Radio Demtsi Harnnet Kassel 25.01.2018
Written by Demtsi Harnnet Kasselከም ሰባት ክንነብር እንከለና ፍጹም ከነወግዶም ዘይንኽእል ዝፈላልዩና መምዘንታት ኣለዉና። ዘቀራርቡና’ውን ከምኡ። እንተኾነ ኣብክንዲ ነቶም ዝፈላልዩና ነቶም ዘቀራርቡና ከነጉልሕ እንከለና፡ ብሓባር ንነብር ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ሓባራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ተግባራት ንፍጽም። ከም ዜጋታት ናይ ሓባር ሃገርን ልኡላውነትን ነውሕስ። ንኹልና ብዘማእክል ሕግን ስርዓት ድማ ንመሓደር። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብባህሪ፡ ብዕድመ፡ ብጾታ፡ ብደረጃ መነባብሮ፡ … ውዘተ ዘለዉና ፍልልያት ንቕድሚት ኣምጺእና እንተነጉልሖም እቶም ኣቐዲምና ዝገለጽናዮም ናይ ሓብር ክብርታት ክንውንን ኣይመኸኣልናን።
በቲ ካልእ ማእዝን ናብ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞና እንተመጻእና፡ ከነወግዶም’ኳ እንተዘይከኣልና ንቕድሚት ኣምጺእና ከነጉልሖም ዘይግበኣና መፈላለዪ ነጥብታት ኣለዉና። ከከም ኩነታቱን ግዜኡን ከኣ እንዳተበራረዩ ነቲ ዘመሳስለና ኣተሓሳስባታት ከም ዝሃስይዎ ክንዕዘቦም ጸኒሕናን ኣለናን። በዚ መሰረት ኣብ ሕድሕድና፡ ሚዛና ኣብ ሕቶ ሃይማኖት፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣመዛዝና ስርዓት ህግደፍ፡ ዝምድናና ምስ ዘይኤርትራዊ ሓይልታት ዝኣመሰሉ ፍልልያት፡ እቲ ሓደ ክሃድእ እንከሎ እቲ ካልእ ንቕድሚት እንዳመጸ እንዳተበራረዩ የረሓሕቑና ኣለዉ። ብሓባር ክድመሩ እንከለዉ ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልያት እዮም ዝፈጥሩ። ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ ምፍጣር ብፍላይ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ኩልኻ ሰዓራይ እትኾነሉ ዓለማዊ ርኢቶ፡ ብጥሪኡ እምብዛ ዘጻልእን ዘተፋንን ኣይኮነን። ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛኦም ዝፍጠር ጸገማትን ኣምላኺ ሰዓራይን ተሰዓራይን ምዃንን ግና እነሆ ፍልልይ ነጊሱ። ከም ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣባና ዝንጸባረቕ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ።
ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝበሃል፡ ልባዊ ድሌትና ስኒትን ብሓባር ምስራሕን እንተኾይኑ፡ ነቲ ዝፈላሊ ከም ዘይነተባብዕ ባህርያዊ እዩ። ብንቕሓትን ምሉእ ሕልናን ንስኒትን ሓቢርካ ምስራሕን እንተ ተቢዕና ከኣ፡ እቲ እነጉልሖ እቲ ዘቀራርበና እዩ። ንጉዳያት እንተደኣ ብዓይኒ ቅንዕና ዘይሒዝካዮም ዘባእሱ ከም ዝኾኑ ከኣ እነሆ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ከምቲ “እምብዛ እንተጠሚትካዮ ጸባ’ውን ይጽልም” ዝበሃል። ኣብ ጉዳይ ተቓውሞና እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ፖሊሲ ፍልልይ ከምዘይኮነ ብብዙሕ ምኽንያታት ክመሳኸር ይኽእል። ብቐዳምነት ናይ ፖሊሲ ፍልልያት እንተሃለወ እውን ውሕልነትን ሓልዮትን እንተ ኣሰንይዎ ሓቢርካ ንምኻድ ዕንቅፋት ከምዘይከውን ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝተመስከረ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዙሓት ብዘይካ ኣዝዩ ውሱን ነጥብታት ናይ መትከል ፍልልያት ዘይብልና ክነስና፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ውድባት ኮይና ንኸይድ ምህላውና ካልእ ህያው ምስክር እዩ። “እዚ ስለምንታይ ይኸውን?” ኢልካ ክትሓትት እንከለኻ ውዱእ መልሲ ምርካብ ዓሚቝ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብ ኣተገባብራ ዝፍጠሩ ሜላውን ምምሕዳራውን ፍልልያት ክትጻወር ዘይምኽኣል፡ ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ባህሪ ፍልልያትን፡ ኩሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ከምቲ እትደልዮ ክኾነልካ ምድላይን ከኣ ናብ መልሲ እቲ ሕቶ ዝቐረቡ ምናልባታት ምዃኖም ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን። ባዕልኻ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ንዘጽደቕካዮ ሕግታት ምእዙዝ ዘይምዃን’ውን ኣብዚ መዳይ ዓብይ እጃም ዝሕዝ እዩ።
ብዛዕባ ብሓባር ምስራሕ ክትሓስብ እንከለኻ፡ እዞም ብሓባር ንዘይምስራሕ ምኽንያታት ክኾኑ ይኽእሉ ዝበልናዮም ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉን ተዳሊኻሎም ምጽናሕ ከም ዘድሊ ምግንዛብ ይግባእ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ከም ውድብ ኮነ ከም ውልቀ ባእታ ከምቲ ንስኻ ናትካ ሓሳብን ህርፋንን ዘለካ፡ እቲ ካልእ መሻርክትኻ ወገን’ውን ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ከምዝህልዎ ምርዳእ ካልእ ክንግዘቦ ዝግበኣና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታዊ ኣረኣእያ እንተዘየልዩ ግና ናይ ሓባር ረቛሒ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ናይ ሓባር ረቛሒ ኣብ ዘየብሉ ከኣ ከቶ ናይ ሓባር ስራሕን ጉዕዞን ኣይህሉን። ብሓባር ምስራሕ ዘይምህላው፡ ዓቕምኻ ከም ዘዳኽምን መፍቶ’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ከም እትኸውንን ከኣ ኩነታትና ባዕሉ መስካሪ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከምዚ ዝኣመሰለ ክለሰ-ሓሳባዊ መረዳእታ እንዳሃለዋና ናብ ተግባር ዘይንተግህ ምህላውና እዩ። ኣብ ውሽጥኻ ካልእ ሓሳብ እንዳሃለወካ ነቲ ኩነታት ንምምሳል ኣብ ኣደባባይ ዝረአ ናይ ቃልዓለም ኣቀራርባ ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። ብዛዕባዚ ክንዛረብ እንከለና ሓደ ብጻይ “ኣብ ግዜ ሓደ ዓይነት ጃኬት በበይኑ ኣተሓሳስባ ኢና ዘለና” ዝብለኒ ሕጂ ትዝ ይብለኒ።
ንትሕዝቶ ኣተሓሳስባ ምስቶም ነቲ ኣተሓሳባ ዘቕርቡ ኣካላት ምትእስሳር ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ “መን እዩ በሃሊ?” ምቁማት “እንታይ እዩ እቲ ዝተባህለ?” ምጉላሕ ሃናጺ ኣተሓሕዛ እዩ ዝብል ተረደኦ ኣለና። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ወገን ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝጸላእካዮ ነቲ ሓሳቡ ምንጻግ ሓደገኛ እዩ። እቲ ሓደጋ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝፈተኻዮ፡ ንሱ ንዘቕርቦ ሓሳብ ዘየድምዕ እንዳሃለወ ምቕባሉ’ውን ከኣ ካልእ ገጽ ናይቲ ሓደጋ እዩ። ስለዚ “መን ኣቕሪብዎ” ንዝብል ኣይንገደሰሉ’ኳ እንተዘይበልና ቀንዲ ቆላሕታና ግና ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ ሓሳብ ዘዕዘዘ ክኸውን ይግባእ።
ጨንፈር ቶሮንቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ
Written by EPDP Information Office in North America
ጨንፈር ቶሮንቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ብዕለት 21 ጥሪ 2018 ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ወዲኡ። ኣኼባ 16 ኣባላት ዝተሳተፍዎ ክኸውን ከሎ 4 ካብኦም ከኣ ሓደሽቲ መንእሰያት ነይሮም። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከኣ ተመያይጦም ናይ ስራሕ መደብ ኣውጺኦም።
- ሌላ ምስ ሓደሽቲ ኣባለት፤ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ያሲን ዑስማን ንሓደሽቲ ኣባላት ምስ ጨንፈር ድሕሪ ምልላይ፣ ምስ ኣሰራርሓ ጨንፈር ከም ኣኼባ፣ ጉባኤ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብሪህሎም።
- ህልዊ ኵነታት ሰልፊ፤ ሓው ትኩእ ተስፍይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሰልፍና ብውሽጥን ብደገን ዘጋጥሞ ብደሆታት ኣዕሚቁ ገሊጹ። መሰረታት ሰሜን ኣመሪካ ንናይ ደገ ዑሱባት ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ምብርዓኖም ኣመጒሱ።
- ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ ጨንፈር ኣብዚ መጨረሽታ ወርሒ ጥሪ ክግበር ተቀሪቡ ዘሎ ናይ ዞባ ጉባኤ ኣስፊሖም ተመያይጦም። ካብ ኣምራጺት ሽማግለ ዝመጾም መምርሒ ተኸቲሎም ንጉባኤ ዕዉት ንኽገብርዎ ወሲኖም።
- መደባት ጨንፈር፤ ኣብ ናይ መጻኢ መደባ ጨንፈር ክትዓብን ክትሰፍሕን ወሲና። ነዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከኣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ኮይና ክትሰርሕ ኣረጋጊጻ።
ህዝባዊ ቃልሲ መተካእታ የልብሉን!
Eritrean Women's Demonstration and Conference at the Hague
Written by Eritrean Women's OrganisationsSenior EPDP Leaders Give Extensive Briefings at North America Zone Meeting
Written by EPDP Information OfficeMessrs. Tesfai Woldedmichael (Degiga), Head of the EPDP Organizational Office; Fissehaye Hagos, Head of Social Affairs Office and Chairman of the Party Renewal Commission, and Gherezghiher Tewelde, representative of the EPDP Chair Office in North America, on 20 January 2018 attended an electronic meeting of the EPDP North America Zone and briefed them on various issues of great concern to the current struggle for democratic change in Eritrea.
Called by the preparatory committee for an extraordinary congress of EPDP North America (USA and Canada), the key agenda items of the meeting included the following: a) current status of the party, the Eritrean opposition camp as well as recent development in the Horn of Africa and Red Sea basin; b) progress of the EPDP Party Renewal Commission, and c) procedures related to the preparation of the extraordinary congress for North America.
Mr. Tesfai Degiga explained in great detail not only current developments within the party and the Eritrean opposition camp but also about EPDP's concerns regarding the ongoing warmongering in the region surrounding Eritrea.
Executive Committee member Fissehaye Hagos on his part explained the progress so far made by the 11-member Party Renewal Commission whose main task until the 3rd EPDP congress will be identifying existing strengths and shortcoming in the party and referring for implementation effective and new ways of doing things.
Chair Office Representative Gherezghiher Tewelde also seized the occasion to dwell in detail about past achievements of the Congress Preparatory Committee headed by Mr. Desbele Kahsai and the procedures adopted by the Electoral Committee that he, Gherezghiher himself, chairs.
The meeting participants, who included a satisfactory number of young and new party members from Canada, highly commended the extensive clarifications made by the leadership members and expressed renewed passion to redouble efforts in the struggle for democratic change. Many speakers among the 60+ meeting participants also alluded to the crazy moves of a few former colleagues in the zone who posted an announcement of their still-born groupie in Meskerem.Net dishonestly and misleadingly referring to the name of EPDP.
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ምሉእ ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣኼባ ኣካይዱ
Written by EPDP Information Office in North Americaብዕለት 20 ጥሪ 2018 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምሉእ ኣባላት ዞባ ኣኼባ ኣአንጊዱ። እዚ ኣስታት 60 ኣባል ዝተሳተፎ ኣኼባ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳ ተመያይጡ፤
1. ህልዊ ኵነታት ስልፍናን ደንበ ተቃውሞን ዞና ሃገርናን
2. መደብ ሕደሳ ሰልፊ
3. ኣገባብ ኣከያይዳ ህጹጽ ጉባኤ
ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ውደባዊ ቤት ጽሕፈትን ንህልዊ ኵነታት ስልፍና ብድቀት ተንቲኑ ገሊጹ። ብስም ስልፍና ኣብ መስከረም ነት ዝወጸ ኣዋጅን መልሲ ኣቦ መንበር ስልፍን ኣብሪሁ። ቀጺሉ ሓፈሻዊ ህይወት ተቃውሞን ኵነታት ሃገርናን ገሊጺ።
ሓው ፍስሃየ ሓጎስ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ብወገኑ ንመደብ ሕደሳ ሰልፊ ብደቂቅ ኣብሪሁ። ሕደሳ ሰልፊ ካብ ኣባላት ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ዝቆመ 11 ዝኣባላቱ ኮሚሽን እዩ ኢሉ ምስ ኣባላት ኣላሊይዎ። ዕላምኡ ኸኣ ንሓያልን ድኽመትን ጐንታት ስልፊ መሚዩ ንዕቤትን ዓወትን ዝኣመቱ ቅድታት ምትግባር እዩ ኢሉ ገሊጹ።
ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ኣምራጺት ሽማግለ ብወገኑ ኣገባብ ጉባኤ ኣብሪሁ። ንዝቀረቡ ሕጹያት’ውን ብኣኼበኛ ምጽዳቆም ኣረጋጊጹ።
ኣኼባ ኣስታት 20 ዝኽኑ ሓደስቲ ኣባላት መንእሰያት ካብ ካናዳ ዘኣንገደ እዩ ነይሩ። ንባህሊ ኣኼባ ብጣዕሚ ንኢዶም። ኣኸበኛታት ንዝቀረበ ትሕዝቶ ኣኼባ ኣመጒሶም። መሪሕነት ሰልፊ ዝውስዶ ዘሎ ኣንፈት ናይ ዓወት ጕዕዞ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ንዝኾነ ኣብ ስልፍና ዝቀንዐ ብድሆታትን ሽርሕታትን ክምህ ከምዘይብል ኣረጋጊጹ። ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስከረም ነት ዝወጸ ዓጀውጀው ብተበግሶ መሰረታት ኣብ ሕርሲ ከይበጽሐ ዘቈልዐ ጥንሲ እዩ ኢልዎ። ህዝቢውን ሕረሕራይ ገሩ መንነቶም ይፍለጦም።
ዓወት መተካእታ የልብሉን!
March 08.Eritrean Women Demo. in Den Hague
More...
Radio Demtsi Harnnet Kassel 18.01.2018
Written by Demtsi Harnnet Kasselቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰዲህኤ 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያትምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 18 ጥሪ 2018 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ ብምክያድ፣ ኣብ ኣገድስትን ኣዋናውያንን ዛዕባታት ዘትዮም። ኣባላት ምምሕዳር ቀዳምነት ሂቦም ብዕምቆት ዝዘተዩሉ ኣርእስቲ፣ መቀጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ 3ይ ምዱብ ኣኼባ ኮይኑ፣ ንቅሓትን ተረደኦን ሰፊሕ ህዝብና ክብ ኣቢልካ፣ ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ክንዲ ተዓዘብቲ ቀንዲ ተዋሳእቲ ከምዝኾኑ፣ ናይ ሓድነትን ስምረትን ባይታ ፈጢሮም ሓቢሮም ከምዝቃለሱን ንምግባር ዘብቅዕ ሃዋህው ምፍጣር ዝብል እዩ። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም ካልኦት ኣብያተ ጽሕፈታትን ትካላትን ሰልፊ ብምትሕግጋዝ፣ ነዚ መደብዚ ክውን ንምግባር ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምድላዋት ጻዕርታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ድማ ሓደ ብሓደ ሪእዩን ገምጊሙን። ሊዕሊ 90 % ምእታዊት ናይቲ ዘድሊ ምድላዋት ተሰላሲሉ ከምዘሎ ድማ መዚኑ። እቲ ምድላዋት ዘተኣማምን ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ ድማ፣ እቲ ፓልቶካዊ ናይ ኣስተምህሮን ዘተን መደብ ኣብ ምጅማር ወርሒ ለካቲት 2018 ክፍልም ከምዝኽእል ወሲኖም።
ብምቅጻል ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ኣብ ሓድነት ሰልፊ ዝረእ ዘሎ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ዘሕዝን ናይ ምፍንጫል ስጉምትን ኣገባቡን ብምምይያጥ ሪቶታት ድሕሪ ምልውዋጥ፣ ናይ ሓባር ሚዛን ኣቀሚጦምሉ። ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽባሕ ሓዲሽ ዓመት ብስራት ዓወትን፣ ሓድነትን፣ ስምረትን ክሰምዕ ዝነበሮኳ እንተኾነ፣ ንናይ ሓሳባት ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብልዝብን ብሕግን ዝፈትሕ ብምፍንጫል ናይ ምፍታሕ ባህሪ ዝሳዕረረ ፖለቲካዊ ባህሪ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ትጽቢቱ ዳግማይ ምፍንጫል ከበስሮ ምኽኣሉ ንማን ዘነይት ከምዘይኮነ ተገምጊሙ። ዝኾነ ዝፍንጨል ኣካል ኮነ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ማሕበር ዝምስርትውን፣ ቀንዲ ዕላምኡ ንመላኺ ስርዓት ኣስመራ ኣሊኻ ህዝቢ ምድሓንን ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን እምበር ምቓልስቱ ንዝጸንሓ ኣካል ንምድኻም ክኸውን ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መወዳእታውን፣ ዝኾነ ኣባልን ኣካልን ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እየ ዝብል፣ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቲ ሓቀኛን ትካላዊ መስመርን ተኸቲሉ ካብ ጌጋታቱ ብምእራም፣ ካብ ድኽመታቱ ድማ ዓቅሚ ዘፍቀዶ ኣበርክቶ ብምግባር እዩ ንሰልፊ ከቅንዕን ከዐውትን ዝኽእል እምበር ብምፍንጫል ከምዘይኮነ ኣገንዚቡ።
ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልስና!
ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና!
في الثاني عشر من يناير 2018م اطلعنا بموقع مسكرم علي بيان ينتحل اسم حزبنا، لذا وجب علينا التوضيح.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري لا يجيز دستوره ولا برنامجه السياسي وأهدافه، كما لا ينتخب أو يقيل قيادته إلا من خلال مؤتمراته. وفي مؤتمره الثاني المعقود في يوليو 2015م أجاز برنامجيه السياسي والتنظيمي، وانتخب بطريقة ديمقراطية قيادة تتكون من 33 عضواً عاملاً و4 مناوبين. من هؤلاء السبع وثلاثين عضواً بالمجلس المركزي للحزب خمس فقط تقدموا باستقالاتهم وانضموا الي المجموعة المنشقة صاحبة البيان المنتحـِـل لاسم الحزب.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري ليس حزباً يتيماً يبحث عن أب كما زعم موقع مسكرم، بل حزب حي ونشط يملك كافة مقومات الشرعية والاستمرارية، فهو يتمتع بامتلاك النصاب الشرعي الذي يلبس كافة قراراته ثوب الشرعية السياسية والقانونية حيث تضم هيئته التشريعية أكثر من ثلثي عضوية القيادة، مالياً له حسابات بنكية تتمتع بالحصانة المصرفية، اعلامياً له جهاز اعلامي ضخم يضم كافة الوسائل السمعية والبصرية، تنظيمياً يتمتع بعضوية وفروع مترامية الأطراف قائمة بنشاطاتها وواجباتها التنظيمية والسياسية علي أكمل وجه، دبلوماسياً يملك أنشطة وهيئات وبعثات دبلوماسية تغطي جميع أصقاع العالم.
حزبنا لا يعترف بمسرحيات تلك الطغمة غير المستندة الي أي شرعية ولا بما يترتب علي نشاطها التضليلي وما تنتحله أو ترتكبه باسمه من أنشطة اعلامية أو سياسية غير مسنودة بأي مبررات شرعية تخولهم تمثيل الحزب في أي منبر من المنابر.
نريد أن نوضح لشعبنا أن معظم من شاهدنا صورهم بالموقع المذكور والذين يدَّعون أنهم قيادة الحزب قلة قليلة نصبت نفسها قيادة غير منتخبة من مؤتمر، يقيم معظم أتباعها بامريكا، وبعد أن ظلت لفترة طويلة تعكر صفو الحياة الحزبية المنضبطة ها هي اليوم قد اختارت الانقسام بعد أن يئست من تحقيق أهدافها المريضة، ولا يحمل هؤلاء المنشقون من سمات الانتماء لحزبنا سوى كونهم أعضاء سابقون بالحزب.
نحن لا نود الحديث عن 21 عضواً زعموا أنهم أعضاء مجلسهم المركزي لأننا لم نتعرف عليهم بعد.
حزب الشعب الديمقراطي الارتري وإن كان لا يعترض طريق من ترك الحزب طواعيةً وأسس أو انضم الي حزبٍ آخر واختار له الاسم الذي يروقه، إلا أنه في الوقت ذاته يرفض بشدة أن يقوم ذلك الشخص أو الكيان بنشاطات تضليلية وغير شرعية منتحلاً صفة الحزب أو اسمه أو اسم أي جهاز من أجهزته الرسمية.
من جهتنا نناشد الشعب الارتري الصامد أن ينبذ ويدين مثل هذه التصرفات الصبيانية الملتوية والمخالفة للقوانين والقيم الفاضلة وأن يصطف خلف القوى الساهرة علي المبادئ الديمقراطية ويساندها بكل ما يملك.
لا نصر ولا مكسب يتحقق بالانقسام
منقستئاب اسمروم
رئيس الحزب
15 يناير 2018م
ሰዲህኤ፡ ሆላንድ ኣብ ልዕሊ ዝለዓለ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ንዝወሰደቶ ኣመስጊኑ ካለኦት ንክስዕበኦ ከኣ ተስፋኡ ገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) በቲ መንግስቲ ሆላንድ ብ17 ጥሪ 2018 ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኣፈጻሚ ጉዳይ ዝተወስደ ስጉምቲ ምስጋናኡ ገሊጹ። እቲ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ካብ ሆላንድ ንክስጎግ ዝተወሰኖ ብሰንክቲ ዲፕሎማስያዊ ሕጊ ጥሒሱ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናይ ኣታዊኦም 2% ቀረጽ ከኽፍል ዝፈጥሮ ብዝነበረ በደልን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን እዩ።
እቲ ብ18 ጥሪ 2018 ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሆላንድ ዝተላእከ መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ ናይታ ሃገር ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃልበ ዚጅስተራ ነቲ ብስም ሰልፍን ኩሎም ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝጽበዩ ኤርትራውያንን ናብ መንግስቲ ሆላንድ ዝተላእከ ሰላምታ ከመሓላልፍሉ ሓቲቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ልዕሊ ወጻዒ መንግቲ ኤርትራን ኣብ መላእ ዓለም ካብ ኤርትራውያን 2% ኣገዳዲ ግብሪ የኽፍሉ ዘለዉ ኣካላቱን ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክውሰድ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
መልእኽቲ ሰዲህኤ ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ በቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣብ ልዕሊቲ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣፈጻሚ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ብዝተወስደ ስጉምቲ ብስም እቶም ነዚ ስጉምቲ ክጽበዩ ዝጸንሑ፡ ቅሳነት ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ። ብመንጽር እዚ ነቲ ተግባር “ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት” እዩ ኢሉ፡ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ ነዚ ስጉምቲ ክም ኣብነት ወሲድን ክስዕበኦ ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ
እቲ መልእኽቲ ኣተሓሒዙ ንግስነት ሆላንድ መንግስቲ ኣስመራ ዘይሕጋውን ካብ ሃገሩ ወጻኢ’ውን ዘይሕጋውነት ከስፋሕፍሕ ዝሰርሕን ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ብመንጽር እዚ ናይ ሆላንድ ፓርላማ፡ ናይ ፍርዲ ኣካላትን ካቢነትን ንግጉይ ኣሰራርሓ ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ ንምቁጽጻር ክሰርሕዎ ዝጸንሑ ኣብነታዊ ምዃኑ ኣስፊሩ። ብመንጽር እዚ ኣብ ልዕሊቲ ዓመጸኛ ዝተወስደ ስጉምቲ ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ኢሉ።