት 14 ጥቕምቲ 2017፣ 7ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብዓወት ኣካይዱ። ጉባኤ ጨንፈር ኣብ ቲሕቲ ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፣ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ! ዝብል ጭርሖ እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ ንመበል 7ይ ግዜ ዝተጋበአ ጨንፈራዊ ጉባኤ ምስ ሓያለይ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ኣባላት ጨንፈር ክልተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማገለ ሰልፊ ተጋደላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓላፊ ወደባዊ ጉዳያትን ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያትን ተረኺቦም ነይሮም።
ጉባኤ ብዝኽረ ሰማዕታት ድሕሪ ምጅማር፣ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝጊ ኣብ ምኽፋት ናይቲ ጉባኤ ፍሉይ ናይ ዕንቋዕ ብደሓን መጻእካ ሰላምታ ንተጋደላ ተስፋይ ወልደሚካኤል ብምቅዳም፣ ንኹሎም ተጋባእቲ እውን ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን እንቋዕ ናብ መበል 7ይ ጉባኤ ኣብቐዓናን ቃል ኣስሚዑ፣ ጉባኤ ብዕሊ ከፊቱ።
ኣስዒቡ’ውን ኣቦ መንበር ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ድሕሪ ምሕባር፣ ጨንፈር ኖርወይ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ካሳብ ሎሚ ንቋዋማዊ መደባቱ ብንጥፈት እንዳ ኣሰላሰል፣ ካብ ውሽጢ ሰልፊ ኮነ ካብ ደገ ንሓድነት ሰልፊ ኽበታትን ንዝደናደን ወስታታው እውን ብጽንዓት እንዳ መከተ ዝኸይድ ዘሎ ጨንፈር ምዃኑ ገሊጹ። ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ንሓድነትና ክዘርግ ንዝሃቐነ ተሪእዮታት፣ ጨንፈር ኖርወይ ብትሪ ከምዝኹንኖ ሓቢሩ፣ ንምምካቱ መሪሕነት ሰልፊ ንዝኽተሎ ሕጋውን ልቦና ዝመልኦ ኣገባብን እውን መጎሱ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ ኸሊፋ ዓብደላ፣ ካብ 6ይ ክሳብ 7ይ ጉባኤ ጨንፈር ንዝተዓሙ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረሰብኣዊ፣ ዲፕሎማስያዊ መደባት ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዝርዝራውን ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ንሱ ኣብ ጸብጻባቱ ጨንፈር ኖርወይ ኣብ ዘካየዶ ፖለቲካዊ መደባት ኣብ ውሽጢ ኖርወይ ጥራይ ከይተደረተ፣ ኣብቲ ከቢድ ባጀትን ግዜን ዝሓትት ኣብ ካብ ኖርወይ ወጻኢ ብደረጃ ዞባ ኤውሮጳን ስካንዲነቭያን ኣብ ዝተኻየደ መደባት ሰልፊ እውን እንተኾነ ብንጥፈት ከምዝተሳተፈ፣ ምስ ፖለቲካዊ መደባቱ ድርብ ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሓላፍነት ብምስካም እውን ኣብ መደባት ሓገዝ ናይ ርሑቕ ወላድን ኣካለ ጽጉማንን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ሓቢሩ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ጨንፈር ኖርወይ ብቀዳምነት ምስ ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት ሓቢርካ ምስራሕ ቀዳምነት ሂቡ ብተወፋይነት ክሰርሓሎ ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ተዓዊትና ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ዋላ እንተዘይተበጽሐ ዘተስፉ ውጺእት ከምዘሎ ግን ሓቢሩ።
ቀጺሉ ተሓዝ ገንዘብን ንብረትን ጨንፈር ብጻይ ሙሴ ዓማር፣ ንምጣኔ ሃብታዊ ጸብጻባቱ ኣብ ናይ ሰልፍን ጨንፈርን ወገናት ከፋፊሉ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ብምቕጻል ተሳተፍቲ ጉባኤ ብኽልቲኡ ሸነኻት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ተመያዪጦም።
ስዒቡ ንጉባኤን ከይዲ መረጻ መሪሕነትን እትመሪሕ 3 ዝኣባላታ ሰክረታር ጉባኤ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጻ። መስርሕ መረጻ እውን እንተኾነ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተኻይዱ። ኣብ መወዳእታ ብመሰረት ቁዋም ሰልፊ 3 ሽማገለ ጨንፈርን 2 ተጠባበቕትን ዘለውዋ መሪሕነት ጨንፈር ቆይማ።
ቀጺሉ መድረኽ ንኣቦ መንበር ውደባዊ ጉዳያት ሰልፊ ተጋደላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ተዋሂቡ። ተጋደላይ ተስፋይ ኣብ ናይ ኖርወይ ብጽሖቱ ዝተሰምዖ ደስታ ድሕሪ ምግላጽ፣ ጨንፈር ኖርወይ ብኹሉ መዳይ ካብቶም ሰልፊ ዝሕበነሎም፣ ኣዕሙድ ሰደህኤ ዝኾኑ ጨናፍር ሓደ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣስዒቡ ተጋደላይ ተስፋይ፣ ኣብ ጽባሕ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ተጋደላይ መስፍን ሓጎስ ዝወሰዶ ካብ መሪሕነት ናይ ምስሓብ ስጉምትን፣ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ዝፈጠሮ ምስሕሓብን፣ ምስኡ ብምትእስሳር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብገለ ኣባላት መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ነበር ተፈጢሩ፣ ኣብ ጉዕዞ ሰልፊ ዕንቅፋት ኮይኑ ንዝጸንሐ ጸገማትን ብዝምልከት ንኣባላት ዝርዝራዊ መብሪሂ ሂቡ። ምስዚ ወሲኹ ብጻይ ተስፋይ፣ ካብቲ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ናይ ምስሓብን መሰረት ዘይብሉ ክስታትን ናይ መስፍን ሓጎስ ኣትሒዙ፣ ክሳብዚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብገለ መሪሕነት ዞባ ነበር ተፈጢሩ ንዝጸንሐ ጸገማትን እውን ከይተረፈ፣ መሪሕነት ሰልፊ ንናይ ምርድዳእን ልዝብን ኣገባባት ቀዳምነት ሂቡ ድሕሪ ምፍታን፣ ንሱ ክዕወት ምስ ዘይከኣለ እዩ፣ ቁዋም ሰልፊ ተኸቲሉ መዕለቢ ክገብረሎም ከምዝተገደድ ኣብሪሁ። ኣብዚ እዋንዚ ድማ መሪሕነት ሰልፊ ኣብ መደባት ምሕዳስ ሰልፍን እማመ ሓባራዊ ስራሕ ምስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ማሕበራትን ኣተኲሪ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ!
ሰላምን ፍትሕን ንውጹዕ ህብና!
ብቀዳም ዕለት 14 ጥቕምቲ 2017 ኣብ ሰዓታት ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኦስሎ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ዝተዳለወ ክፉት ህዝባው ኣኼባ ተኻዪዱ። እቲ ኣኼባ ብክልተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማገለ ሰልፊ ብጾት ተስፋይ ወልደሚካኤልን መድሃኔ ሃብተዝግን ዝተማእከለ ኮይኑ፣ ኣብቲ ኣኼባ ብዙሓት ሰብ ዝተፈላለየ ዕድመን፣ ክልቲኡ ጾታታትን፣ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ከምዝተሳተፉ ጸብጻባት ናይቲ ኣኼባ ይሕብሩ።
ሓላፊ ጉዳያት መንእሰያት ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ኣብ ምጅማር ኣኼባ ንተሳተፍቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን ምስጋናን ቃል ድሕሪ ምሃብ፣ ኣስዒቡ ነቲ ርሑቕ መንገዲ ተጓዒዙ ብመንገዲ እቲ ኣኼባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኖርወይ ክራኸብን ክፉት ዘተ ከካይድን ዝመጸ ብጻይ ተስፋይ/ደጊዳ ምስ ተሳተፍቲ ኣላልዩ። ኣስዒቡ ብጻይ መድሃኔ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ሰልፊ ደመክራሲ ንህልው ኩነታት ሃገርን፣ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን፣ ሰልፍናን ብዝምልከት መብሪሂ ክህብ እኳ እንተኾነ፣ ብቀንደ ርእሱ ግን ካብ ህዝቢ ሪእቶታትን ሓሳባትን ሓናጺ ነቐፌታታትን ንኽቅበል እዩ ድሕሪ ምባል፣ ኩሉ ተሳተፋይ ብዘይ ስኽፍታን ብሃናጺ ኣገባባትን ሪኢቶኡ ክገልጽን፣ ተሳትፎኡ ከዕዝዝን ጸዊዑ፣ መድረኽ ንብጻይ ተስፋይ ኣረኪቡ።
ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ብጻይ ተስፋይ መድረኽ ተቀቢሉ ድሕሪ ሰላምታ ንተሳተፍቲ ኣኼባ፣ ኣባላትን ዘይኣባላትን ሰልፊ ዝኾና ገዳይም ሓደስትን ተቓለስቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ምርኻብና ዓቢ ጸጋ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፈጺምና ብምልኪ ከምዘይተሰዓርና ዝሕብር ኣጋጣሚ እዩ ክብል መደረኡ ጀሚሩ። ኣስዒቡ ደጊጋ፣ ሎሚ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብጉዳይ ሃገሩ ድቃስ ብምስኣን ኣብ ሻቕሎት ይነበር ኣሎ፣ ምኽንያቱ ኩልና ኣብቲሕቲ ዘየደቕስ ሃገራውን ሓባራውን ሽግራት ስለእንርከብ ኢሉ። ኩነታት ሃገርና ንኹሉ ርዱእ ብምዃኑ ኣሰተምህሮ ምሃብ ዘድልዩ ጉዳይ እኳ እንተኾነ፣ ግን ገለ ዝያዳ ምዝኽኻር ዘድልዮም ነገራት ኣሎዉ ብምባል፣ መላእ ሃገር ንሊዕሊ 26 ዓመታት ኣብ ቲሕቲ ናይ ሓደ ሰብ ምልኪ ትርከብ ምህላዋ፣ ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካላትን ኣካላትን ዘይብላ ምዃና፣ ዜጋታት ብሃንደባት ብዘይተፈልጠ ኣገባብን ዝስወሩላ፣ ቅያ ሰሪሑ ነጻነቱ ዝረጋገጸ ህዝቢ ብመራሕቱ ዝተጠልመላ ሃገር ብምዃና፣ ብቁዋም ሃገርን ብሃገራዊ ሕግታትን ዘይኮነስ ብናይ ሓደ ሰብ ኣዋጃትን ሕጋዊ ምልክታታትን እትምራሕ ሃገር ኣላትና።
ነዚ ኩነታትዚ መኪትናን በዲህናን ኣብ ክንዱኡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ደሞክራስን ክነስፍን በቢ ዝመስለናን እንኣምነሉን ኣገባብ ቃልሲ ተወዲቡ እንቓለስ ክፋል ህዝብና ብምዃና፣ ዘሐብነና ጉዳይ ኮይኑ፣ ተዋሃሂድና ብምስራሕ ቅልጽምና ኣደልዲልና፣ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ክነቀላጥፍ ዘይምብቓዕና ግን ገለ ካብ ድኽመታትና እዩ ኢሉ።
ንደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ሓይልታት ኣብ ደያስፖራ ናይ ምውህሃድ ፈተነታትውን ብተደጋጋሚ ክካየድኳ እንተ ጸንሐ ክሳብ ሕጂ ዕዉታት ኮና ኣይተረኽብናን። ኣብዚ እዋንዚ እንተኾነውን ፈተነታት ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕ ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ቀጻሊ ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመድረኽ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝኾኑ ውድባት ይካየድ ከምዘሎን ብተወሳኺ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ እውን ናቱ ናይ ሓባራዊ ስራሕ እማመ ኣዳልዩ ንተቀባልነቱን ትግባረኡን ብንጥፈት ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ራእን ትሕዝቶን ናይዚ እማመ ሓባራዊ ሰራሕ እውን ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ድሕሪ እኹል መብሪሂ ብተጋደላይ ተስፋይ፣ ንሊዕሊ 2 ሰዓታት ቀጺሉ ሕጽረት ግዜ ዝኾለፎ መድረኽ ሕቶን መልስን፣ ሪኢቶታትን ለበዋን ቀጺሉ።
ኣብ መድረኽ ለበዋታት ድማ
- ሓደራ መስሪሕ ሓድነትን ምውህሃድ ኣድህቡሉ፣ ንብድሕሪ ሕጂ ተወሃሂድኩም ሓደ ኰንኩምን ምጹና እምበር፣ ንሕና ህዝቢ ክነበርክትን ክንሳተፍን ድሉዋት ኢና።
- በብእዋኑ ንዝቅልቐል ዓንቃፊ ተርእዮታት ኣይተድህቡሉ ሓደራ፣ ከድክመኩም እንተዘይኮይኑ ኣይከሐይለኩምን እዩ፣ ዝብልን ካልእን ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ንሊዕሊ 3 ሰዓታት ዝኸደ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብምስጋና ናይ ተሳተፍነትን ብዝኽረ ሰማዕታትን ተዛዚሙ።
More...
ንሓደ መስርሕ ቃልሲ ንምዕንቃፍ ካብ ዝእለሙ ሓደገኛ ተንኮላት፡ ኣብ ቆይቁን ዘይመሰረታዊ ቶኽታዅ ሓሳባትን ዝተመስረተ ኣጀንዳታት እንዳመሃዝካ፡ እቶም ሰብ ዋኒን ኣንፈቶም ዘንጊዖም ኣብ ቆይቊ ከም ዝጽመዱ ምግባር እዩ። እዚ ንመሰረታዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራረሓታት ንቕድሚት ከይስጉምን ከይምዕብልን ዝዓግት ዕንቅፋት እዩ።
መጻኢ ዋኒን ሰዲህኤ ንድሕሪት ተመሊስካ ሕሩስ ምሕራስን ናይ ጣዕሳ መዝሙር ምኩምሳዕን ዘይኮነ፡ በቲ ዝሓለፈ ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ተመኩሮ እንዳተመሃርካ፡ ንቕድሚት ምምዕዳው እዩ። ከምቲ ከም ውጽኢት ተኸታታሊ መሪሕነታዊ ኣኼባታት ኣካላት መሪሕነት ሰልፊ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብወግዒ ዝተነጸረ፡ መጻኢ ዋኒን ሰልፍና ቆይቊ ዘይኮነ፡ ሰልፋዊ ሃለዋት ምጽፋፍን ሓድነቱ ምሕያልን፡ ምቅልጣፍ መስርሕ ምሕዳስን ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓወምቲ ዝዋሰኣሉ ሓባራዊ ሰፊሕ ጽላል ንክፍጠር እጃምካ ምብርካትን ዝኣመሰለን እዩ። ዕላማ ናይቶም ኣብ ቆቍ ክንሽከል ዝደልዩና ከኣ ብኣንጻሩ ነዚ መሰረታዊ ዋኒንና ገዲፍና ኣብቲ ሓሸውየኦም ክንጽመድ’ሞ መስመርና ክንስሕት እዩ። ከምቲ “ጉድጓድሲ ንኰዓቲኣ” ዝበሃል ኣቲ ዝተኸልዎ ናይ ሸንኮለል ጓይላ ባዕላቶም እምበር ንሕና እቶም ሰብ ዋኒን ከቶ ኣይክስዕሰዓሉን ኢና።
መሰረታዊ እምነታት ሰዲህኤ ካብ ዝኹኑ፡ መትከል ልዕልና ኣብዘሓ ድምጽን፡ ሚዛናውነት ደሞክራስን ጥርናፈን ከም መሳርሒ ኣብ ቃልሲ ጉባአና ዘጽደቖም፥ ንኹሉ ኣካላት ሰልፊ ዝምልከቱ መለለዪ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ እምበር ግዜ ዝሓለፎም ምብራቓዊ ኣምራት ኣይኮኑን። ካብዚ ሓሊፉ እዚ መሰረታዊ መትከላት ነቲ ናይ ሎሚ ናይ ውሑዳት ጽባሕ ናይ ብዙሓት ናይ ምዃን ዕድል ዘለዎ ርኢቶ እውን ንክትግበር ዘይኮነስ፡ ንክስማዕ ባይታ ዝህብ እዩ። ኣብ ደሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ ነቲ ብጉባኤ ዝተወሰነ ኣብ ግብሪ ዘውዕልን ሕጋዊ ውክልና ሰልፊ ዘለዎን እቲ ዝተመርጸ መሪሕነት እዩ። እዚ ማለት፥ ግቡእ መስመር ሒዝካ ክተስምዕ ጥራይ ዘይኮነ ክትሰምዕ’ውን ድልዊ ኮይንካ ምስቲ ዝመረጽካዮ መሪሕነት ምትሕስሳብ ኣይግበረሉን ማለት ኣየስምዕን። እዚ ከኣ ነቲ ዝተወሰነ ኣብ ግብሪ እናተርጐምካ ነቲ ኣሎ ዝብሃል ጉድለት መእረምታ እትብሎ መተካእታ እናነቐስንካ ምብራህ፡ ምናልባት እውን ዕቃበ እናመዝገብካ ምጉዓዝ ኣብ ቃልሲ ክሳብ ዘለኻ ምርጫ ዘይኮነ ግድነት እዩ። ኣብቲ ሕጋዊ መተሓሳሰብን መተሓሓዝን መድረኽ ምስ በጻሕካ ድማ ጉዳያት ብመሰረቱ ናይ ምቕያር ሕጋዊ መሰል ኣሎ። ኣብዚ’ውን ንብዙሓት ዝውክል ሓሳብ ብምምዕባል እምበር ዋላ ውሑዳት ኩን ስለ ዝደረፍካዮ ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ግዜ መሪሕነት ዝያዳ ሓለፋ ዘይኮነስ ዝያዳ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ከኣ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።
እቲ ብጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነትን ዝምረሓሉ መትከላትን ብናይ ውሑዳት ዘይርጉእ ስምዒትን ጸቢብ ድሌትን ዝሻበብ ዘይኮነስ ንኩሉቲ ኣብቲ ዝመርሖ ትካል ዘሎ ስምዒታት ኣጋማዲሑ እዩ ዝመርሕ። ከምቲ “ናብቲ እቲ ትደልዮ ጥራይ ከተማዕዱ እቲ ዝደልየካ ከይስእነካ” ዝበሃል ሓደ ከም ናይ ሰዲህኤ ዝኣመሰለ መሪሕነት ሕጊ ተኸቲሉ ንዝቐርብ ርእይቶ እናኣኽበረን መልሲ ንዘድልዮ መልሲ እንዳሃበን፡ ኣቐዲሙ ንዝተወሰነ ዳግመ ርኢቶ ክገብር ዝድርኾ ቅድም ዘይረኣዮ ሓሳብ ምስ ዝቐርብ ክቕበል ወይ ክነጽግ ዘይገሃሰ ናይ ምምራሕ መሰሉ ንዝዃኑ፡ ንዝኾነ ናይ ውሳነን ኣወሳስናኡን መባእታዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ንጹር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምእራም ኩሉ ከምቲ ዝደለኻ ጥራይ ከም ዝኾነልካ ምግባር ማለት ኣይኮነን። ምምራሕ እውን ከምቲ ገለ ስሱዓት ዝብህግዎ ደድሕሪ “ከምዚ ግበር” ዝተበሃልካዮ ዘብዘብ ምባል ዘይኮነ፡ ንንጉዳያት መሚምኻን ምስ ብዙሓት ተዛመድቲ ምዕባለታት ኣሳኒኻን ውሳነታት ምሃብ እዩ። ኣብቲ ውሳነ ዝዓግቡን ዝሕጐሱ ወይ ዘይዓግቡን ዝዕቀቡን ክህልዉ ከኣ ናይ ግድነት እዩ። ብመሪሕነት ዝውሰን ውሳነ ንኹሎም ዝምልከቶም ብማዕረ ዘዕግብ ናይ ምዃን ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። እቲ ዘይዓግብ ኮነ ዝዓግብ ነቲ ውሳነ ከተግብርዎ ከኣ ምርጫኦም ዘይኮነ ግደታኦም እዩ። ንምእራምን ምምራሕን ካብዚ ወጻኢ ምግላጹ መስመሩ ዝሰሓተን ዘይቅቡልን ኣተረጓጉማ እዩ።
ብዙሓት ሓለይትን ግዱሳትን ኣባላት ሰልፍና እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ኣምራት ግቡእ ግንዛበ ንክረኽቡ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርን ዝልግስዎ ዘለዉ ማዕዳን ዝወጾ የብሉ። እንተኾነ ከምቲ “ማይ ነሃሰስ ጽሩይ ነይሩ መን እሞ ይሰትዮ” ዝበሃል ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ንጉዳያት ኣዘንቢዕካ ካብ ምቕራብን ጸለመን ዘይወጹ ኣካላት ከም ዘለዉ ንዕዘብ ኣለና። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክትጽሕፍን ክትምድርን እንከለኻ ዕላማኻ ብዛዕባቲ ዘልዓልካዮ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ክርድኡ እሞ ደሓር ካብኡ ነቒሎም ናቶም ግንዛበ ንክወስዱ ሓበሬታ ምሃብ እምበር፡ ናይ ምምዝዛን ናጽነቶም ግሂስካ “ ስሬኻ ብርእስኻ” ምባሎም ኣይኮነን። ብሓጺሩ ንኣድማሳዊ ቅቡል ዲሞክራስያዊ ኣሰራራሓታት፡ ልዕልና ድምጺ ብዙሓትን፥ ንተማእዛዝነት ብውሳነ ላዕለዎት ኣየኽብርን ካብ ምባል ሓሊፍካ፡ ውሳነታት ጉባአ ሕጋዊ ኣይኮነን ናብ ምባል ገጽካ እንተ ተመጣጢርካ ናብቲ ንቡር ቦታ ክትምለስ ዘይከኣል’ኳ እንተዘይኮነ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ንዓና ነቶም ንልዕልና ሕግን ሕጋውነትን እንሕለቕ ዝጽበየና ደድሕ ጉልባቡ ቀሊዑ ሕጊ ዝጥሕስ ምውጣት ዘይኮነ ዋኒንካ ምግባር እዩ’ሞ ናብ ዋኒና።
EPDP Delegation Asks Norwegian Party to Support Eritrean Pro-Democracy Forces
Written by EPDP Norway BranchA delegation of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) on 12 October met in Oslo with a senior official of the Norwegian Labour Party (Arbeiderpartiet), which is the country's largest political formation, and strongly appealed for timely support in unifying and strengthening Eritrean forces struggling for democratic change in their country.
Led by Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga), of the EPDP Organizational Office, the delegation included Mr. Medhanie Habtezghi, head of EPDP Youth Affairs; Mr. Osman Jaber, representative of the Foreign Affairs Office; Mr. Khalifa Abdalla, branch secretary, and Mr. Mussie Amar, in charge of Norway branch finances and property.
The delegation members spoke in great length to describe the appalling situation of the Eritrean people, both inside the country and in exile, caused by an extremely repressive one-man dictatorship that reversed the great expectations Eritreans and their friends had 26 years ago in the future of an independent Eritrea.
After recounting efforts being made inside Eritrea and abroad by political and civil associations and movements seeking democratic change in Eritrea, Mr. Tesfai Degiga and his delegation members recognized Norway's historical relations with the Eritrean people and appealed for their support in those efforts for democratic change.
On his part, the senior Norwegian Labour Party official confirmed his party's sympathies and close follow up of the Eritrean situation, and thanked EPDP for the continued flow of information on Eritrean developments. It is to be noted that both the Arbeiderpartiet and the EPDP are founding members of the Progressive Alliance at whose frequent conferences meet delegations of both parties.
Mr. Tesfai Degiga is currently on a mission to Norway where he is meeting fraternal groups and compatriots. He is also scheduled to hold a public meeting in Oslo on 14 October.
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰልፊ ዕዮ Arbeidparti ሃገረ ኖርወይ ርክብ ኣካይዱ።
Written by ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 12 ጥቕምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኦስሎ ዑደት ብምክያድ፣ ምስ ሰልፊ ዕዮ ናይታ ሃገር ተራኺቡ፣ ኣብ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቓን ኣብ ኩነታት ሃገረ ኤርትራን ዘተኮረ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ። ሰልፊ ዕዮ ካብ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኖርወይ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ።
ልኡኽ ሰልፊ ኣብ ርክቡ ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብሪሂ፣ ኩሉ ፖለቲካውን፣ ወተሃደራውን ሓይልሊ ኮነ ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታት ብሓደ ሰብ ተገቢቱ፣ ንሊዕሊ 26 ዓመታት ብናይ ሓደ ሰብ ምልኪ ዝመሓደሩ ህዝብን ሃገርን ከምዘለዉና፣ ከም ሳዕቤን ናይዚ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ሃገር ገዲፉ ይስደድ ከምዘሎ፣ ኣፍርዪ ክፋል ህዝባ ገሊኡ ንስደት ብምምራሕ፣ ገሊኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ደረት ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ተታሒዙ፣ ስራሕን ኣፍራይነትን ስለዘየሎ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ድኽነት ዝሰፈና ሃገር ከምዘላትና ኣዘኻኺሩ።
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መብሪሂኡ ብምቅጻል፣ ከም ውጺእት ናይዚ ኩነታትዚ ኩሉ ዜጋ ብሓፈሻ መንእሰይ ድማ ብፍላይ ሃገር ገዲፍካ ብምውጻእ፣ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ዕቁባ ንምሕታት ማእለያ ብዘይብሉ ቁጽሪ ይውሕዝ ስለዘሎ፣ መጻኢ ኩነታት ሃገርናውን እንተኾነ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ኣሎ ክብል ገሊጹ። ብኻልእ ወገን ድማ ተቃውሞ ናይ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እንዳ በዝሐን እንዳሓየለን መጺኡ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ውሽጣዊ ተቃውሞ ካብ ብፖለቲካውያን ማሕበራት ንላዕሊ ብህዝቢ የካየድእኳ እንተሃለወ፣ ተወዲቡ ንኸይንቀሳቐስን፣ ዓው ኢሉ ተቃውሞኡ ንኸይገልጽን ግን፣ ስርዓት ኣስመራ ዝጥቀመሉ ኣርዓዲ ስጉምትታት ንግዝዪኡ ጸቒጡ ሒዝዎ ኣሎ ክብል ገሊጹ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ብምስካም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ወዲቡን ጠርኒፉን ብምቅላስን፣ ምስ ህዝቢ ዓለም ተሓባቢሩን ነዚ ናይ ምልኪ ስርዓት ብደሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካእ፣ ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ምልካዊ ምሕደራ ናብ ደሞራስያዊ ምሕደራ ክሰጋግር፣ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ ረዚን ሃገራዊ ሓላፍነት ተሸኪሙ ዝቃለስ ሰልፊ ምዃኑ ኣብሪሁ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምውህሃድን ሓባራዊ ስራሕን ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ከም ቀዳማይ ሰጉምቲ ጉዕዞ ዓወትና ገይሩ ብምውሳድ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን እማመታት ኣዳልዩ የነጥፈሉ ከምዘሎ ብምሕባር፣ እዚ መደባት እዚ ዕዉት ኮይኑ ንኽርከብ ግን ምስ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብና እንተላይ ደገፍ ህብረተሰብ ዓለምናንውን ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም መስራቲ ኣባል ኣህጉራዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ሓይልታት (Progressive Alliance) ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ተርኡ ክዓምም ምዃኑ ኣረጋጊጹ። መንግስቲ ኖርወይን ሰልፊ ዕዮ ኖርወይን እውን ኣብ ኤርትራ ነባሪ ፍታሕ ንኽመጽእ ኣብዚ ንደምበ ተቃውሞ ኣብ ምውህሃድን ምጥርናፍን ይካየድ ኣብ ዘሎ ጻዕሪ ልዑል ታራ ክጻወቱ ኣተሓሳሲቡ።
ነዚ ልኡኽ እዚ ተቀቢሉ ዘዘራረበ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ናይቲ ሰልፊ ዝኾነ ኣቶ ኦድ-ኢንገ ከቫልሀይም ( Mr. Odd-Inge Khvalheim) ብወገኑ፣ ብቃልሱ ናጽነቱን ልዑላውነቱን ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነቱ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከምዚ ናይ ምብትታን ኩነታት ክርከብ ናይ ብሓቂ ካብቶም ንሰልፍናን መንግስትናን ንህዝቢ ዓለምን ካብ ዘሻቅሉ ኩነተት እዩ። እታ ናይ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ቅልጡፍ ምዕባለን ኣብነታዊት ሃገር ክትከውን እያ ተባሂላ ብህዝቢ ዓለም ዓቢ ተስፋ ዝተነብረላ ኤርትራውን፣ ሎሚ ኣብ ከምዚ ኩነታት ክትርከብ ናይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እተካይድዎ ንዘሎኹም ዘይሕለል ኣተስፋዊ ጻዕርታት፣ ብምብጻሕኩም ጥራይ ዘይኮነስ በቲ በቢእዋኑ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ናይ ሰልፍኹም ዝሰደልና ኢመይላት ንከታተል ኢና። ዓወት ንምነየልኩም። ብወገነይ ንኩነታት ሃገርኩምን ህዝብኹምን፣ ንምብጻሕኩምን ኣብ ናይ ሰልፍና ኣኼባታት ከም ዛዕባ ተላዒሉ ክረአ ዓቅመይ ክገብር እየ። ንስኹም ግን ናይ ካልኦት ደገፍን ተመኩሮን ንኽትረኽቡ ጻዕርታትኩም ኣይተቋርጹ፣ ንኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ካብዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣይሰላም ኣይ ውግእ ኩነታት ወጺኦም፣ ኣብቲ ናይ ቀደም ሰላማውን ሕውነታውን ጉርብትና ተመሊሶም ንኽንርእዮም ተስፋ እገብር ክብል ሰናይ ድሌቱ ገሊጹ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ዕዮ ምብጻዕ ዘካየደ ላዕለዋይ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት፣ ተጋላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል/ደጊጋ/ ዝመርሖ ኮይኑ፣ ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ፣ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኖርወይ ብጻይ ካሊፋ ዓብደላ፣ ተሓዝ ገንዘበን ንብረትን ጨንፈር ኖርወይ ብጻይ ሙሴ ዓማርን ወኪል ወጻኢ ዝምድናታት ኣብ ጨንፈር ኖርወይ ብጻይ ዑስማን ጃብርን ዝሓቆፈ ነይሩ።
ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ተጋደላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ቀጺሉውን ኣብ ቀዳም ዕለት 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኦስሎ ሓደ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባን፣ ሓደ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ከካይድ መደብ ሒዙ ከምዘለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ዕወት ንውጹዕ ሃብና!!
ዜና ጨንፈር ኖርወይ ሰዲህኤ