Saturday, 13 November 2021 18:36

Dimtsi Harnnet Sweden 13.11.2021

Written by

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እቲ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ግጉይ ዞናዊ ሕሳብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቐዲሙ ዝጀመረ እምበር፡ ሃንደበት ዝመጸ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ግጉይ ሕሳብ ናይቲ ጉጅለ ብብዙሕ መልክዓት ስለ ዝግለጽ ብዙሓት ወገናት ገበናቱ ካብ ምጽብጻብ “እንታይከ ቅኑዕ ኣለዎ” ብዝብል ክገልጽዎ እዩ ዝቐሎም። ሳዕቤናት ናይዚ ግጉይ ሕሳብ ኣብ እንዳ ኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘሎን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝተዘርበሉን ስለ ዝኾነ ኣብዚ ንምዝርዛሩ ግዜን ጉልበትን ምውሳድ ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኤርትራ ደሓን ኣላ” ዝብሉ እንተልዮም ንደሕንነትን ሰላምን ሃገር ኣብ ውሽጢ ብዝስማዕ ድምጺ ጥይት’ምበር ዶብ ሰጊሩ ዝሕምሶ ዘሎ ኩነታት ክርእዩ ዘይክእሉ ኢዮም።

ኣብ ታራ ማሕበራዊ ህይወት ሰላምን ርግኣትን ካብ ቤትካ እዩ ዝጅምር። ፖለቲካዊ ርግኣትን ቅኑዕ ምምሕዳርን ከኣ ካብ ሃገርካ ይጅምር። ከምዚ እናበለ ድማ ምስ ጐረቤት ሃገር ኮነ ዞባ ዝህልውካ ዝምድናታት ይስራዕ። ካብ ኣተሓሕዛ ስድራቤት ጀሚሩ ክሳብ ምምሕዳር ሃገር ደሓን ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ቅኑዕ ተዋሰኣይ ክኸውን ዘለዎ ዕድል ወይ ዕጽው እዩ ወይ ከኣ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ብዛዕባ ብሓደራ ዝተረከቦ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝሓንገደ ኣካል ኣብ ዞባዊ ምውሳእ’ውን ኣፍራሲ ከም ዝኸውን ውሁብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ድማ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብቲ “ይጸልዎን ይጸልወንን” ዝብሎ ዞባ  ካብኡ ዝሓሸ ምምሕዳር ከይረአ እሞ በሪኽካ ኣብ ምውጻእ ተወዳዲሩ ከይብለጽ ኩሉ ከምኡ ንክኸውን እዩ ዘራጊ ሓሳብ ዝውጥን። እዚ ግጉይ ሕሳቡ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ምስ ሰኣነ ከኣ፡ ህርፋኑ ብውግእን ዓመጽን ከስርጾ ይጽዕት። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዝኾነት ጐረቤት ሃገር ሓሓሊፍካ ምትኹታኽ ከኣ ካብዚ እዩ ዝነቅል።

ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምናልባት ቃለ ዓለም ኮይንዎም ዘይዛረቡ ይህልዉ ይኾኑ እምበር፡  ብጐረባብቲ ኤርትራ፡ “ደሓን እቶ” ዝብሎ ከምዘየብሉ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። እቲ ጉጅለ ምስ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ከም ኢጋድ፡  ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ነዘን ትካላት ዘቑማ ሃገራትን ዘለዎ ዝምድና ሓርፋፍን ሃሳስን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና እቲ ጉጅለ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብሰንኪ ግብሩ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘኽቲሙ ምጽንሑ፡ ከምቲ “ንመን ኣለዋ መን ኣላቶ ኣለዋ”  ዝበሃል፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትዕርራኹ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዝመረጾ ግጉይ ሕሳብ ኣቐሚጡ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ከም ዝበሃል፡ ብዘርኣዮ ፈዳሕዳሕ፡ ፈታዊ ህዝቢ፡ መራሕ ሰላም፡ ደላይ ሓድነት መሲሉ ቀሪቡ። እዚ ምናልባት ነቶም ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ክትሓልፎ ዝጸንሐት ሕማቕ ዘበን ዘይፈልጡ ኢትዮጵያውያን እምበር፡ ነቶም ኩነታት ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ዝወሓጠሎም ኣይነበረን። ሎሚ ናይ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ጠንቁ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን እዮም ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ይበዝሑ ኣለዉ። ምስ ህወሓት ትግራይ ፍልልይ ዝጸንሖም ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ “ካብ ኤርትራዊ ትግራዋይ ይቐርበኒ” ክብሉ ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። ዕድል ህግደፍ  ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ “ከይጸዋዕካዮ ዝመጸ ከይጸገበ ወጸ” ዝበሃል ክኸውንዩ ኢሎም ዝግምቱ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ዘእተወሉ ምኽንያታት ክገልጽ እንከሎ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኢሉ ተገዲዱ ከም ዝኣተዎ ኣምሲሉ ክገልጾ ጸኒሑ እዩ። ብሓቂ ግና ናይ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ዘቐንዝዎ እንተዝነብር፡ ሰላም ብገዛኻ ኢዩ ዝጅምር። ቅድሚ ናብ ካልእ ምምጥጣር በቲ ብሰንኪ ምምሕዳሩ ኣደዳ ስደት፡ ማእሰርትን ስቓይን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ሰላምን ራህዋን መምጽአ። እቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው ዝፈሓሶ ተንኮል ክፍታሕ እንከሎ ግና ብዘይካ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝመጾ ሕቶ ንምዝሓልን ስልጣኑ ንምንዋሕን በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ህልኽ፡ ዝኸሓነ ጽልእን ምፍዳይ ሕነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን እንተዘይኮይኑ ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ  ዝረብሕ ኣምር ኣይርከቦን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ትግራይ ኢትዮጵያ ብሰላም ናይ ምንባር ጽምእን ሃረርታን ነይርዎ። ነቲ ቅድሚ 4ተ ዓመታት ንሓጺር ግዜ ተፈጢሩ ዝነበረ ህሞት ብኸመይ  ከም ዝተቐበሎ ድማ ኣብ ምኽፋት ዶብ ብወገን ሰንዓፈን ዛላንበሳን ዝነበረ ኩነታት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኢሳያስሲ   ዝሓሰቦ ደኣ ኣለዎ ኣምበር፡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሰላም ዘይለገሰስ ሰላም ካብ ጐረቤት ከምጽኣልና ወጢኑ ኣይኮነን ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ዝጠርጠርዎ ከኣ እቲ ህዝቢ ዝሕጐሰሉን ዝጥቀመሉን ክርኢ እንከሎ “ዓይኑ ደም ዝሰርብ” ዲክታተር ነቲ ዶባት ዓጽይዎ። ወዮ ወረ ሰላም ክመላለሰሉ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ኣፍደገታት ኤርትራን ትግራይ ኢትዮጵያን ከኣ እነሆ ውግእን ወረ ውግእን ዝመላለሰሉ ጸልማት ኮይኑ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ግጉይ ዞባዊ ሕሳብ ነቒሉ ዝዋሰኣሉ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክውዳእ ዝነበረ ትጽቢት በዓል ኢሳያስ ወጺኡ፡ ኣበየናይ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ኣይኮነንዶ  ነዓና መንእሰያትና ዝሞትሉ ዘለዉ ንዓለም እውን ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።

ዕምቆት ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ”  ዝበሃል ኢዱ ከም ዝሓወሰ ተኣሚኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከይተረፈ ይዋጥየሉ ኣሎ። ኣብቲ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺመምዎ ዝበሃል ዘሎ፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ምቕታል ሲቪል፡ ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ እንዳበልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእን ምጽራይ ዘድልዮን ገበናት ብዙሕ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ይቕዘፉ ምህላዎም ምጽራይ ዘየድልዮ ሓደገኛ ሳዕቤን ናይቲ ግጉይ ሕሳብ እዩ። ኣብቲ ይጻረ ዝበህል ዘሎ እውን ከምቲ “ዓይንና ዘይርእዮ ልብና ግና ዘይስሕቶ” ዝበሃል፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘይእዉጅ ግንዛበ ኣለዎ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ብኣመራርሓ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ተበጺሑ ዘሎ ምፍሳስ ደም ዝተኸለ ዝምድና ኤርትራ ምስ ትግራይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ኢሉ እንተቐጺሉ ከኣ እቲ ሳዕቤን ብኽንድኡ ደረጃ ክዓርግ እዩ። እንተኾነ ሓንሳብ ተበላሽዩ እዩ ኢልካ ተስፋ ብምቑራጽ “ድላዮም ይግበርዎ” ዝበሃል ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ሃገርና ንምድቋስን ምስ ጎረባብታ ንዝነበረ ዝምድና ንምብልሻውን ዝተዓጥቀ ሰብ ኢዩ። ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ደለይቲ ፍትሒ፡ ዝተደርቖሰት ሃገር ከነሕዊ ንዝተበደለ ህዝቢ ክንክሕስ ንዝተበላሸወ ዝምድና ህዝብታት ናብ ንቡር ክንመልስ ግዴታና ስለዝኾነ ብሓላፍነት ክንሰርሓሉ ይህልወና።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብ12 ሕዳር 2021 ብመሰረት መፈጸሚ ትእዛዝ ቁጽሪ14046 ብመገዲ   ገንዘባዊ ትካል (ትረጀሪ) ናይታ ሃገር ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኤርትራ እገዳ ከም ዝወሰነ ነዚ ብዝምልከት ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም እገዳ ዝተወሰኖም ትካላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሐን (ህግደፍ) ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ)፡ ሕድሪ (ትራስት)ን ኮፖረሽን ቀይሕ ባሕር (ኮቀባ)ን እዮም። ካብ ሓለፍቲ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣብረሃ ካሳ ነማርያም ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታን ሓጐስ ገ/ህይወት ወልደኪዳን ሓላፊ ቁጠባ ህግደፍን እዮም። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘነጸሮ ጠንቂ ናይዚ እገዳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ወተሃደራዊ ጐንጽን ምዃኑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።.

እዚ ናይ እገዳ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ ህድኣትን ሓድነት ሃገርን ከይረጋገጽ ሸለልትነት ዘርኣዩ ዝተወስደ እዩ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኩሎም መሓዙታ ዞባውን ዓለም ለኻውን ህድኣት ምእንቲ ክረጋገጽ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ምቁራጽ ዝዓለመ ዘተ ክብጻሕ ትሰርሓ ኣላ።.

በቲ መግለጺ መሰረት ህላወ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰትን ቀጻሊ ንክኸውን ጠንቂ እዩ። መራሕቲ ሃገራት ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ እውን ተሓቢሩ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ብ17 መስከረም 2021 ዝኸተምዎ መፈጸሚ ትእዛዝ፡ ናብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘቕነዐ ከምዘይኮነ ከኣ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣሜሪካዊ ትካል ገንዘብ ሓላፊ ምቁጽጻር ናይ ወጻኢ ንብረት፡ ኣንደርያ ኤም ጋኪ ነቲ ኩነታት “ነቲ ቀጻሊ ተግባር ናይቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግህሰት ዝፈጸሙን፡ ንሓድነት ኢትዮጵያ ሸለል ዝበሉን ሰብኣዊ ግህሰት ዝፈጸሙን  ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ንኹንኖም”  ክብሉ ገሊጸምዎ። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ትካል ገንዘብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ኣሻሓት ዘሳቒ ዘሎ ዞባዊ ቅልውላው ንክናዋሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ኩሉ ዓቕሞምን ስጣኖም ከም ዝጥቀሙ ኣገንዚቦም።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናይቲ ጐንጺ ኣካላት ብዘይቅድመ ኩነት ናብ ዘተ ክቐርቡ ይግበኦም ኢሉ።  ካብዚ ሓሊፉ ኣሜሪካ ናብ ልዝብ ምእንቲ ክቐርቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተወሳኺ ስጉምታት ክትወስድ ድልውቲ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ጭቡጥ ነገር ከምዘየለ ኣስፊሩ

 

 

ሜጀር ጀነራል ዊሊያም ዛና

ሜጀር ጀነራል ዊሊያም ዛና

ኣብ ጁቡቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ሜጀር ጀነራል ዊልያም ዛና ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ እንተድኣ ኣትያ ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ክኽሰት ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝገዘፈ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝመርሕ ጀነራል ዊልያም፡ እቲ ሓደ ዓመት ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ኢትጵያ ኣብ መላእ እዚ ዞባ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ገሊጹ።

ሜጀር ጀነራል ዊልያም፡ "እቲ ዝዓበየ ስግኣተይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዝኾነ ዓይነት ነገር ኣብተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ጸጥተአንን ምርግገአአንን ጽልዋ ስለ ዝፈጥር'ዩ" ኢሉ።

እቲ ጀነራል፡ ኢትዮጵያ ብዘጋጥማ ዘይምርግጋእ ነቲ ኣብ ሶማልያ ኣዋፊራቶ ዘላ ሰራዊት እንተስሒባቶ፡ እተን ኣብ ሶማልያ ሰራዊተን ኣዋፊረን ዘለዋ ሓመሽተ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ በቲ ውሳነ ክጽለዋ ከም ዝኽእላ ኣብሪሁ።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሶማልያ ዘዋፈረቶ ሰራዊታ ከተውጽኦ እንተወሲና፡ "ናይቶም ሕሉፋት ዝኾኑ ኣኽረርቲ [ኣልሸባብ] ምንቅስቓስ ክዛይድ ይኽእል'ዩ" እውን ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ናይ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእ ነቲ ብሰንኪ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ሱዳንን ግብጽን ዘለዋ ምስሕሓብን ነቲ ብሰንኪ ዶብ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዘይምርድዳእን ናብ ካልእ ኣስጋኢ ኣንፈት ክወስዶ ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ጀነራል ዊልያም ዛና፡ ቅልውላው ኢትዮጵያ እናዛየደ ኣብ ዝኸደሉ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሰ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዳ ይኽእላ'የን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ'ውን ኣይሓበአን።

"ስግኣተይ፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ቅልውላው፡ ነቲ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምስ ግብጽን ሱዳንን፡ ከምኡ'ውን ምስ ሱዳን ዘለዋ ናይ ዶባት ጸገማት ንምፍታሕ ዝጀመረቶ ልዝብ ኣብ መዕለቢኡ ከተብጽሖ ምስ ዘይትኽእል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጸገማታ ኣቶኵራ እንከላ፡ ሱዳንን ግብጽን ተሪር ዝኾነ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን መጥቃዕቲ ክፍንዋላ ይኽእላ'የን ዝብል እዩ" ኢሉ።

ኣዲስ ኣበባ ብሓይልታት ትግራይ ምስ ትተሓዝ፡ ተራ እቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ሓይሊ ኣመሪካ እንታይ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ጀነራል ዊልያም፡ ኣብ ጁቡቲ ዝርከብ ናይ ኣመሪካ ሰራዊት ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ቅልውላው ምስ ዝፍጠር መልሲ ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ።

ጀነራል ዊልያም፡ ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ኣመሪካውያንን ናይ ካልእ ሃገር ዜጋታትን ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምውጻእን ኣድላዩ ደገፋት ንምግባርን ዝርዝራዊ ውጥን ከም ዘውጽኡን ምድላዋት ከም ዝገበሩን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

Source: Bloomberg

BY JAMES STAVRIDIS• BLOOMBERG OPINION • NOVEMBER 11, 2021 

Few Americans know much about Ethiopia. Yet it is the second largest country in Africa in terms of population, has been an independent country for centuries, and the capital, Addis Ababa, serves as the headquarters of the African Union. When I was military commander of the North Atlantic Treaty Organization, we had a strong partnership with the African Union, focused on combating piracy off the eastern coast of the continent.

Unfortunately, the nation of 115 million is now in the grips of a vicious rebellion that resembles the fighting in the Balkans of the 1990s — racial and ethnic divisions, atrocities on both sides including ethnic cleansing and gang rapes, armies fighting over territorial control, millions of refugees.

A few years ago, when Prime Minister Abiy Ahmed won the Nobel Peace Prize for settling a long-running war with Eritrea, it looked like Ethiopia had a bright future. But over the past year, thousands have been killed in a revolt in Tigray Province and by the government's efforts to suppress it. It is not yet a full civil war, one engulfing the entire population. But the combined military forces of the rebel groups are within a few of hundred miles of Addis Ababa, and the prime minister has called on all males to prepare for combat.

What are the U.S. interests in this conflict, and what should Washington be doing about it?

First, Ethiopia matters because of its size and potential. It occupies a huge landmass — more than 1.5 times the size of Texas — in the heart of the Horn of Africa. While landlocked, it is the economic and political center of the strategically important northeast coast of Africa. Addis Ababa is the diplomatic capital of Africa, hosting the United Nations Economic Commission for Africa as well as the African Union and large missions from other nations on the continent.

Second, Ethiopia is central to overall politics and security on the continent. I discussed this with a former U.S. ambassador to the African Union, Reuben Brigity, who said: "Ethiopia's stability affects the entire region, from oil-rich South Sudan to the commercial hub of Kenya. Instability in Ethiopia will impact myriad U.S. interests in the region and beyond — from counterterrorism and trade to countering China and promoting democracy."

East Africa and the Sahel region have become breeding grounds for terrorist groups, and President Donald Trump's administration withdrew most U.S. troops from training and security missions there.

Third, we are seeing a huge humanitarian crisis unfolding. The United Nations projects mass refugee movements, greater atrocities and a high level of hunger if a full civil war breaks out. Dr. Michelle Bachelet, the UN high commissioner for human rights, said, "Nobody is winning this reckless war which is engulfing increasing parts of the country."

Finally, there is a large, activist Ethiopian population in the U.S.; many of those immigrants remain closely connected with family and friends in their homeland. Hence the large demonstrations lately in the Washington metropolitan area, which hosts an Ethiopian population estimated at 75,000 to 200,000 people.

For all these reasons, the U.S. has a strong national interest in helping with the crisis. The problem — much like in the Balkans in the 1990s — is the longstanding antipathies in the country. The heart of the opposition to the federal government is the Tigrayan People's Liberation Front, which has cobbled together a coalition of other disenfranchised minorities and is marching on the capital. Large numbers of the Oromo and the Amhara peoples, along with smaller ethnic groups, have joined the antigovernment coalition.

The first step is negotiating a cease-fire leading to talks between the sides. International mediation efforts, led by former Nigerian President Olusegun Obasanjo under the aegis of the African Union, are attempting to create the conditions for pause in the fighting. U.S. diplomatic efforts are being led by special envoy Jeffrey Feltman, a highly regarded diplomat I've known for a decade — he's a fellow graduate of the Fletcher School of Law and Diplomacy at Tufts, where I served as dean — and he's a good choice for the job.

Washington needs to give Feltman freedom to use carrots and sticks: continuing to sanction the Ethiopian government for its human rights violations, while proffering aid and other assistance to the civilian population as an incentive for a cease-fire. Ethiopia should be considered for a new initiative by President Joe Biden's administration and Johnson & Johnson to rush doses of COVID-19 vaccine into conflict zones.

The U.S. should also be willing to participate in a UN-led peacekeeping effort to separate the warring parties, and use its logistical capabilities to ensure that aid can flow to every area. The military's U.S. Africa Command has deep knowledge of the region and the Ethiopians, and could help in structuring such a peacekeeping force.

Sending troops to East Africa may not play well in U.S. domestic politics. But three decades ago, the world stood by and watched a brutal civil war unfold in the small African nation of Rwanda. That was shameful. Ethiopia is far larger and more geopolitically important than Rwanda, and Africa is now the fastest-growing continent — it may flourish, or it could collapse into political chaos, starvation and terrorism. As the U.S. and its allies forge a strategy to engage the continent as whole, helping end Ethiopia's misery now makes a lot of sense.

This column does not necessarily reflect the opinion of the editorial board or Bloomberg LP and its owners.

James Stavridis is a Bloomberg Opinion columnist. He is a retired U.S. Navy admiral and former supreme allied commander of NATO, and dean emeritus of the Fletcher School of Law and Diplomacy at Tufts University. He is also chair of the board of the Rockefeller Foundation and vice chairman of Global Affairs at the Carlyle Group. His latest book is "2034: A Novel of the Next World War."

Martin Plaut | November 12, 2021 at 7:52 am | Tags: Tigray war, US Troops | Categories: Africa, Eritrea, Ethiopia, Horn of Africa | URL: https://wp.me/p1OD48-5hF

AFRICAERITREAETHIOPIAHORN OF AFRICA

Date: 12/11/2021

It is easy to forget just how critical the role of President Isaias Afwerki has been in the war on Tigray.

This is not surprising: he says nothing and allows no independent journalist to report from Eritrea. We have little clear understanding of how many troops Eritrea has in the war, and only sad references to the deaths of young men and women in large numbers.

Yet his role has been critical – with Eritrean troops still holding large parts of Tigray’s northern border and western Tigray along the border with Sudan.

Key points to remember:

  1. There was a lengthy buildup to the Tigray war, which has been clearly documented, as the relationship between President Isaias and Prime Minister Abiy grew. You can find a timeline of this here.
  2. President Isaias hated Tigray for years: his motivation is little understood, but has been traced here.
  3. President Isaias laid out his war aims to his senior military leaders and political colleagues prior to the war. You can find this here.
  4. He planned for a possible federation with Ethiopia. You can find this here.

Ignoring this buildup to the war and the Eritrean war aims skews the understanding of how and why the war began.

Martin

Thursday, 11 November 2021 21:45

Dimtsi Harnnet Kassel 11.11.2021

Written by

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ሽማግለ ዞባ

ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ኣሰናዳኢትን ሓጻዪትን ኮሚቴ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳን ዕዱማት ኣጋይሽን

መደረይ ንኽልቲኡ ጾታታት ዝምለከት ኢዩ።

ኣቐዲመ፡ ምውቕ ሃገራዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም። ቀጺለ፡ ኣብ 5ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ንክሳተፍ ብኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ኮሚቴ ዝተገብረለይ ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ መሪሕነት ዞባ ኣውሮጳን ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለን፡ ነዚ ጉባኤ’ዚ ዕዉት ንክኸውን ዝገበርዎ ጻዕርታት ዘሎኒ ናእዳን መጐስን ክገልጽ እፈቱ።

5ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓለምና ዝተኸስተ ቀዛፊ ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ’ቲ ልሙድ ኣገባብና ግዚኡ ኣሕሊፉን ኣብ ክንዲ ብኣካል ብሳይበር ተክኖሎጂ ይካየድ ምህላዉን ፍልይ ዝበለ ተመኩሮ ይገብሮ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተፈለዩና ኣሓትን ኣሕዋትን  መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ንቤተ-ሰቦምን መቓልስቶምን ድማ ጽንዓት ይሃበና ብምባል ኣብ’ቲ ንሎሚ ኣዳልየዮ ዘለኹ መግለጺ ክሰግር።

ክቡራትን ክቡራንን

ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ብሓደ ሸነኽ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ኣብ ዝተኸስተሉ፥ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ ከምክን ዝኽእል ሓያልን ንጡፍን ኤርትራዊ ምጥርናፍ ኣብ ዝበዀረሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ወቕቲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣንቶንዮ ግራሚቺ ዝተባህለ ኣባል ኮሚኒስት ፓርቲ ጣልያን ዝነበረ ውሩይ ተቓላሳይ፡ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ ቅልውላው ኢዩ ዝብሎ። ቅልውላው ብኣገላልጻኡ፡  “እቲ ኣረጊት ናብ ሞት ገጹ ክገማገም እንከሎን እቲ ሓድሽ (ወይ ተካኢ) ከኣ ከይተወልደ ክተርፍ እንከሎ ዘጋጥም ኢዩ ይብል። ኣስዒቡ፡ መፍትሒ ቅልውላው፡ ለውጢ ምምጻእ ምዃኑ ይሕብር።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝሕመሰሉ፥ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ህልቂት፡ ምፍንቓል፡ ስደት፡ ጥሜትን ሕማምን ኣብ ዝዀነሉ፥ ብፍላይ  ከኣ፡ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ዝቐዘፈሉን ንማሕበራዊ ዝምድናታትን ቍጠባዊ ትሕዝቶን ኣህዛብ ዓለም ዘዛብዕ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ክስተት ኣብ ዝሰፈነሉን ወቕቲ ኢዩ ጉባኤኹም ዝካየድ ዘሎ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና እቲ ናይ 60ታትን 70ታትን ንቑሕን ተቓላሳይን ወለዶ እናሸምገለን ኣበርክቶኡ ድማ እናነከየን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ዝትክኡ፡ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተዓጥቁ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከነፍሪ እንተዘይክኢልና ኣብ ቀጻሊ ናይ ቅልውላው ዕንክሊል ክንኣቱ ምዃና ክሰሓት ወይ ክዝንጋዕ የብሉን። ስለ’ዚ ከነረጋግጾ እንደሊ ዘለና ለውጢ ብሓደ ሸነኽ ንምልካዊ ስርዓት ምውዳቕ፥ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈኖ ናይ ምስግጋር መድረኽ ምጥጣሕ ስለዝዀነ፡ ነዚ ዝበቕዑ መንእሰያት ንምድላው ኣበርቲዕካ ክስርሓሉ ዘለዎ ዕላማ ክኸውን ይግባእ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኤርትራ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅውላው ንምንጋፋ ከም’ቲ ኣንቶንዮ ግራምቺ ዝበሎ ለውጢ የድሊ ኣሎ። እዚ ለውጢ’ዚ ከኣ፥ ብተሳትፎ ናይ ህዝቢ ኢዩ ዝመጽእ። ህዝቢ ለውጢ ከምጽእ እንተደኣኰይኑ፡ ዝመርሖን ዝውድቦን ኣካል የድልዮ። ግፍዕን ጭቆናን ዝመረሮም መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደገፍቲ ነበርን ተቓወምትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡  ተላዒሎም፡ “ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን” ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ድማ ሕድገታት ብምግባር ፍልልያቶም ከጻብቡን ማዕረ’ቲ መድረኽ ዝጠልቦም ዘሎ ደረጃ ብምዃን ናይ ምምራሕ ተራኦም ክጻወቱን ኢዮም ዝጥለቡ ዘለዉ። ነዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና፡ ነቲ ሃጓፍ ዝዀነ ይኹን ተወዲቡ ዝጸንሐ ሓይሊ ክመልኦ ናይ ግድን ኢዩ። ካብ’ዚ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ዕልዋ እንወስዶ ኣስተምህሮ ድማ፡ ኣብ’ቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምክፍፋል እንተደኣ ተፈጢሩ፡ እቲ ዝተወደበ ናይ ሰራዊት ሓይሊ ነቲ ምክፍፋል መዝሚዙ ነቲ ቃልሲ ክጨውዮ ከምዝኽእል ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝደፍኣሉ ዘሎ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ዝሰማምዓሎም መሰረታውያን ዕላማታት ንምዕዋት ንዅሎም ፖለቲካውን ሲቪላውን ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝሓቍፍ ወይ ዘሳትፍ ጽላል ምቛም መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

ብወገና፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ምክልኻል፡ ንምልካዊ ስርዓት ምእላይ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብላ ነጥብታት ንምቛም ሓባራዊ ጽላል ከበግሳና ይኽእላ ኢየን ዝብል እምነት ኣሎና። ካልእ ዝጐደለ ኵልና ንሰማማዓሉ ዕላማ እንተልዩ እውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንዞባዊ ጕባኤናን ካብ’ዚ ጕባኤ ንእትምረጽ መሪሕነትን ዓወት እምነየሎም።

የቐንየለይ

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና

ዓወት ንህዝባውን ፍትሓውን ቃልሲ

ውድቀት ንምልኪ

30 ጥቅምቲ 2021

ክቡራትን ክቡራንን

ኣቦ መንበርን ኣባላትን መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ፤

ኣቦ መንበርን ኣባላትን ኣሰናዳኢት ሽማግለ፤

ኣባላት መሪሕነት ሰዲህኤ፣ ኣባላት ጉባኤን ዕዱማትን፤

 ኣብዚ ካብ ዓመትን ፈረቓን ንላዕሊ ብኣካል ምርኻብ ዝኸለከልና ቀታሊ ሕማም ለበዳ ኮቪድ19፡ ብካልእ ስልቲ፡ ብናይ ማዕዶ/ ቨርቹዋል መራኸቢ፡ ጉባኤኹም ምስልሳል ምብቃዕኩም ዮሃና እብል። ነቶም እዚ ሕማም ዝቐዘፎም መንግስተ ሰማያት፡ ነቶም ስንክልና ዝገደፈሎም ከኣ ምሉእ ምሕረት እናተመነኹ፡ ወዲ ሰብ ነዚ ሓደገኛ ሓማም ክስዕሮ እትስፎ። ኣብ ክሊ’ዚ ኩነታት እተካይድዎ ዘለኹም ጉባኤ እምበኣር፡ ከምቲ ንምድላዉ ዝተዓወትኩምሉ ንምዝዛሙ ከኣ ዓወታት ከሰንዮ እናተመነኹ ብስም ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምታይ አመሓላልፍ።

ክብራትን ክቡራንን

ዞባዊ ጉባኤ ኤውሮጳ ጉባኤ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን

  • ሃገርና ድሕሪ 30 ዓመት እዋን ናጽነት፡ ጌና ኣብቲ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት እናተዳህከት፡ ልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ እናወደቐ፡ ኣብ ናይ ወጻኢን ጉርብትናውን ጉዳያት ከኣ ሓደገኛ ኢደ ጣልቃነት እናተጋህደ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እዩ።
  • ብዘይካ’ዚ፡ ዞባና ኣብ ናይ ኣጥፊኣካ ምጥፋእ ውግእን ዘይቅሱን ኩነታትን ይርከብ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተባርዐ ኣዕናዊ ኲናት ድሮ ዓመት ወሲዱ ኣሎ። ሕጂ፡ እዚ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፈርን ከምኡ’ውን ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ልሒሙ፡ መወዳእታኡ ንምግምጋም ብዘሽግር ናይ ጥፍኣትን ህልቂትን፡ ናይ ጥሜትን ዓጸቦን ኩነታት ዓብሊልዎ ይጐዓዝ ኣሎ።
  • ኣብ ሱዳን፡ እቲ ብ2019 ዮሃና ዝበልናዮ፡ መስርሕ ምሕዝነትን ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኪቑጸን ናብ ሓድሽ ህልቂታዊ ምስሕሓብ ክዝንብልን ይርአ ኣሎ። እቲ ዘይምቅዳው ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን ሓይልታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ዓሌታዊ መልክዕ ዝሓዘ ግርጭታት’ውን የንጸላልዎ ኣሎ። ግምጠላ መንግስቲ፡ ምእሳር ኣካላት መንግስቲ፡ ቅትለታት ኣብ ርእሲ ምግሃዱ፡ ርእሰ ከተማ ኻርቱምን ካልኦትን ኣብ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣለዋ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳን ዝተወልዐ ናይ ዶብ ጐንጺ ጌና ኣብ ፍታሕ ዘይበጽሐ ኣሎ።
  • ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ስልጣኑ ንምቕጻል ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ፡ ግዳማዊ ጸላእቲ ብምፍጣር ንሰራዊት ኤርትራ፡ ናብ ዘይናቶም ኩናት ከም ዝጽመዱ ምግባር’ዩ ጸኒሑ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ናብቲ ንሱን መሻርኽቱን ዝፈጠርዎ ውግእ ከም ዝድቕደቁ ብምግባር፡ ኣብ ገበናት ክሳተፉ ጥራይ ዘይኰነ ግዳያት ዘይቅኑዕ ውግእ ከም ዝዀኑ ገይሩዎም ኣሎ። ናይ መበል 21 ክፍለ ዘመን ሓድሽ ወለዶ፡ ኣብ በረኻታትን ስንጭሮታትን ኢትዮጵያ፡ ንሞትን ንመውጋእትን፡ ተቓሊዖም ኣለዉ። ካብ ሞት ዝተረፉ ከኣ  ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ነባሪ ኣካላውን ኣእሞራውን ስንክልና ሒዞም ጥEወር ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ኩሉ ብዘይካቲ ጨካን ድሌት ውልቀ መላኺ ምርካእ ረህባስ ይትረፍ ካልእ ትርጉም’ውን የብሉን።   
  • ብዛይካ’ዞም ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ከባቢና ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ንሕቶታት ርግኣትን ሰላምን ብዝምልከት መላእ ዓለም ክከታተሎ ዝርከብ ዓበይቲ ምዕባሌታት ኣሎ። ናይ ሚለንየም ዳም ምስሕሓብ፡ ናይ የመን ፖሊቲካዊ ኩነታትን ኣሕላቒ ውግኣትን፡ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማን ኩነታት፡  ነቲ ዞባ ብመላኡ  ኣብ ሕልኽልኽን ዘይምርድዳእን፡ ተኸታታሊ ክሳራታትን ኣእቲዩዎ ኣሎ።  

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጉባኤ፡

ንሕና ከም ሃገር ኰነ ከም ሰልፊ፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ኩሉ ምዕባሌታት ኢና ዘሎና።  ነቶም አብ ውሽጡ ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነ ከኣ ንኣህጉራዊ ፖሊቲካ ስሒቡ ዘሎ ምዕባሌታት እዩ። ዓበይቲ ተወዳደርቲ ሃገራት ከይተረፈ ዝሰሓሓባሉ ተርእዮታት ከይኑስ፡ ናይ ማዕዶ ውግኣት ክበሃል ብዝኽእል ዝተኣታተዋሉ ዘለዋ ኣብነታት ኣሎ’ዩ። ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ናብ መወዳእታኡ ዘይንጹር  ናይ ምድኻም ውግኣት (war of attrition) ይቕየር ኣሎ ዝብሉ ሸነኻት ውሑዳት ኣይኰኑን። ንሕና ከም ኤርትራውያን፡  ኣብ ውሽጢ’ዚ  ሕልኽልኽ ዝበለ ኩነታት ክንዋሳእ ከሎና፡ በቲ ምዕባሌታት ብቐጥታ ንጽሎ። ብዛዕባኡ ንጹር መርገጽ ሒዝና፡ ክንጐዓዝ ድማ የድልየና። ኣብዚ መዳይ’ዚ  ናይ ኤርትራ ፖሊቲካዊ ሓይልታት፡ ውሁድ መርገጽ ሒዙ ይጐዓዝ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ዝተፈላለየ ምርገጻት ሒዙ’ዩ ክጐዓዝ ጸኒሑ። ሰልፍና  ነዚ ብዝምልከት ምስ እዉጅ መስመሩ ዘሳኒ  መርገጻቱ ብንጹር ኣብርሁ ኣሎ። እቲ መርገጻት ብዘተ ማዕቢሉ፡ ናይ መላእ ደምበ ተቓውሞ ሓፈሻዊ መረዳድኢ መርገጽ ንክኸውን ከኣ ክጽዓረሉ ጸኒሑ። 

ኣዋጃት ማእከላይ ባይቶ ከም ዘብርሆ፡

  • ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ውግእ ኣዕናዊ ምዃኑ፣ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ዝተኽተሎ ግጉይ ፖሊሲ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሃልቅሉ ዘለዉ ምዃኑ፤
  • ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ንረብሓኡ ዘየገልግል፡ ምስ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ብምሽራኽ፡ እቲ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ብትሪ ክቃወሞን፡ ኣብ ጎኒ እቶም ንሓርነቱን ንፍትሒን ዝቃለሱ ዘለዉ ሃገራውያን ሓይልታቱ ደው ክብልን፤
  • ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ብሓፈሻ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ክዅነኑ፤
  • ኣብዚ ውግእ’ዚ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት፡ ብሻራ ዘይብሉ ኣካል ክምርመሩን ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ብዕቱብነት ክሰርሕሉ፤
  • ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ጥሜት ሓደጋ ንምግታእ ገደብ ዘይብሉ ናይ ረዲኤት ስርሓት ክካየድን ኣገልግሎታት ክጅመርን፤
  • ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግኣት ደው ንምባል፡ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ ጥራሕ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ዞባ ኤውሮጳ፡ ኣብዚ ፖሊሲ ናይ ሰልፊ ተመርኲሱ፡ ነዚ ኣዕናዊ ኲናት ዝኹንን ሰላማዊ ስልፍታት፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ስጉምታትን ናይ ኤርትራ ምትእትታውን ዝጻረር ምሕዝነታዊ መርገጻት ከም ዘንጸባረቐ፡ ጸብጻባት በጺሑና እዩ። እዚ ጉባኤኹም ከኣ ከምዚ ንዝበለ ንጥፈታት ብምድጋፍ፡ ናይ ሰልፊ መርገጽ ብዝያዳ ከተንጸባርቑ ዘሎና እምነት ልዑል እዩ። 

ክቡራትን ክቡራንን ጉባኤኛታት

ኣብ መዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ድሕር’ቲ ብ2019 ዘተኻየደ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ፡ ዓቢ ክፋል ናይ ኣትኩሮና ተዋሂብዎ ምጽንሑ፡ ብደረጃ መሪሕነት ኣብያተ ጽሕፈትናን ዞባታትናን ዝተዋሳኣናሉ መዳይ ምዃኑ፡ ኩልና ክንከታተሎ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ጉባኤ ብዝተዋህበና ሓላፍነት፡ ከም ሰልፊ ኩሉ ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝዀነ ሓይልታት ንምጥርናፍ ዘካየድናዮ ንጥፈታት ኣዝዩ ዝምስገን እዩ።  ኣብ ጉዕዞ ድሕሪ ስምምዕ ለንደን፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ምውህሃዳዊ መድረኽ ምጅማሩን፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላውን  ኣወንታዊ እዩ። እንተወሓደ ነቲ ናይ ሓድሕድ ምትፍናንን ምንጽጻግን ወጊዱ፡ ናብ ልዝባት ክንኣቱ ኣብቂዑና። ግን እቲ ዝበሃግናዮ ኩሉ ረኺብናዮ ማለት ኣይኰነን። ክንዛነ ዕድል ብዘይህብ ጻዕርታትና ክንቅጽል የድልየና። ከም’ዚ እንከሎ ግን ማዕረ’ቲ ዝተጸበናዮ ኣይኹን’ምበር፡ ኩልና እቶም ንፍትሒ እንቃለስ መምስ ርእይቶና እንከሎና ምክብባርን ምጽውዋርን  ከነስተናግድ በቒዕና ኢና። ሕጂ ናብ ሳልሳይ 6 ወርሒ ናይ ምውህሃዳዊ መድረኽ ኣቲና ኣሎና። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሰፊሕ ኩሉ ሓቆፍ ኤርትራዊ ጸረ ምልካዊ ጽላል ንምፍጣር ዘኽእል መጽናዕታት ተዳሊዩ ኣሎ።  ንሕና ከም ሰልፊ ካብ መድረኽ ምውህሃድ ሰጊርና፡ ነዚ መጽናዕታት ኣጽዲቕና፡ ሰፊሕ ጽላል ናብ ምፍጣር ንበገስ ዝብል ርእይቶ ኣሎና።  ንኹለን መሻርኽቲ ሓይልታት’ውን እዚ ርእይቶና ኣቕሪብና ኢና። ማእከላይ ባይቶ ብዘጽደቖ መሰረት ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት ናብ ምድላዉ ክንኣቱ ብወገንና ወዲእና ኣሎና። ግን ‘ብሓደ ኢድ ኣይጣቓዕን’ ከም ዝበሃል፡ መሻርኽትና ዘይወድእዎ ጉዳያት ተረኺቡ ብምህላው እቲ መስርሕ ጌና  ኣብ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት፡ ኣውራ ድማ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዝተፈላለየ መርገጻት ብምንጽብራቑ ነቲ ሓባራዊ ዕዮ ኣዳኺምዎ። ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ መስርሕ ህንጸት ምትእምማን (Process of trust building) እውን ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ። ንሕና ነቲ ኩሉ ህዝብና ዝደልዮ፡ ኩሎም ፈተውትና ዝጽውዕዎ፡ ኩሉ ተቓዋማይ ድማ ዝጭርሓሉ፡ ስሙር ዕዮ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገጽ ኣይክንደክምን ኢና። ንእሽቶ ቁልዒ ናይ ምትሕባባር እውን እንተዀነት ከነጉህራን ናብ ሃልሃልታ ስምረት ከነማዕብላን ክንጽዕር ኢና።

በቲ ካልእ መዳይ ጉዳይ ሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን፡ ነተን ኣብ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ጥራይ ተጸሚደን  ዘለዋ ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን። እቲ ቃልሲ ናይ ኩሎም ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ሓይልታት እዩ። ስለ’ዚ ቀጻሊ ዘተ ብምክያድ፡ ሓደ ሸለል ዘይበሃል፣ ተረጊጹ ዘይሕለፍ፣ ሓባራዊ ድምጺ ኤርትራውያን ዘቃልሕን መሰላት ኤርትራውያን ዝሕሉን፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምምስራት ተደላይነቱ ህጹጽን ዕዙዝን እዩ።  በዚ መሰረት  መሪሕነታት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ምስ መሪሕነት ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን (ዓምይኤ) ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ልዝብ ጸኒሑ። ሕጂ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 መዘክር መርድዳእን ስምምዕን  ክኽትም በቒዑ ኣሎ።  እቲ ስምምዕ  ብምውህሃድን ናይ ጽምዶ ስራሓትን ጀሚሩ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ሓይሊ ወይ ጽላል  ምምስራት ዘማዕዱ ስምምዕ እዩ።  ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ምስ ዓምይኤ ሓባራዊ ዕዮ ብተግባር ክጅምር ዓቢ ትጽቢት ኣሎ።     

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣባላት ጉባኤ

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓበይቲ ሃገራውን ከባቢያውን ኩነታት ከም ሰልፊ ዝምልከተናን፡ ብቐረባ እንሰርሓሉ ዘሎናን ጉዳይ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍና ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ኣብ’ዚ ዓበይቲ ጉዳያት ኣገዳሲ ብቑዕ ተራ ዝህልወና ግን፡ መጀምርታን ልዕሊ ኩሉን፡ ንሕና ምስ እንህሉ እዩ። ምስ ህላዌና ዝመጣጠን፡ ስጡምን ብቑዕን ሰልፊ ምስ እንሃንጽ እዩ። እንተዘይሃሊና ወይ እንተደኺምና ማዕረኡ ተራና ይህሰ። በዚ መሰረት ሰልፍና ምህናጽን ምዕባዩን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ጠጠው ኣይብልን’ዩ። ብዝተነጸረ፡ ካልእ ምንቅስቓሳት ንህንጻ ሰልፍና ኣይትክኦን እዩ።  እዚ ማለት፡ ኣብ ጥዑምን ህዱእን ኩነታት ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ።  ኣብ ጽንኩር፡ መሪርን፡ ዝተሓላለኸን ኩነታት እውን ህንጸት ሰልፊ ህያው እዩ። እቲ ሰልፊ ብቑዕ ዝኸውን ከኣ፡ ንጹር ራእይ ዝወነነ፡ ውሽጣዊ ሓድነቱ ዝሓለወ፡ ኣብ ግዜ ህቦብላን ዘይርጉእ ንፋስን ዘይነቓነቕ፡ ምስ ዝኸውን እዩ። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ንዝምድናታቱ ዝጠምር ሕግታት ዘለዎ፡ ኣብ ግዜኡ ጉባኤታቱ ዘካየድ፡ኣብ እዋኑ ምቅይያር መሪሕነታቱ ዘዘውትር፡ ምልኣት ተሳትፎ  ሕብረተሰባዊ ክፍልታትና ዘረጋግጽ ሰልፊ ክኸውን የድልዮ። ኣውራ ከኣ ነዚ ኩሉ ብግቡእ ዝርዳእ ንቑሕ፡ ሓያልን ውፉይን ኣባል ዘለዎ ሰልፊ ምስ ዝኸውን እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣባል ዘለዎ ሰልፊ፡ ንዲሞክራስያን ግዝኣተ ሕጊን ዕጥቁ ስለ ዝገብሮም፡ ሕማቕ ኩነታትን ፈተነታትን እንተጋጠመ’ውን፡ ነቲ ፈተነ ሰጊሩ ዝቕጽል ዘይሰዓር ወይ ዘይሓቅቕ ሰልፊ’ዩ ዝኸውን።

ዞባ ኤውሮጳ እምበኣር፡ ብተረድኦይ ዓቢ ተልእኾ ተሰኪሙ እዩ ጉባኤኡ ዘካይድ ዘሎ። ጉባኤኹም ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ሰዲህኤ እዩ። ምዕዋቱ ከኣ ናይ ሰልፊ ዓወት’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ እውን ዓቢ ናይ ዓወት መቓልሕ ክሰድድ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ሰዲህኤ ኤውሮጳ፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰልፍና ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ደምበ ተቓውሞ ምዕሩግ ቦታ ከም ዝሕዝ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ።   ኣብቲ መሪር ኩነታት ናይ ሰልፊ ጾር ክስከሙ ዝበቕዑ ኣባላትን ጨናፍርን ነይሮሞ። ሕጂ’ውን እዚ ምዕሩግ ቦታ’ዚ ክሕደስን ብዝለዓለ ንጥፈት ግቡእ ሰፈሩ ክሕዝን ጉባኤኹም መነሃርያ ክትገብርዎ እዋኑ እዩ።

በዚ መሰረት ጉባኤኹም ዓወታት ከሰንዮ፡ ንመስመር ሰልፊን ተራኡን ዘዕዝዝ ክኸውን እናተመነኹ፡ ብውጽኢት ናይ ጉባኤ መሰረት ከኣ፡ ኩለን ጨናፍር ኤውሮጳ፡ ክገጥመን ዝጸንሐ ሽግራትን መሰናኽላትን ሰጊረን ክስስና፤ ብሓድሽ ንያትን ብሓድሽ ተወፋይነትን፡ ኣባላተን ከብዝሓን ኣድማዒ ዕዮታት ከብርክታን፡ ትጽቢትናን ትጽቢት መላእ ኣባላት ሰልፍናን ምዃኑ ከመልክት እፈቱ።

ዕዉት ጉባኤ ይገብረልኩም!

ሰዲህኤ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!

ተስፋይ ደጊጋ

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

ጥቅምቲ 30, 2021

ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ብ7 ሕዳር 2021 ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ ኤሊሰንጎን ምክትል ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ሕቡራትን ኣወሃሃዲ ህጽጹ ሓገዝን ማርቲን ግሪፊትስን ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዘዘራረቡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ህወሓትን ወሃብ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።

ኣቶ ጌታቸ ኣተሓሒዞም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ምስቶም ሓለፍቲ ብሓፈሻ ብዛዕባ ፖለቲካውን ሰብኣውን  ቅልውላው  ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ከምኡ እውን ንዞባዊ ምዕባለታት ኣብ ዝምልከት ዝተገብረ ርክብ ውጽኢታዊ ምንባሩ ጠቒሶም።

ኣብቲ ርክብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም መርገጺ ትግራይ እንታይ ምዃኑ ንኽልቲኦም ልኡኻት ከም ዝገለጽሎም ክሕብር እንከሎ፡ ንዝርዝር  ትሕዝቶ ናይቲ ዝተዘራረብሉ ዛዕባታት  ዝምልከት ሓበሬታ ግና ኣይተገልጸን።

እዞም ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዶ/ር ደብረጼን ዝተራኸቡ ኣጋይሽ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይ ዘሎ ፐለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ንክፈትሑ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ክገብሩን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራከቡን ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ኣብቲ ዕለት ጉዳዮም ወዲም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመልሱ ከኣ ተፈሊጥይ።።

ሮይተርስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ እቲ ርክብ ኣብ መቐለ ከም ዝተኻየደ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ወሃብቲ ቃል መግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብዛዕባቲ ርክብ ርኢቶ ክህቡ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ጠቒሱ።