ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ እንግሊዝ ንጣልያን ስዒሩ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ካብ ዘእትዋ ጀሚሩ ኣሉታውን እወታውን ጐንታት ነይርዎ። እቲ እወታዊ ጎንታቱ፥ ኣብያተ ትምህርቲ ኣስፋሕፊሑ፥ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ዝነበረ ክሳብ ዓስርተ ክልተ ክፍሊ ኣፍቂዱ። ከምኡ እውን ፖለቲካውያን ማሕበራት ንኽምስረታ ኣፍቂዱ። እቲ ኣሉታዊ ጎኑ ድማ፥ ኩሉ ዝነበረ ናይ ፋብሪካታት ይኹን ካልእ ቁጠባዊ ትካላት ቀንጢጡ ሸይጡ። ኣብ ህዝቢ’ውን ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያንን ዕግርግርን ዘይምስምማዕን ክፈጥር ብዙሕ ጽዒሩ ግን ኣይኮነሉን።

እተን ኣብ ግዜ እንግሊዝ ዝተፈጥራ ፖለቲካውያን ማሕበራት፥ ዋላ እኳ ንናይ ዲሞክራሲያዊ ኣንፈት መሰረት ኤርትራ ካብቲ ብጣልያንን እንግሊዝን ዝተፈጥረ ፍልልያት ኣብ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣተወ፡ ንሱ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ መንቋሕቋሕታ ክጭብጭብ ጀመረ። ይኹን እምበር እዚ ፖለቲካዊ ምዕብልና በቲ ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ወፍሪን ምስኡ ተጐዝጒዙን ንሱ ዝምውሎን “ሰልፊ ኣንድነት”ምፍጣሩ፥ ተሰማዕነት ስለዝነበሮ ነቲ ሰልፍታት ቅሳነት ከልኦ። ከምኡ ኣውን ደገፍ ናይ ሓያላን ሃገራት ስለዝረኸበ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ኣእትዩ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ጠቅላይ ግዛኣት ኢትዮጵያ ክገበራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከፋፊልዎ እዩ። ካብቲ ግዜ ጀሚሩ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ እናዓዀዀ ዝስጉም ዝንበረ ዲሞክራስያዊ ተግባራት ንድሕሪት መለሶ።

ኣብቲ እዋን እቲ እምበኣር ራቢጣን ኣድነትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ተመቕለ። እቲ ሕማቑ ድማ እቲ ራቢጣ ነስላም እቲ ኣንድነት ድማ ንክርስትያን ዝውክል ኮይኑ ኣብ ህዝቢ ሰረጸ እሞ እቲ ፍልልያት ኣብ መንጎ እስላምን ክርስትያን ዝመስል ኮነ። እዚ ብወገኑ ነቲ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት ሰንከልከል ክብል’ኳ እንተኸኣለን፥ ናብቲ ድሕር ኢሉ ዝተፈጥረ ማሕበር ሸውዓተ ከንጸባርቕ እንተፈተነን፥ ማሕበር ሸውዓተ ግን ነቲ ፍልልያት ከጻብቦ በቒዑ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እስላምን ክርስትያንን ብሓደ ኮይኖም ኣብ ማሕበር ሸውዓተ ኣባል ዘይነበረ ኤርትራዊ ብዙሕ ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ግደ ህዝቢ በቲ ዝነበሮ ስምዒት ነተን ክልተ ሰልፍታት ራቢጣ ኣልእስላሚያን ኣንድነትን ዘምጽኦ መዘዝ መዚኑ ኣይፋልኩምን ክብል ስለዘይከኣለ ግና እቲ ምፍንንጫል ዕላማ ናይ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክዕወት ኣይከኣለን።

ቀጺሉ እቲ ብ1961 ባሕቲ መስከረም ዝጀመረ ብረታዊ ቃልሲ  ዕላማ ብርግጽ ንኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ከምዝነበረ ማንም ዝኽሕዶ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ብዘይተጸንዐ ዝብል ግን ማናልባት እቲ ማሕበር ሸውዓተ ጀሚርዎ ዝነበረ ኣገባብ ብስምምዕ ተደምዲሙ ነይሩ እንተዝኸውን እቲ ናይ ክርስትያንን እስላምን ዝመስል ውደባ ኣይምተራእየን ነይሩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምምስራታ ዝበዝሐ ስሩዕ ኣባል ማሕበር ሸውዓተ ብምኽንያት ብረታዊ ቃልሲ ምእዋጅ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዛዘወ። ከምኡ እውን ደሕሪ ገለ ዓመታት ማሕበር ሸውዓተ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ንምክያድ ንሜዳ ወጸ። ነዚ ሓይሊ እዚ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1965 ደምሰሰቶ። እዚ እቲ ካልኣይ ምፍንጫል ሰውራ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ እውን እቲ ህዝቢ ግደ ስለዘይነበሮ “ትጋገዩ ኣሎኹም” ኢሉ ክነቅፍ ኣይከኣለን። እንታይ ደኣ ምስቲ ሓይሊ ዝሓዘ ደው በለ። ገለ ድማ ኣንጻር ተሓኤ ኮነ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወዮ እቲ ኣብ ውሽጢ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማለት ብሰንኪ ምሕደራ ዝተረኽበ ፍልልያት ሰለስተ ክፋላት  ተፈንጨሉ። ንሳቶም ድማ ብሳበ ዝምራሕ፥ ብኣደም ሳልሕ ዝምራሕ፥ ብኢሰያስ ዝምራሕ ኮይኖም ደሓር ብህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተመስረተ ውድብ ዝኾኑ እዮም።

ከምዚ እናበለ ድማ እቲ ቀዳማይ ውግእ ሓድሕድ ተጀመረ። ኣብዚ እውን ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ተራ ኣይነበሮን። ምኽንያቱ ኩሉ ነናቱ ስሩዓትን ተደናገጽትን ሰዓብትን ስለዘለውዎ። ድሒሩ ግና ኣብ 1974 ህዝቢ ንኽልቲኤን ውድባት ከቀራርብ ፈቲኑ እንተኾነ ኣይሰለጠን። ቀጺሉ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ብህዝባዊ ግምባርን፥ ህዝባዊ ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝብል ኣብ ክልተ ተፈንጨሉ። ብድሕሪዚ ሜዳ ኤርትራ ብክልተ ወድባት ተሓኤን ህግሓኤን ተባሕተ። ይኹን እምበር እቲ መን ዓብለለ ቁርቊስ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሰላማዊን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ክንዲ ዝሕዝ ናብ ጎነጽ ገጹ ኣድሃበ። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ንስልጣን መንጨበጠ ኣብ ዝብል ስለዝተመርኰሰ ግድን ኢዩ ሓደ ውድብ ክጠፍእ። በዚ መልክዕ ድማ እቲ ካልኣይ ውግእ ሓደ ሕድ ተባረዐ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውግእ በቲ ሓደ ወገን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝባዊ ግምባርን ህዝባዊ ወያኔን ተሰለፉ። ኣብዚ ኩነታት ህዝቢ ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ መንጎ ኣትዩ ከገላግል ኣይፈተነን። ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ ተመኩሮ ስለ ዘየድመዐ።

ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ኣብ መጻኢ’ውን እዚ ምፍንጫል እዚ ደው ዝብል ኣይመስልን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ህዝቢ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ስለዘይተሰከመ ክኸውን ይኽእል። ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ህዝቢ ዘዝኣምነሉ ሸነኽ ስለ ዝህልዎ፥ ነታ ናቱ ኢሉ ዝኣምነላ ሸነኽ ክትዕወት ካብ ዝብል ዝሓድሮ ባህጊ  ሓደ ምኽንያት ምፍንጫል ዝስስነሉ እዩ። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተወደበ ሓይሊ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብን ድሌትን ኣለዎ። እዚ እምበኣር ኣብ ሓደ ሰልፍን ዲሞክራስያዊ መስርሕን ናይ ሓሳብ ቁርቊስን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ክረአን ባህሪያውን ክውገድ ዘይከኣልን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከከም ናይ ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ክብን ለጠቕን ዝብለሉን፥ ተጽዋርነትን፥ ብዲሞራሲያዊ መንገዲ ተማእዛዝነትን፥ ንፍልልያት ብስልጡን ኣገባብ ምምእካሉን ክሳብ ዘይተረጋገጸ እምበኣር ምፍንጫል ቀጻሊ እዩ። እቲ ወሳኒ ግና እቲ ህዝቢ ነቲ ዝፍንጨል “ኣይፋልካን ንሕና ውን ኣይክንስዕበካን ኢና” ስለ ዘይብል፡ እቲ ምፍንጫል ተቐባልነት ይረክብ ብምህላው እዩ ምፍንጫል ደው ዘይብል። እቲ ዘገርም ከኣ ትፍንጨል እሞ ምልስ ኢልካ ንዛተ ትብል።

 

Sunday, 06 October 2019 20:30

Ethiopia gets tough with Egypt over Nile dam

Written by

Africa, Egypt, Ethiopia, Horn of Africa, Uncategorized

 
In a rare show of anger, the Ethiopian government has told the Egyptians that they will insist on scientific evidence over the filling of the Grand Ethiopian Renaissance Dam [GERD].
 
 
5 Oct 2019
 
The Government of Ethiopia affirms its position to advance the trilateral technical dialogue concerning the filling and operation of the Grand Ethiopian Renaissance Dam

The Water Affairs Ministers of Egypt, Ethiopia, and Sudan met in Khartoum on 04 and 05 October 2019. Prior to the Ministers’ meeting, the National Independent Scientific Research Group of the three countries met in Khartoum on 30 September – 03 October 2019.

The Government of Ethiopia is of the conviction that the technical consultation must continue, as it presents the only option for resolution of differences among the three countries with respect to filling and operation of the GERD. Although the unilateral proposal on technical aspects of filling and operation of the GERD by the Government of Egypt side-steps the working procedure of the NISRG and disrupted the ongoing process, the Water Affairs Ministers in their meeting in Cairo on 15 and 16 September 2019 instructed the NISRG to discuss and analyze the filling and operation plan of Ethiopia and the submissions of Egypt and Sudan on technical aspects of filling and operation.

Based on the direction given by the Water Affairs Ministers meeting in Cairo, the NISRG considered Ethiopia’s filling and operation plan of the GERD, and the proposals of Egypt and the Sudan. The deliberation of the Scientific Research Group was based on an outline adopted by consensus between the three country teams. The Group reached an agreement on some points while some other issues remain outstanding. These points of divergence could be resolved through further deliberation by the NISRG.

The filling plan of Ethiopia that is set to be completed in stages that will take four to seven years based on the hydrology is considerate of the interests of the downstream countries of the Nile. Furthermore, Ethiopia and Sudan followed a constructive and inclusive approach for the discussion of the NISRG. Whereas, the Egyptian Side persisted on its position of having all its proposals accepted without which it was not willing to have the NISRG conduct its analysis.

This approach by the Government of Egypt is not new. Rather, it is yet another instance of a disruptive tactic it applied to halt the hydrology, environmental and social impact assessment on the GERD. Ethiopia maintains its stand on the possibility of resolving the issues based on trilateral technical consultation and the invocation of principle X of the DOP is premature.
Despite the tireless efforts of the Ministers of Water Affairs, during their two days meeting to consider the progress of the work of the NISRG, they did not manage to put a direction on the way forward due to the predetermined plan of the delegation of Egypt to make the process fail.

The proposal by the Government of Egypt to invite third party in the discussions is an unwarranted denial of the progress in the trilateral technical dialogue and violates the Agreement on the Declaration of Principles signed by the three countries on 23 March 2015. It also goes against the consent and wishes of Ethiopia and the Sudan; it negatively affects the sustainable cooperation between the Parties; undermines the ample opportunity for technical dialogue between the three countries; and disrupts the positive spirit of cooperation.

Additionally, the proposal to subject the discussion on filling and operation of the GERD to a political forum is unjustified by the nature of the outstanding technical issues. It also contravenes the direction given by the leaders of the three countries given to the Water Affairs Ministers to resolve the technical issues related to filling and operation of the Dam, it will also not allow attainment of a successful resolution of the technical issues.

The Government of Ethiopia believes the existing mechanisms of cooperation will allow resolution of differences and reminds the need to refrain from negative media and other campaigns that will have no other effect than eroding the confidence among the three countries.

The Government of Ethiopia will reinforce its efforts to realize development of its water resource to meet the present and future needs of its people that deserve development and adequate standard of living.

Ethiopia upholds the principles of equitable and reasonable utilization and the causing of no significant harm on any other riparian country in the use of the waters of the Nile. Furthermore, the Government of Ethiopia will continue to follow an approach that will not result in direct or indirect recognition of any preexisting water allocation treaty, which has no applicability whatsoever on Ethiopia.

ኤርትራውያን ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ዘተኣማምን ቅሳነት ዘይነበሮ ምንባሩን ምዃኑን ፍሉጥ እዩ። እዚ ዘይቅሱን ህይወት መልክዑ እንዳቐያየረ ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ኣሎ። ኤርትራውያን ነዚ ንሓንሳብ ብናይ ባዕዲ ወረርቲ ንሓንሳብ ድማ ብዘቤታዊ ጨቆንቲ ከጋጥሞ ዝጸንሐ በደል፡ ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ ዋላ ንሓንቲ ካልኢት ሓንጐፋይ ኢሉ ኣይተቐበሎን። ከም መግለጺ ሓንጐፋይ ዘይምባሉ ከኣ፡ እነሆ ነቲ ምእንቲ ሓርነቱ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመሮ ቃልሱ ይቕጽሎ ኣሎ። ንመጻኢ እውን ዋላ ግዜ ይብላዕ፡ ክሳብ ዓወት ወለዶ ካብ ወለዶ እንዳተቐባበለ ክቕጽሎ እዩ።

ተመኩሮና ከም ዝምስክሮ በደል መግዛእታዊ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ “ከምዚ ነይሩ” ኢልካ ክትዝርዝሮ ዘሳቕቕ ሕሱም እዩ ነይሩ። እንተኾነ ኤርትራውያን ብሕሰም እቲ መሪር መግዛእቲ ከይተንበርከኹ ክቃለስዎ ጸኒሖም። ቃልሶም ከኣ፡ ዕዉት እምበር ተንበርካኽን ሰንባድን ኣይነበረን። ናጽነት ኤርትራ ከኣ ናይዚ ትብዓት፡ ጅግንነትን ጹረትን ውጽኢት እዩ። ድሕሪ ናጽነት መልክዑን ስሙን ቀይሩ፡ ብትሕዝቶ ግና ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ህግደፋዊ መከራ ወሪዱ። ናይቲ “ኤርትራ መሬትና እምበር ህዝባስ ኣየድልየናን” ኢሉ ዝጠለመ ሓይሊ መግዛእቲ ተግባር ፍሉጥ ነይሩ። ካብ ገዛእቲ ከኣ፡ ወጽዓ እምበር ራህዋ ኣይትጽበን። ኣብቲ እዋን እቲ ምርጫ ንጹር ነይሩ፡ ነቲ መግዛእቲ ብቓልሲ ምጉሓፉ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ብግብሪ ንካለኦት’ውን ኣብነት ብዝኾነ ደረጃ ኣረጋጊጽዎ።

ካብቲ “ናተይ“ እትብሎ፡ ከም ናይ ህግዲፍ ዝኣመሰለ ዝወርድ ዕሉል ወጽዓን ጥልመትን ግና፡ ህዝብና ከምዘይቅበሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ከም ዘስደምሞ ፍሉጥ እዩ። ከምቲ ወለድና “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝብልዎ፡ ካብቲ ናተይ እተብሎ፡ ባዕልኻ ናብ ስልጣን ዘብቃዕካዮን ብደም ደቅኻ ዝጠለለን ወገን ከምዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ መዓት ክወርደካ እንከሎ ግና፡ ትቃለሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ መዓንጣኻ ዘሕርር እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ህግዲፍ ንስዉኣት ደቆም፡ ከምቲ ንሳቶም ዝሓስብዎ ክብሪ ዝህቦም እንዳመሰሎም፡ ንህግዲፍ ምትንካፍ ማለት ደም ስዉኣት ምርኻስን ሕድሮም ምጥላምን እንዳመሰሎም ንህግዲፍ ዘይግበኦ ክብሪ ሂቦም ናብ ንቡር ክምለስ ተጸብየምዎ እዮም። ህግዲፍ ግና ሓንሳብ እቲ ናይ ጽቡቕ መሕሰቢኡ ስለ ዝመኸነን ንትዕግስትን ምጽማምን ህዝብና “ናይ ሕመቕ” ገይሩ ስለ ዝወሰዶ በቲ ቅድም ዘንቀዶ ጽሉል መንገዲ ይዕንድር ኣሎ። ሎሚ ግና ብዙሓት ስዉኣት ደቆም ከም ዝተጠልሙ ዝተረድኡ ኤርትራውያን  ደጊም “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይተኣምን ግና ተመለስ” ኢሎም ዓው ኢሎም ኣንጻር ህግዲፍ ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ቅድሚ ሕያሎ ዓመታት ዋላ ውሑዳት እንተነበርና፡ በቲ ሓደ ወገን ገበንን ግፍዕን ህግዲፍ ከነቃልዕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ድሕሪቲ ዘይተርፍ ውድቀት ህግዲፍ ዘለና ምርጫ ከነረድእ ጽዒርና ኢና። ኣብቲ ፈለማ ግዜ ህግዲፍ ጓህማም ክነሱ፡ ዝነክስ ኣስናን ዘለዎ መሲሉ ብምቕራቡ ንብዙሓት ኣጋግዩ እዩ። ሎሚ ግና እቲ ንነዊሕ ግዜ ዕረ ክነሱ፡ ብዘይምቅር መዓር ተቐቢኡ ክቐርብ ዝጸንሐ ባዶ መብጸዓታት ህግዲፍ፡ ርሑቕ ከይከድካ ብተግባሩ ተቓሊዑ እዩ። እነሆ ከኣ ከም ውጽኢቱ ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ “ህግዲፍ በል ከይትሕመል” ዝብሉ ዝነበሩ ቀራናቱ  ከይተረፉ፡ ግዜን ተመኩሮን መምሃራን እዮም እሞ፡ ንህግዲፍ ብዓሚቕ ጣዕሳ “ፎእ” ይብልዎ ኣለዉ።

ገበናት ህግዲፍ እንታይ ከም ዝነበረን ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘሎን በብኣጋጣሚኡ ብሰፊሑ ገሊጽናዮ ኢና። ብኣንጻሩ ነዚ ዘይቅዱስ ተግባራት ህግዲፍ ንምዕጻፍ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐን ዘሎን ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን ምስ ሰናይ ድኽመታቱ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ገሊጽናዮ ኢና። ኣብዚ ዛዕባዚ ዘይተፈንቀለ እምኒ የለን። ዝሓለፈ ተመኩሮና ኣብ ሎሚ ኮይና ክንመዝኖ እንከለና፡ ሓያሎይ ድኽመታት ከም እንረክብ ውሁብ እዩ። ነቲ ሕጽረታት ተረዲእና፡ ነቲ ዝኾነ ንድሕሪት ክንመልሶ ከምዘይንኽእል ከኣ ፍሉጥ እዩ። እቲ  ግጉይ ተመኩሮ ዳግማይ ከምዘይድገም ምግባር ግና ይከኣል እዩ። ስለዚ ኣብ ኩሉ ወድባዊ፡ ሰልፋውን  ጽላላውን   ጽፍሕታት ክሳብ ሕጂ ዝፈጸምናዮ ሕጽረት ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። እወ ዝገደፈልና ስንብራት ቀሊል ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና እዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመታትና፡ መምህር ስለ ዝኾነ ክንመሃረሉ እሞ ዳግማይ ከምዘይንስንብር ክንገብር ይግበኣና።

ካብ ተመኩሮና ንክንመሃር ካብቲ ዝጸናሕናዮ ወጺእና፡ ካብዚ ዘለናዮ ሕልኽልኽ ዘውጽእ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከነሕድር ኣለና። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብእኩብ ብደረጃ ሰልፊ፡ ውድብን ማሕበርን ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ሰባት በብዓቕሞም እውን ኣብ ምርግጋጹ ነናቶም ሓላፍነት ኣለዎም። ምኽንያቱ እዞም ዝጠቐስናዮም ኣካላት እኩብ ድምር ናይ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እዮም። ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ነብሱ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ዘየጥረየ ሰብ ሰልፉ ድዩ ውድቡ ኣብ ምሕዳስ ኣበርክቶ ኣይህልዎን እዩ። ተመኩሮና ተመሊስና ክንድህስስ እንከለና፡ ኣውንታን ኣሉታን ከም እንረክብ ንቡር እዩ። ኣብ መጻኢ ከነድምዕ ከኣ ነቲ ኣሉታ ከነወግድን ነቲ ኣውንታ ከነራጉድን ክንቃለስ ይግበኣና። ንድሕሪት ምምላስ ጸሊእና፡ ንተመኩሮና ኣብ ክንዲ ንመሃረሉ፡ መሊስና ከነነውሮን ክንጓስዮን እንተጺዒርና ግና ውጽኢትና መኽሰብ ዘየብሉ ናይ ዜሮ ድምር እዩ ክኸውን።

“ተመኩሮ መምህር እዩ” ዝብል ምሳልያዊ ጥቕሲ፡ ኣብዚ ከነካይዶ ዝጸናሕናን ዘለናን ቃልሲ ዓቢ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣስካሕካሒ ተመኩሮ ላምፓዱሳን፡ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ ነበርን ናይ ብሕቲ ሚድያ ጋዜጠኛታትን ኣዛራብቲ ዛዕባታት ኮይኖም ቀንዮም። ምውራስ ኣብያተ-ሕክምናን ትምህርት ካቶሉካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እውን ከምኡ። እቲ ቁምነገር ነቲ ዝሓለፈ ተግባራት ምኩምሳዕ ዘይኮነ፡ ዘይድገመሉ ብልሃት ምፍጣር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ተመኩሮና እንተዘይተማሂርና፡ እቲ ሎሚ መመሊሱ ዘስገድግደና ዘሎ ተግባር ህግዲፍ ናይ ምድጋም ዕድል ኣለዎ። 

October 5, 2019 Eritrea, Research & information

This research – provided by the European Asylum Support Office [EASO] – forms the background for EU countries, when drawing up policy on refugee and asylum cases. Below is their introduction and a link to the full report.

EASO publishes a Country of Origin Information (COI) report on Eritrea

  • 30th September 2019

Today, the European Asylum Support Office (EASO) published a Country of Origin Information (COI) report on Eritrea. The report provides updated information on selected topics (national service, exit from Eritrea, and treatment of returnees), relevant for international protection status determination. Between August 2018 and July 2019, more than 14 475 Eritrean applications were registered in the EU+ countries.1

This EASO COI report on Eritrea was drafted by the Swiss State Secretariat for Migration (SEM), Division Analysis. The report updates and expands on the EASO COI report on national service and illegal exit (in Eritrea) from 2016. It provides a brief overview of Eritrea’s latest political developments, in the period 2016-2019, including the rapprochement with Ethiopia, the legal framework in force, and the relevant human rights issues. For the same reference period, the report then focuses on three main topics: (1) structure and functioning of the national service; (2) legal and illegal exit from the country; (3) voluntary and forced return. Transversally to the above mentioned subjects, the report details forms of punishment and treatment of deserters, draft evaders, persons illegally exiting the country, and returnees. Besides relevant public and governmental sources, the report relies extensively on interviews with key informants and experts, which were mostly carried out in the period May-July 2019.

The report was peer reviewed by EASO and other COI researchers from the following national asylum authorities: Germany, Federal Office for Migration and Refugees (BAMF), Country Analysis; and Sweden, Swedish Migration Agency, Section for Information Analysis. The report was drafted and reviewed in accordance with EASO’s COI Report Methodology.

The report can be downloaded from the EASO COI portal.

Saturday, 05 October 2019 20:56

Radio Demtsi Harnnet Sweden 05.10.2019

Written by

ኤርትራውያን ብ4 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ጀነቫ፡ ነቶም ኣብ ሊቢያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዓጊቶም ዘለዉ ኤርትራውያንን ካለኦት ዜጋታትን ስደተኛታት ዝምልከት ስጉምቲ ንክውሰድ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብዚ ሰልፊ ክልተ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፡ ኣባላት ሓጋጊ ኣካል ስዊዘርላንድ ተሳቲፎም ነቲ ኤውሮጳ ማዕጾኣ ነቶም ኣብ ኣዝዩ ኣጨናቒ ኩነታት ዘለዉ ስደተኛታት ከይትዓጽዎን ምስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሊብያውያን ገበነኛታትን ከምኡ እውን ምስ ሊብያውያን ሓለፍቲ ዘለዋ ዝምድና ከተቋርጽን ዝጽውዕ ናይ ኤርትራውያን ሰልፊ  ዘይተገደብ ደገፎም ገሊጾም።

Eritrean Demonstration in Geneva Addressed by Swiss Politicians 1

ኣቶ ካርሎ ዞማሩጋ ፕረሲደንት ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኮሚሽን ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ኣብ ሃገራዊ ፓርላማ ስዊስ በርን ወይዘሮ ዮሰሊን ሃለር ኣብ ዝተሓደሰ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነጥፋን ኣባል ፓርላማን ንጸጋማዊ ምሕዝነት ጀነቫ  ዝውክላን ነቲ መልእኽቲ ፍትሒ ናይ ዝደልዩ ኤርትራውያን ናብ ላዕለዎት ወሰንቲ ኣካላት ስዊዘርላንድ  ከም ዘብጽሕዎ ቃል ኣትዮም።  

Eritrean Demonstration in Geneva Addressed by Swiss Politicians 2

እዞም ኤርትራውያን ሓያል ቃላት ዘለዎ 4 ገጻት ዝሓዘለ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣብ ሊቢያ እንተላይ ኣብቲ ውሕስነት ዘየብሉ መደበራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደላት ብምጥቃስ ንኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ወይዘሮ ሚቸለ ባቸለት ኣረኪቦም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እተን ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጀነቫ ኣኼባኡ ዘካይድ ዘሎ፡ ባይቶ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይቶም ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት ስጉምቲ ንክወስድ ክሓታሎም ጸዊዖም። እቲ መልእኽቲ ግዳያት ሊቢያ ምስ ሬሳታት ይነብሩ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ማሕበራዊ ሚድያታት ነቲ ዘሰቅቕ፡ ስቓይን ዓመጽን ዘርኢ ጭካነ ይዝርግሐኦ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።

እዞም ኤርትራውያን ሰልፈኛታት፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ስደተኛ ናይ ምጥያስ እስትራተጅአን ዳግመ-ርኢቶ ክገብራሉን ክቕይረኦን፡ ዝያዳ ብህጹጽ ድማ ነቲ ድሕሪቲ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ዘጋጠመ ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ተረኽቦ ላምፓዱሳ ጀሚረነኦ ዝነበራ ናይ ዳህሳስን ምድሓንን ስርሒት ክቕጽልኦ ጸዊዖም።

ተሳተፍቲ ናይዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኮይኖም ልዕሊ 300 ካብ ኣውራጃታት ጀርመን፡ ኢጣልያን ስዊዘርላንድን ዝመጹ ሰባት ነይሮም። ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ፈቨን ገደዎን ሓንቲ ካብቶም ነቲ ሰልፊ ብትግሃት ዝመርሕዎ ነይራ።

A demonstration organized in Geneva on Friday, 4 October, in support of Eritrean and other refugees and migrants stranded in dangerous Libya was addressed by two leading Swiss politicians who expressed “unreserved support” to the calls of the demonstrators on Europe to stop shutting its gates to people in distress and also cease complicity with traffickers, Libyan  criminal gangs, including the authorities.     

Eritrean Demonstration in Geneva Addressed by Swiss Politicians 1

Both Mr. Carlo Sommaruga, President of the Foreign Relations Commission for social democrats in the Swiss National Assembly in Bern, and Ms Jocelyn Haller, renowned  social justice activist and member of Parliament  representing the Left Alliance of Geneva, pledged to convey the message of Eritrean justice seekers to higher decision-making bodies in Switzerland.  

Eritrean Demonstration in Geneva Addressed by Swiss Politicians 2

The demonstrators handed over strongly-worded 4-page  letter to the UN Human Rights Commissioner, Ms Michele Bachelet, telling her the humanly intolerable conditions under which the refugees in Libya, including those in the insecure UNHCR camps, are living and urged the Commissioner to ask the UN Human Rights Council, currently in session in Geneva, to recommend an action at international level. The letter further revealed that the stranded refugees in Libya are living with “corpses” and that social media messages from the camps show profoundly distressing images of brutality including extreme forms of torture and rape.

They demonstrators asked European countries to review and change their resettlement strategies and, most urgently, to reactive the Search and Rescue Operations that were started soon after the Lampedusa tragedy of 3 October 2013 that claimed over 360 Eritrean lives.

Taking part in the quickly organized demonstration were over 300 persons, mostly young, who came from several regions of Germany, Italy and Swiss cantons. EPDP Central Council member Feven Gideon was among the most active leaders of the event.

3 ኦክተውበር 2019

ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኔታንያሁ Image copyright MENAHEM KAHANA

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ኔታንያሁ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ናብ እስራኤል ብምብጻሕ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ገሊጹ'ሎ።

ነታንያሁ ነዚ ዝገለጸ፡ ንጎስጓስ መረጻ ኣብ ዝተዘርገሐ ሓጺር ቪድዮ እዩ።

እቲ ቪድዮ ኣብ ወግዓዊ ፌስቡክ ናይቲ ነታንያሁ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድ ዝተጠቀዐ ኮይኑ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ምስ እትጉስጉስ ሓንቲ ንጥፍቲ ኣባል ናይቲ ፓርቲ እንትዘራረብ ዘርእይ እዩ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ናብ ኤርትራ ክጥረዝሉ ዝኽእሉ "ጽቡቕ ምህዞ" ብምቕራብ ክሕግዞ ከምዝኽእል ከምዝገለጸሉ እዩ ዝዛረብ።

"ኣብዪ ኣሕመድ ንወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን 'ምስ ኤርትራ ሰላም ከምዝፈጠርኩ ትፈልጥ ኢኻ። [ስደተኛታት] ብጽቡቕ ኩነታት ናብ ኤርትራ ክትመልሰሉ እትኽእል ዘበናዊ ውጥን ኣብ ምምጻእ ክሕግዘካ እኽእል እየ' ኢሉኒ" ይብል ኔታንያሁ።

እዚ ድማ፡ ንእስራኤል ቅድሚ ሕጂ ዘይነበራ ሓድሽ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ነታንያሁ ገሊጹ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ'ዚ ርእይቶ ንምርካብ ንጽዕር'ኳ እንተሃለና፡ ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።

ንገለ ትሕዝቶ ናይቲ ምስ ኣብዪ ዝገበሮ ዘተ ክገልጽ ከምዘይክእል ዝተዛረበ ነታንያሁ፡ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ንምጥራዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ከምዘረጋገጸሉ ግን ገሊጹ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 23 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣለዉ። ካብዚኦም፡ ብወግዒ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ እቶም 16 ሽሕ ምዃኖም ይግለጽ።

ሕቶ ዑቕበኦም ተቐባልነት ዝረኸበ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ተቓውሞ ዘጓነፎ ኮይኑ፡ 'እቶም ዝተቓወሙኒ ኤርትራውያን እዮም' ምባሉ ከዛራርብ ጸኒሑ እዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49917799

ብ2 ጥቅምቲ 2019 ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፡ ፈላምን ምትሕንፋጻውን ጕባኤኡ ኣካይዱ። ኣቦ መንበር ጨንፈር ሓው ጸጋይ ተስፋይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ብዛዕባ ንጥፈታት ሰልፊን ኵነታት ኤርትራውያንን ኣብ እስራኤል ኣመልኪቱ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቡ።

ብድሕር’ዚ፡ ሓው መብራህቱ ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ሓባራውን ጕባኤ ኣንቢቡ። ቀጺሊ ሓው ገብረሂወት መለስ ብክፍሊ ዜና ዝተዳለወ፡ ንራእን ግስጋሰን ሰልፍና ቅርጽታቱን ዝምልከት ሓተታ እናበበ መብርሂታት ሂቡሉ።

ኣብ መወዳእታ ሓው ጸጋይ ተስፋይ ብቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጕዳያት ዝተመሓላለፈ መምርሒ መብርሂታት ብምሃብ፡ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት 3 ቀወምትን 2 ተጣባበቕትን ዘለዉዋ መሪሕነት ጨንፈር ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጾም። ንሳቶም ከኣ፡-

  1. ሓው ኣድሓኖም ንጉሰ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር፤
  2. ሓው መድሃኔ ጠዓመ፡ ዋና ጽሓፊ
  3. ሓው ደስበለ ብርሃነ፡ ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ
  4. ሓው ፍስሃጽዮን ኣብርሃም፡ ተጠባባቒ
  5. ሓው ኣብርሃ ግርማይ፡ ተጠባባቒ
Thursday, 03 October 2019 20:51

Radio Demtsi Harnnet Kassel 03.10.2019

Written by