ምግሃስ  ልኡላውነት፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ኣይኮነን

2022-02-13 15:27:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 937 times

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ናይዚ ከባብና ክቃልሑ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ፡ እቲ “ደደቢት-ሚድያ” ዝተባህለት፡ ብዩቱብ ንኤርትራ ዝምልከት ዘቃለሓቶ መልእኽቲ እዩ። ኣርእስታ “ትግራይ ወናኒት ባሕሪ እያ፡ ባሕሪ ናይ ምውናን ታሪኻውን ሕጋውን መሰል ኣለዋ”  ዝብል ኮይኑ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ግሂሱ ቀይሕ ባሕርናን ወደባትናን ናብ ምውናን ዝዓለመ ወስታ እዩ። ብዛዕባ ተጠቃምነት ወደባት ኤርትራ ኮነ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመዛረበን። ምኽንያቱ ተጠቃምነት ንልኡላውነት ኤርትራን ዋንነት ባሕራን ወደባታን ብዘይትክፍ፡ ብፈቓድ ህዝባ፡ ኣህጉራዊ ሕግን እሞ ድማ ናይ ሓባር ረብሓ  ብዝማእከሉ ቅጥዕን ውዑልን ዝትግበር ስለ ዝኸውን።

ብኣመሓደርቲ ደደቢት ሚድያ ክበሃል ዝተሰምዐ ግና፡ ቀይሕ መስመር ልኡላውነትና ሰጊሩ “እታ ዋናታት ዘለዉዋ ሃገር ኤርትራ ናትና እያ” ዘስምዕ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዑ ቅቡል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ “ህልውና ትግራይ ንምርግጋጽን፡ ዝተወስደ መሬታ ራያን ወልቃይትን ንምምላስ ይቃለስ ኣለኹ” ካብ ዝብል ሚድያ “ጽባሕ ትግራይ ንኤርትራ ወሪራ ባሕርን ወደባትን ክትውንን እያ” ብዝብል፡  ምስ መግዛእቲ ዕድመኡ ብዘብቀዐ ስምዒት ተጐልቢብካ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ተጋራጫዊ ኣካይዳ እዩ።

ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ትግራይ  ብኸመይ ጸረ ሰላም ሓይልታት ተሳዒሮም ናይዚ ጐረባብቲ ህዝብታት ሰላም ናብ ንቡር ይምለስ ኢሉ ሃንቀው ዝብለሉ ዘሎ እዋን ብኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ዝተላዕለ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ይውክልዩ ዝብል እምነት የብልናን። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተኸቢቡ ንዓለም እውን ኣብ ዘጨንቕ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኩነታት እናሃለወ፡ ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ምልዓል ብሓጺሩ ግጉይ እዩ። እዚ ዝያዳ ንምብራሁ “ተጋሩ ንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ወደባቱን ብሓይሊ ክንውንን ኢና” ኢልካ ከተፈራርሕ ምህቃን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታትን ግዜን ቅቡል ኣይኮነን ማለትና  እዩ።

ደደቢት ሚድያ ድምጻ ምስቶም ካብ ቀደሙ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ሎሚ እውን ተስፋ ዘይቆረጹ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስርዑ ኣዝዩ ዘሕዝን ኮይኑ፡ መርገጽ ህወሓት ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዝውክልዩ ዝብል እምነትና ጽኑዕ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነጥፉ ማሕበራዊ ሚድያታት፡ ትካላት ዜናን ጸለውቲ ባእታታትን፡ ንቐጻሊ ሰላም፡ ምክብባርን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግምት ኣእትዮም፡ ንዓሻ ድፍረት ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ዘስምዕዎ ናይ “ዓገብ” ድምጺ ዝድገፍን ሓላፍነታውን እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንጉዳይ ጉርብትና ምስ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብመንጽር ፖሊሲ፡ ሰናይ ጉርብትና፡ ናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ኢድ ዘይምትእትታውን እዩ ከመሓድሮ ጸኒሑ። ሕጂ እውን ካብዚ ኣርሑቑ ዝጥምት ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዝማእከሉ፡ ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛኡ ፈልከት ኣይብልን እዩ። በዚ መዕቀኒ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣተሓሳስባ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ ብዘይንሕስያ ይቃወሞ። ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ኣብ ድሮዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ዘይቅቡል ሓሳብ ምዝርጋሑ ብ29 ጥሪ 2022 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባኳ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ንሱ ስለ ዝኾነ፡ ንተግባራት ናይዚ ንኤርትራ ዝጭቁንን ምስ ጐረባብታ ዘዳምን ዘሎ ጉጅለ፡ ነቲ ዘቕርቦ ምስምሳት እዝኒ ከይሃበ ብኹሉ ዓቕሙ ክኹንኖን ክቃለሶን ባይቶ ሎሚ’ውን ከም ቅድሚ ሕጂ ይጽውዕ።”  ዝብል ሓሳብ ዝርከቦ ውሳነታት እዩ ወሲኑ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣካየድቲ ደደቢት ሚድያ፡ ኤርትራውያን ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ክመሓድር ዝኽእል ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትኳ እንተለና፡ ብዘይካ ወለቕዘለቕ ጉጅለ ህግደፍን ውሑዳት ደቂ ልቢ ገርሃን ኣንጻር ከምዚ ናይ ደደቢት ሚድያ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ግህሰት ግና ሓደ ከም ዝኾነና ክርድኡ ነዘኻኽሮም። ንድፍረቶም ብኤርትራውያን ዝወሃብ ዘሎ ግብረ መልሲ ድማ ነዚ እዩ ዘብርህ።

Last modified on Sunday, 13 February 2022 16:37