ዝምቡዕ ገዲፍና ቅኑዕ ሓበሬታ ንስነቕ

2018-06-13 21:15:09 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1899 times


ብዙሓት ወገናት “ሓበረታ ምንጪ ናይ ጽልዋን ስልጣንን’ዩ” ይብሉ። ብርግጽ ድማ ሓቂ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዝንቡዕ ሓበሬታን ሓሶትን ንደቂ ሰባት ካብ ቅኑዕ መስመር ከዘንብሎምን ሚዛናዊ ዝኾነ ምርጫን ንኸይውስዱ ይዓግቶምን እዩ። ወረ ዝንቡዕ ሓበሬትን ሓሶትንሲ ንብዙሕ ጉድለታትን ግጉይ ውሳኔታትን ከቃልዕ ስለዝኽእል ብዙሕ ሓደጋታት ዘስዕብ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ዘየድሊ ግርጭትታትን ምስሕሓባትን ዝነቁት እዩ።

ንኣብነት ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዘሎ መስመራት ባቡር ንተዓዘብ። እቲ ናይ ግዜ ስሌዳ፥ ገለ ተክኒካዊ ጉዳያት ወይ ጸገም እንተዘየጋጢሙ ብሓንሳብ ናይ ምሉእ ዓመት መደብ እዩ ዝስራዕ። ኣብዚ ነፍሲ ወከፍ ተሳፋራይ ኣብታ ሰዓቱ እንተበጺሑ ኣብ ዝደለዮ ክበጽሕ ይኽእል። ነቲ ሰዓታት ዝተዋህቦ ሓበረታ ብጌጋ እተ ተረዲእዎ ግና ከኽስሮ ምዃኑ ብሩህ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ እቶም ዘወርቲ ባቡራት ኣብ ልክዕ ግዜ ዘጋጥሞም ሓበረታ ብቕልጡፍ እንተዘየመሓላሊፎም ናይ ብዙሓት ሰባት ህልቂት ዘስዕብ ሓደጋታት ከጋጥም ይኽእል። ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ይኹን ኣብ ወተሃደራዊ ተግባር እውን እንተርኣና፥ ቅኑዕ ሓበረታ እንተዘየልዩ ካብ ዓወቱ ውድቀቱ ይበዝሕ።

ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምትእምማን ዘበራትዕ ኣሰራርሓ ንኽንክተል ቅኑዕ ሓበረታ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። እዚ ማለት ከም ኣብነት ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ቅድሚ እቲ ቅኑዕ ሓበረታ እቲ ዝንቡዕ ሓበሬታን ሓሶትን እዩ ዝወናጨፍ። እቲ ዝንቡዕ ሓበረታ ኣቐዲሙ ክወናጨፍ እንከሎ ድማ ንህዝቢ የደናግርን ዘይቅኑዕ ውሳኔ ክወሰድን ተጽዕኖ የሕድርን እሞ እቲ ምፍልላያት ወይ ምፍንጫላት ዝፍውሶ ይስእን። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ መፈላለዪ ነጥቢ ንኽትርዳእ ዘተኣማምን ሓቀኛ ሓበረታ ስለዘይርከብ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንምስሕሓብ ምስ ኤርትራ ብዝምልከት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ንናይ ውዕል ኣልጀሪስ ኣብ ግበሪ ንኸይውዕል፡ ቅድሚ ምትግባሩ ንዛተ ብዝብል ሓሳብ ደው ኢሉ ዝነበረ ተሪፉ ነቲ ብይን ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ኣብ ዝብል ውሳኔ ተበጺሑ። እዚ ሓድሽ ውሳኔ’ዚ ቅድም ክብል መንግስቲ ኤርትራ ነቲ እግባይ ዘይብሉ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ብቐጥታ ኣብ ምትግባር ንእቶ ዝብል መርገጽ እዩ ሒዙ። ልክዕ እዩ ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ካልእ ፍርዲ የለን። ኣብዚ መንግስቲ ኤርትራ በቲ ዝተወሰነ ብይን ተማእዚዝና ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ምባሉ ዝተጋገየ ኣይመስለንን። እቲ ውሳኔ ሽዑ ንሽዑ ተተግቢሩ ነይሩ እንተዝኸውን ከኣ እዚ ኹሉ ዓዱ ገዲፉ ሃጽ ዝብል ዘሎ መንእሰይ ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ ኣይመተሰደን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ንዘራጊ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ሕጂ እውን እንተኾነ ብሸነኽ ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ኣብ ክንዲ ምትግባር ስለምንታይ ጓል ነገር ይፈጥሩ ኣለዉ ሕቶ ዘልዕል እዩ። ኣብዚ ስለምንታይ ውዕል ኣልጀርስ ዘይተተግበረ ዝንቡዕ ሓበረታ እዩ ዝወሃብ ዘሎ። እዚ ኸኣ ንስርዓት ኢሰይያስ ንህዝቢ ኤርትራ በዚ ናይ ዶብ ኣመሳሚሱ ጅሆ ንኽሕዞ ምኽንያት ኮይንዎ ኣሎ። ሕጂ ውን እቲ ባዕሉ ውዕል ኣልጀሪስ ይተግበር እናበለ ዝጭርሕ ዘነበረ ከይተረፈ ከምዘይቅበል ብስቕታ ክሓልፎ እዩ ዝፍትን ዘሎ። ነዚ ስቕ ኢሉ ዝሓልፎ ዘሎ እውን ክሳብ ሕጂ ሓቀኛን ዘተኣማምንን ሓበሬታ የብሉን። ስለዚ ሰርዓት ኢሰይያስ እቲ መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ ሃጽ ንኽብለሉ መገዲ እዩ ዘጋፍሕ ዘሎ።

ገለ ወገናት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተርኢና እምበኣር ነቲ ናይ ኢሰይያስ ኣተሓሳስባ ዘራጉድ ዝንቡዕ ሓበሬታን ሓሶትን ኣብ ምዝርጋሕ እዮም ዝዋፈሩ ዘለዉ። ኣብቲ ውሳነ ዝተወሰነሉ እዋን ህዝቢ ቅኑዕን ሓቀኛን ሓበረታ ሰኒቑ ነቲ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ክብል ዝግበኦ ዝነበረ፥ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ነቲ ሰላም ይዕንቅጾ ኣሎ። ኣብዚ ምናልባት እቲ ህዝቢ ብክልቲኡ ሸነኽ መሬተይ ተወሲዱ ኢሉ ካብ ዝጣራዕ፥ ካብ ቅድሙ ሓቀኛን ርትዓውን ሓበረታ ክሰንቕን ክዳለውን ምተገበአ እምበር፡ ናይ ቅድሚ 3000 ዓመታት ዘመበን ጸብጺብካን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ተመንዚዓ እናበልካን ግጉይን ዝንቡዕን ሓበረታ ምዝርጋሕ ንሰላም ዝዕንቅጽ እዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ደጊም ክልተ ነጻን ልኡላውነተን ዘኽበራን ሃገራት እየን። ዶባተን ተነጺሩ ዝተፈልጠሉ ከኣ ከም ናይ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ እዩ። እዚ እንተዘይተኸቢሩ ንኢትዮጵያ እውን ናብቲ ክሳብ የመንን ካርቱምን ይገዝእ ነይረ እትብለሉ ናይ ነበራያ ነበረ ኣተሓሳስባ ክወስዳ እዩ። ስለዚ ሓበረታ ብቕንዕናን ህዝቢ ብዝርደኦን ኣብ ክንዲ ዝቐርብ፥ እቲ ንግዝያዊ ረብሓኻ ክትብል እተቕርቦ ዝንቡዕ ሓበሬታን ሓሶትን ንሰላም ካብ ምዕንቃጽ ሓሊፉ ፋይዳ የብሉን።

Last modified on Wednesday, 13 June 2018 23:19