ኣብ መንጎ ተቐቢለዮን ተግቢርናዮን ዘሎ ርሕቀት

2018-08-19 08:19:37 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2218 times

ብዛዕባ “ምቕባልን ተቐቢልካ ምትግባርን” ክለዓል እንከሎ ኣብ ኣእምሮና ካብ ዝመጹ ጉዳያት ሓደ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን እዚ ዛዕባ’ዚ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ። ናብዚ ጉዳይዚ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት፡ ማለት ጉጅለ ህግደፍ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝብን ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ኣብ በበይኑ መድረኻት ነዚ ብዝምልከት መርገጻቶም ከንጸባርቑ ጸኒሖም እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ንነዊሕ ግዜ፡ እቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ብኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ናይ ግድን ቅድሚ ኩሉ   ክትግበር ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ ዘይኮነ ክንሱ ጽኑዕ ዝመስል ዝነበረ መርገጽ ሒዙ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ናይ ብሓቂ ሓላዪ ልኡላውነት መሲልዎ ነቲ ጉጅለ ክኽተሎ ጸኒሑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ውሳነ ብመትከል ከም ዝቕበሎ እንዳጠቐሰ ቅድሚ ምትግባሩ ዘተ ከም ዝድግፍ ከብርህ ጸኒሑ። ንሕና ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጥን ህዝብናን እውን እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ክትግበር ኣለዎ ክንብል ጸኒሕና። መርገጽ ሓይልታት ለውጥን ህግደፍን ብደግኡ ክረአ እንከሎ ሓደ ይመስል ነይሩ። ኣብዚ እዋንዚ ግና መንፈሱን ሽተኡን በበይኑ ምንባሩ እነሆ በሪሁ። መርገጽ ሓይልታት ለውጥን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ልዕልና ሕግን ቀጻልን ዝተኣማምን ሰላምን ዘትከለ ነይሩ። መርገጽ ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣብ ህልኽን ቅርሕትን ዝተሰረተ፡ ብዛዕባ ልዕልና ሕግን ልኡላውነት ሃገርን ዘይግደስ ምንባሩ እነሆ ድሕሪ ክንደይ ኮለል በሪሁ። ሓቀኛ ምስሊ ህግደፍ ከኣ ባዕሉ ክዛረብ ጀሚሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ክጉባዕበዓሉ ዝጸንሐ ኣርሒቑ ከም ዝሃደመ ንምሽፋን “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢልናዮ ኢሉ እንድዩ” እትብል ጸባብ መህደሚት መንገዲ ሒዙ ኣሎ። ከምዚ ክብል እንከሎ ኮነ ኢሉ ክሃድም ስለ ዝወሰነ እዩ እምበር፡ ኣብ መንጎ ተቐቢለዮ ምባልን ነቲ ዝተቐበልካዮ ምትግባርን ዘሎ ርሕቀት ጠፊእዎ ኣይኮነን። ምስቲ ኣብ ባይታ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ከኣ፡ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቅድም ጀሚሩ“በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት” ኢሉ ሒዝዎ ዝጸንሐ ፖሊሲ ዝትገር ዘሎ እዩ ዝትግበር ዘሎ። ምናልባት እውን እዚ ኣብ ባይታ ንርእዮ ዘለና ካብኡ እውን ዝያዳ ዝተሓተ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ፖልሲ በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት፡ ንምምልካት ዶብ ኣብ መሬትን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ቦታ ምምላስን ዝብሉ ነጥብታት ብሓባር ዘንጸባርቕ ክነብር እንከሎ፡ እዚ ሕጂ ዝትግበር ዘሎ ግና ነቲ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ኣብ ዝብል ውሳነ ተተርኢሱ ክትግበር ግበኦ ምምልካት ዶብ ኣብ መሬት ኣግሊሉ ዝኸይድ ዘሎ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ በቶም፡ “ዝህብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኤርትራ ሓደ ህዝቢ እዩ፡ ተደሚርና ኢና፡ ናይ ዶብ መንደቕ ኣፍሪስና ናይ ፍቕሪ ድንድል ንሃንጽ ኣለና … ወዘተ” ዝብሉ ሓረጋት ክስነ እንከሎ ኣፍካ መሊእካ “ ኣብ ሓጺር መጻኢ ከምዚ ክኸውን እዩ” ምባል’ኳ እንተጸገመ ስኽፍታ ኣብ ልዕሊ ስኽፍታ ዝድርዕ ምዃኑ ግና ርዱእ እዩ። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ ብዙሕ ዘመሳስል ዘለዎ ናይ ክልተ ልኡላዊ ሃገራት ክልተ ኣሕዋት ህዝቢ እዩ እንተዝበሃል’ኳ ኣይመሰከፈናን።

እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኸይድ ዘሎ፡ ኪኖ ምምልላስ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝዓሞቘ ትርጉም ከይህልዎ ዘብል ፍጻመ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ሚድያታት ውዑይ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ህግደፍ ዝኾነ መድረኽ ፈጢሩ ኣይኮነንዶ ነቲ “ኣበይ ከይበጽሕ” ዝበሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ህልውናኡ ጾይሩ ዘሎ ምህሙን ትካላቱ እውን ወግዓዊ መብርሂ ኣይሃበን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተሓታትነት ዘለዎ ብሕጊ ዝምራሕ መንግስታዊ ትካል ዳርጋ ከምዘለየ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኮይኑ ዘዕለብጥ ዘሎ ሓደ ሰብኣይን ዊንታኡን እዩ። ንሱ ሕጊ፡ ንሱ ትካል ኮታ ንሱ መንግስቲ ኮይኑ እዩ ዘዳኽር ዘሎ። እቶም በዚ ሓደ ሕንኩ ዝቐንተጠጠ ዝተዓዛዘሮ ዝመስል ሰብኣይ ኣብ ዘይፈልጥዎ ጐደና፡ ምትሕስሳብ ብዘየብሉ ኣገባብ ዝኹብኮቡ ዘለዉ ሚኒስተራት ዲና ክንብሎ ሰነይቲ መኻይዱ በዚ ኩነታቶም ሓፊሮም በቶም ህዝቦምን ሃገሮምን ብሕግን ስርዓትን ዝመርሑ መንግስታት ዘምቕነኦም ከኣ ክሳብ ክንደይ ሓሞቶም ከም ዝፈሰሰ ዘመልክት እዩ።

ኣቶ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ነዚ ኣገባብዚ ክመርጽዎ እንከለዉ ዝሓሰብዎ ከም ዝህልዎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ብናቱ መላኺ መዕቀኒ ብዝተሃንደሰ መንገዲ እንዳተጓዕዘ ኤርትራን ህዝባን ከልምዖም ድዩ ወይ ከጥፈኦም ኣይፈልጡን እዮም። ስለምንታይ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ናበይ ከም ዘብጸሖ ኣብ ዘይፈልጦ ጸልማት መንግዲ ድምጹ ኣጥፊኡ ይጐዓዝ ኣሎ ዝብል ሕቶ ከኣ ንዓለም ዘገረሞ ኮይኑ ዘሎ ኩነት እዩ። ካብዚ ንደሓር ህዝቢ ኤርትራ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ራህዋ ከምጽኣሉ ዝጽበ፡ ወይ በቲ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ኣጋጢምዎ ዘሎ ተነጽሎ ዘማርረሉ ግዜ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ንራህዋኡ፡ ንክብሩን ሉኡላውነቱን ባዕሉ ክለዓል ኣብ ዝግደደሉ መድረኽ ከምዘሎ ክርዳእ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ። “ብዘይቅድመ-ኩነት ክቕበልዎ ቃል ኣትዮምልና እንድዮም፡” ካብ “ተግቢረምዎ እንድዮም” ኣጸቢቑ ከም ዝፍለ ከኣ ዝረአ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተኸሊእዎ ዘሎ ኩሉ መሰላት ካብ ምውሓስ፡ ብነፋሪት ካብን ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ምምልላስ ከምዘይዓብዮ ከኣ መኻሪ ዝጽበየሉ ክኸውን ኣይግበኦን።

Last modified on Sunday, 19 August 2018 10:22