ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስ ንምትግባር ዘሕለፎ ውሳነ ምሕጓሶም ተገሊጹ
2018-06-14 07:05:03 Written by ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2179 times
ዋሽንግተን —
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡
ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንስምምዕ ኣልጀርስ ንብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትግባሩ ከምዝወሰነ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘሓጎሶም ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ስቴቨን ዱኻርክ ሓቢሮም።
እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ እዋን ዕለታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃብዎ መርብሂ’ዮም ነዚ ተዛሪቦም።
“ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ካብ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ዝተዋህበ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ንምትግባር ዝተዋህበ መግለጺ ተሓጉሶም’ዮም ክብል እኽእል።”
እቶም ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ንቕድሚት ንኽከይድ ድልየት ሕቡራት ሃገራት እውን እዩ ኢሎም።