ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ናይዚ ከባብና ክቃልሑ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ “ደደቢት-ሚድያ” ዝተባህለት፡ ብዩቱብ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቃለሓቶ መልእኽቲ እዩ። ኣርእስታ “ትግራይ ወናኒት ባሕሪ እያ፡ ባሕሪ ናይ ምውናን ታሪኻውን ሕጋውን መሰል ኣለዋ” ዝብል ኮይኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ቀይሕ ባሕርናን ወደባትናን ናብ ምውናን ዝዓለመ ወስታ እዩ። ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባት ኤርትራ ኮነ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመዛረበን። ምኽንያቱ ተጠቃምነት ንልኡላውነት ኤርትራን ዋንነት ባሕራን ወደባታን ብዘይትክፍ፡ ብፈቓድ ህዝባ፡ ኣህጉራዊ ሕግን እሞ ድማ ናይ ሓባር ረብሓ ብዝማእከሉ ቅጥዕን ውዑልን ዝትግበር ስለ ዝኸውን።
ብኣመሓደርቲ ደደቢት ሚድያ ክበሃል ዝተሰምዐ ግና፡ ቀይሕ መስመር ልኡላውነትና ሰጊሩ “እታ ዋናታት ዘለዉዋ ሃገር ኤርትራ ናትና እያ” ዘስምዕ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዑ ቅቡል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ “ህልውና ትግራይ ንምርግጋጽን፡ ዝተወስደ መሬታ ራያን ወልቃይትን ንምምላስ ይቃለስ ኣለኹ” ካብ ዝብል ሚድያ “ጽባሕ ትግራይ ንኤርትራ ወሪራ ባሕርን ወደባትን ክትውንን እያ” ብዝብል፡ ምስ መግዛእቲ ዕድመኡ ብዘብቀዐ ስምዒት ተጐልቢብካ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ተጋራጫዊ ኣካይዳ እዩ።
ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ጸረ ሰላም ሓይልታት ተሳዒሮም ናይዚ ጐረባብቲ ህዝብታት ሰላም ናብ ንቡር ይምለስ ኢሉ ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ዝተላዕለ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ይውክልዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተኸቢቡ ንዓለም እውን ኣብ ዘጨንቕ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት እናሃለወ፡ ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ምልዓል ብሓጺሩ ግጉይ እዩ። እዚ ዝያዳ ንምብራሁ “ተጋሩ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደባቱን ብሓይሊ ክንውንን ኢና” ኢልካ ከተፈራርሕ ምህቃን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን ግዜን ቅቡል ኣይኮነን ማለትና እዩ።
ደደቢት ሚድያ ድምጻ ምስቶም ካብ ቀደሙ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ሎሚ እውን ተስፋ ዘይቆረጹ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስርዑ ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ፡ መርገጽ ህወሓት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዝውክልዩ ዝብል እምነትና ጽኑዕ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነጥፉ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ትካላት ዜናን ጸለውቲ ባእታታትን፡ ንቐጻሊ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ንዓሻ ድፍረት ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ዘስምዕዎ ናይ “ዓገብ” ድምጺ ዝድገፍን ሓላፍነታውን እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንጉዳይ ጉርብትና ምስ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብመንጽር ፖሊሲ፡ ሰናይ ጉርብትና፡ ናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ኢድ ዘይምትእትታውን እዩ ከመሓድሮ ጸኒሑ። ሕጂ እውን ካብዚ ኣርሑቑ ዝጥምት ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዝማእከሉ፡ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛኡ ፈልከት ኣይብልን እዩ። በዚ መዕቀኒ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣተሓሳስባ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ብዘይንሕስያ ይቃወሞ። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ድሮዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ዘይቅቡል ሓሳብ ምዝርጋሑ ብ29 ጥሪ 2022 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባኳ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ።” ዝብል ሓሳብ ዝርከቦ ውሳነታት እዩ ወሲኑ።
በዚ ኣጋጣሚ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ኤርትራውያን ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ክመሓድር ዝኽእል ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትኳ እንተለና፡ ብዘይካ ወለቕዘለቕ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃን ኣንጻር ከምዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ግህሰት ግና ሓደ ከም ዝኾነና ክርድኡ ነዘኻኽሮም። ንድፍረቶም ብኤርትራውያን ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘብርህ።
ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ (ዓብዱልራሕማን ካይሮ)፡ ብ1 ጥሪ 1950 ኣብ ከረን ተወሊዱ። ታሕታዋይን ካልኣይ ደረጃን ትምህርቱ እውን ኣብ ከረን ወዲኡ። ኣብ ኣስመራ ብሞያ ናይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት (Nurse) ድሕሪ ምምራቑ ካብ 1971-1974 ዓ.ም ኣብ ከረንን ኣቑርደትን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1975 ዓ.ም ምስ ገለ ብጾቱ ካብ ሆስፒታል ኣቑርደት ብርክት ዝበለ መድሃኒትን መሳርሕታትን ሕክምና ሒዞም ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምርካብ ናብ ሱዳን ኣትዩ።
ስዉእ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ክሳብ ዕለት መስዋእቱ ኣብ ሱዳን ንኤርትራውያን ብናጻ ሕክምናዊ ኣግልግሎት ዘበርከተ፡ ኣብ’ቲ ምእንቲ ናጽነትን ዲሞክራስን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎ ቃልስታት ድማ ካብኡ ዝጥለብ ሃገራዊ ግቡኣት እውን ዘበርከተ ተቓላሳይ ኣባል ኢዩ ነይሩ። ስዉእ ዓብዱልራሕማን ካይሮ፡ ብሱዳናውያን ዜጋታት እውን ከይተረፈ ብዝገበሮ ኣገልግሎት ኣዝዩ ምስጉንን ፍትውን ኢዩ ነይሩ።
ተጋዳላይ ዓብዱልራሕማን መሓመድ ዓሊ፡ ብ7 ለካቲት 2022 ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ተሰዊኡ። በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ራሕሱ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
(ስእሊ ኣነተ ወበር ካብ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ)
ኣነተ ወበር ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ (terrorists) ናይ ምውጻእ ምይይጥ ይካየድ ከም ዘሎን ብተግባር ክፍጸም ተኽእሎ ከም ዘሎን ብ12 ለካትቲ 2022 ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ ከም ዝሓበራ ብእንግሊኛ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ እትሕተም ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ገሊጻ።
እተን ፍልይቲ ልእኽቲ ኣተሓሒዘን፡ እቲ ንህወሓት ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ናይ ምውጻእ ምይይጥ፡ ኣብ ፓርላማ ዝካየደ ምዃኑ ጠቒሰን፡ እዚ እንተደኣ ተዓዊኢቱ ተኹሲ ናይ ምቁራጽን ርክብ ናይ ምቕጻል ተኽእሎን ከም ዝህሉ ሓቢረን።
ኣነተ ወበር፡ ኣተሓሒዘን ብመሰረት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበረኦ ርክብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ “ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ” ዝብል እምነት ከም ዝሓደረን ሓቢረን። ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ኣሎ ዝበላሉ ምኽንያታት ክገልጻ እነከለዋ ከኣ ኣብ ናይ 11 ለካቲት 2022 ዝርርበን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘይምእታዉን ናይ ብዙሓት ብጃምላ ተኣሲሮም ዝነበሩ ተጋሩ ምፍታሕን ስምዒት ከም ዘሕደረለን ጠቒሰን። ናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ብ5 ጉንበት 2021 እዩ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ብኣዋጅ ቁጽሪ 1176/2020 ኣብ መዝገብ ፈጠርቲ ራኦዲ ኣስፊርዎም።
ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦቦሳንጆ ዝገበረኦ ርክብ ብምጥቃስ ከም ዝበለኦ ከኣ፡ ኣውንታዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቒሰን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ዝሓስብዎ ናብ ምቑራጽ ተኹሲ ምኻድ እዩ ከም ዝበልወን እውን ተዛሪበን።
ኦባሳንጆ ብወገኖም ብ10 ለካቲት 2022 ንናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮሚሽን ጉዳያት ፖለቲካን ጸጥታን ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት፡ ብዛዕባቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ኩነታትን ጭቡጥ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕርን ግደ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውሁድ ምላሽን ምትሕብባርን ከም ዘድሊ ምጽውዖም ናይቲ ሕብረት ኮሚሽን ፖለቲካን ጸጥታን ኣፍሊጡ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብ 4ተ ሃገራት 5 ሚልዮን ህጻናት ከም ዝሓከመ ገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ(ስእሊ ዩኒሰፍ UNICEF)
ዩኒሰፍ UNICEF፣ ብ8 ለካቲት 2022 ኣብ ጄኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ኩነታት ቆልዑን ስድራቤታትን ኣዝዩ ኣሰካፊ ከምዘሎ፡ ብፍላይ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ መበል 18 ሓበሬታ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ብዝብል ዝዘርግሖ መግለጺ ምርዳእ ተኻኢሉ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማለት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ሶማልያን፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግቢ ንዝተጠቕዑ 5.5 ሚልዮን ቆልዑ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዝሃበ ጥቒሱ ካብኣቶም ናይቶም 1.5 ሚልዮን ዝገደደ ምንባሩ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋንዚ ጐንጽታት፣ ድርቅን ለበዳ ኮረና ቫይረስን ተደማሚሩ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብዚ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ቀረባት ማይን መግብን ከምዘድልዮም እቲ ኣህጉራዊ ትካል ቆልዑ ገሊጹ።ብዓንተቦ ዝናብ እንተዘይዘኒቡ ከኣ እቲ ኩነታት ዝያዳ ከም ዝብእስ ኣብቲ ናይ ዩኒሰፍ UNICEF ሓበሬታ ተጠቒሱ። ካብቲ ተጠቒሱ ዘሎ ሕክምና ናይ ዝረኸቡ ህጻናት ኣሃዝ እቶም 465,683 ኤርትራውያን ኮይኖም፡ ካለኦት እዚ ሕክምና ክረኽቡ ዝግበኦም ግና ዘይረኸቡ 723 ሽሕ ምዃኖም ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ናይቲ ትካል ሰፊሩ ኣሎ።
ዩኒሰፍ UNICEF ኣብ ምቕራብ ክታበት ቆልዑ፡ ቫይታሚን ኤን መኣዛዊ መግብታትን ዘተኮረ ኣብዘን ኤርትር እትርከብን ኣርባዕተ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህወይት ሰባት ንምድሓን፣ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2022 ኣብ ዘሎ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዜ ናይ 123 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ከምዘድልዮ ብምጥቃስ ናብ ሓገዝቲ ሃገራትን ትካላ ግብረ ሰናይን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ነፍሰሔር ፍስሃ ገብረማርያም
ነፍሰሔር ክቡር ሓውናን ኣቦናንን ኣቶ ፍስሓ ገብረማርያም (ሓወቦይ)ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል (Nord west krankenhaus) ፍራንክፎርት ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 10-02-2022 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ምህላዉ ምስ መሪር ሓዘና ንሕብር። ሓዘን ዝግበረሉ ቦታ ኣብ St. Hedwig Gemeinde Elsterstr 18, 65933 Frankfurt Griesheim (ኣብ ካቶሊካዊት ኪዳነ ምህረት ቤት ክርስትያን ግሪስሃይም ) ኮይኑ፣ ንሰኑይን ሰሉስን ዕለት 14-02-2022 ዕለት 15-02- 2022 ካብ ሰዓት 12.00 ክሳዕ ሰዓት 20.00 ዘሎ ሰዓታት ተፈቒዱልና ኣሎ። ቅዱስ ፍትሓትን ስነ-ስርዓት ቀብሪን ዝግበረሉ ዕለትን ቦታን ድሒርና ክንሕብር ምዃና ነፍልጥ።
መጓዓዝያ፣ ካብ ፍራንክፎርት ቀንዲ መደበር ባቡራት ንሆክስት ገጸን ዝኸደ Strassenbahn 11 ን 21
መላእ ስድራቤት
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ በ29 ጥሪ 2022 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ብዛዕባቲ ብሰንኪ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ሓደገኛ ውግእን፣ ናይ ኤርትራ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሓባር ጽላል ንምፍጣር ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፣ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን ብሰፊሑ ተመያይጡ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ዛዕባታት ብዝምልከት ሒዝዎ ዝጸንሐ መርገጻትን ዝምረሓሉ ፖሊሲታትን ተመስሪቱ ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል እናተምርሐ ንሓያሎ ሰዓታት ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባኡ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምዚ ሒዝዎ ዘሎ እንተቐጺሉ፡ እቲ ኣብ ትግራይን እቲ ውግእ ኣብ ዝበጸሖ ከባቢታት ኢትዮጵያን ዘውረዶን ሕጂውን ዘውርዶ ዘሎን ዕንወትን ህልቂትን ርኡይ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ደቃ ብዘይ ድሌቶም ኣብቲ ውግእ ተጠቢሶም ዝጠፍኡዋ ዘለዉ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዞባና እውን ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ባይቶ ተገንዚቡ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪቲ ኣብቲ ክልተ እዋናዊ ዛዕባታት ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋምን ሰፊሕ ምይይጥን እዞም ዝስዕቡ መደምደምታታትን ውሳነታትን ኣስፊሩ፡
- ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ውግእ ንምብላሕ ዝተኽተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስዓቦ ብርሰትን ዕንወትን ኩኑን እዩ። እዚ ብሽርክነት ውግእ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ነቲ ንቡር ሕውነት ክልቲኡ ህዝብታት ኣዚዩ ዝሃሲ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፣ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ከኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ደጊሙ ኣውጊዝዎ። ባይቶ ሰ.ዲህ.ኤ ሕጂውን ስርዓት ህግደፍ ብወያነ ኲናት ተኸፊቱና ብዝብል ጉልባብ ካብ ደገፍቱን እናኣፈራርሀ ካብ ዘገድዶም ንጹሃት ዜጋታትን ገንዘብ ይእክብ ምህላዉ ስለዝተገንዘበ ኩሎም እቶም ንመፈጸሚ ጸረ ህዝቢ ስርሒታት ገንዘብ ዝውፍዩ ወገናት ካብዚ ተግባሮም ክቑጠቡ ተሪር መጠንቀቕታ ኣመዝጊቡ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ። ኣብ ርእሲ እዚ ኩሎም እቶም ኣብቲ ውግእ ግህሰት ዝፈጸሙን ብኣዕናዊ ተግባራት ዝሕተቱን ኣካላት ጉዳዮም ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ተጻርዩ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ ህዝቢ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኑ ከቕርብ ኣኼባ ባይቶ የዘኻኽር። ብዝተተሓሓዘ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት፤ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ገበናት ህግደፍ ድኣእምበር ብእኡ ዝሕተት ከመዘይኮነ ክርድእሉ ነማሕጽን።
- እዚ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ሰፊሑ ዘሎ ውግእ መሰረታዊ ጠንቁ ፍልልይ ሕገመንግስታዊ ኣተረጓጉማን ፖለቲካዊ ኣረዳድኣን ስለ ዝኾነ፡ ማእከላይ ባይቶ ምቕጻል ውግኣት ክፈትሖ ከም ዘይክእል ይኣምን። ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ውግእ ጠጠው ብምባል እቲ ፍልልይ ብዘተ ንክፍታሕ ንዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒትን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣኼባ ባይቶ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ክልቲኦም ወገናት ንዘተን ፍታሕን ቅሩባት ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ።ንህዝቢ ትግራይን ንኩሎም ብውግእ ዝተሃስዩ ካልኦት ወገናትን በዂሩዎም ዘሎ ሕቶ መሰረታዊ ቀረባት ብህጹጽ ክምለሰሎምን፡ ብሰንኪ’ዚ ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃቦን ኣኼባ ተማሕጺኑ።
- ብሰንኪ’ቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክባ ኣእቲኻ ኣደዳ ዓጸቦ ምግባር ዝብል ዕላማ ወረርቲ ሓይልታት ከም ዝቋረጹ ተጌሮም ዘለዉ ኣገልግሎታት ሓይሊ መብራህቲ፡ መስመር ተሌፎንን ኢንተርነትን፡ ማይ፡ ባንክ፡ መጓዓዝያታትን ዝኣመሰሉን ብዘይ ውዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለሱ ባይቶ ደጊሙ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ በቲ ሰኣን መግብን ሕክምናን ዝመውት ዘሎ ህዝቢ መሪር ሓዘን ከም ዝስምዖ ባይቶ ኣስፊሩ። ካብዚ ንምድሓን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ናብ ህዝቢ ትግራይ ዝለኣኽ ሰብኣዋ ረዲኤት ንኸይበጽሖ ካብ ምዕንቃፍ ክቑጠቡ ይጽውዕ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተማዛበሉ ኢትዮጵያውያን ከምዚ ዓይነት ኣረሜናዊ ተግባር ከይፍጸምን ረድኤት ኣብ ግዝይኡ ከምዝበጽሖም ክግበርን ድማ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ።
- እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ መደበራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ገበናትን፡ ኣብ ልዕሊቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቱ_(መነባብርኡ) ተመዛቢሉ ኣብ ፈቐዶ መዕቆቢ ቦታታት ዘሎ ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ደብዳባት ነፈርትን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰታትን ጠጠው ክብል፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ግህሰታት ከኣ ሻራ ብዘይብሎም ወገናት ብግቡእ ተጻርዩ ፈጸምቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኣኼባ ባይቶ ይጽውዕ። ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ኣብዚ መዳይዚ ክጽዕቱ ከኣ ጸዊዑ።
- ምሩኻት ውግእ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ክትሓዙ፡ ብገበን ዝጥርጠሩ እንተለዉ ከኣ ጉዳዮም ብነጻ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰሎም ከይጓደል ዝከኣሎም ክገብሩ።
- ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ጽላል ንምትእኽኻብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ናብቲ ዝተሓሰበሉ ሸቶ ክበጽሕ ይቀራረብ ምህላዉ ማእከላይ ባይቶ ርእዩ። በዚ መሰረት ሰልፍና ጉዳይ ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ግደታ እምበር ምርጫ ከምዘይኮነ ብምርዳእ ሕቶ ምምስራት ሓቢርካ ዘቃልስ ጽላል ክሳብ ዝዕወት ቃልሱ ቀጻሊ ምዃኑ ባይቶ ወሲኑ። ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ጻዕሮም ከዛይዱ ከኣ ከም ወትሩ ጸዊዑ።
ኣኼባ ባይቶ፡ ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ዘይህዱእ ኩነታት ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ሱዳን ብዘውሕስ፡ መንገዲ ንክተሓዝ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
በዚ ኣጋጣሚ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝብድሎ ዘሎ ከይኣኽሎ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ወራራት ፈጢሩ ዘወድኦ ዘሎ ህግደፍ ከይተሓለለ ቃልሱ ከሐይል ደጊምና ነዘኻኽሮ። ሎሚ እዚ ጉዳይ ናይ ኩልና ኤርትራውያን እምበር ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ብምዃኑ ኣብ መኸተናን ሓድነትናን ኣንጻር ወጻዒ ንኽሕይል ተርኡ ንኽጻወት ንጽወዖ። መላእ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ከኣ ከም ወትሩ ፖሊሲታት ሰልፎምን ውሳነታት መሪሕነቶምን ኣብ ኩሉ መዳያት በቲ ልሙድ ጽንዓቶም ተወፋይነቶም ምዕዋት ክቕጽልዎ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ይጽውዕ።
ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
29 ጥሪ 2022
Statement of an Extraordinary Meeting of the EPDP Central Council
Written by EPDP Central CouncilThe Central Council of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) on 29 January 2022 held an extraordinary meeting to review and take appropriate measures on the following three issues of central importance at this moment in time: 1. To once more discuss the dangerous war that was ignited in Tigray and spread to several parts of Ethiopia; 2.to review the efforts of the Eritrean forces for change towards creating a common umbrella and the stage of their progress; and 3. to revisit the role of the EPDP in the two issues and take decisions on the basis of the existing Party positions and policies.
In this extraordinary meeting that lasted for several hours led by Party chairman, Tesfai Woldemichael (Degiga), the Central Council expressed deep concerns about worse consequences if the war is continued. It stressed that things could go out of hand in the entire region if hostilities continue in addition to the destruction so far witnessed in Tigray and other parts of northern Ethiopia as well as the long existing suffering inflicted upon Eritrea’s sons and daughters who were pushed into this war without their own will and decision.
At winding up discussions on the major two agenda times, the EPDP Central Council reached the following conclusions and decisions:
- The repressive Eritrean regime, which exported to Ethiopia the heinous crimes it has been inflicting upon the Eritrean people, must always stand condemned for its illegal interferences in the affairs of a neighbor and its criminal acts of igniting war by sharpening the differences between the Tigray region and the Federal authorities in Ethiopia. The tyranny in Eritrea has done this in addition to its unpardonable crime of causing untold suffering and destruction in Tigray. The unholy alliance of the Eritrean dictator with the Ethiopian PM Dr. Abiy Ahmed against the people and regional government of Tigray is irresponsible and extremely harmful to the future relations between the two peoples and has adverse implications to Eritrean sovereignty itself. As such, the EPDP Central Council condemns the unholy alliance with the strongest terms possible. Likewise, having learned that the Eritrean regime is extorting money from Eritreans with the false claim that Tigray is waging war of invasion on Eritrea, the Central Council advised and warned Eritrean nationals not to be accomplices in the regime’s continued war efforts. It stated that it was the Eritrean people who so far paid the heavy price for the war of interference in non-Eritrean affairs and it is now time to our people to defy all excuses and stand opposed to the regime’s war efforts. The meeting also reminds the Eritrean people to direct to world actors their demands for accountability against all those who perpetrated war crimes so that the perpetrators can face justice after their participation is investigated by independent and neutral bodies. The Central Council is of the firm belief that the Eritrean people are themselves victims of their own regime that shall solely be accountable for all crimes it commits in the name of the Eritrean people who had nothing to do with the regime’s criminal acts.
- The EPDP is of the conviction that the war started in Tigray and extended to other parts of Ethiopia is basically political with differing constitutional interpretations and cannot be solved with continued armed hostilities. It thus supports the peace initiatives being raised by several actors and urged the warring sides to accept a peaceful settlement of their differences. The CC meeting also called on the international community to respond adequately to the basic humanitarian needs of the Tigrayans and other peoples affected by the war in the region.
- The most urgent action required is to release without any further delay the supplies of electric power, water, banking facilities, communication lines and others which were interrupted long ago by the ill-intentions of the aggressive forces. The meeting expressed deep sorrow over the suffering and death of many innocent Tigray people because of lack of food and medical care and asked appropriate action by those concerned to prevent repeating such inhumane and brutal acts in Tigray and other Ethiopian regions.
- The CC meeting studied with deep sorrow and concern the criminal acts being perpetrated against Eritrean refugees and the aerial bombardments and related inhumane acts taken against displaced Tigrayans and once again called upon concerned bodies to investigate by independent bodies the criminal acts and grave violations against civilians and bring to accountability all their perpetrators.
- Furthermore, the meeting reminded that prisoners of war must be treated according to international conventions and laws and be considered innocent until their cases are reviewed by independent judicial bodies.
- The EPDP Central Council noted with measured satisfaction the approach towards finalization of the two-year coordination among sister political forces that are resolved to create a common umbrella. The Council insisted that joint work is not a choice but an obligation for Eritreans opposed to the regime in Eritrea and appealed to all concerned Eritrean forces to redouble their efforts towards finalizing the noble objective of creating one working national umbrella.
The CC extraordinary meeting also discussed about the unsettling political situation in the Sudan. While expressing serious concerns, the Central Council called upon all concerned parties to adopt peaceful means that guarantee the interests of the Sudanese people.
The EPDP Central Council took this opportunity to urge the Eritrean people to continue their struggle with added vigor against the tyrant regime which, on top of their existing bad situation, created new invasions against others to prolong its stay in power. We as a people are nowadays facing a national challenge that can only be resolved by a unified stand of a whole nation and not by one organization or community. The meeting also once more calls upon its members and committed supporters to work hard as ever before and help promote the objectives and action plans of the EPDP through implementing the policies and decisions of the Party’s Central Council.
We Struggle for Democratic Governance and Progress!
The EPDP Central Council
29 January 2022