Friday, 26 January 2018 10:29

Radio Demtsi Harnnet Kassel 25.01.2018

Written by

ከም ሰባት ክንነብር እንከለና ፍጹም ከነወግዶም ዘይንኽእል ዝፈላልዩና መምዘንታት ኣለዉና። ዘቀራርቡና’ውን ከምኡ። እንተኾነ ኣብክንዲ ነቶም ዝፈላልዩና ነቶም ዘቀራርቡና ከነጉልሕ እንከለና፡ ብሓባር ንነብር ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ሓባራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ተግባራት ንፍጽም። ከም ዜጋታት ናይ ሓባር ሃገርን ልኡላውነትን ነውሕስ። ንኹልና ብዘማእክል ሕግን ስርዓት ድማ ንመሓደር። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብባህሪ፡ ብዕድመ፡ ብጾታ፡ ብደረጃ መነባብሮ፡ … ውዘተ ዘለዉና ፍልልያት ንቕድሚት ኣምጺእና እንተነጉልሖም እቶም ኣቐዲምና ዝገለጽናዮም ናይ ሓብር ክብርታት ክንውንን ኣይመኸኣልናን።

በቲ ካልእ ማእዝን ናብ ህልዊ ኩነታት ደንበ ተቓውሞና እንተመጻእና፡ ከነወግዶም’ኳ እንተዘይከኣልና ንቕድሚት ኣምጺእና ከነጉልሖም ዘይግበኣና መፈላለዪ ነጥብታት ኣለዉና። ከከም ኩነታቱን ግዜኡን ከኣ እንዳተበራረዩ ነቲ ዘመሳስለና ኣተሓሳስባታት ከም ዝሃስይዎ ክንዕዘቦም ጸኒሕናን ኣለናን። በዚ መሰረት ኣብ ሕድሕድና፡ ሚዛና ኣብ ሕቶ ሃይማኖት፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ኣመዛዝና ስርዓት ህግደፍ፡ ዝምድናና ምስ ዘይኤርትራዊ ሓይልታት ዝኣመሰሉ ፍልልያት፡ እቲ ሓደ ክሃድእ እንከሎ እቲ ካልእ ንቕድሚት እንዳመጸ እንዳተበራረዩ የረሓሕቑና ኣለዉ። ብሓባር ክድመሩ እንከለዉ ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልያት እዮም ዝፈጥሩ። ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ፍልልይ ምፍጣር ብፍላይ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ኩልኻ ሰዓራይ እትኾነሉ ዓለማዊ ርኢቶ፡ ብጥሪኡ እምብዛ ዘጻልእን ዘተፋንን ኣይኮነን። ብሰንኪ ኣብ ኣተሓሕዛኦም ዝፍጠር ጸገማትን ኣምላኺ ሰዓራይን ተሰዓራይን ምዃንን ግና እነሆ ፍልልይ ነጊሱ። ከም ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣባና ዝንጸባረቕ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ።

ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንብዓት ኣይኣብን’ዩ” ዝበሃል፡ ልባዊ ድሌትና ስኒትን ብሓባር ምስራሕን እንተኾይኑ፡ ነቲ ዝፈላሊ ከም ዘይነተባብዕ ባህርያዊ እዩ። ብንቕሓትን ምሉእ ሕልናን ንስኒትን ሓቢርካ ምስራሕን እንተ ተቢዕና ከኣ፡ እቲ እነጉልሖ እቲ ዘቀራርበና እዩ። ንጉዳያት እንተደኣ ብዓይኒ ቅንዕና ዘይሒዝካዮም ዘባእሱ ከም ዝኾኑ ከኣ እነሆ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ከምቲ “እምብዛ እንተጠሚትካዮ ጸባ’ውን ይጽልም” ዝበሃል። ኣብ ጉዳይ ተቓውሞና እቲ ቀንዲ ጸገም ናይ ፖሊሲ ፍልልይ ከምዘይኮነ ብብዙሕ ምኽንያታት ክመሳኸር ይኽእል። ብቐዳምነት ናይ ፖሊሲ ፍልልያት እንተሃለወ እውን ውሕልነትን ሓልዮትን እንተ ኣሰንይዎ ሓቢርካ ንምኻድ ዕንቅፋት ከምዘይከውን ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝተመስከረ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዙሓት ብዘይካ ኣዝዩ ውሱን ነጥብታት ናይ መትከል ፍልልያት ዘይብልና ክነስና፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ውድባት ኮይና ንኸይድ ምህላውና ካልእ ህያው ምስክር እዩ። “እዚ ስለምንታይ ይኸውን?” ኢልካ ክትሓትት እንከለኻ ውዱእ መልሲ ምርካብ ዓሚቝ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። ኣብ ኣተገባብራ ዝፍጠሩ ሜላውን ምምሕዳራውን ፍልልያት ክትጻወር ዘይምኽኣል፡ ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ባህሪ ፍልልያትን፡ ኩሉ ነገር ምሉእ ብምሉእ ከምቲ እትደልዮ ክኾነልካ ምድላይን ከኣ ናብ መልሲ እቲ ሕቶ ዝቐረቡ ምናልባታት ምዃኖም ምግማት ዘይከኣል ኣይኮነን። ባዕልኻ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ንዘጽደቕካዮ ሕግታት ምእዙዝ ዘይምዃን’ውን ኣብዚ መዳይ ዓብይ እጃም ዝሕዝ እዩ።

ብዛዕባ ብሓባር ምስራሕ ክትሓስብ እንከለኻ፡ እዞም ብሓባር ንዘይምስራሕ ምኽንያታት ክኾኑ ይኽእሉ ዝበልናዮም ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉን ተዳሊኻሎም ምጽናሕ ከም ዘድሊ ምግንዛብ ይግባእ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ከም ውድብ ኮነ ከም ውልቀ ባእታ ከምቲ ንስኻ ናትካ ሓሳብን ህርፋንን ዘለካ፡ እቲ ካልእ መሻርክትኻ ወገን’ውን ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ከምዝህልዎ ምርዳእ ካልእ ክንግዘቦ ዝግበኣና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነታዊ ኣረኣእያ እንተዘየልዩ ግና ናይ ሓባር ረቛሒ ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ናይ ሓባር ረቛሒ ኣብ ዘየብሉ ከኣ ከቶ ናይ ሓባር ስራሕን ጉዕዞን ኣይህሉን። ብሓባር ምስራሕ ዘይምህላው፡ ዓቕምኻ ከም ዘዳኽምን መፍቶ’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢኻ ከም እትኸውንን ከኣ ኩነታትና ባዕሉ መስካሪ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከምዚ ዝኣመሰለ ክለሰ-ሓሳባዊ መረዳእታ እንዳሃለዋና ናብ ተግባር ዘይንተግህ ምህላውና እዩ። ኣብ ውሽጥኻ ካልእ ሓሳብ እንዳሃለወካ ነቲ ኩነታት ንምምሳል ኣብ ኣደባባይ ዝረአ ናይ ቃልዓለም ኣቀራርባ ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። ብዛዕባዚ ክንዛረብ እንከለና ሓደ ብጻይ “ኣብ ግዜ ሓደ ዓይነት ጃኬት በበይኑ ኣተሓሳስባ ኢና ዘለና” ዝብለኒ ሕጂ ትዝ ይብለኒ።

ንትሕዝቶ ኣተሓሳስባ ምስቶም ነቲ ኣተሓሳባ ዘቕርቡ ኣካላት ምትእስሳር ልሙድ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ “መን እዩ በሃሊ?” ምቁማት “እንታይ እዩ እቲ ዝተባህለ?” ምጉላሕ ሃናጺ ኣተሓሕዛ እዩ ዝብል ተረደኦ ኣለና። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ወገን ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝጸላእካዮ ነቲ ሓሳቡ ምንጻግ  ሓደገኛ እዩ። እቲ ሓደጋ እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ሓሳብ ዘቕርብ ውድብ ይኹን ባእታ ስለ ዝፈተኻዮ፡ ንሱ ንዘቕርቦ ሓሳብ ዘየድምዕ እንዳሃለወ ምቕባሉ’ውን ከኣ ካልእ ገጽ ናይቲ ሓደጋ እዩ። ስለዚ “መን ኣቕሪብዎ” ንዝብል ኣይንገደሰሉ’ኳ እንተዘይበልና ቀንዲ ቆላሕታና ግና ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ዝቐርብ ሓሳብ ዘዕዘዘ ክኸውን ይግባእ። 

 

ጨንፈር ቶሮንቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ብዕለት 21 ጥሪ 2018 ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ወዲኡ። ኣኼባ 16 ኣባላት ዝተሳተፍዎ ክኸውን ከሎ 4 ካብኦም ከኣ ሓደሽቲ መንእሰያት ነይሮም። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከኣ ተመያይጦም ናይ ስራሕ መደብ ኣውጺኦም። 

  1. ሌላ ምስ ሓደሽቲ ኣባለት፤ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ያሲን ዑስማን ንሓደሽቲ ኣባላት ምስ ጨንፈር ድሕሪ ምልላይ፣ ምስ ኣሰራርሓ ጨንፈር ከም ኣኼባ፣ ጉባኤ፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብሪህሎም።
  2. ህልዊ ኵነታት ሰልፊ፤ ሓው ትኩእ ተስፍይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሰልፍና ብውሽጥን ብደገን ዘጋጥሞ ብደሆታት ኣዕሚቁ ገሊጹ። መሰረታት ሰሜን ኣመሪካ ንናይ ደገ ዑሱባት ኣብ ፍረ ከይበጽሐ ምብርዓኖም ኣመጒሱ።
  3. ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ ጨንፈር ኣብዚ መጨረሽታ ወርሒ ጥሪ ክግበር ተቀሪቡ ዘሎ ናይ ዞባ ጉባኤ ኣስፊሖም ተመያይጦም። ካብ ኣምራጺት ሽማግለ ዝመጾም መምርሒ ተኸቲሎም ንጉባኤ ዕዉት ንኽገብርዎ ወሲኖም።
  4. መደባት ጨንፈር፤ ኣብ ናይ መጻኢ መደባ ጨንፈር ክትዓብን ክትሰፍሕን ወሲና። ነዚ ኣብ ግብሪ ከተውዕል ከኣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ኮይና ክትሰርሕ ኣረጋጊጻ።

 

ህዝባዊ ቃልሲ መተካእታ የልብሉን!

Messrs. Tesfai Woldedmichael (Degiga), Head of the EPDP Organizational Office; Fissehaye Hagos, Head of Social Affairs Office and Chairman of the Party Renewal Commission, and Gherezghiher Tewelde, representative of the EPDP Chair Office in North America, on 20 January 2018 attended an electronic meeting of the EPDP North America Zone and briefed them on various issues of great concern to the current struggle for democratic change in Eritrea.

Called by the preparatory committee for an extraordinary congress of EPDP North America (USA and Canada), the key agenda items of the meeting included the following: a) current status of the party, the Eritrean opposition camp as well as recent development in the Horn of Africa and Red Sea basin; b) progress of the EPDP Party Renewal Commission, and c) procedures related to the preparation of the  extraordinary  congress for North America. 

Mr. Tesfai Degiga explained in great detail not only current developments within the party and the Eritrean opposition camp but also about EPDP's concerns regarding the ongoing warmongering in the region surrounding Eritrea.

Executive Committee member Fissehaye Hagos on his part explained the progress so far made by the 11-member Party Renewal Commission whose main task until the 3rd EPDP congress will be identifying existing strengths and shortcoming in the party and referring for implementation effective and new ways of doing things. 

Chair Office Representative Gherezghiher Tewelde  also seized the occasion to dwell in detail about past achievements of the Congress Preparatory Committee headed by Mr. Desbele Kahsai and the procedures adopted by the Electoral Committee that he, Gherezghiher himself, chairs. 

The meeting participants, who included a satisfactory number of young and new party members from Canada, highly commended the extensive clarifications made by the leadership members and expressed renewed passion to redouble efforts in the struggle for democratic change. Many speakers among the 60+ meeting participants also alluded to the crazy moves of a few former colleagues in the zone who posted an announcement of their still-born groupie in Meskerem.Net  dishonestly and misleadingly referring to the name of EPDP. 

ብዕለት 20 ጥሪ 2018 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምሉእ ኣባላት ዞባ ኣኼባ ኣአንጊዱ። እዚ ኣስታት 60 ኣባል ዝተሳተፎ ኣኼባ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳ ተመያይጡ፤

1. ህልዊ ኵነታት ስልፍናን ደንበ ተቃውሞን ዞና ሃገርናን

2. መደብ ሕደሳ ሰልፊ

3. ኣገባብ ኣከያይዳ ህጹጽ ጉባኤ

ሓው ተስፋይ ደጊጋ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ውደባዊ ቤት ጽሕፈትን ንህልዊ ኵነታት ስልፍና ብድቀት ተንቲኑ ገሊጹ። ብስም ስልፍና ኣብ መስከረም ነት ዝወጸ ኣዋጅን መልሲ ኣቦ መንበር ስልፍን ኣብሪሁ። ቀጺሉ ሓፈሻዊ ህይወት ተቃውሞን ኵነታት ሃገርናን ገሊጺ።

ሓው ፍስሃየ ሓጎስ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈትን ብወገኑ ንመደብ ሕደሳ ሰልፊ ብደቂቅ ኣብሪሁ። ሕደሳ ሰልፊ ካብ ኣባላት ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ዝቆመ 11 ዝኣባላቱ ኮሚሽን እዩ ኢሉ ምስ ኣባላት ኣላሊይዎ። ዕላምኡ ኸኣ ንሓያልን ድኽመትን ጐንታት ስልፊ መሚዩ ንዕቤትን ዓወትን ዝኣመቱ ቅድታት ምትግባር እዩ ኢሉ ገሊጹ።

ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ኣምራጺት ሽማግለ ብወገኑ ኣገባብ ጉባኤ ኣብሪሁ። ንዝቀረቡ ሕጹያት’ውን ብኣኼበኛ ምጽዳቆም ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ኣስታት 20 ዝኽኑ ሓደስቲ ኣባላት መንእሰያት ካብ ካናዳ ዘኣንገደ እዩ ነይሩ። ንባህሊ ኣኼባ ብጣዕሚ ንኢዶም። ኣኸበኛታት ንዝቀረበ ትሕዝቶ ኣኼባ ኣመጒሶም። መሪሕነት ሰልፊ ዝውስዶ ዘሎ ኣንፈት ናይ ዓወት ጕዕዞ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ንዝኾነ ኣብ ስልፍና ዝቀንዐ ብድሆታትን ሽርሕታትን ክምህ ከምዘይብል ኣረጋጊጹ። ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስከረም ነት ዝወጸ ዓጀውጀው  ብተበግሶ መሰረታት ኣብ ሕርሲ ከይበጽሐ ዘቈልዐ ጥንሲ እዩ ኢልዎ። ህዝቢውን ሕረሕራይ ገሩ መንነቶም ይፍለጦም።

ዓወት መተካእታ የልብሉን!

Saturday, 20 January 2018 10:24

March 08.Eritrean Women Demo. in Den Hague